ጉባኤ ህወሓት ስለምንታይ እዩ አካታዒ ኰይኑ? - ሓሙሽተ ነጥብታት

ዶ/ር ደብረጽዮን ከምኡ'ውን ኣቶ ጌታቸው ረዳ

ውድብ ህወሓት፡ ካብ ሰሉስ ኣትሒዙ መበል 14 ጉባኤ ከካይድ ከምዝጀመረ ዘፍለጠ ኰይኑ፡ ካብ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ ኵነታት፡ ነቲ ውድብ ንኽልተ ክገምዕ ኣብ ዘኽእል ሓደገኛ ኵነታት ወዲቝ የሳልጦ ከም ዘሎ ክንገር ጸኒሑ እዩ።

ምክትል ኣቦመንበርን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣቶ ጌታቸው ረዳን ዝርከቦም ልዕሊ 17 ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴን፡ ካልኦት ካብ ደቡብ፡ ደቡብ ምብራቕን ምዕራብ ትግራይን ብዙሐት ተወክልቲ ካብቲ ጉባኤ ንርእሶም ኣግሊሎም ኣለዉ።

እንተዀነ እቲ ውድብ፡ ካብ ቍጽጽር ኮሚሽን ከይተረፈ ተቓውሞ ዝቐረበሉ ጉባኤ ብጸደፍደፍ ከካይድ ስለምንታይ ተገዲዱ ዝብል ካብ ፈለጥቲ ውሽጢ ሓቲትና።

ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘይብሉ ጉባኤ

እቲ ካብ ማእከላይ ቍጽጽር ኮሚሽን ህወሓትን ካብ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያን ኣፍልጦ ዘይብሉ ጉባኤ፡ ካልኣይ መዓልቱ ዝሓዘ ኰይኑ፡ ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ትግራይ ንፈለማ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ።

ነቲ ኲናት ስዒቡ ዝሰአኖ ሕጋዊ ሰብነት፡ መሊሱ ንምርካብ ምስ ቦርድ መረጻን መንግስቲ ፈደራልን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክካታዕ ዝጸንሐ ህወሓት፡ ከም ሓድሽ ፓርቲ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ሕጋዊ ሰብነት ንክመልስ ዘኽእል ናይ ሕጊ ኣገባብ ከምዘየለ ዝምጕት ቦርድ መረጻ፡ ነቲ ሕጂ ዘካይዶ ዘሎ ጉባኤ’ውን ‘ሕጋዊ’ ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ኣፍሊጡ አሎ።

እቲ ካብ ቦርድ መረጻ ከም ብሓድሽ መዝጊቡ ዝሃቦ ሕጋዊ ሰብነት፡ ከምዘይተቐበለ ዘፍለጠ እቲ ብበዓል ዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ዘሎ ጕጅለ ህወሓት ነዚ ካብ ውሽጥን ካብ ደገን ዝስማዕ ዘሎ ተቓውሞ ንጐድኒ ገዲፉ፡ ኣካታዒ ጉባኤ ተጻዲፉ ከካይድ ዝተገደደሉ ምኽንያት ናይ ብዙሓት ሕቶ ኰይኑ ኣሎ።

እቲ ኣቦመንበር ኣብ መደረኡ፡ ንስምመዕ ፕሪቶሪያ ፈራሚ ህወሓት ስለዝዀነ፡ ሕጋውነት ህወሓት ምኽላእ ማለት ነቲ ውዕል ምፍራስ ምዃኑ ጠቒሱ፡ እዚ ድማ “ንህዝቢ ትግራይ ንበላዒ ኣሕሊፍካ ምሃብ እዩ” ክብል ተዛሪቡ።

ደብረጽዮን ከምዝብሎ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ዘሎ ‘ብስባሰ’ ንምቅላስን እቲ ውድብ ንምድሓንን ጉባኤ ምክያድ ኣገዳሲ እዩ።

ዘይተፈወሰ ነቓዕ

ወ/ሮ ፈትለወርቅ

ምንጪ ስእሊ, TPLF FB

መግለጺ ስእሊ, ወ/ሮ ፈትለወርቅ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ህወሓት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ ደገ ዝመጽእ ዘሎ ሰቕጢ ሕቶ ሕጋውነት፡ ኣብ መንጐ ላዕለዋይ መሪሕነት እቲ ውድብ ንዝተፈጥረ ነቓዕ ከይፈወሰ እዩ መበል 14 ጉባኤ ጀሚሩ ዘሎ።

እቲ ኣብ መንጐ ግዝያዊ ምምሕዳርን ቤት ጽሕፈት ህወሓትን ዝረአ ዘሎ 'እቲ ጉባኤ ይካየድ ኣይካየድ' ዝብል ምትህልላኽ ሰማይ ዓሪጉ፡ እቲ ሓምሳ ዓመት ዘቝጸረ ውድብ ንኽግማዕ ኣብ ጫፍ ይርከብ።

ነዚ ዅሉ መበሲኡ እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ዘቕረብናሉ፡ ሐደ ነቲ መሪሕነት ቅርበት ዘለዎ ምንጪ፡ እቲ ባእሲ ዝዀነ ‘ህዝባዊ አጀንዳ’ ከምዘይብሉ እዩ ዘረድእ።

እቲ ፈላጢ ውሽጢ፡ እቲ ፍልልይ ብፍላይ ኣብ መንጐ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ኣለም ገብረዋህድን ኣብ መንጐ ምክትል ኣቦመንበር ኣቶ ጌታቸው ረዳን ዘሎ ቅርሕንቲ ዝፈጠሮ ከምዝዀነ የረድእ።

እቲ ቅርሕንቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንግዝያዊ ምምሕዳር ፕረዚደንት ዀይኑ ከይሽየም ዝነበረ ተቓውሞ ዝጅምር ምዃኑ እቶም ምንጭታት ወሲኾም ይሕብሩ።

ነቲ ብፀቢብ ፍልልይ ንግዝያዊ ምምሕዳር ፕረዚደንትነት ዝተመርጸ፡ ብደብዳበ ቀሚ ኣብዪ ኣሕመድ ዝተሾመን ኣቶ ጌታቸው፡ ናይ ‘ፀላእቲ ኩርኩር እዩ’፣ ‘ተለኣኣኺ ፀላእቲ እዩ’፣ ‘ክሒዱና እዩ’ ዝብሉን ካልኦት ፀለመታትን በቲ ናይቲ ውድብ ኣወዳድባን መሓውር ኣቢሉ ናብ ባይታ ክንዛሕ ከምዝተገብረ ይዛረብ።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ “ብሰንኪ እቲ ውድብ ዝፈጥሮም ተደጋገምቲ ኣኼባታትን ብታሕተዎት መሓውራቱ ኣቢሉ ዝዝርግሖም ጸለመታትን” ምሉእ ትዅረቱ ኣብ ዝጠልቡ ምምላስ ተመዛበልቲን ምኽባር ግዝኣታዊ ሓድነት እቲ ክልልን ከይከውን ከም ዘዐንቀፍዎ ከሲሱ።

ኣቶ ጌታቸው ድማ፡ ኣብ ግዝያዊ ምመሕዳር ዘለዎ ሓላፊነት ተጠቒሙ ንኣለም ገብረዋህድን መሓውሩን ከዳኽምን ከምዝፈተነ ዝገለፀ እቲ ፈላጢ ውሽጢ፡ ሱር ዝሰደደ ውድባዊ መሓውርን ልምድን ስለዘይብሉ፡ ኣቶ ጌታቸውን ግዝያዊ ምምሕዳሩ ቅቡልነት ከይረክብ ብሰፊሑ ተሰሪሑ እዩ ይብል።

ካብኡ ሓሊፉ፡ ኣባል ፈጻሚት ስራሕ ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገ/እግዚኣብሄር፡ ብቐንዱ ምስ ካልእ ላዕለዋይ መሪሕነት ዝዀነ በየነ ምክሩ ዘለዋ ምትህልላኽ ዝተኣሳሰር ከምዝዀነ ካብ ውሽጢ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ካብ ኣባል ፈጻሚት ሓደ ዝዀነ ኣባል በየነ ምክሩ፡ ካብቶም ኣብዚ ጉባኤ ንነብሶም ዘግለሉ 17 ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ሓደ እዩ።

እቲ ሕጂ በቲ ሓደ ጕጅለ ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ፡ ነቲ ጉባኤተኛ ኣእሚንካ ንጕጅለ በዓል ጌታቸው ረዳ ካብቲ መሪሕነት ምሒኻ ምድርባይን፡ ‘ሓደ ዓይነት ቋንቋ ዝዛረብ ውድብ’ ንምግባርን ዝሃቀነ ከምዝዀነ እቲ ፈላጢ ውሽጢ ወሲኹ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ጉባኤ ዝፀወዐ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ ጕጅለ ኣቶ ጌታቸው ምሉእ ልዕልነት ከምዝረኸበ መረዳእታት ይሕብሩ።

ካልእ ስግኣት ድማ፡ ብቤት ጽሕፈት ህወሓት፡ ‘ቂመኛ’ ዝብልዎ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ብዝዀነ መገዲ ናብ ስልጣን ከየመጽእ ስግኣት ከምዘለዎ ይዛረብ።

ዝተዓብዓበ ምጕጅጃል

ውድብ ህወሓት፡ ኣብ ምዝዛም ዝሓለፈ መበል 13 ጉባኤ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ጸረ-ዲሞክራስያዊነትነትን ምጕጅጃልን ከምዝነገሰ፡ መሰልን ናጽነትን ህዝብን ናይ ምዕፋንን ዝንባለታት ከምዘሎን ኣሚኑ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ኣብቲ ካብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣትሒዙ፡ ኣብ ሕድሕድ ጉባኤን ሰፋሕቲ ኣኼባታትን ክሕደስን ውሽጡ ከጽርን ቃል ዝኣቱ ውድብ፡ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ፖለቲካዊ ዓብላላይነት ኣብቂዑ ናብ ትግራይ ምስ ተመልሰ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ዝነበረ ምቅርሐን ናብ ሓደጋ ኲናት ምምርሑ ይዝከር።

ምትፈናን እቲ ውድብ ንህዝቢ’ውን ተሪፉ፡ ናብቲ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ዝሃለቐሉ ደማዊ ኲናት ኣካይዱ።

ብዙሐት ሰባት፡ ብፍላይ ድማ ብሄራዊ ውድባት ትግራይ፡ ነቲ ህዝባዊ ህልቂት፡ ውድብ ህወሓት ተሓታቲ ዝገብሩ ዀይኖም፡ እቲ ውድብ ግን ህዝባዊ ቃልሲ መሪሑ ከምዘዓወተ እዩ ዝገልፅ።

“እቲ መሪሕነት ዘገድሶ ዘሎ ሕውየትን ድሕነትን እቲ ውድብ ‘ምበር ነቲ ዝበጽሐ ህዝባዊ ክሳራ ክኽሕስ ኰነ ይቕረታ ክሓትት ኣይረአን” ይብል ቢቢሲ ዘዘራረቦ ውሽጣዊ ተዓዛቢ።

ነፍስወከፍ ኣባል ጕጅለ ህወሓት፡ ካብ ተሓታትነት ንምምላጥ ከምዝዀነ ነንሕድሕዶም ይካሰሱ።

ድዅም መሪሕነት

ኣብ መበል 12ን 13 ጉባኤታቱ ከምዝተንጸባረቐ፡ እቲ ቀዲሙ ‘ብዕምቆት ናይ ምሕዳስ’ ዝብል ዝነበረ ኣንፈቱ ስሒቱ ናይ ምጥቕቓዕ መድረኻት ክኸውን ተራእዩ እዩ።

ውሽጣውሽጢ ናይ ምጕጅጃል ዝንባለታት እናገዘፉ ከይዶም ፍልልያት እናሰፍሑን ውሽጣዊ ውድባዊ ወጥሪ እናሰፍሐን ከይዱ ከይዱ ናብቲ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ምግምማዕ በጺሑ።

እቲ ሕጂ ኣብ መንጐ ላዕለዋይ መሪሕነት ዝረአ ዘሎ ግጭት፡ ኣብ ኣፈታትሓ ውሽጣዊ ጐንጺታታት ዝዀነ ዲሞክራስያዊ ልምዲ ከምዘይብሉን እቲ ኮምኒስታዊ ባህሪኡ ከምዘይፈቕደሉን፡ ገዲም መራሒ ኣቶ ገብሩ ኣስራት ይዛረብ።

ብፍላይ እቲ ብሰፊሑ ዝፍለጥን ልዕሊ 11 ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ውድብ ብ’ኣንጃነት’ በዪኑ ክበራሩን ክእሰሩን ዝተገብረሉ ናይ 1993 [ግ] ምክፍፋል ስዒቡ፡ ፖለቲካዊ መሪሕነት እቲ ውድብ መንሚኑ፡ ብሓደ ጸቢብ ጕጅለን ውልቀሰብን ተቐዪዱ ከምዝጸንሐ ይንገር።

ድሕሪ'ቲ ምክፍፋል፡ ውድባውን ፖለቲካውን ስልጣን ንበይኑ ብሒቱ ዝጸንሐ ነፍሰሄር ቀዳማይ ሚኒሰተር መለስ ዜናዊ፡ ሃንደበት ካብ ዝሓልፍ ጀሚሩ ድማ፡ እቲ ውድብ ዓይነ መርፍኡ ዘይፍለጥ ይጓዓዝ ከምዘሎ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

እቲ ሕጂ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋታት ምግምማዕ ናበይ ከምዘምርሕ ገና ዝርአ ዀይኑ፡ ካብ ሕሉፍ ታሪኽ እቲ ውድብ ፈሊኻ ዘይረአ ምዃኑ ግን የመልክት።

ተዓዘብቲ ከምዝብልዎ፡ እቲ ኣብ መንጐ መሪሕነት ዘሎ ምግምማዕ ንረብሓታት ትግራይ ኣሕሊፉ ዝህብ፡ እቲ ህዝቢ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ቍጠባዊ፣ ስነ-ኣእምሮኣውን ጸጥታውን ቅልውላው ከይወጽእ ዝገብር እዩ።

ኢድ ሓይልታት ፀጥታ

ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ሓላፊ ፀጥታን ጀነራል ታደሰ ወረዳ፡ ኣብ ድሮ እቲ ጉባኤ፡ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ፡ ካብ ፖለቲካ ናፃ ኮይኖም ከምዝቕፅሉ መግለፂ ሂቡ ኣሎ።

እንተዀነ፡ እቲ ኣብ መንጎ ላዕለዋይ ኣመራርሓ እቲ ወድብ ዝተፈጠረ ምክፍፋል፡ ናብ ዕጡቓት ሓይልታት ከይወርድን ምትእትታው ከይዕድምን እዩ ዝስጋእ።

ብፍላይ ድማ፡ ሚኒስተር ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ፌዴራል፡ ኣቶ ለገስ ቱሉ፡ ኣብ ናይ ፌስቡክ ዕላዊ ገፁ፡ “ህወሓት ነቲ ደጋጊሙ ዝፅውዖ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምጥሓስ ንሳልሳይ ግዜ ጌጋ ፈጺሙ" ዝብል ሓሳብ ዘስፈረ ዀይኑ፡ እቲ ኩነታት ናበይ ከምርሕ ከምዝኽእል ግርታ ፈጢሩ ሎ።

ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ብወገኖም፡ ኣብ ጉዳይ ኢድ ኣእታውነት ፌደራል መንግስቲ፡ እንታይ ዓይነት መርገፂ ከምዘሕዙ ዘተሓሳሳብ ኰይኑ፡ ናብ ካሊእ ዑደት ጎንፂን ንሕንሕ ስልጣንን ከየምርሕ ልዑል ስክፍታታት ኣሎ።