ህወሓት ኣብ ቀራና መገዲ - ትማሊን ሎሚን

ደብረጽዮንን ጌታቸውን

ኣብ መራሕት ብዝተፈጥረ ምክፍፋል ንኽልተ ክገምዕ ኣብ ዘኽእል ሓደገኛ ኵነታት ዝርከብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) መበል 14 ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ኣብ መቐለ ኣዳራሽ ሰማእታት የካይድ ኣሎ።

እቲ ኣዳራሽ ኣኼባ ወይ ጉባኤ ህወሓት ከአንግድ ንፈለማ ግዜ ኣይኰነን። እቲ ናይ ሕጂ ግን ካብቶም ዘአንገዶም ተደጋጋሚ ኣኼባታት ዝተፈለየ እዩ።

እዚ "ጉባኤ ድሕነት" ዝብል ጭርሖ ዝተዋህቦ ኣኼባ፡ ኣብ መንጐ ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ውድብ ፍልልይ ኣብ ዝተፈጠረሉ እዋን እዩ ዝሳለጥ ዘሎ።

ኣብዚ ጉባኤ ምክትል ኣቦመንበርን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣቶ ጌታቸው ረዳን ዝርከቦም ልዕሊ 17 ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴን፡ ካልኦት ካብ ደቡብ፡ ደቡብ ምብራቕን ምዕራብ ትግራይን ብዙሐት ተወክልቲ ካብቲ ጉባኤ ንርእሶም ኣግሊሎም ኣለዉ።

እዚ ኣብ መንጐ መራሕቲ እቲ ሰልፊ ዘሎ ምፍልላይ፡ ህወሓት ናብ ካልእ ውደባዊ ቅልውላው ከምዝኣተወ ዘመልክት እዩ።

ይዅን’ምበር ህወሓት ቅልውላው ከጋጥሞ እዚ ናይ መጀመርታ ግዜ ኣይኰነን። እቲ ውድብ ኣብ ታሪኹ ካብ በረኻ ደደቢት ክሳዕ ኣራት ኪሎ ዝቐጸሉ ዝተፈላለዩ ውደባዊ ቅልውላዋት ከምዘጋጠምዎ ይፍለጥ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክልተ መራሕቲ ህወሓት ነበር፡ እቲ ውድብ ንተደጋጋሚ ቅልውላዋት ዝቃላዕ ዘሎ "ካብቲ ዝኽተሎ ፖለቲካን ስነ-ሓሳብን ዝምንጩ'ዩ" ይብሉ።

ሓደ ካብዞም ነባራት መራሕቲ ዝዀነ ኣቶ ገብሩ ኣስራት፡ "እዚ ጉዳይ ከም ጸገም ምሕደራ ጥራይ ክረአ የብሉን፤ እቲ ውድብ ዝኽተሎ ግልጽነትን ተሓታትነት ዘይብሉ ፖለቲካን ኣብ ዝምድናታት ዝተመርኮሰ ምጥቕቓም ዘለዎ እዩ" ይብል።

ካብዚ ብተወሳኺ ፖለቲካ እቲ ውድብ "ኣብ ምምዳብ ፈታዊን ጸላእን" ዝተመስረተ ምዃኑ ብምጥቃስ እቲ ቅልውላው ካብዚ ዝምንጩ ምዃኑ ይጠቅስ።

"ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡን ኣንፈቱን እቲ ስነ-ሓሳብ ብሓፈሻ ነቲ ስርዓት እንተዘይኣመሓይሹ [እቲ ውድብ] ክመሓየሽ እዩ ዝብል እምነት የብለይን" ይብል ኣቶ ገብሩ። "[ህወሓት] እዚ ኵሉ ቅልውላው ዘጋጠሞ መሰረታዊ ባህርያቱን ዝኽተሎ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን እዩ።"

ካልእ መራሒት ህወሓት ነበር ወይዘሮ ኣረጋሽ ኣዳነ’ውን "እቲ ቀንዲ ጸገም ኣተሓሳስባ'ዩ ዝመስለኒ። እቲ ስነ-ሓሳብ እዩ። ህወሓት ስነ-ሓሳብ ኣሲሩ ዝሓዞ ውድብ’ዩ" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።

“[ህወሓት] ጸላእን ፈታዊን ይፈላሊ። ፈታዊኡ ብዝተኻእለ መጠን ሓቚፉ ምስኡ ኣሰሊፉ ይኸይድ፤ ጸላኢኡ ድማ ጸላኢ ስለ ዝዀነ ይህረም ዝብል ኣተሓሳስባ እዩ ነይርዎ” ክትብል ትውስኽ።

ህወሓት ቅድሚ ሕጂ’ውን ሓደ ሰለስተ ግዜ ውደባዊ ቅልውላው ኣጋጢምዎ እዩ።

ፈላማይ ውደባዊ ቅልውላው - 1967

ኣብ ሕርሻ ዝነበራ ኣእዳዎም ብረት ክዓጥቃ ናብ በረኻ ዝወረዱ ሓረስቶትን ተምሃሮን ጸላእቶም ብዙሓት እዮም ነይሮም። ብፍላይ ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት ምስ ደርጊ፡ ኢዲዩ፡ ጀብሃን [ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ] ኢህኣሰ (ወተሃደራዊ ክንፊ ህዝባዊ ሰውራዊ ሰልፊ ኢትዮጵያ) ተኸታታሊ ውግኣት ኣካይዶም።

ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ውግእ ድማ ህወሓት ካብቲ ዝተጠነሰሉ ፒያሳ ብዙሕ ከይረሓቐ ኣራት ኪሎ ኣትዩ። ህወሓት ምስ ካልኦት ብሄር መሰረት ዝገበሩ ውድባት ብምዃን ን27 ዓመታት ንኢትዮጵያ ኣመሓዲሩ።

ኣብዘን ዓመታት ህወሓት ኣብ ምውሳን ልኡላውነት ሃገርን ውሽጣዊ ፖሊሲን ዓቢ ተራ ተጻዊቱ እዩ።

ኣቲ ን 17 ዓመት ዘካየዶ ቃልሲ ግን ግዳማዊ ጥራይ ኣይነበረን። ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ቃልሱ፡ ተኸታታሊ ውደባዊ ቅልውላዋት ኣጋጢምዎ ነይሩ።

ዶክተር ሙሉጌታ ገብረህዋድ ኣብታ ‘Laying the Past to Rest’ እትብል መጽሓፉ፡ ነቲ ቀዳማይ ውደባዊ ቅልውላው "ቅልውላው ደደቢት" ኢሉ ይጽውዖ።

ቀንዲ መበገሲ ናይዚ ቅልውላው ድማ ኣብ መንጐ እቶም ኣብ ቃልሲ ዝተጸንበሩ ሓረስቶትን ካብ ማእከል ሃገር ናብ በረኻ ዝወረዱ ተምሃሮ ተጋደልቲን ዘጋጠመ ምግርጫው እዩ።

ተጋደልቲ ህወሓት

ምንጪ ስእሊ, TPLF MUSEUM

መግለጺ ስእሊ, ካብ ቀዳሞት ተጋደልቲ ህወሓት - ኣብ በረኻ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓደ ካብ መስረትቲ ህወሓት ዝዀነ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ኣብ ትምህርቲ ዶክትሬት ዲግሪኡ ኣብ ዘዳለዎ መጽናዕቲ፡ "እቶም ሓረስቶት ንመጀመርታ ግዜ ምስ ተምሃሮ ክራኸቡ እንከለዉ፡ ነቶም ተምሃሮ ንዕጥቃዊ ቃልሲ ዘይበቕዑ፡ ኣብ ወረቐት ጥራይ ክጻወቱ ዝኽእሉን ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝስከምሉ እንግድዓ ዘይብሎምን ገይሮም ይርእይዎም ነይሮም" ይብል።

እዞም ሓረስቶት ነቲ ቃልሲ ዝጀመሩሉ ምኽንያት ኣብ ሓደ ካብ መስረትቲ ህወሓት ስሑል (ገሰሰው) ኣየለ ብዘለዎም እምነት ከምዝዀነ ዶክተር ሙሉጌታ ኣብ መጽሓፉ ይጠቅስ።

ዶክተር ኣረጋዊ ኣብ መጽናዕቱ ከምዝገለጾ፡ ስሑል ኣየለ ሓደ ካብቶም መስረትቲ ናይቲ ቅድሚ ህወሓት ዝተመስረተ ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ እዩ።

ብተወሳኺ ድሕሪ ምምስራት ህወሓት ንኣስታት ሓደ ዓመት ነቲ ውድብ መሪሑ ነይሩ።

ብመሰረት ዶክተር ሙሉጌታ፡ ንተጋደልቲ ሓረስቶት "ካብኡ ዝለዓለ መራሒ" ኣይነበረን። ስለዚ እቲ ቀዳማይ ውዳባዊ ቅልውላው ከጋጥም ዝኸኣለ ኣብ መንጐ እቶም ሓረስቶት “ብዝተፈጠረ ህውከት" ከምዝዀነ የመልክት።

ኣመራርሓ ስሑል ኣየለ ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ ኰይኑ ዝተሰምዖም ሓረስቶት፡ እዚ ኣብ ቀጻሊ ኣብቲ ውዳበ ዝህልዎም ተራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኰይኑ ተሰሚዕዎም።

እቶም ሓረስቶት ነቶም መሪሕነት ስሑል ኣየለ ከዳኽሙ ፈቲኖም ዝበልዎም መራሕቲ ንምጥቃዕ ውዲት ከምዝፈጸሙ ዶክተር ሙሉጌታ ኣብ መጽሓፉ ይጠቅስ።

ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ብወገኑ፡ ህወሓት ወተሃደራዊ መዓስከሩ ካብ ደደቢት ናብ ማእከላይ ትግራይ ንምግዓዝ ኣብ ዝሓሰበሉ እዋን "ካብቲ ከባቢ [ደደቢት] ዝመጹ ሓረስቶት ተቓዊሞሞ" ይብል።

ንሱ ከምዝብሎ፡ እቶም ሓረስቶት "ካብቲ ዝፈልጥዎ ከባቢ እንተወጺኦም፡ ተራኦምን በዚ ድማ ጽልዋኦምን ከይንኪ ስለዝሰግኡ" ነቲ ውሳነ ተቓዊሞም።

ድሕሪ እዚ ውሳነ፡ እቶም ሓረስቶት "ኣብ ምስጢራዊ ስራሕ ተጸሚዶም" ክብል ይውስኽ።

መደብ እቶም ሓረስቶት ነቶም ካብ ኮለጅ ናብ በረኻ ዝወረዱ መራሕቲ እቲ ውድብ ምቕታል ከምዝነበረ ዶክተር ኣረጋዊን ዶክተር ሙሉጌታን ኣብ መጽናዕቶም የመልክቱ።

እቲ መደብ ግን ኣይሰመረን። እቲ መደብ ኣብ ግብሪ ቅድሚ ምውዓሉ፡ ሕልሞም ፈሺሉ።

ድሕሪ'ዚ፡ ኣብቲ ሜዳ ቃልሲ ስግኣት ዓሲሉ። ከም ኣገላልጻ ዶክተር ኣረጋዊ፡ እቶም መብዛሕትኡ ግዜ ድቃስ ዘይብሎም ተጋደልቲ፡ ኣዒንቶም ፈጢጠን ሓደሪን። ድሕሪ ፈተነ ቅትለት መን ንመን ይኣምን?

ን"ጸላእቲ" ዝተዳለዋ ብረታት ኣብ ልዕሊ ብጾት እንተተኰሳ’ኸ?

ንጽባሒቱ ህወሓት ነዚ ቀዳማይ ውደባዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ። ተጋደልቲ ነቐፌታን ነብሰ-ነቐፌታን ኣውሪዶም።

"ኣብ መወዳእታ፡ ኵሎም ሓረስቶት ተጋደልቲ ካልኣይ ዕድል ክወሃቦም ተወሲኑ" ይብል ዶክተር ኣረጋዊ። ንሱ ከምዚ'ኳ እንተበለ፡ ዶክተር ሙሉጌታ "ካብ ልቦም ነብሰ-ነቐፌታ ስለዘውረዱ" ኣብቲ ውድብ ክጸንሑ ከምዝተገብረ ኣብ መጽሓፉ ይገልጽ።

እቶም ቀንዲ ጠንቂ እቲ ጸገም ግን ካብቲ ውድብ ክእለዩ ከምዝተገብሩ እውን ወሲኹ ይሕብር።

ዶክተር ኣረጋዊ ብወገኑ "ውሑዳት ነቲ ሓያል ሰውራዊ ዲሲፕሊን ክጻወሩ ዘይከኣሉ ኣጽዋር እቲ ውድብ ገዲፎም ካብቲ ውድብ ወጺኦም" ይብል።

እቶም "ሓቀኛ ነብሰ-ነቐፌታ" ዘውረዱ ተጋደልቲ፡ ልቦም እንተፈቒዱሎም ኣብቲ ቃልሲ ክጸንሑ፡ እንተዘይፈቒዱ ድማ ካብቲ ቃልሲ ክወጹ ካብቲ ውድብ ፍቓድ ከምዝረኸቡ ክልቲኦም ደኳትር ይገልጹ።

መራሒ ህወሓት ነበር ገብሩ ኣስራት፡ "ልኡላውነትን ዲሞክራስን ኣብ ኢትዮጵያ" ኣብ እትብል መጽሓፉ ኣብ 1967 መእተዊ ክረምቲ ዘጋጠመ ውደባዊ ቅልውላው "ኣውራጃውነት ተባሂሉ ተሰምዩ" ይብል።

መራሕቲ ህወሓት ኣብ ጉባኤ

ካልኣይ 'ሕንፍሽፍሽ' - 1969

1969 ህወሓት እቲ ዝያዳ ዝተፈተነሉ ዓመት ምንባሩ ታሪኽ እቲ ውድብ ዝጸሓፉ ውልቀሰባት የልዕሉ። ኣቶ ገብሩ ኣስራት ኣብ መጽሓፉ 1969 ንህወሓት "በዳሂ ዓመት እዩ ነይሩ" ይብል።

ዶክተር ሙሉጌታ እውን “ምስ ኢዲዩ ንዓሰርተ ኣዋርሐ ድሕሪ ዝቐጸለ ግጭት ዝወረደ ሞትን ጸበባን ተጋዲዱ እቲ ዝነበረ ቅልውላው ንህወሓት ናብ ጥቓ ሞት ኣብጺሕዎ” ይብል።

ምስ ኢዲዩ ዝተኻየደ ውግእ፡ ህወሓት "ብዙሓት ምኩራት መራሕቲ ኲናትን ሓያላት ተጋደልትን" ክስእን ከምዝገበረ ዝጠቅስ ዶ/ር ኣረጋዊ፡ እቲ ውድብ ብዘይካ ምስ ኢዲዩ ምስ ኢህኣፓ እውን ናብ ግጭት ተሸሚሙ ከምዝነበረ የስምር። ምስቶም ኣብ ኤርትራ ዝንቀሳቐሱ ጀብሃን ሻዕብያን እውን ኣብ ስምምዕ ኣይነበረን።

ህወሓት ምስ ኤዲዩ ኣብ ዘካየዶም ውግኣት ዝወረዶ ዕንወትን ጉድኣትን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝቈጻጸሮም ዝነበሩ ከባቢታት ክስእን ምኽንያት ኰይኑ እዩ። ገለ ተጋደልቲ ዓቕሚ መራሕቲ ኣብ ሕቶ ከእትው ምጅማሮም ዶክተር ሙሉጌታ ይገልጽ። ካብዚ ሓሊፉ፡ "ብዛዕባ ዓቕሚ እቲ መሪሕነት ቅሬታታት እናወሰኸ መጺኡ" ይብል።

ዶክተር ሙሉጌታ፡ ህወሓት ዘጋጠሞ ብቐጻሊ ጸቕጢ ኲናትን ብሕቡእ ዝካየዱ ንጥፈታት ተቓውሞን ተደሚሮም ሞራላዊ ውድቀት ከምዘስዓበ የመልክት።

እዚ ድማ "ተጋደልቲ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መንገዲ ካብቲ ውድብ ወጺኦም ናብ ደርግ ክሰልሙ ብምግባር፡ እቲ ውድብ ናብ ኣፍደገ ውድቀት ክበጽሕ ገይሩ ነይሩ" ይብል።

"ምስ ኢዲዩ ዝተገብረ ኲናት ስዒቡ ዝመጸ ውሽጣዊ ቅልውላው፡ ብዝሒ ዘለዎም ኣባላት ካብቲ ውድብ ወጺኦም" ክብል ኣብ መጽሓፉ ኣስፊሩ።

ኣቶ ገብሩ ኣስራት ብወገኑ፡ "ብዛዕባ ተሓታትነት፡ ምሕንጻጽ ፖሊሲታትን ምዝርጋሐ ሓበሬታን ብዙሕ ቅሬታታት" ከምዝነበረ እዩ ዝገልጽ።

እዚ ውደባዊ ቅልውላው ምስ ገደደ፡ መሪሕነት ህወሓት ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ኣኼባ ጸዊዑ። እዚ ኣኼባ’ዚ፡ እቲ ውድብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ ከባቢ ባድመ እዩ ተኻይዱ።

ኣብዚ ኣኼባ ካብ ተጋደልቲ ዝቐረቡ ቅሬታታት፡ ኣብቲ ውድብ ምክፍፋል፡ ቅዲ ምልካዊ ኣመራርሓ፡ ዘይዲሞክራስያዊ ባህሊ፡ ኣብ ምትግባር ሕግን ስርዓትን ውድብ፡ ኣብ መሪሕነት ኣድልዎ ኣሎ ዝብሉ ነይሮም።

ኣቶ ገብሩ፡ ህወሓት ካብዚ ውድባዊ ቅልውላው ንምውጻእ፡ ነቶም ጸገማት ዝኣሊ መፍትሒ ንምንዳይ ወተሃደራዊ ባይቶ ከምዝጸወዐ ይዝክር።

ድሕሪ እዚ ወተሃደራዊ ባይቶ ንውደባዊ ቅልውላው ብዝምልከት መርመራ ከምዝተኻየደ ድማ ወሲኹ የመልክት።

ህወሓት ነቲ ውደባዊ ቅልውላው ዝፈትሓሉ ኣገባብ፡ ነቲ ኣብ መንጐ መራሕትን ኣባላትን እቲ ውድብ ዝነበረ ርክብ ከምዝቐየረ ዝጠቐሰ ዶክተር ሙሉጌታ፡ "መራሕቲ እቲ ውድብ ወነንቲ ዘይብዳህ ስልጣን ምዃኖም ኣርእዩ'ዩ" ይብል።

ብመሰረት ዶክተር ሙሉጌታ፡ እቲ ቅልውላው ዝተፈትሐሉ ኣገባብ "ጉዳይ ተሓታትነት መሪሕነት ምልዓል ሞት ከምዘስዕብን ዝዀነ ኣብቲ ቃልሲ ክቕጽል ዝደሊ ሰብ ዘይኸደሉ ቦታ ምዃኑን ንኣባላት ኣመልኪቱ።"

ህወሓት ምስ ተመስረተ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት እውን ውሽጣዊ ምፍልላይ ኣጋጢምዎ ነይሩ። ማርክሳዊ-ሌኒናዊ ሊግ ትግራይ (ማሌሊት) ኣብ ዝተመስረተሉ እዋን፡ ኣብ መሪሕነት ለውጢ ተገይሩ ነይሩ።

ኣብዚ ግዜ እዚ ኣረጋዊ በርሀን ግደይ ዘርኣጽዮንን ካብ መሪሕነት እቲ ውድብ ተኣልዮም።

ዶክተር ኣረጋዊ ካብቲ ውድብ ተባሪሩ፤ "ብዛዕባ ስነ-ሓሳባዊ ጉዳይ ንፖሊትቢሮ ዝምጕቱ ዝነበሩ" ግደይ ዘርኣጽዮንን ኣረጋዊን ካብ ኣባልነት ፖሊትቢሮ ከምዝተኣልዩ ጽሒፉ።

ገብሩ ኣስራት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ቅልውላው "ክንድቲ ከቢድ ኣይነበረን" ይብል። "እቲ ዘተ ኣብ ዙርያ ስነ-ሓሳብ እዩ ተኻይዱ፡ እቲ ፍልልያት ድማ ኣብ ገለ መሰረታዊ ሕቶታት ስልጣን’ዩ ተላዒሉ" ክብል ይውስኽ።

መስረትቲ ህወሓት

ምንጪ ስእሊ, TPLF MUSEUM

ውደባዊ ቅልውላው 1993

ህወሓት ካብ በረኻ ናብ ኣራት ኪሎ ክኣቱ እንከሎ፡ ካብ ተቓላሲ ውድብ ናብ መንግስቲ ምስ ተሰጋገረ እውን፡ ውደባዊ ቅልውላው ኣይገደፎን።

ምስ ካልኦት ኣብ ብሄር ዘተኰሩ ውድባት ሓቢሩ ሃገር ከመሓድር ምስ ጀመረ፡ ኣብ መበል 12 ዓመቱ ካልእ ውደባዊ ቅልውላው ኣጋጢምዎ።

ዶክተር መድሃኔ ታደሰን ጆን ያንግን ድሕሪ 21 ዓመታት ‘TPLF: Reform or Decline?’ (ህወሓት፡ ጽገና’ዶ ውድቀት?) ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽእዎ ጽሑፍ፡ "ቅልውላው ህወሓት ሱር ዝሰደደ ምስ ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት’ዩ" ይብሉ።

ክሳዕ ምጅማር ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ መንጐ መራሕቲ ህወሓት ዝርአ ፍልልይ ኣይነበረን።

ኣቶ ገብሩ ኣስራት ብወገኑ ኣብ መጽሓፉ፡ ድሕሪ ምጅማር ኲናት "ናይ መወዳእታ መዕለቢ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣስመራ ክኸውን ከምዘለዎ ብፈጻሚት ኮሚተ ኢህወደግ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ" ይብል።

እዚ ክሳብ ኣስመራ ንምእታው ዝሓለፈ ውሳነ፡ ቀንዲ ምኽንያት ፍልልይ መራሕቲ ህወሓት ኰይኑ።

ኣቶ ገብሩ፡ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብቲ ውሳነ፡ "ሓያል ክትዕ" ከምዝገበረ ይጠቅስ። መሰረት ናይቲ ስነ-መጐት "ንሻዕብያ ንምጥቃዕ ክሳብ ኣስመራ ምእታው ግቡእ ኣይኰነን፡ ንሃገር ምውራር ስለዝዀነ" ዝብል ምዃኑ'ውን የረድእ።

ካልኦት ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ ድማ ዕላማ እቲ ኲናት ንሰራዊት ኤርትራ ንምጥፋእ እምበር ንኤርትራ ዳግማይ ንምቍጽጻር ከምዘይኰነ ይምጕቱ ነይሮም።

እዚ ኣብ እዋን ኲናት ዝጀመረ ፍልልይ፡ ድሕሪ ምዝዛም እቲ ኲናት እናሰፍሐ ከይዱ ርኡይ ክኸውን ክኢሉ።

ኣብዚ ግዜ እዚ፡ "ኲናት ምስ ኤርትራ ብኸመይ ተዛዚሙ? ስለምንታይ ከምኡ ኰይኑ? ስለምንታይ ኢና ተወሪርና? ድሕሪ ምውራርና ዝተወሃበ ምላሽ ከምኡ ክኸውን ነይርዎ ድዩ? እቲ ውግእ ስለምንታይ ደው ኢሉ? ዕላማ እቲ ኲናት ዕውት ድዩ? ምክልኻልና ዕዉት ድዩ?" ኣብ ዝብሉ ሕቶታት ፍልልያት ከምዝተፈጠረ ኣቶ ገብሩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣቶ ገብሩ ወሲኹ፡ "ንመሪሕነት ዘሕትት ጉዳይ እናሃለወ፡ [እቲ መሪሕነት] ነዚ ገዲፉ ምስ [ኲናት] ዝዀነ ርክብ ዘይብሉ ጉዳይ ቦናፓርቲዝም ኣልዒሉ። እቲ ቀንዲ ጉዳይ መበገስን ውጽኢትን እቲ ኲናት እናሃለወ ካልእ ኣጀንዳ እዩ ስዒቡ። ኣብዚ ድማ ኣዝዮም ዝተቘጥዑ ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ ተሃሪሞም" ይብል።

ኣብቲ እዋን ኣቦ መንበር ህወሓትን ኢህወደግን ቀዳማይ ሚኒስተርን ዝነበረ መለስ ዜናዊ ብዛዕባ ቦናፓርቲዝም ዝምልከት ጽሑፍ ኣቕሪቡ። ኣብዚ ጽሑፍ'ዚ፡ መሪሕነት ህወሓት "ይብስብስን ካብ መሰረት ይርሕቕን" ከምዘሎ ከሲሱ።

መለስ ዜናዊ ኣብ ጽሑፉ ዘቕረቦ ሓሳብ ብማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ብብዝሒ ድምጺ 15 ን 13 ጸዲቑ።

ብድሕሪኡ እቶም ድምጺ ተቓውሞ ዝሃቡ ኣባላት ካብ ማእከላይ ኮሚቴ ወጺኦም ነቲ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ብመሰረት መተሓዳደሪ ደንቢ ህወሓት፡ ሃገራዊ ባይቶ ክጽዋዕን ብመሪሕነት ህወሓት ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ብልሽውና ዝምርምር ኮሚተ ክቐውምን ሓቲቶም።

እዚ ውሳነ እዚ ግን መዛዘሚ ርክብ "ተገንጸልቲ"ን ህወሓትን እዩ ነይሩ። እቲ ውድባዊ ቅልውላው ድማ ከም ስየ ኣብርሃ፡ ገብሩ ኣስራት፡ ኣረጋሽ ኣዳነን ተወልደ ወልደማርያምን ዝርከብዎም ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ውድብን ካልኦትን ካብቲ ኣብ ሰልፍን ኣብ መንግስትን ዝነበሮም ጽፍሕታት ክባረሩ ምኽንያት ኰይኑ።

ጀነራል ጻድቃን

ምንጪ ስእሊ, TPLF MUSEUM

‘ኣብ ታሪኽ 50 ዓመት ዝኸበደ ፈተና’ - 2016

ህወሓት ኣብ 50 ዓመት ታሪኹ፡ "ዝኸበደ ብድሆ" ከምዘጋጠሞ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣፍሊጡ ነይሩ። ቀንዲ ምንጪ እቲ ጸገም ኣብ መንጐ ካድረታት፡ ሓፈሻዊ ህዝብን ዝተፈላለዩ መራሕቲ እቲ ውድብን ዝረኣዩ "ጕጅላዊነት፡ ከባብያውነት፡ ጸረ ዲሞክራሲ፡ ህዝባውነትን ብልሽውናን" እዮም ኢሉ።

ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን ምክትል ኣቦ መንበር ኣቶ ጌታቸው ረዳን ብኽልተ ዝተፈላለየ ወገን ደው ኢሎም ይርከቡ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሓምለ፡ ኣቶ ጌታቸው ምስ ድምጺ ወያነ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ ኣብዚ እዋን መሰረታዊ ጸገም እቲ ውድብ ስልጣን ምዃኑ ምጥቃሱ ይዝከር።

ካብዚ ብተወሳኺ "ኵሉ ሰብ ነቲ ዝጸንሐ ክቐጽል፡ ኣብ ስልጣን እንከሎ ብዝተፈጸሙ ጌጋታት ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ይጎዪ ኣሎ" ብምባል “ዝሰኣንዎ ስልጣን ከምልሱ፡ ስልጣን መንጢሉኒ ዝበልዎ ድማ ንኽኣልዩ’ ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ኣቶ ጌታቸው እቲ ንገዛእ ርእሱ ዘግለለሉን ኣብዚ ሰሙን ዝካየድ ዘሎን መበል 14 ጉባኤ እቲ ውድብን፡ ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ፖለቲካዊ ጸገማት ዝእረሙሉ ክኸውን ይግባእ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።

ብተወሳኺ ህወሓት፡ “ግዜ ዝጠልቦ ሓሳብ ምምንጫው ኣብ ዘይክእለሉ ኵነታት እዩ ዘሎ” ክብል ነቒፉ።

ኣንጻር ኣቶ ጌታቸው ደው ዝበለ ጕጅለ ህወሓት ዝመርሕ ዶክተር ደብረጽዮን፡ ኣብቲ ንመራሕቲ እቲ ውድብ ኣብ ክልተ ዝመቐለ መበል 14 ጉባኤ ውድብ፡ "ንጥፈት እቲ ውሽጥና ተፈጢሩ ዘሎ እኩይ ጕጅለ ንዅነታት እቲ ውድብ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከምዘሰጋገሮ" እዩ ገሊጹ።

ነዚ ድማ “ዋዕላ ምክያድ” እንኮ መፍትሒ ምዃኑ ኣስሚሩ።

ኣቶ ገብሩ ግን፡ ዶክተር ደብረጽዮንን ምስኡ ዝተሰለፉ ኣባላት መሪሕነትን ዋዕላ ብምክያድ ዝተወሰኑ መራሕቲ ካብ ስልጣን ንምእላይ ድሌት ከምዘለዎም ይገልጽ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ እውን ቅድሚ እቲ ዋዕላ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ከይተበጽሐ ገለ መራሕቲ እቲ ውድብ ነቲ ዋዕላ ንምክያድ ዝወሰኑ "ካብቶም ዝቃወሙና ዝብልዎም መራሕቲ ንምእላይ ብዕላም" ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ።

"እቲ ሕጂ ኣቲናዮ ዘለና ምፍልላይን ወጥሪን፡ ኣዝዩ ሰፊሕን ዓሚቝን እዩ፡ ከቢድ'ውን እዩ" እትብል ወይዘሮ ኣረጋሽ፡ እቲ ሕጂ ተፈጢሩ ዘለዎ ቅልውላው “ካብቶም ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ ዝተፈልየ” ምዃኑ ተስምር።

ቅድሚ ሕጂ "ህወሓት ኣብ ሓያል መርገጺ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ውዳበ እዩ ነይሩ" ክትብል ምኽንያታ ትጠቅስ።

ህወሓት ቅድሚ ሕጂ ዘጋጠምዎ ቅልውላዋት "ዲምክራስያዊ ብዝዀነ ኣገባብ ፈቲሑ’ኳ እንተዘይተበሃለ፡ [እቶም ጸገማት] በቲ ዝተፈትሑሉ ኣገባብ ተፈቲሖም ህላወ እቲ ውድብ ክቕጽል ክኢሉ" ትብል።

ድሕሪ እቲ ኣብ 1993 ዘጋጠመ ውደባዊ ቅልውላው፡ "እቲ ኣመራርሓ እናተዳኸመ’ዩ መጺኡ" ብምባል፡ ብዘይካ'ቲ ህሉው ኵነታት እቲ ውድብ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት እውን ነቲ ሕጂ ዘሎ ቅልውላው ፍልይ ክብል ከምዝገብሮ ትገልጽ።

ህወሓት ኣብ ዝተፈለየ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቍጠባውን ኵነታት ዘጋጠሞ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝጽዕረሉ ዘሎ ኣገባብ በቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተጠቐመሉ ኣገባብ ምዃኑ ኣቶ ገብሩን ወይዘሮ ኣረጋሽን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣመልኪቶም።

"ነቲ ጸገም ብቲ ዝተለምደ መንገዲ ክፈትሕዎ ይጽዕሩ ኣለዉ" ትብል ወይዘሮ ኣረጋሽ፡ እቲ ውድብ ሕዚ’ውን 'በስቢስና፡ ጽግዕተኛነት ኣሎ፡ ምእካብ ክራይ’ዩ ጸገምና' ዝበሃሉ ዘይተተንተኑ ሓሳባት ይዝርዝር ኣሎ" ክትብል ተብርህ።

እዚ ናይ ወይዘሮ ኣረጋሽ ሓሳብ ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝወጸ መግለጺ ህወሓት ተንጸባሪቑ ነይሩ። ኣብ መግለጺኡ፡ ቀንዲ ምንጪ እቲ ጸገም ኣብ ካድራት፡ ሓፈሻዊ ህዝብን ዝተፈላለዩ መራሕቲ ውድብን ዝርአ "ጕጅላዊነት፡ ከባቢያውነት፡ ጸረ-ዲሞክራሲ፡ ህዝባውነትን ብልሽውናን" ምዃኑ ምጥቃሱ ይዝከር።

እዚ ናይ ሕጂ ህሉው ውደባዊ ቅልውላው ህወሓት፡ በቲ ቅድሚ ሕጂ ቅልውላው ዝፈትሓሉ ኣገባብ ክፍትሕ ከምዝፍትን እቶም መራሕቲ ነበር ይዛረቡ።

ኣቶ ገብሩ፡ “ናይ ስልጣን ምስግጋር ክህሉ እዩ። ሓንቲ ጕጅለ ክትስዓር፡ እታ ካልኣይቲ ድማ ሓዪላ ክትወጽእ ምዃና ዘጠራጥር ኣይኰነን" ይብል።

ወይዘሮ ኣረጋሽ ብወገና፡ "ኣብቲ ዋዕላ መራሕቲ ክቕየሩ ይኽእሉ’ዮም። ገሊኦም ወሪዶም ካልእ ክመጽእ ይኽእል እዩ፤ ብድሕሪኡ ግን ንህዝቢ ትግራይን ነቲ ዘሎ ህሉው ጸገምን መፍትሒ ክመጽእ እዩ ዝብል እምነት የብለይን። እቲ ምክፍፋል ክቕጽል፡ እቲ ቅልውላው ድማ እናዓሞቐ ክኸይድ'ዩ" ክትብል ርእይቶኣ ንቢቢሲ ገሊጻ።