ሕብረት ኣውሮጳ ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማልያ ክኽበር ይግባእ ኢሉ

ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣውሮጳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣካል ሶማልያ ዝዀነት ሶማሊላንድን ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንኽትረከብ ዘኽእል ዝተፈረመ ስምምዕ ኣምልኪቱ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማልያ ክኽበር ከምዝግባእ ገሊጹ።

ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ስምምዕ ኣመልኪቱ ኣብ ዝውጽኦ ሓጺር መግለጺ፡ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ፡ ቻርተራት ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን፡ ምኽባር ሓድነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማልያ ከነዘኻር ንፈቱ ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ሕብረት ኣውሮጳ ትማሊ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰላምን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምውሓስ ልኡላውነት ሶማልያ ምኽባር ቀንድን ወሳንን ነገር’ዩ ኢሉ።

ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን 1 ጥሪ 2024 እየን፡ ነቲ ኢትዮጵያ ብመልክዕ ሊዝ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ዘኽእል ውዕል ሰነድ ተፈራሪመን።

ብመሰረት እዚ ክልተኣዊ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊላንድ 20 ኪሎሜተር ንውሓት ዘለዎ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ፡ ኢትዮጵያ ከኣ ንሶማሊላንድ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መጠኑ ዘይተፈለጠ ብርኪን ከም ሃገር ኣፍልጦን ክትህባ እያ።

ሶማሊላንድ ቅድሚ 30 ዓመታት’ያ ካብ ሶማልያ ነብሳ ዝኸኣለት ሃገር ከምዝዀነት ብምግላጽ ተፈልያ፤ ሶማል ግን ክሳብ ሕጂ ኣካል ግዝኣታ ከምዝዀነት’ያ ትገልጽ።

ሶማሊላንድ ብሕብረት ኣፍሪቃ ይዅን ብሕቡራት ሃገራት’ውን ከም ሃገር ኣይትፍለጥን’ያ።

ደሕሪ እቲ ምፍርራም ሰነድ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሰ ቢሂ ኢትዮጵያ “ንሪፓብሊክ ሶማሊላንድ ብወግዒ ኣፍልጦ ዝሃበት ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ኣላ" ኢሉ።

እቲ ውዕል ምስ ተፈረመ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ክተፈልጣ’ያ ኣብ ዝብል ነጥቢ ካብ ኢትዮጵያ ዝተብሃለ ነገር’ኳ እንተዘይሃለወ፡ ትማሊ እታ ካብ ሶማልያ ተነጺላ ርእሰ ምምሕዳራ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ፡ ሃገር ንኽትከውን ዘኽእላ፡ “ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ” ካብ ኢትዮጵያ ንኽትረክብ ከምዝተሰማምዐት ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝቕበሎ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ድኤታ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ ሓቢሩ።

ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ነቲ ስምምዕ ታሪኻዊ ስምምዕ ኢለን’ኳ እንተገለጸኦ፡ ካብ ሶማል ግን ተሪር ዝዀነ ተቓውሞ ኣስዒቡለን ኣሎ።

መንግስቲ ሶማል፡ ሶማሊላንድ ኣካል ሶማል ከምዝዀነት ብምግላጽ እቲ ስምምዕ “ንነጻነት፡ ንልኡላውነት፡ ንግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማልያ ዝጻባእን ኣብ ልዕሊ ሪፓብሊክ ሶማልያ ዝተፈጸመ መጥቃዕትን’ዩ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ።

ሶማልያ ነቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዘካየደቶ ሰነድ ስምምዕ ዘለዋ ተቓውሞ ብምግላጽ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኣምባሳደራ ስሒባቶ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሶማልያ፡ ነቲ ተግባር ብትሪ ብምቅዋም ተግባራት ኢትዮጵያ ንግዝኣታዊ ሓድነት ሶማልያ ዝግህስ ከምዝዀነን ሶማሊላንድ ኣካል ሶማልያ ከምዝዀነትን ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ሓምዛ ዓብዲ ባረ ብወገኑ “ህዝቢ ሶማልያ ርግእ ክብል ይጽውዕ፡ ሃገርና ናይ ምክልኻል ምሉእ ዓቕሚ ከምዘለና ከኣ ከረጋግጽ እፈቱ፤ ዝዀነ ካብ መሬትና፡ ባሕርናን ኣየርናን ኣይክግሃስን’ዩ። ብዅሉ ሕጋዊ መዳያት ከኣ ክንከላኸል ኢና። ምስቲ ኣብ ደቡብ ይዅን ኣብ ሰሜን ዘሎ ህዝብና ብምዃን ከኣ ንሃገርና ከምእንከላኸል ርግጸኛ’የ” ኢሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ መንግስቲ ሶማልያ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፡ ኢጋድን ካልኦት ዓለምለኻውያን ማሕበራትን ኣብ ጐድኒ ሶማልያ ደው ብምባል፡ ኢትዮጵያ ብዓለምለኻዊ ሕጋጋት ንኽትቅየድ ጸቕጢ ክገብሩላ ጸዊዑ ኣሎ።