'ፍትሒ ንደቀንስትዮ ትግራይ' ትጽውዕ ራህዋ፡ ኣብ ሚስ ብላክ ቤልጅም 2023 ደሚቓ

ራህዋ ኣብ መድረኽ

ምንጪ ስእሊ, RK

ኣብ ውድድር ጽባቐ ሚስ ብላክ ቤልጅም 2023 ካልኣይቲ ኰይና ዝዛመት ራህዋ ክንፈ፡ ባህልን ጸጋታትን ትግራይ ብምልላያ ሓበን ከም ዝተሰምዓ ገሊጻ።

ራህዋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ድምጺ ናይተን ኣብ ትግራይ ንዝርከባ ኣደታትን ኣሓትን ወኪላ ኣብቲ ውድድር ምቕራባ ዓቢ ዕድል ምዃኑ’ውን ሓቢራ።

ኣብዚ ዓመታዊ ዝካየድ ውድድር፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ባህልታተንን ጸጋታተንን ከላልያ ዕድል ከም ዝረኽባ ይግለጽ።

ንሳ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርገሐ መወዓውዒ ብምርኣይ እያ ኣብቲ ውድድር ክትሳተፍ ወሲና።

ንትግራይ ወኪላ ኣብቲ ውድድር ንኽትሳተፍ ዝደረኻ ሓደ ካብ ንእስነታ ጀሚሩ ንውድድር ጽባቐን ሞዴሊን ስራሕን ፍሉይ ድልየት ነይርዋ።

ብተወሳኺ፡ “ኣብ ትግራይ በተለይ በተለይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ኣደታትናን ኣሕዋትናን ዝበጽሐ ግፍዒ ዓው ኢለ ክዛረበሉ ዝኽእለሉ ዓቢ መድረኽ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ እየ ብጣዕሚ ደስ ኢሉኒ ተሳቲፈ” ትብል ራህዋ።

ራህዋ መጀመርያ ንትግራይ ወኪላ ክትወዳደር ተኸልኪላ ከም ዝነበረት ትገልጽ።

ንትግራይ ወኪላ ከም እትወዳደር ክትገልጽ ከላ፡ ኣዳለውቲ እቲ ውድድር ከም ዝተደናገሩ ትዛረብ።

“ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት እዮም ዘፋልጡ ነይሮም” ትብል።

ራህዋ ትግራይ ማለት ኣብ ኢትዮጵያ እትርከብ ክልል ከም ዝዀነትን ናይ ገዛእ ርእሳ ባንዴራ፡ ባህልን ጸጋታትን ከም ዘለዋ ምስ ሓበረቶም፡ ኣብ መወዳእታ ንትግራይ ወኪላ ክትወዳደር ከም ዝተፈቐደላ ገሊጻ።

“ዕላማኡ መንነትን ባህልን ኣፍሪቃ ምፍላጥ ስለዝዀነ መጨረሽታ ፈቒዶምለይ።”

ብዙሓት ተወዳደርቲ ሃገረንን ባህለንን ወኪለን ኣብቲ ውድድር ከም ዝቐረባ እትገልጽ ራህዋ፡ ካብኣተን “ናብ መድረኽ ዝወጻእና 9” ኢና ኢላ።

“ኣብ ትግራይ ዝበጽሐ ነገር ዘይፈልጡ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ” ብምባል ብዛዕባ እተን ኣብ ትግራይ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፣ ኣብ እዋን'ቲ ኲናት ድሕሪኡን ዝወረደን በደላት ዓው ኢላ ክትዛረብ ምኽኣላ ከም ዘሐጐሳ’ውን ሓቢራ።

ራህዋ እቲ ውድድር ኻልኦት ዕድላት’ውን ክትረከብ ከም ዘኽኣላ’ያ ትገለጽ።

“ኣብቲ ውድድር ሚስ ቤልጅም ተረኺባ ነይራ፤ ንሳ ‘ጎልደን ቲኬት’ ሂባትኒ” ኢላ።

ሓንቲ ተዓዋቲት ሚስ ቤልጅም ክልተ ‘ጎልደን ቲኬት’ ከም ዝወሃባን ኣብ ከም ሚስ ብላክ ቤልጅም ዝበሉ ፍጻመታት ተረኺባ ንዝመረጸተን ክልተ ኣዋልድ ክትህብ ከም እትኽእል ኣብሪሃ።

እቲ ‘ጎልደን ቲኬት’፡ ራህዋ ብቐጥታ ኣብ ሚስ ቤልጅም ንኽትሳተፍ ዘኽእላ እዩ።

ራህዋ ክንፈ ኣብ መድረኽ

ምንጪ ስእሊ, RK

ኣብ መጋቢት 2022 ናብ ቤልጅም ዝመጸት ራህዋ ትውልዳን ዕብየታን ኣብ ኣክሱም ትግራይ እዩ።

“ኣክሱም ብጣዕሚ ዓባይ ከተማ ኣይኰነትን፤ እቲ ሕብረተሰብ ባዕሉ እዩ ዘዕብየካ” ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።

ገና ተማሃሪት ከላ ንሞዴሊን ፍሉይ ስምዒት ነይርዋ፤ ካልኣይ ደረጃ ተመሃሪት ከላ ሚስ ኣክሱም ከም ዝተዓወተት ድማ ትዛረብ።

ብተወሳኺ ንትግራይ ወኪላ ባድሜንተንን ሰደቓ ቴኒስን ትጻወት ነይራ።

ኣብ ኵሉ መዳይ ወለዳ ንስምዒታን ድልየታን ይድግፉ ከም ዝነበሩ ብምግላጽ፡ ብፍላይ ብህይወት ዘየለ ኣቦኣ “ናብዚ ከም ዘብጸሓ” ትገልጽ።

ራህዋ፡ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሆስተስ ወይ ኣሳሳይት ኰይና ንኣስታት 5 ዓመት ሰሪሓ’ያ።

ኣብ ትግራይ ድሕሪ ዝተወልዐ ኲናት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ካልእ ከባቢታት እታ ሃገርን ዝነብሩ ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ግዳያት ማእሰርትን ምንግልታዕን ክዀኑ እንከለዉ፡ ራህዋ’ውን “ከም ኵሉ ትግራዋይ” ካብቲ ግፍዒ ከም ዘየምለጠት ተረድእ።

“ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሰንኪ መንነተይ ተኣሲረ ነይረ። ብዙሓት መሓዙተይ ተኣሲሮም፣ መእተዊ መውጽኢ ዝሰኣንናሉ ግዜ እዩ ነይሩ። ምስ ተፈታሕኩ ኸኣ ህይወተይ ንምድሓን ናብ ቤልጅም መጺአ” ብምባል ትሕብር።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ራህዋ፡ ኣብ ቤልጅም ፎቶ ሞዴል ኰይና ካብ ምስራሕ ብተወሳኺ ፕሮግራሚን ወይ ዌብሳይት ዲቨሎፕመንት ትመሃር ኣላ።

ብቐጻሊ ድማ ውድድር ጽባቐ/ሞዴሊን ክትቅጽለሉን ዓዳ ባህላን ክተፋልጥን ድልየት ከምዝለዋ ትገልጽ።