ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ኲናት ትግራይ ሰላማዊ መፍትሒ ክርከበሉ ወሲኑ

ኣደም ፋራሕ

ምንጪ ስእሊ, Prosperity Party/Twitter

ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና፡ ኲናት ትግራይ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

ፈጻሚን ማእከላይን ኮሚቴታት እቲ ብዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ሰልፊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባታት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝቐርቡ ኣማራጺታት ክርአ ምውሳኖም ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ሰልፊ ገሊጾም።

ምክትል ፕረዚደንት ናይቲ ሰልፊ ኣቶ ኣደም ፋራሕን ሚስተር ፍትሕን ኣባል ማእከላይ ኮሚቴን ዝኾነ ዶ/ር ጌዲዮን ጢሞቲዎስን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወለዐን ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዝሰፍሐን ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ከምዘድልዮ ተዛሪቦም።

መራሕቲ ህወሓት ብወገኖም፡ ነቲ ኲናት ብዘተ ንምፍታሕ ቁሩባት ምዃኖምን፡ ኣብቲ ብኣላይነት ኬንያ ክካየድ’ዩ ክብሃል ዝጸንሐ ዝርርብ ንምስታፍ ላዕለዋይ ልኡኽ ክምዝዙ ድሉዋት ከምዘለዉን ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር። 

ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ ዝተመዘዘ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ፡ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ እቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ዝተወልዐ ኲናት ንኸብቅዕ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ፡ “ድንጉይ ግን ድማ ዘተኣማምን” ምዕባለ የርኢ ምንባሩ ገሊጹ ነይሩ።

እንተኾነ ግን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ፈለማ እቲ ኲናት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ከምዝወገነ ዝነቕፉ መራሕቲ ትግራይ፡ ንትሕዝቶ መንጎኝነት ኦባሳንጆ ዘለዎም ስክፍታታት ካብ ምግላጽ ዓዲ ኣይወዓሉን። 

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ እቲ ልዕሊ 19 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ትግራይ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝከታተልን ዝላዘብን ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ደመቀ መኮንን ዝምራሕ ኮሚቴ ቆይሙ ከም ዘሎ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ምግላጹ ይዝከር።

እቲ ጉጅለ፡ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ፡ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጉዳያት ጸጥታ ሬድዋን ሑሴን፡ ከምኡ’ውን ሚኒስተር ፍትሒ ዶ/ር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ ዝርከብዎ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። 

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምስቲ ኣብ መዝገብ ግብረሽበራ ዘስፈሮ ህወሓት ከምዘይዘራረብ ክገልጽ ድሕሪ ምጽንሑ ነዚ ውሳነ ምግላጹ፡ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ዓቢ ስጉምቲ'ዩ ክብሃል ይክኣል።

ብመሰረት ውሳነ ናይቶም ላዕለዎት ኣካላት ሰልፊ ብልጽግና፡ እቲ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘተ ሰላም "ሕገ-መንግስታውነት ዘኽበረ፡ ሃገራዊ ረብሓ ብዝሕሉ መልክዑ" ክኸውን ኣለዎ ክብል ዶ/ር ጌዲዮን ተዛሪቡ።

"ዝኾነ ተጻብኦን ምትኹታዂን እንተልዩ፡ ግብረመልሲ ናይ ዝህቡ ትካላት ድልውነት ክሕይል" ከምዝተወሰነ ዝጠቐሱ እቶም መራሕቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ንኹሉ እንተታት ንምብዳህ ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሑ ውሳነ ከምዝሓለፈ ገሊጾም ኣለዉ።

እቲ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ ኲናት ትግራይ፡ ሰፊሕ ምፍንቓልን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ዝርከብዎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ ኲናት ከምዝተቐትሉ'ውን ይግለጽ።