ትግራይ ናበይ ተምርሕ ኣላ፣ ብውሳነታት መራሕቲ'ታ ክልል ዝተሻቐሉ ዜጋታት እንታይ ይብሉ?

ኣብ መንጐ መራሕቲ ህወሓት ርኡይ ፍልልይ ካብ ዝፍጠር ኣስታት ሓደ ዓመት ገይሩ'ሎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ክጋደድ ዝጸንሐ ወጥሪ ድማ፡ ኣብ ትግራይ ዝተኸፋፈለ ስምዒታት ፈጢሩ።
እቶም ኣብ ክልተ ተገሚዖም ዘለዉ መራሕቲ ህወሓት፡ ኣብ ዙርያ ኣፈጻጽማ ውዕል ፕሪቶሪያ ክካሰሱ እንከለው፡ ንሓድሕዶም "ምስ መንግስቲ ፈደራል ወይ'ውን መንግስቲ ኤርትራ" ብምስራሕ ካብ ምክሳስን ምፍርራሕን ዓዲ ኣይውዓሉን።
ብኽልቲኡ ወገን፡ ምሻምን ምውራድን ሓለፍቲ ዞባን ወረዳን ከምኡ'ውን በቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተሸሙ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ከተማታትን ናብ ቤት ጽሕፈቶም ከይኣትው ዝግበሩ ምትዕንቓፋት ቀጺሎም ተራእዮም።
እቶም ብሓሙስ፡ ንመዓልታት ድሕሪ ዘካየዱዎ ኣኼባ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዳግም ክውደብ ከም ዝወሰኑን ብደብረጽዮን ዝምራሕ ፍንጫል ሰልፊ ህወሓት ዝወሰኖም ውሳነታት ተግባራዊ ክዀኑ ኣለዎም ዝበሉን ገዳይም ወተሃደራት፡"ዝደኸሙ መራሕቱ" ክትክኡ ኣለዎ ከም ዝበሉ ይፍለጥ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብወገኑ፡ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ፈኲስ ዕልዋ መንግስቲ ኣዊጆም ክብል ከሲሱዎም ኣሎ።
ሓላፊ ጸጥታ ክልል ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብ መስከረም፡ እቲ ኣብ መንጐ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ናብ ሓደገኛ ኵነታት ይኸይድ ከምዘሎ ዝእምት መግለጺ ሂቡ ነይሩ።
"ከም ሓደ ናይ ጸጥታ ሓይሊ መጠን፡ እቲ ከምዚ ዓይነት ነገር ነቲ ሕዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ዋዒ ናብ ሰማይ [የዕርጎ] ኣሎ። ከይዱ ከይዱ ይትኰስ'ዩ ዘሎ፡ ገንፊሉ ዝፈስስ ዘሎ ዓይነት ቅልውላው ናይቲ ፖለቲካ'ዩ ዘሎ" ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ኣብቲ "ካብ ሓዊ ናብ ሓዊ" ይሰግር ኣሎ ዝበሎ ኵነታት፡ እቲ ዝሓየለ ትካል እቲ ንሱ ዝመርሖ ወተሃደራዊ ሓይሊ እዩ። እንተዀነ፡ ኣካል እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብምዃኑ ክሳብ ክንደይ ዘይሻራዊ ክኸውን ይኽእል ዝብል ኣካታዒ ኰይኑ ይርከብ።
ዝበዝሑ 'ኣዘዝቲ' ሓይልታት ትግራይ ግን ነቲ ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣፍልጦ ዝተነፍገ ብደብረጽዮን ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት ደጊፎም ምምጽኦም ብወግዒ ኣፍሊጦም ኣለው።
ነቲ ኣብ "ዕንይንይ" ከም ዝርከብን "ዝደኸመን ተልእኾኡ ዝረስዐን" እዩ ዝበሉዎ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምሕያል፡ መራሕቱ ክትክኡ ከም ዝግባእ ድማ ተዛሪቦም።
በዚ መሰረት ድማ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ዝተኻየደ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ብመሰረት ውሳነ እቲ ጕባኤ፡ ምምዕራይ መሪሕነት ግዝያዊ ምምሕዳር ክግበር ኣለዎ ኢሎም።
እቲ ብወሃቢ ቃል ገብረ ገብጻድቃን ዝተነበበ ውሳነ 'ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ'፡ "እቲ ጕባኤ ዘካየደ ህወሓት፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምትዕርራይ ዝወሰዶ ውሳነ ብዘይወዓል ሕደር ክትግበር፡ ድጋፍና ንገልጽ" ኢሉ።
ካብዚ ብዝሰገረ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ንጹር መበቈልን ዕላማን ዘይብሉ "ጽገናን ለውጥን" ብዝብል ኣጀንዳታት ንህዝቢ የደናግር ኣሎ ክብሉ እቶም ወተሃደራት ነቒፉ።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝመርሖ ግዝያዊ ምምሕዳር ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ብዝዀነ ይዅን መዐቀኒ ሕጋዊነትን ሞራላዊ ቅቡልነትን ዘይብሉ ዘይንቡር ተግባር እዩ" ብምባል ኣብቲ ክልል ስርዓት ኣልቦነት ክነግስ ይገብሩ ኣለው ክብል ኰኒኑ።
ኣብታ ክልል ዝንቀሳቐሳ ተቓወምቲ ሰልፊታት'ውን፡ ብዓርቢ ኣብ ዝሃባኦ መግለጺ 'ውሳነ ኣዘዝቲ ሰራዊት 'ናብ ኲናት ዝመርሕ'ዩ' ብምባል፡ ከም ዝነጽጋኦ ኣፍሊጠን።
ድሕሪ'ቲ በዞም ኣካላት ዝተወስደ መርገጺታት፡ ድጋፍን ተቓውሞን ዘሰነዩ ምንቅስቓሳት ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ክልል ይካየዱ ኣለው።
ትማሊ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ወረዳታት መኾኒ፡ ጨርጨርን ማይጨውን፡ ዞባ ምብራቕ ከተማ ዓዲግራትን ውቕሮን፡ ነቲ መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ዝወሰድዎ ቅዋም ዝቃወሙን ዝድግፉን ሰልፍታት ተኻይዶም እዮም።
ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ክልል መቐለ ድማ ምምሕዳር እታ ከተማ ዘተሓባበሮ ሰልፊ ቀጽሪ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ ተኻየዱ።
እዚ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተተክአ ግን ድማ ብባይቶ እታ ከተማ ዝተሸመ'ዩ ዝበሃል ከንቲባ ዶ/ር ረዳኢ በርሀ ዝወደቦ ሰልፊ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብቲ ሰልፊ ዝተረኽቡ ሰባት፡ "ግዝያዊ ምምሕዳር ብህጹጽ ይመዓራረ" ክብሉ ተሰሚዖም።
እንተዀነ፡ እዞም ብዅሉ ሸነኻት ዝወሃቡ ዘለው መግለጺታትን ውሳነታትን ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ሻቕሎትን ዝተኸፋፈለ ስምዒትን ከም ዝፈጠሩ ጸብጻባት ይገልጹ።
ቢቢሲ፡ ኣብቲ ክልል ንኽልቲኡ ወገን ደገፍን ተቓውሞን ንዘንጸባርቝ ዘለው ሰባት ኣዘራሪቡ ኣሎ።

መራሕቲ ተኸፋፊሎም ህዝቢ'ውን ከፋፊሎምዎ
ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ መቐለ ንኣዋርሕ ኣገልግሎት ይህብ ከም ዘየሎን ክሳብ ሕጂ ብሓይልታት ጸጥታ ተኸቢቡ ይሕሎ ከም ዘሎን ምንጪታት ቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
እቶም ኣብዚ ሰሙን መግለጺ ብዝሃቡ 'ኣዘዝቲ ሰራዊት' ዝእዘዙ ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ድማ፡ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ነዚ ቤት ጽሕፈት ክንቈጻጸሮ ኢና ዝብል መምርሒታት ከም ዝተዋህቦም ይንገር።
እዚኦም፡ ኣብ መንጐ እቶም ነዚ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ዝሸሙ ዘለው ጕጅለታት ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳርን "ምርድዳእ ክሳብ ዝግበር" ነቲ ቤት ጽሕፈት ብምቍጽጻር፡ "ህዝቢ ኣገልግሎት ንኽረክብ" እቲ ብቤት ምኽሪ እታ ከተማ ዝተሸመ ከንቲባ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ክንመልሶ ኣለና ይብሉ።
ተንተንቲ ጸጥታን ፖለቲካን ግን፡ ኣብቲ ክልል ዝምዕብል ዘሎ ኵነታት "ኣሻቓሊ" እዩ ይብሉ።
ኣብዚ እዋን፡ ሰባት ኣብ ገዛኦም ቀለብን ገንዘብን ክዓቝሩ ከም ዝጀመሩ፡ ነጋዶ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት [ንግሆን ድሕሪ ቀትርን ዋጋታት ይፈላለ] በብግዚኡ ይውስዅ ከም ዘለውን፡ ካብቲ ክልል ክወጽኡ ዝጻደፉ ሰባትን ከም ዘለዉ ይንገር።
"ብሻቕሎት"፡ መራሕቲ እቲ ክልል ንሓድሕዶም ናብ ጐንጺ ከይኣትው ዝሰግኡ'ውን ኣለዉ።

ደጋፊ መርገጺ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሙሉጌታ ተስፋሁነኝ፡ ተመዛበልቲ ኣብ ስቓይ'ዮም ዘለው፤ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ከምቲ ኵሉ ክነብሮ ዝምነ ሰላማዊ ዝዀነ ባይታ ክህልዎም ስለ ዘለዎ ናብ መረበቶምን ግዝኣቶምን ክምለሱ ኣለዎም ብዝብል'የ ተሰሊፈ።
ኣነ፡ እቲ ሕብረተሰብ [ብዙሕ ወረ እናሰምዐ] ይሻቐል ኣሎ። ኣነ ግን እዚ ኣየሻቕለንን፡ ኣፈለላይ ተፈጢሩ ኣሎ፣ እዚ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ'ዩ ኢለ እየ ዝሓስብ። ኲናት ክካየድ'ዩ ዝብል ስግኣት የብለይን። ተመሊስና ናብ ኲናት ንኸይንኣቱ ውዕል ፕሪቶሪያ ይተግበር እየ ዝብል።
ደጋፊትመርገጺ ኣዘዝቲ ሰራዊት ብርቱኳን ኣያሌው፡ ኣነ ዘሻቕል ነገር የብልናን እየ ዝብል። ድሕሪ እቲ ውዕል ፕሪቶሪያ፡ ዋላ ብምሉእነት ኣይተግበር ብሰላም ኣቲኻ ናይ ምውጻእን ምእታውን ኵነታት ኣሎ፤ ስለዚ ነቲ ሰላም ኢና ንድግፍ።
ሰራዊት ትግራይ'ውን ነዚ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ ኣሎ፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝገበሮ ጅማሮታት ዝበዝሕ ነገራት ኣይስራሕን ዘሎ፤ ኣብ ዕግርግርን ሕምስምስን እዩ ዘሎ።
ኣብ መቐለ፡ ኣክሱም፡ ኣብዪ ዓዲ ዘሎ ተመዛባሊ ናብ መረበቱ ይመለስ። ሉእላውነት መሬትና ናብ ቦታኡ ይመለስ። ስለዚ ሰራዊት ትግራይ ዝወሰኖ ይድግፎ- ተግባራዊ ክኸውን ይሓትት።
ኣይተ ሓጐስ ወልደስላሰ፡ ነቲ ብመራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ዝተወሰደ ቅዋምን ዝቐረበ መግለጺን ብትሪ እቃወም። ብቐንዱ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ክልተ ምምቃሉ ንባዕሎም ነቶም ፖለቲከኛታት ዝምልከት እናሃለወ፡ ሰራዊት ኢዱ ኣእትዩ እሞ ድማ ንሓደ ወገን ደጊፉ ደው ምባሉ ኣይቅበሎን።
መንእሰይ ያሬድ - ናጻ- እዚ ዅሉ ዝበሃል ዘሎ ነገራት ካብ ዝሰምዕ ሕልሚ እንተዝዀነለይ'የ ዝብል ዘለዅ። ንግሆ ካብ ድቃሰይ እንታይ ክገብር'የ ነቒሐ ኢለ ሓዚነ።
ሰብ ዕድል ስራሕ ብምስኣን፡ ገሊኡ ብሕማም ይሳቐ እዩ ዘሎ። ኣብ ርእሲኡ ከምዚ ክብሃል እንከሎ፡ ኵሉ ነገር ጸልማት'ዩ። ሕጂ ኣነ ዕጽዋ ከይመጽእ'የ ዝሰግእ።
ዕጽዋ እንተመጺኡ ድማ፡ ሰብ ከይፈተወ ከምቲ ኣብ ሕሉፍ ዝገበርዎ ተገፊፉ፡ ነባር ዓቕሚ ተባሂሉ ክዋጋእ ክግደድ እዩ። ብኽልቲኡ ወገን ዘለው ሰባት ቅኑዓት ኣይኰኑን። ንሶም ግን ዝስእኑዎ ክራይ ገዛን ካልእን የለን።
መንእሰይ ንከተቕትልስ ብድምጺ ክውሰን ምርኣይ ግን ኣዝዩ የሕዝነኒ። ዳግም፡ መሓዙትና ክሞቱ፡ ኣሕዋትናን ኣደታትናን ክነብዓ እንተዘይኰይኑ ካልእ ካብዚ ዝርከብ ነገር የለን።

ኣብ ዘዕበየትካ ዓዲ እትሰግኣሉ ኵነታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ትግራይ፡ ፖለቲካዊ ፍልልይ መራሕቲ እቲ ክልል ናብ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤታት'ውን ዝልሓመሉ ኵነታት ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርእይቶ ይገልጹ።
ብፍላይ ብርክት ዝበላ ኣደታት ንነባር መሪሕነት ህወሓት ክድግፋ እንከለዋ፡ መንእሰያት እቲ ውድብ ዝኽተሎ ዘሎ መገዲ ክነቕፉን ለውጢ ክሓቱን ይርኣዩ።
ብኵሎም ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ፖለቲካዊ መራሕቲ ዕጕባት ዘይኰኑ ውልቀሰባት ድማ፡ መብዛሕትኡ ክፋል ህዝቢ እቲ ክልል፡ ንዓመታት ጽግዕተኛ ምምሕዳር ወረዳታት ብዘቕርባኦ ረድኤት ሴፍትነት ምዃኑ ይፍለጥ፤ ከም ሽኮርን ዘይትን ዝበሉ መሰረታዊ ጠለባት ድማ ብኣመሓደርቲ ቀበሌ እዮም ዝከፋፈሉ።

ኣብርሃም ወልዳይ -ኣባል ሓይልታት ትግራይ ነበር፡ ወተሃደራዊ መራሕቲ ኢና ዝበሉ ናብ ፖለቲካዊ ጕዳይ ኢዶም ከእትው ተዓዚብና ኣለና። እዚ ከም መናእሰይ ኣይንቕበሎን። ምኽንያቱ ሰራዊት ኰይኑ ፖለቲካ ዘሰጕም እንተዀይኑ እቲ ዝሓዞ ዕጥቂ'ዩ ከውርዶ ዘለዎ። ኣነ እየ መራሒ ዝብል ዘይኰነ ርድኢት ግን ንህዝቢ ዘይጠቅም፡ ናብ ደልሃመት ዘምርሕ እዩ።
ህወሓት ሓደ ፓርቲ'ዩ። ኣብ ህወሓት ብዝተፈጥረ ምግምማዕ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘይምልከቶ ናብ ሓደጋ ኣትዩ ኣሎ። ብፍላይ ኣብ 2013 ዝፈጠርናዮም ጌጋታት ነይሮም፤ ሕዚ'ውን ናብ ኲናትን ጨፍጫፍን ዘእትውና ዝመስሉ ጕዕዞታት ኣለው።
ኣብ ፖለቲካ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ፡ ኣብ ትግራይ ውሉድን ወላድን ዝፈላሊ ፖለቲካ ተፈጢሩ ኣሎ። ወደን ነዚ ዉሳነታት ክቃወም ዝርኣያ ኣደታት ናብ ድጋፍ ሰልፊ'የን ዝወጽኣ ዘለዋ- ባዓለገ ፖለቲካ'ዩ፡ ኣብ ዓድኻ እትሰግኣሉ ኵነታት እዩ ተፈጢሩ ዘሎ።
ኣብ ፈቘዶ ኣብያተ ክርስቲያናት ካብ 15 ክሳብ 20 ደቅና ኣብ ሊብያ ተታሒዞም ርድኡና ኢሎም ዝልምኑ ባነራት ዝሓዙ ሰባት እናርኣና ኢና ንውዕል ዘለና። 'ወይ ዝበሉኻ ግበረሎም ወይ ዓዶም ግደፈሎም ' ዝብሃል ኣበሃህላ ኣሎ። ንሕና ግን ዓድና ኣይንገድፍን- ትግራይ'ውን ናይ ኲናት ሜዳ ክትከውን ፍቓደኛታት ኣይኰንናን።
እወ፡ ውዕል ፕሪቶሪያ ኣይተፈጸመን፤ እዚ ንከይፍጸም ኣብ ኣብያተ ምኽሪ ጣብያታት ኢዱ እናሰደደ ስልጣን ተመንጢለ'የ ዝብል ሓይሊ ግን ኣሎ። ክልቲኦም ጥዑያት ኣይኰኑን፡ ነቶም ውዕል ፕሪቶሪያ ከፍርሱ ዝደልዩ ዘለዉ ግን ክንቃወሞም ኢና።
ማንም ሰብ ክፈልጦ ዘለዎ፡ ሕዚ ምስ ፈደራል መንግስቲ ኲናት ኣይንደልን። ምስ መንግስቲ ፈደራል ዝግበር ውግእ ኣይንቕበሎን። ምኽንያቱ፡ ንሕና ክሳብ ሕዚ ኣካል ኢትዮጵያ ኢና፣ ዜግነትና ኢትዮጵያዊ'ዩ ዝብል። ነዚ ሒዝና ምስ መንግስቲ ፈደራል ክንጋጮ፡ ክንካታዕ የብልናን።
ናጻ ሃገር ክንምስርት እንተዄንና'ውን ምስ ማእከላይ መንግስቲ ተረዳዲእካ'ዩ ዝኸውን። ምስ ኤርትራ'ውን ንመንግስቲ ትግራይ ብዝጠቅም ምርድዳእ ዝርርብ ክግበር ይኽእል እዩ።
ሕዚ ግን፡ መናእሰይ ግዳያት ኲናት ክንከውን የብልናን- ደብረጽዮን ጌታቸው እናተዓጀቡ ንሕና ሓዊ ኢና ንልብለብ ነይርና። ኣብ ዓደይ ንከይነብር ዝጽዕሩ ዘለው መራሕቲ ኣይቕበሎምን።
ሚዘር- ናጻ፡ ኣነ ዝድግፎ ወገን የብለይን፤ ኵሎም በለጸኛታት እዮም። ኣብ ድልየታትን ምርጫታትን ሰባት እናኣተው ኣነ ክውስነልካ፡ ክመርጸልካ ዝብሉ ስሱዓት ሰባት'ዮም።
ኣብ ትግራይ ካብዚ ወጻእ ካልእ ዓይነት መገዲ ርእየ ኣይፈልጥን። ድሕሪ ሕዚ ግን ይኣኽል ክብሃል ኣለዎ። ዕግርግር፡ ሻቕሎት ከም ዝሰልቸወና ብኸመይ ኢና ከነረድኦም?
ተሰፋይ ኣረፋይነ፡ ነቲ መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ዝወሰድዎ መርገጺ ይቃወም።ሰራዊት መንጐኛ ክኸውን እናተገበአ ንሓደ ፍንጫል ህወሓት ምድጋፉ ግቡእ ኣይኰነን። ዘይንቡር እዮም ገይሮም።

ኣብዚ እዋን፡ ኲናትን ዘይምርግጋእን እቲ ዝዓበየ ስግኣት ዜጋታት ከም ዝዀነ፡ ቢቢሲ ዝተወከሶም ወሃብቲ ርእይቶ ገሊጾም።
እቲ ንኽልተ ዓመታት ኣብቲ ክልል ዝተኻየደ ኲናት፡ ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉን ተጸበይቲ ረድኤት ክዀኑን ክገብር እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተራእዩ ደማዊ ጐንጺታት ሓደ ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ።
እዚ ኲናት፡ ኣብ መወዳእታ 2020 ኣብ ሞንጐ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብ ጐኖም ዝተሰለፉ ወተሃደራት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን በቲ ሓደ፡ ብረት ዘልዓሉ ሓይልታት ትግራይን ድማ በቲ ካልእ ክጐሃሃር እንከሎ፡ ክልቲኦም ነታ ክልል ንምቍጽጻር ይዋግኡ ነይሮም።
ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝሒ ናይቶም በቲ ጐንጺን ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝስዓበ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝሞቱ ሰባት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ይሕብር።
እዚ ኲናት፡ ኣብ ፕሪቶሪያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተፈረመ ውዕል ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት ደው ካብ ዝብል ክልተ ዓመት'ኳ እንተኣቑጸረ፡ ሰባት ግን ሕጂ'ውን ካብቲ ኲናት ብዝተረፉ ተተኰስቲ ይሞቱን ይቘስሉን፡ ብቍጠባዊ ጸገማት ይሳቐዩ ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







