'ናብቲ ቴንዳ ኣይንምለስን' - ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ

ሰልፈኛታት ናብ መረበቶም ክምለሱ ይሓቱ

ኣብ ትግራይ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ 2020 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ነበርቲ መንግስታት ክልልን ፌደራልን ቈላሕታ ክገብሩሎም ሓቲቶም።

ሎሚ 13 ጥሪ 2025 ዓ.ም፡ ኣብ ከተማ መቐለ፡ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ግዝያዊ መዕቈቢ ማእከላት ዝነብሩ ዘለው ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ኣደባባይ ሮማናት ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝሓትት ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ተመዛበልቲ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት'ውን ተደጋጋሚ ሕቶታት ከቕርቡ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ። እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ድማ ንዝቕጽሉ ሰለስተ መዓልቲታ ከም ዝካየድ ተፈሊጡ።

እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ዝነበረ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ 2022 ኣብ መንጐ ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕሪቶሪያ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ደው ከም ዝበለ ይዝከር።

እቲ ስምምዕ፡ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ ዝዀኑ ኣብቲ ኲናት ክሳተፉ ዝጸንሑ ሓይልታት ኣምሓራን ወጻኢን ካብ ትግራይ ክወጽኡን ተመዛበልቲ ናብ ንቡር ህይወቶም ክምለሱን ይጠልብ።

ምዕራብ ትግራይ፡ ካብቶም መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ሕቶ ይግብኣኒ ዘልዕለሎም ከባቢታት ትግራይ ሓደ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እቲ ክልልን ሓይልታቱን ከም ዝርከብ ይግለጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ተመዛበልቲ ንምምላስ ዝግበሩ ንጥፈታት ምስ ምፍራስ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ተመስሪቶም ዝጸንሑ ምምሕዳራት ክልል ኣምሓራ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ ከም ዝዀነ ብምግላጽ እዚ ድማ "ክሳብ መወዳእታ ሰነ" [እቲ ዝሓለፈ ዓመት] ክፍጸም ምዃኑ ኣመልኪቱ ነይሩ።

እቲ ሌ/ጀነራል፡ ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር 6 ሓምለ 2016 ዓ.ም ንማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ኣብ ከተማታት ሽረን እንዳ'ባጕናን ዝነበሩ ተመዛበልቲ ወረዳ ጸለምቲ ክምለሱ ከም ዝጀመሩ ብምግላጽ፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ቀረባ ግዜ ናይ ምምላስ መስርሕ ክጅምር ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።

"ኣብ ምዕራብ ትግራይ ሰፋራይ ኣሎ፤ ኣምሓራ መንግስቲ ዘስፈሮም ኣለው። እዚኦም ኣብ ናጻ ቦታ ኣይኰኑን ሰፊሮም ዘለው-ዋና ኣብ ዝነበሮ ቦታ እዮም ዘለው። እዚ እንተዘይተላዒሉ እቲ ምምላስ ከተሓላልዀ ከም ዝኽእል ገሚትና ኢና። እዚ ክሳብ ዝውዳእ ንጽናሕ ኣይኰነን፡ ጐና ጐኒ ተመዛበልቲ ክንመልስ ኣለና፡ ኢሉ ምባሉ ይዝከር።

ኣብቲ እዋን፡ ገደብ ግዜ ናይቲ ዝተባህለ ምምላስ ግን ኣይሓበረን።ክሳብ ሕጂ'ውን ጭቡጥ ምዕባለ ኣይመጽአን ዘሎ።

እቶም ተመዛበልቲ መንግስታት ክልልን ፌደራልን ዕሽሽ ከም ዝበሉዎም ይገልጹ
መግለጺ ስእሊ, እቶም ተመዛበልቲ መንግስታት ክልልን ፌደራልን ዕሽሽ ከም ዝበሉዎም ይገልጹ

'ሕጂ'ስ ተስፋ ቈሪጽና'

እቶም ሰልፈኛታት፡ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ንጕዳይ እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል [ብቐንዱ ኣብ ከተማታት መቐለ፡ዓዲግራት፡ ኣክሱምን ሽረን] ዝርከቡ ተመዛበልቲ ትዅረት ኣይገበሩን ብምባል ነቒፎም።

ወዲ 77 ዓመት ኣቶ ገብሩ ወልደገብርኤል፡ ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ዝተመዛበሉ ሽማግለ ኰይኖም፡ ዓይነ ስውር እዮም።

ንሶም፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ደቈም ከም ዝተሰውኡን ጠዋሪ ከም ዘይብሎምን ብምግላጽ "ኣብ ዓዲና፡ ዓዲ ስኢንና" ብምባል መረርኦም ንቢቢሲ ገሊጾም።

እቶም ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ሰፊሮም ዝርከቡ ተመዛበልቲ፡ ብልሙድ 70 ካሬ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ኣብ ክፍለ ከተማ ሚዘር ዝርከብ ጐልጐል እዮም ዝርከቡ።

ኣብቲ ከባቢ ዘለው ግዝያዊ መዕቘቢ ማእከላት፡ ካብ ፕላስቲክን ቴንዳን ዝተሰርሑ ብምዃኖም፡ ንጽሓይ፡ ንፋስን ቀዝሕን ዝተቓልዑ'ዮም።

እቶም ተመዛበልቲ ለይቲ ኣራዊት ከም ዝመጽኡዎምን ኣብ ዝተበሳስዐ ቴንዳ ኰይኖም ንምንባር ይጽገሙ ከም ዘለውን ብምግላጽ ብቕልጡፍ ናብ መረበቶም ክምለሱ ይሓቱ።

"ህይወት ንዅሉ ከቢድ እዩ ዘሎ -ብፍላይ ኣብ ከም ከማይ ዝበሉ ጕደኣት ኣካል ክኣ ይብርትዕ።እቲ ተደርቢና እንነበርሉ ዘለና ቦታ ዝብእን ካልእን ዘለዎም ስለ ዝዀነ ሓደጋ ከጋጥም እንከሎ ንጽገም። ትንፋስና ኣይሓለፈን-ሞይትና ኣይተቐበርናን- ግን ሞትና ንጽበ ኣለና። ምኽንያቱ ሓሚምና ኣይንሕከምን፡ ቀለብ የብልናን፡" መጽለሊ የብልናን፡ ኣብ ሓመድን ቀዝሕን ኢና ንነብር ዘለና" ብምባል ኣጸጋሚ ዓመታት የሕልፉ ከም ዘለው ኣቶ ገብሩ ገሊጾም።

ኣቶ ገብሩ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ብርሃን ዓይኖም ከም ዝስኣኑ ይዛረቡ
መግለጺ ስእሊ, ኣቶ ገብሩ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ብርሃን ዓይኖም ከም ዝስኣኑ ይዛረቡ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረበን ወይዘሮ ሮማን ካሕሳይ ዝተባህለ ተመዛባሊት ብወገና፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ህይወት "ልዕሊ ምዉታት ትሕቲ ህልዋት ኢና ዘለና" ብምባል ትገልጾ።

ንሰን፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ክመዛበላ እንከለዋ፡ ኣብቲ መዕቈቢ ማእከል ብዛሕልን ዋዕን ንጸገማት ጥዕና ዝተቓልዑ ተመዛበልቲ ከም ዘለው ጠቒሰን።

"ጸገም፡ ጥምየት ከፊኡና። ቤተሰብና፡ ደቅና ሞይቶም፤ ገሊኦም ኣብ ዝወደቝዎ ኣይፍለጥን። ተበታቲንና ኢና ዘለና - ፍርቄና ንሱዳን፡ ገሌና ናብዚ፡ ገሊኡ እግሩ ናብ ዝመርሖ እዩ ጠፊኡ። ሕጂ ናብ ዓድና ክንምለስ ስለ እንደሊ ኵሉ ክሕግዘና ኣለዎ" ኢለን።

ወሰኸን፡ "ሕቶና ክሳብ ዝምለስ ኣብዚ ወዲቕና ለይትን ቀትርን ክንቅኒ ኢና። ካብዚ ዝኸፍእ የለን፡" ብምባል ናብቲ ቴንዳታት ከም ዘይምሰሉ ተዛሪበን።

"ንዓና ዝጥምቱ መራሕቲ የብልናን" ዝበሉ እቶም ሰልፈኛታት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብቲ ዘለውዎ መከራ ከውጽኣና ኣይክኣለን ብምባል ነቒፎም።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ማይጋባ ዋና ዓብዪ ሆቴል ኣምባሳደር ዝነበሩ ኣቶ ኣበራ መሰለ፡ ሓደ ካብቶም ግዳያት እቲ ኲናት ኰይኖም፡ ንብረቶም ኣብቲ ከባቢ ሰፊሮም ብዘለው ካብ ክልል ኣምሓራ ብዝመጽኡ ውልቀሰባትን ኣመሓደርትን ይመሓደር ከም ዘሎ ተዛሪቦም።

ንሶም፡ ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ከቢድ ቍጠባውን ማሕበራውን ጸገም ተሸሚሞም ከም ዝርከቡ እዮም ዝዛረቡ።

"ብዙሕ ሰራሕተኛታት ነይሮምኒ፤ [እቲ ሆቴል] ልዕሊ 11 ክፍሊ 26 ዓራት፡ ናይ ባዕሉ ማይን ኤሌክትሪክን ነይሩዎ። ብጻዕረይ ጽቡቕ ናብራ ይነብር ነይረ። ሕዚ ግን ኣብ ጸገም ወዲቐ ኣለዅ" ብምባል ድሕሪ ምፍራም ውዕሊ ፕሪቶሪያ፡ ናብ መረበቶም ክምለሱ ትጽቢት ከም ዝነበሮም ሓቢሮም።

ኣብ ኣወሃህባ ረድኤት ጸገማት ከም ዘሎን ብኣግባቡ ከም ዘይበጽሕን ብምጥቃስ፡"ናብራ'ዶ ኰይኑ ንነብር ዘለና? ሎምን ጽባሕን'ዶ ፍታሕ ይመጽእ ብዝብል ተስፋ ኢና ጸኒሕና። ክትምለሱ ኢዅም'ውን ክብሃል ስለ ዝጸንሐ ሓቂ እናመለሰና ጸኒሑ። ሕጂ ግን ተስፋ ቈሪጽና" ኢሎም።

እቲ ንኽልተ ዓመታት ኣብቲ ክልል ዝተኻየደ ኲናት፡ ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉን ተጸበይቲ ረድኤት ክዀኑን ክገብር እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተራእዩ ደማዊ ጐንጺታት ሓደ ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ።

እዚ ኲናት፡ ኣብ መወዳእታ 2020 ኣብ ሞንጐ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብ ጐኖም ዝተሰለፉ ወተሃደራት ኤርትራን ብረት ዘልዓሉ ሓይልታት ትግራይን ክለዓል እንከሎ፡ ክልቲኦም ነታ ክልል ንምቁጽጻር ይዋግኡ ነይሮም።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝሒ ናይቶም በቲ ጐንጺን ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝስዓበ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝሞቱ ሰባት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ይሕብር።

እዚ ኲናት፡ ኣብ ፕሪቶሪያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተፈረመ ውዕል ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት ደው ካብ ዝብል ክልተ ዓመት'ኳ እንተኣቑጸረ፡ ሰባት ግን ሕጂ'ውን ካብቲ ኲናት ብዝተረፉ ተተኰስቲ ይሞቱን ይቘስሉን፡ ብቍጠባዊ ጸገማት ይሳቐዩ ኣለዉ።

እቶም ተመዛበልቲ ዘጋጠሞም ሕሰም ግቡእ ቈላሕታ ከም ዘይረኸበ ይገልጹ
መግለጺ ስእሊ, እቶም ተመዛበልቲ ዘጋጠሞም ሕሰም ግቡእ ቈላሕታ ከም ዘይረኸበ ይገልጹ

ኣካያዲ ስራሕ ጽላል ስቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ዝዀነ ጸጋይ ተጠምቀ፡ ተመዛበልቲ ናብ ቦታኦም ንክምለሱ፡ መንግስታት ዝፈረሙዎ ውዕል ተግባራዊ ክገብሩ ይግባእ ኢሉ።

ኣብዚ እዋን፡ ኣመራርሓ ክልል ትግራይ ኣብ ውሽጣዊ ቍርቍስ ፖለቲካዊ ስልጣን ተጸሚዶም ከም ዘለው ይፍለጥ።

እዚ ፈጢሩዎ ዘሎ ዘይርጕእ ኵነታት ድማ፡ እቶም ቀዳምነት ክወሃቡ ዝግብኦም ጕዳያት ክጕሰዩ ከም ዝገበረ ይግለጽ።

ታደሰ ወረዳ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2024 ኣብ ጕዳይ ምስ ኣምሓራ ዘሰሓሕቡ ከባቢታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክሳብ መወዳእታ እቲ ወርሒ ኣብቶም ከባቢታት ተተኺሎም ዝጸንሑ ምምሕዳራት ክልል ኣምሓራ ንክፈርሱ ምስ ሰብመዚ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓለፍቲ መንግስትን ዝርርብ ከም ዝተኻየደ ጠቒሱ ምንባሩ ይዝከር።

ንኵነታት ደቡብ ትግራይ ኣመልኪቱ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ተመሳሳሊ መግለጺ ዝሃበ ጀነራል ታደሰ፡ ተመስሪቶም ዝጸንሑ ምምሕዳራት ክልል ኣምሓራ ንምፍራስ ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስቲን ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ኣብሪሁ ነይሩ።