ዶ/ር ኣለክሳንደር ናቲ፡ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ዝተዀልፈ ኤርትራዊ ተመራማሪ ስነ-ሰብ መን እዩ?

ምንጪ ስእሊ, DM
“ብፍሉይ ብልሕን ምስትውዓሉን ዝልለ፡ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝበ ኩናማን ዝመራመርን ዘስተምህርን ልዑል ሞያዊ ክእለትን ናይ ምጽሓፍ ዓቕምን ዝነበሮ ኣለክሳንደር ናቲ፡ ንህይወት ክጽንብል ዓው ኢሉ ክስሕቕ ብዙሕ ግዜ ኣብ ሓንጎለይ ደበኽ ይብለኒ” ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኤዲንብራ (ስኮትላንድ) እትምህር ዶ/ር ሳራ ዶርማን ንኤርትራዊ ኣንትሮፖሎጂስት ኣለክሳንደር ናቲ እንክትዝክር።
ዶክተር ኣለክሳንደር ናቲ መን እዩ?
ኣለክሳንደር፡ ብ10 መስከረም 1957 ኣብ ማርቲ (ኵናማ) ተወሊዱ፡ ኣብ ካቶሊካዊት ቤት ትምህርቲ ኣብ ባረንቱ መባእታዊ ትምህርቱ ኣጠናቐቐ።
ኣለክሳንደር ኣብ ልዕሊ ቋንቋ ኣደኡ - ቋንቋ ኵናማ ምዃኑ’ዩ - ቋንቋታት ጣልያንን ትግረን ትግርኛን ተማህረ። ኣይደንጐየን ከኣ እንግሊዘኛን ዓረብኛን እውን ወሰኸሉ። ኣብ መደምደምታኡ ደኣ ኣየብጽሖን’ምበር፡ ብትምህርቲ ሚስዮን ኣቢሉ መለኮታዊ ትምህርቲ ንኽመሃር'ውን ዕድል ረኺቡ ነይሩ።
ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ኣስመራ ድሕሪ ምዝዛም፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብስነ ሕብረተሰብ (ሶስዮሎጂ) ብ1982 ብዲግሪ ተመረቐ።
ኣለክሳንደር፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ (ስንጭሮ ኦሞ - ኣብ ጎሙጐፋ) ብዝርከቡ መሰላቶም ብኣድልዎ ዝገሃስ ዝነበረ ህዝቢ ዓሪ፡ ይግደስ ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባኦም ሰፊሕ መጽናዕቲ ከካይድ ተበገሰ። እቶም ህዝቢ ምስ ጸገማት ህዝቢ ኵናማ ዝመሳሰል ሽግር ስለዝነበሮም፡ ኣብ መንጐኦም ኰይኑ ነቲ ቀንዲ ጸገማትን ግህሰታት መሰልን ብቐረባን ብደቂቕን ኣጽንዐ።
ብ1986 ከኣ ትምህርቱ ንኽቕጽል ንሕ.መ.ኣሜሪካ (ኣብ ስታንፈርድ ዩኒቨርሲቲ) ብምኻድ ናይ ማስተር መዓርግ ደረበ። ብድሕሪኡ በቲ ዝጀመሮ ዓውደ መጽናዕቲ (ብዛዕባ ውጹዓትን ውሑዳንን ዓሌት ህዝቢ ዓሪ ኢትዮጵያ) ተወሳኺ መጽናዕቲ ብምክያድ፡ መዓርግ ዶክተርነት (PhD) ረኸበ።
ዶ/ር ኣለክሳንደር ንኤርትራ ምስ ተመልሰ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ከገልግል ጀመረ። ምስኡ ኸኣ ኣባል ኮሚሽን ቅዋምን ኣባል ቦርድ-ምርጫን ኰይኑ ተመዘዘ። ዝዝከር’ዩ ክልቲኦም ተቕዋማት ስርሖም ንኸይቕጽሉ ብመንግስቲ ከም ዝተዓግቱ። ብተወሳኺ፡ ዶ/ር ኣለክሳንደር ኣብቲ ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝተኻየደ ፖሊሲ ቋንቋ-ኣደ ኣበርክቶ ነበሮ።
ኣበርክቶ ዶ/ር ኣለክሳንደር ናቲ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተግልጸ ጥራይ ኣይነበረን። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ክፍሊ ሶስዮሎጂን ኣንትሮፖሎጅን ብጻዕሩ ተተኺሎም፣ ንሱ ኸኣ ብመዓርግ ፕሮፈሰርነት ይኣልዮም ነበረ።
ጻዕርን ኣገዳስነት መጽናዕቲ ዶ/ር ኣለክሳንደር ተራእዩ ሮኮፈለር ፋዉንደሽን ዝተባህለ ኣህጕራዊ ትካል ምእንቲ መጽናዕቱ ብግቡእ ከካየድ፡ ክልተ ግዜ ገንዘባዊ ደገፍ ገይሩሉ’ዩ። ኣብ ዛዕባ ሕብረተሰብ ኵናማ ተወሳኺ መጽናዕቲ ንኸካይድ ድማ ንባረንቱ ይመላለስ ነበረ።
ዶ/ር ኣለክሳንደር ሓያሎ መጽናዕትታት ዘካየደ፡ ኣብ ዓበይቲ ኣህጕራውያን መጽሔታት መጽናዕቱ ዘሕተመ፣ በቲ ብዛዕባ ዓሌት ዓሪ (ኢትዮጵያ) ዘካየዶ መጽናዕቲ ኸኣ ዓቢ ቆላሕታ ክረክብ ዝኸኣለን ምሁር እዩ ዝነበረ። ብስርሑ ዓወታት እናተጓናጸፈ ምስ ከደ ኸኣ ብዛዕባ ኤትኖግራፊያ ህዝብታት ኵናማን ዓሪን ኣስተምህሮ ንኽህብ ኣብ ሓያለ ዋዕላታት ይዕደም ነበረ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዘቕርቦ ዝነበረ ትምህርቲ (ብዛዕባ መባእታ ማሕበራዊ ኣንትሮፖሎጂያ) ሰሓቢ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ዘቕርቦ ትምህርቲ ንኽምሃሩ፡ ዓመታዊ ኣስታት 200 ተመሃሮ ይምዝገቡ ነበሩ።
ገለ-ገለ ካብ ዘዘውትሮም ዝነበሩ ጽንሰ ሓሳባት ንምጥቃስ፡ ምውህሃድ ህዝቢ ብዘይ ገለ ፍልልይ (Integration without discrimination)፡ ማዕርነት ዓሌታት ኤርትራ፡ ፍትሓዊ ምቅሊት (equity)፡ ሰብኣዊ ክብረት (human dignity) ... ኵሎም ክብርታት ህዝቢ ኤርትራን ዝተኣሳሰሩ ነበሩ።

ምንጪ ስእሊ, DM
እቲ ኣብ ኢንሳይክሎፒድያ ኤትዮፒካ (ቅጺ 5) ዝቐረበ ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰ ሓጺር ጽሑፍ ታሪኽ ህይወት ዶ/ር ኣለክሳንደር፡ ኣበርክቶኡን፡ ሃንደበታዊ ማእሰርቱን ካብ ምምህርና ምርፋቱን ብ09 ታሕሳስ 2003 ንዘጋጠመ ሃንደበታዊ ሕልፈቱን ጠቒሱ ይድምድም።
እቲ ኣብ ኣሜሪካ ብትምህርቲ ስነ-ሰብ (ኣንትሮፖሎጂ) ዝሰልጠነ ኣለክሳንደር፡ ኤርትራ ሓራ ምስ ወጽአት ንኣስመራ ተመሊሱ ኣገልግሎት ብምሃብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዓይነታዊ ለውጢ ኣተኣታተወ።
እታ ንዶክተር ኣለክሳንደር ምስ ፍሕሹው ገጹን ሰሓቝን እትዝክሮ ምስኡ ሓቢራ ዝሰርሐት ዶ/ር ሳራ ዶርማን ብዛዕባ ኤርትራ ብርክት ዝበሉ ምርምራት ዘካየደትን ዝጸሓፈትን መምህር’ያ። እታ ‘ትረኻ ሃገራውነት ኣብ ኤርትራ’ (Narratives of nationalism in Eritrea) ዘርእስታ ጽሑፋ ከኣ ንዝኽሪ ዶክ. ኣለክሳንደር ናቲ እያ ወፍያታ።
ኣብ ኣሜሪካ ተመሃራይ ዶ/ር ኣለክሳንደር ናቲ ዝነበረን ዳሕራይ ተሓጋጋዚኡ ኰይኑ ዝሰርሐን ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ዶ/ር ዳዊት ዑቕባጽዮን ወልዱ ምስ ኣለክሳንደር ናይ ቀረባ ፍልጠት ነይሩዎም።
ዶ/ር ዳዊት “ዶ/ር ኣለክሳንደር ናቲ በሊሕን ሓቀኛን፡ ብስልጣን ዘይታለልን ብመብጽዓታት ዘይቅሸሽን ተመራማሪ’ዩ ነይሩ፣ ብዘይ ገለ ሕብእብእ ድማ ኣብ ሓንጎሉ ዝመጾ ሓሳብ ብትብዓት ዝገልጽ፡ ብተወሳኺ ኸኣ ምስ መዘንኡን ተመሃሮኡን ከምኡ’ውን ሰበ-ስልጣን ብወጽዓታት ህዝቢ ኵናማ፡ ኣብ ጕዳይ ኣተኣላልያ መሬት ጋሽ-ሰቲት፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ካልኦት ዛዕባታት ዝካታዕ ሰብ ነበረ፣ መቸም ሞይቱ ምስ ሰማዕኩ ኣዝየ'የ ሰንቢደ” ይብል።
“ዶ/ር ኣለክሳንደር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኵናማ ዝፍጸሙ በደላት፡ ከም ባህላዊ ዕብለላ፡ ኣተኣላልያ እጀታ መሬት ዘኣመሰሉ ጕዳያት፡ ምዕቡል ትንተና ተጠቒሙ ዝምህርን ዝጽሕፍን ሰብ ነበረ። ብሸነኽ መንግስቲ ንኣተኣላልያ ጉዳይ ህዝቢ ኵናማ ዝትግበሩ ፖሊሲታት’ውን ዝብድህ ሰብ ነበረ” ይብል ዶ/ር ዳዊት።
ንኣብነት፡ ዶ/ር ኣለክሳንደር ናቲ ኣብቲ ብ2002 ብዛዕባ ዳግመ ኣንቆራ ብዝምልከት (ምግዓዝ ህዝቢ ካብ ከበሳ ናብ ጋሽ-ሰቲት) ብጽሑፍ ዘስፈሮ መጐተ፡ መንግስቲ ክጥንቀቕን ብልቦና ክሰርሕን ይግባእ - ምእንቲ ቅርሕንትን ግጭትን ከይመጽእ፣ ከምኡ’ውን ምስ ደቀባት ተላዚብካን ኣፍቲኻን ደኣ’ምበር ብሓይሊ ክሰላስል ኣይግባእን፡ ኢሉ ይምጕት ነበረ።
ጋሽ-ሰቲት ማዕከን እኽሊ’ዩ (breadbasket)። እዚ ማለት ክሕረስ ዝከኣልን ሃብታም መሬትን ከም ምዃኑ መጠን፡ መንግስቲ ንክብሪ ህዝቢ ኵናማ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ዝድለ ንኸሰላስል ብዘተ ክኣትዎ ይግባእ ይብል ነበረ። ብኣንጻሩ፡ ኣብ ምሕደራ’ቲ ዞባ፡ ኣብ ቤት-ፍርዲ ይዅን ስርሓት ፖሊስ ዝነጥፉ ኣባላት፡ ደቂ ከበሳ’ምበር ደቂ ኵናማ ብዘይምንባሮም፡ ብግልጺ ይነቅፍ ነበረ።
ፕሮፈሰር ጆን ኣቢንክ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ላይደን (ሆላንድ) ተመዲቡ ኣብ መጽናዕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነጥፍ ገዲም ተመራማሪ፡ ፖለቲካን ምሕደራን ኣፍሪቃ፡ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ (ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ) ምርምራት ዘካየድ ኣካደምያዊ ኰይኑ ምስ ዶ/ር ኣለክሳንደር ናቲ ብቐረባ ሰሪሑ’ዩ።
“ክልተ ዓመት ቅድሚ ምማቱ ኣለክሳንደር ኣብ ትካልና ከም ዕዱም መምህር (visiting fellow) ኰይኑ ኣገልጊሉ’ዩ፤ ካብ ሽዑ ጀሚርና ክሳብ ግዜ ስንብታኡ ርክብ ኣየቋረጽናን፣ ጽኑዕ ዕርክነት ከኣ መስሪትና ነይርና። ሞይቱ ምስ ሰማዕኩ ብሓቂ ሓዚነ” ይብል ፕሮፈሰር ኣቢንክ።

ምንጪ ስእሊ, DM
ፕሮፈሰር ጆን ኣቢንክ (ምስ ብጾቱ ኰይኑ) ብዛዕብ ሞት ዶ/ር ኣለክሳንደር ኣብቲ ዓምደ-ሙታን ዘስፈሮ ዛንታ ከመይ ይመስል?
ዓምደ-ሙታን ዶ/ር ኣለክሳንደር ናቲ
እቲ ብዛዕባ ዶ/ር ኣለክሳንደር ናቲ ዝቐረበ ዓምደ-ሙታን ብሓፈሻኡ ንምግላጽ፡ ብድሕሪ-ባይታኡ ጀሚሩ ኣብ ዓለም-ምሁራን ዝተጓነጸፎ ዓወት ይዝርዝር። ብድሕሪኡ ማእሰርቱን፡ ሃንደበታዊ ኣማዉታኡን ጠቒሱ ሬሳኡ ኣብ ባረንቱ ከም ዝተቐብረን የዘንቱ።
ሕመረት ትሕዝቶኡ ግን ኣብታ ንመጠረስታ እዋን ዝተሳተፋ ኣኼባን ዘስዓበቶ ሰበብን ከምኡ’ውን ኣማውታኡን ይገልጽ።
ዶ/ር ኣለክሳንደር ናቲ ብዝተገብረሉ ዕድመ መሰረት ንመበል 25 ኣህጕራዊ ኣኼባ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኢትዮጵያ (XVth International Conference of Ethiopian Studies ) ንኽካፈል ተጓዕዘ። እቲ ኣኼባ ካብ 20 ክሳብ 25 ሓምለ 2003 ኣብ ሃምቡርግ ዝተባህለ ከተማ (ኣብ ጀርመን) ተኻየደ።
ኣብቲ ኣኼባ ካብ 25 ሃገራት ዝመጹ ልዕሊ 400 ስነ-ፍልጠተኛታት ተረኺቦም ነበሩ። ሓደ ካብኦም ዶ/ር ኣለክሳንደር ነበረ። እቶም 130 ዝቝጽሮም ዝቐረቡ ጽሑፋት፡ ብዛዕባ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኰይኖም፡ ካብ ራብዓይ ክሳብ 21 ክፍለ ዘመን ዝትንትኑ ጽሑፋት ነበሩ።
ንምዃኑ፡ ምስ ዶ/ር ኣለክሳንደር ናቲ ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፈ ዶ/ር ዓብደልቃደር ሳልሕ ዝተባህለ - ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ - ብጻዩ መምህር ነበረ።

ምንጪ ስእሊ, DM
ፕሮፈሰር ጆን ኣቢንክ ከም ዝበሎ፡ ነቲ ዓምደ-ሙታን ምስ ሰለስተ ብጾቱ ኰይኑ ዝጸሓፈ፡ ዶ/ር ኣለክሳንደር ናቲ ኣብቲ ኣኼባ ዕዙዝ ተኻፋልነት ነበሮ - ክልተ ወረቓቕቲ ኸኣ ንኣኼበኛታት ኣቕረበ። ኵነታቱ ድማ ጽቡቕ ምንባሩ ይገልጽ።
እቲ ኣኼባ ምስ ተዛዘመ ክልቲኦም መምህራን ንኣስመራ ተመልሱ። ኣብ ምላሾም ከኣ መንግስቲ ኣብ ቀይዲ ኣእተዎም።
እቲ ክሲ ብዕሊ'ኳ ኣይነገር፡ ፕሮፈሰር ጆን ኣቢንክ ከም ዝበሎ፡ 'ኢትዮጵያውያን ዝተረኽብሉ ኣኼባ ንኽትሳተፍ መን ኣፍቀደልኩም?' ዝብል ክሲ ነበረ። ዶ/ር ሳራ ዶርማን'ውን መእሰሪኦም ተመሳሳሊ ምኽንያት ተቕርብ። ኢንሳይክሎፒድያ ኤትዮፒካ ግን 'ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ኣብ ቀይዲ ኣተዉ' ኢሉ ኣብ ዓምዱ ኣስፊሩዎ ይርከብ።
ዝዀነ ኰይኑ፡ እቲ ሽዑ ኣብ ኤርትራ ዓሲሉ ዝነበረ ሃዋሁው ምጥቃሱ ኣገዳሲ ይኸውን።
ኣብ መጀመርያ 2000'ታት ኣብ ኤርትራ ቅሳነት ኣይነበረን። ውግእ ባድመ ተወዲኡ፡ ናጻ ፕረስ ተቐላቒሉ፡ ሃገር ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንኽትሰጋገር ሰነዳት ዝተዳለወሉ፡ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ሓድሓደ መሰላት ክሓትሉ ዝጀመርሉ እዋን'ኳ እንተነበረ፡ እቶም ተስፋታት ክርገጹ ጀመሩ።
መራሕቲ ሰውራን መንግስትን ዝነበሩ ተኣስሩ፣ ጋዜጣታት ተዓጽዉዋ፡ በዓል ሰመረ ከሰተ (ሓላፊ ማሕበር ተመሃሮ ነበር) ዝተኣስሩሉ፡ ኮሚሽን ዶብ (ኣብ ሄግ ዝርከብ ቤት ፍርዲ) ፍርዱ ዝሃብሉ፡ ንኡሳን ሃይማኖታት ዝተወገድሉ፡ ተስፋታት ምርጫ ዝማህመነሉ... ብሓጺሩ ኵነታት ዝጸንከረሉ እዋን ነበረ።
ድሕሪ ሒደት መዓልታት ዶ/ር ኣለክሳንደር ናቲን ዶ/ር ዓብዱልቃድር ሳልሕን ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈትሑ፣ ብኡንብኡ ኸኣ ካብ ሓላፍነቶም ከም ዝባረሩ ተገብረ።
ብዙሓት መዘንኦምን ተመሃሮኦምን ሰንበዱ። ኣብቲ ህሞት’ቲ እንታይ ከም ዝተኻየደ፡ ኣሰርቶም እንታይ ከም ዝበሉን ዝገበሩን፡ ንምንታይ ብቕጽበት ካብ ስርሖም ከም ዝተባረሩ ኣርጊጹ ዝፈልጥ ወይከኣ ኣፉ መሊኡ ክሳብ ሕጂ ዝተዛረበ ሰብ የለን።
ዝርርብ ምስ ኣባዳር ናቲ
ሓደ ኣባዳር ናቲ ዝበሃል ተወላዲ ኵናማ ብ2003 ብስራሕ ምኽንያት ንኣስመራ ወረደ። ንሱ ምስ ሓደ ‘ማኒ-ተዘ’ ዝበሃል ናይ ጣልያን ናይ ልምዓት ገባር ሰናይ ማሕበር ይሰርሕ ነበረ። ሕጂ ኣባዳር ደቍን ሓዳሩን እናተኸናኸ ኣብ ኣሜሪካ ይነብር ኣሎ።
ኣባዳር ከም ዝበሎ፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ መወዳእታ ሕዳር (2003) ገጹ ምስ መጸ፡ ብኣጋጣሚ ኣብ ማእከል ከተማ ንዶ/ር ኣለክሳንደር ናቲ ረኸቦ። እቲ እተራኸብሉ መዓልቲ ጽባሕ ዶ/ር ኣለክሳንደር ካብ ማእሰርቲ ዝተለቐቐሉ መዓልቲ ነበረ። ናይ ቅድም ፍልጠት ስለ ዝጸንሖም ከኣ ምዉቕ ሰላምታ ተለዋወጡ፣ ሻሂ ንኽሰትዩ ድማ ኣብ ሓደ ባር ኮፍ በሉ።
ሽዑ ዶክ. ኣለክሳንደር በቲ ዝተረኽበ ጋዶ ከዕልሎ ጀመረ። ኣብ ዕላሎም ከመይ ኢሉ ንጀርመን ከም ዝተዓደመ፡ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ኣብቲ ኣኼባ ንክሳተፍ ከም ዘፍቀደሉ፡ እቲ ዜቕረቦ ጽሑፍ ከኣ እቲ ሽዑ ዝነበረ ቻንስለር (ዶ/ር ወልድኣብ ኢሳቕ) ከም ዘንበቦ ኣብሪሁ ገለጸሉ።
እቲ ዝመርመሮ ተጋዳላይ ነቲ ዛዕባ ዘይፈልጦ ክነሱ ‘ምስ ኢትዮጵያውያን ተራኺብካ’፡ ‘ንመንግስቲ ነቒፍካ’ ኢሉ ከም ዘጓጠጠሉ ሓበሮ። ዶ/ር ኣለክሳንደር ግን ጸኒዑ ተኸራኸሮ፣ ነቲ ኣብ ኣኼባ ጀርመን ዜቕረቦ ወረቐት ከኣ ንከንብቦ ቀሰቦ። እቲ ጕዳይ ግን ዉዱእ ስለ ዝነበረ ካብ ሓላፍነቱ ከም ዝተሰጐገ ነጊሩ፡ ፓስፖርቱ ኣሕዲጉ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጽኦ።
ኣብቲ እዋን’ቲ ዶ/ር ኣለክሳንደር ካብ ስራሕ ስለ ዝተኣልየ፡ ነታ ኣብ ኣስመራ ዘስርሓ ዝነበረ ገዛ ንኽውድኣ ምስ ኣቦኡ - ኣቦይ ፓስኳለ ናቲ - ክላዘብ ንዓዲ ክኸይድ መደብ ከም ዝነበሮ ንኣባዳር ሓበሮ።
ኣቦይ ፓስኳለ ናቲ ኣብ ባሾካ (ምድሪ ኵናማ) እንዳ ፎርኖ ዝነበሮም ዓቢይ ነጋዳይ ነበሩ። ኣብ ዓዶም ከኣ (ኣብ ማሪቲ) ጥሪት - ኣሓ፡ ኣግማል - ዝነበሮም ርዅብ ሰብኣይ ነበሩ።
ኣባዳር ከኣ ንጽባሒቱ ንዓዲ (ንሻንብቈ) ይምለስ ስለ ዝነበረ ንዶ/ር ኣለክሳንደር ምስኡ ሓቢሩ ብመኪና ንኽጐዓዙ ዕድመ ገበረሉ። ኰይኑ ድማ ንጽባሒቱ ሓቢሮም ተጓዕዙ።
ኣብ ባሾካ ምስ በጽሑ ኣብ እንዳ ኣቦይ ፓስኳለ ኣውረዶ፣ ኣቦኡ ግን ገይሾም ስለ ዝጸንሑዎ ማዕጾ ደፊኡ ኣብ ገዛ ኣተወ። ኣደኡ (ኣደይ ኣነ’ ) ንጥሪቶም ንኸቋመታ ኣብ ማሪቲ’የን ዝነብራ ነይረን።
ኣብ ሳልስቱ፡ ዶ/ር ኣለክሳንደር ኣቦኡ ስለ ዝደንጐይዎ በቶም ደቂ ዓዲ ተመሪሑ ናብቲ ኣቦኡ ገይሾሞ ዝነበሩ ቦታ ብእግሩ ነቐለ።
“ሽዓ’ዩ ተጋግዩ፣ በቲ ሙቐት ንነዊሕ መንገዲ ብእግሩ ክጓዓዝ ኣይነበሮን” ይብል ኣባዳር። ሽዑ ኣብ መንገዲ ብጽኑዕ ሓሚሙ ዘግ በለ። ኣቦኡ ተጸዊዖም መጹ፣ ኵነታቱ ሕማቕ ከም ዝነበረ ርእዮም ብኡንብኡ ንቢንቢና ወሰድዎ - ኣብኡ ፓድረ ቪቶርዮ ዝበሃሉ ቀሺ ምእንቲ ክሕክምዎ።
ፓድረ ቪቶርዮ ኵነታት ዶ/ር ኣለክሳንደር ስለ ዘሰከፎም ዝሓሸ ሕክምና ንኽረክብ ብመኪና ንባረንቱ ሒዞምዎ ተጓዕዙ። ኣብ ባረንቱ ኣቡነ ቶማስ ተቐበልዎ - ኣብኡ ብደናግል ዝካየድ ቤት-ሕክምና ነበረ። ኣቡነ ቶማስ ኵነታት ዶ/ር ኣለክሳንደር ኣሰንበዶም፣ ብኣንቡላንስ ገይሮም፡ ሓንቲ ነርስ ኣብ መንገዲ እተልዕሎ ሒዞም፡ ባዕሎም ነታ መኪና እናዘወሩ ንኣስመራ ነቐሉ። ኣቦይ ፓስኳለ ኸኣ ምስኦም ተጓዕዙ።
ኣብ ኣስመራ (ሰምበል ሆስፒታል) ምስ በጽሑ እቲ ሕማሙ ናይ ሓንጎል ዓሶ ምዃኑ ተፈልጠ፣ ኣብ ሳልስቱ ኸኣ ህይወቱ ሓለፈት።
ሬሳኡ፡ ብኣቦኡን፡ ሰበይቱ (ኣስቴር በየነ)፡ ብመሳርሕቱን ተመሃሮኡ ተሰንዩ ንባረንቱ ተጓዕዘ፣ ኣብኡ ብኣቡነ ቶማስ ዝተመርሐ ናይ ቀብሪ ስነስርዓት ከኣ ተፈጸመ።

ምንጪ ስእሊ, DM
ዶ/ር ኣለክሳንደር ናቲ፡ እቲ ተሃንጥዩ ንኤርትራ ካብ ኣሜሪካ ናብ ኣስመራ ዝገዓዘ መምህር፡ ንሰበይቱን ኣማለ ጓሉን ገዲፉ ብሃንደበት ተሰናበተ። ብቛንቋ ኵናማ ‘ኣማለ’ ማለት ግረማ (surprise) ማለት’ዩ። እወ፡ ንዅሉ ዘገረመ ሃንደበታዊ ስንብታ። ሽዑ ኣማለ ጓል ሰለስተ ዓመት’ያ ነይራ።
ንዶ/ር ኣለክሳንደር ሓደ ‘ካርኮን’ ዝበሃል ንእሽቶ ሓዉ ነበሮ። ንሱ ኣብ ሰራዊት’ዩ ነይሩ። ካብ ሰራዊት ኰብሊሉ ንዓዱ ተመሊሱ ክነብር ምስ ጀመረ፡ ወተሃደራት ጸጥታ ተጸናጺኖም ኣሰርዎ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣበይ ከም ዝኣተወ ኣይፍለጥን ይብል ኣባዳር።
ኣባዳር ከም ዝበሎ፡ እታ ስድራቤት እንዳ ኣቦይ ፓስኳለ ናቲ፡ ኣቦን ኣደን ምስ ሞቱ ብምሉኣ ጸኒታ ተረፈት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







