መራሒ ቻይና ነበር ጂያንግ ዘሚን ኣብ መበል 96 ዓመቱ ዓሪፉ

መራሒ ቻይና ነበር ጂያንግ ዘሚን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, መራሒ ቻይና ነበር ጂያንግ ዘሚን

ድሕሪ ተቓውሞ ኣደባባይ ቲያናንመን ናብ ስልጣን ዝመጸ መራሒ ቻይና ነበር ጂያንግ ዘሚን ኣብ መበል 96 ዓመቱ ዓሪፉ።

ትማሊ ረቡዕ ድሕሪ ሰዓት 12 ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ኣብ ሻንግሃይ ከምዝሞተ ማዕከናት ዜና መንግስቲ እታ ሃገር ገሊጸን።

ዘሚን፡ ቻይና ብሰፊሑ ንግዲ ወጻኢ ኣብ ዝጀመረትሉን ፍጥነት ዘለዎ ዕብየት ኣብ ዝረኣየትሉን እዋን እዩ መሪሕዋ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ድሕሪ ቲያናንመንን ገለ ካብቲ ዝኸበደ ተቓውሞታት ኣንጻር እገዳታት ኮቪድ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን እዩ ዓሪፉ።

መግለፂ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ብሕማም ሉኪሚያን ምቁራጽ ስራሕ ብዙሓት ክፍሊ-ኣካላትን ከምዝሞተ ይሕብር።

እቲ መግለፂ፡ "ልዑል ክብሪ ዘለዎ ብሉጽ መራሒ" ከምኡ’ውን "ንነዊሕ እዋን ዝተፈተነ ዴሳዊ ተጋዳላይ" ከምዝኾነ ኣፍልጦ ምርካቡ ሓቢሩ።

ግሎባል ታይምስን ማዕከን ዜና ሺንሁዋን ሓዊሱ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና፡ ኽብሪ ንምግላጽ መርበብ ሓበሬታታተን ብጸሊምን ጻዕዳን ቀይረንኦ ኣለዋ።

ጂያንግ ዘሚን፡ ኣብ 1989 ቻይና ብዓለምለኻዊ ደረጃ ክትግለል ዝገበራ ኣብ ርእሰከተማ ቤጂንግ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ቲያናንመንን ከባቢኡን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝተፈጸመ ደማዊ ጭፍጨፋ ስዒቡ እዩ ናብ ስልጣን ደይቡ።

ተሃድሶ ቻይና ዘምጽአ ቆራጽ መራሒ

ኣብ 1989 ዝተፈጸመ ደማዊ ጭፍጨፋ ስዒቡ ናብ ስልጣን ዝመጸ ጂያንግ ዘሚን፡ ቻይና ንዓሰርተ ዓመታት ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየትን ብልጽግናን ኣብ ዝረኣየትሉን ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዝነበራ ሓጹር ኣልያ ዓለማዊት ልዕለ ሓያል ሃገር ኣብ ዝኾነትሉን እዋን መራሒ ከምዝነበረ ይዝከር።

ቻይና ናብ ውድብ ንግዲ ዓለም ክትኣቱን፡ ከምኡ’ውን ሆንግ ኮንግ ካብ ኢድ ብሪጣንያ ብሰላም ክትመሓላለፍን ገይሩ እዩ።

ዘሚን፡ ድሕሪ ተቓውሞ ቲያናንመን ንቻይና ክመርሕ ተመሪጹ - እቲ ናብ ዝዓበየ ዲሞክራሲ ዝወስድ ምንቅስቓስ ከምዘይጽወር ዝገልጽ መልእኽቱ ድማ ናብ ህዝቢ ቻይና ኣመሓላሊፉ።

ንባዕሉ ግን ብብዙሓት ብፍቕሪ ዝዝከር'ዩ - መንእሰያት፡ ቻይና ምልካዊትን ዕጹውትን እናኾነት ኣብ እትኸደሉ ዘላ እዋን ዝያዳ መሳጢ ስብእና ዘለዎ መራሒ ገይሮም ይርእይዎ።

ትሑት ጅማሮ

ዘሚን ኣብ 17 ነሓሰ 1926 ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ ቻይና ኣብ እትርከብ ግዝኣት ጂያንግሱ፡ ኣብ ከተማ ያንግዣው ተወሊዱ።

ኣብ እዋን መግዛእቲ ጃፓን ዝዓበየ ጂያንግ ዘሚን፡ መሃንድስ ኤሌክትሪክ ኮይኑ ተመሪቑ።

ገና ኣብ ኮለጅ እንከሎ ኣብ 21 ዓመቱ ናብ ኮሚኒስት ፓርቲ ተጸንቢሩ። ስድርኡ ሰውራዊ መስመር ወለዶ ስለዘይነበሮም፡ ብሰንኪ ድሕረ ባይታኡ ኣብ ትሕቲ እቲ ተደጋጋሚ ምጽራይ ዝገብር ማኦ ዜዶንግ ድማ ጂያንግ ክሳቐ ይኽእል ነይሩ።

ኮይኑ ግን፡ መብዛሕትኡ ናይ ፈለማ ሞያኡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት እዩ ኣሕሊፉ። ኣብ ሞስኮ ኣብ ፋብሪካ መካይን ሶቭየት ሰልጢኑ፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ሮማንያ ከም ዲፕሎማት ሰሪሑ።

ኣብ 1980ታት ሚኒስተር ኢንዱስትሪ ኤሌክትሮኒክስ ኮይኑ። ብድሒሩ ድማ ኣብ ሻንጋይ ሓላፊ ሰልፊ ኮይኑ። ክሳብ ሽዑ ግን ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ዝኾነ ተሳትፎ ኣይነበሮን።

ናብ ተፈላጥነት ዘብጽሖ ወሳኒ ህሞት፡ ኣብ ኣደባባይ ቲያናንመን ዝተኻየደ ተቓውሞ እዩ።

ሃገራውያን መራሕቲ ነቲ ብመንእሰያት ሰልፈኛታት ዝተኻየደ ጎበጣ ኣደባባይ ቲያናንመን ብኸመይ ከም ዝሕዝዎ ኣብ ዝደናገሩሉ ዝነበሩ እዋን፡ ዘሚን ድሮ ኣብ ሻንጋይ ተመሳሳሊ ተቓውሞታት ኣጋጢምዎ ነይሩ።

ኣብ 1989 ኣብ ኣደባባይ ቲያናንመን ዘጋጠመ ዘተ ክሳብ ሕጂ ብጥብቂ ይሕለው

ምንጪ ስእሊ, CNN/HANDOUT

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1989 ኣብ ኣደባባይ ቲያናንመን ዘጋጠመ ዘተ ክሳብ ሕጂ ብጥብቂ ይሕለው

ነቲ ተቓውሞ ዘለዓዓለት ኮይኑ ዝተሰምዖ ጋዜጣ ክትዕጾ ገይሩ፡ ንተማሃሮ ብእንግሊዝኛ መደረ ብምሃብ ኣደንጽዩዎም።

እቲ ሰልፍታት ብዘይሓይሊ ተበቲኑ፡ እዚ ድማ እቲ ሽዑ ዝነበረ መራሒ ቻይና ደንግ ሺያኦፒንግ ዘይርስዖ ትምህርቲ እዩ።

ደንግ ሺያኦፒንግ ካብቶም ኣፈላላይ ዝፈጠሩ ወገናት ክመርጽ ድሕሪ ምግዳዱ፡ ምስቶም ዓቃባውያን ወጊኑ፡ ነቶም ሊበራላውያን ኣጽሪይዎም። ንዘሚን ድማ ዋና ጸሓፊ ኮሚኒስት ሰልፊ ገይሩ መዚዝዎ። እዚ፡ ብውጽኢታዊ መገዲ ዘሚን ወራሲኡ ከምዝኾነ ዘመላኸተ'ዩ ነይሩ።

ዘሚንግ፡ ኣብ ተቓውሞ ዝነበሮ ኣቀራርባ ድልዱል እዩ ነይሩ። "ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ተዛማዲ ኣምር እምበር ፍጹምን ሓፈሻውን ኣይኮኑን" ኢሉ።

ይኹን እምበር፡ ብዙሕ ዕድል ከምዘለዎ ዝሓሰቡ ተዓዘብቲ ቻይና ውሑዳት እዮም። እቲ ገዚፍ መነጽሩ፡ ዕቱብ ባህርያቱን ዳርጋ ክሳብ ኣፍልቡ ዝሰሓብ ፍሉይ ቅዲ ክዳኑን፡ ከምድኹም ቢሮክራታዊ ክረኣይ ገይሮም።

ኣብታ ናይ ቀደም ግዝኣቱ ሻንግሃይ ዝነበሩ ሰባት ‘ዘ ፍላወርፖት’ ዝብል ሳጓ ሂቦምዎ እዮም። ብዙሕ ስልማት፡ ተግባር ዘይብሉ፡ ብዙሓት ድማ ከም መሰጋገሪ ባእታ ክኸውን እዩ ዝብል ግምት ነይርዎም።

ንሱ ግን፡ ጌጋ ምዃኖም ኣረጋጊጹሎም።

እቲ ኣቀራርባ ተቓውሞ

ናህሪ ናይቲ ኣዝዩ ዘድሊ ምምሕያሻት ከይዝሕትል፡ ወይ’ውን ደው ከይብል ዝተሻቐለ ደንግ፡ ብዛዕባ ዉዕዉዕ ተገዳስነት ዘሚን ዕቃበታት ክገልጽ ጀሚሩ።

ደንግ ሺያኦፒንግ፡ ጂያንግ ወራሲኡ ክኸውን መሪጹ

ምንጪ ስእሊ, ULLSTEIN BILD

መግለጺ ስእሊ, ደንግ ሺያኦፒንግ፡ ጂያንግ ወራሲኡ ክኸውን መሪጹ

ዘሚን ግን ነቲ መልእኽቲ ተረዲኡ ንሓደስቲ ቁጠባዊ ምምሕያሻት ደገፉ ሂቡ። እቲ ማእከላይ መንግስቲ ዝቆጻጸሮ ዝነበረ ማሕበርነታዊ (ሶሻሊስታዊ) ቁጠባ ተኣልዩ።

ዋላ እኳ ገና ብጽኑዕ ኣብ ትሕቲ መንግስታዊ ቁጽጽር ዝኣቱ መስርሕ ዕዳጋ ቁጠባ እንተኾነ ሓድሽ ተወፋይነት ካፒታሊዝም ተራእዩ።

ኣብ 1993፡ ዘሚን ብወግዒ ፕረዚደንት ኮይኑ፡ ድሮ ድማ ሓላፊ ናይቲ ወተሃደራዊ ኮሚሽን ኮይኑ ተመዚዙ። እዚ፡ ንሰለስቲኡ ሓያል ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ተቖጻጺሩ ማለት እዩ።

ደንግ ኣብ ለካቲት 1997 ኣብ ዝሞተሉ እዋን፡ ዘሚን ንነብሱ ከዳሉ እኹል ግዜ ረኺቡ ነይሩ። ብዙሓት ላዕለዎት ስራሓት ድማ ነቶም ካብ ሻንግሃይ ዝመጹ ናይ ቀረባ መሻርኽቱ ሂብዎም ነይሩ።

ድሕሪ ሞት ደንግ፡ ዘሚን ኣብ ጎኒ ቀዳማይ ሚኒስተር ዙ ሮንግጂ ኮይኑ ነታ ሃገር ክመርሕ ጀሚሩ።

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን

ጂያንግ ዘሚን፡ ኣብ ውሽጢ ዴሳዊ ሰልፊ ዝነበሮ መርገጺ ግን ካብቲ ዳርጋ ቀጻሊ ንፖለቲካ ቻይና ዝገልጽ ምልውዋጥን ውዲትን ውሑስ ክኸውን ድሌት ነይርዎ።

ንውሽጣዊ ተቓውሞ ጨፍሊቑ፡ ነቲ መንፈሳዊ ምንቅስቓስ ፋሉን ጎንግ ዓፊኑ፡ ኣብ ልዕሊ ታይዋን ድማ ተሪር መርገጺ ብምኽታል፡ ብወተሃደራት ቻይና ክፍቶ ገይሩ - ዋላ'ኳ መን ሓላፊ ምዃኑ ቀልጢፉ ዘዘኻኽሮም እንተነበረ።

"ሰራዊትና ኣብ ትሕቲ ፍጹም መሪሕነት እቲ ውድብ ዘሎ ህዝባዊ ሰራዊት'ዩ" ብምባል'ዩ ኣዊጁ።

ከምቲ ኣብ መራሕቲ ቻይና ልሙድ ዝኾነ፡ ዘይሕለፍ ዴሳዊ ፍልስፍናታት እውን ገሊጹ። ናቱ ክልሰ-ሓሳብ ሰለስተ ውክልና ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ ነቲ ሰልፊ ዘመናዊ ንምግባር ዝግበር ፈተነ ዘጠቓለለ እዩ።

ኣብ ብሪጣንያ ዘካየዶ መንግስታዊ ዑደት ብኮሚኒስት መራሒ ቻይና ዝተገብረ ፈላማይ ምብጻሕ እዩ

ምንጪ ስእሊ, ANWAR HUSSEIN/GETTY

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ብሪጣንያ ዘካየዶ መንግስታዊ ዑደት ብኮሚኒስት መራሒ ቻይና ዝተገብረ ፈላማይ ምብጻሕ እዩ

ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝነበሮ ዓብላልነት ውሑስ ዝኾነ ዘሚን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ስም ቻይና ንምዕባይ ተበጊሱ።

ገለ ተዘካሪ ምርኢታት ኣቕሪቡ።

ካብዚኦም ድማ ኣብ 1996 ምስ ፕረዚደንት ፊሊፒንስ ፊደል ራሞስ ኣብ ቁጠባዊ መድረኽ ኤስያ ድራር ድሕሪ ምብላዕ ናይ ኤልቪስ ፕሪስሊ ‘ላቭ ሚ ቴንደር’ ትብል መነቃቕሒት ደርፊ ደሪፉ።

ጂያንግ ኣብ እዋን መሪሕነቱ ናብ ኣሜሪካ ብዙሕ መገሻታት ኣካይዱ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጂያንግ ኣብ እዋን መሪሕነቱ ናብ ኣሜሪካ ብዙሕ መገሻታት ኣካይዱ እዩ

ዘሚን ኣብ እዋን መሪሕነቱ ናብ ኣሜሪካ ብዙሕ መገሻታት ኣካይዱ እዩ።

ምስ ኣሜሪካ ዝነበረ ምሕዝነት ብዝያዳ ብንጹር ዝተገልጸ፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ 11 መስከረም 2001 ኣብ "ኲናት ኣንጻር ግብረሽበራ" ምስ ኣሜሪካ ክተሓባበር ምቕራቡ እዩ።

ምልክት ዝሓለፈ ዘመን

ኣብ ሕዳር 2002 ናይ ሰልፊ ሓላፍነት ንሁ ጂንታኦ ብምሃብ ምስግጋር መሪሕነት ጀሚሩ። በዚ ድማ ሁ ኣብ መጋቢት 2003 ንጂያንግ ዘሚን ተኪኡ ፕረዚደንት ኮይኑ።

ኣብ መስከረም 2004፡ ዘሚን ካብቲ ናይ መወዳእታ ዓቢ ፖለቲካዊ ስልጣኑ - ካብ ኣቦ መንበርነት ናይቲ ንዕጡቕ ሓይልታት ቻይና ዝከታተል ኮሚሽን ወሪዱ።

ጂያንግ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝተራእየ ኣብ 2019 እዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጂያንግ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝተራእየ ኣብ 2019 እዩ

ምሉእ ብምሉእ ካብ መንግስቲ ወጺኡ ከኣ ንዓመታት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ሳሕቲ ይርአ ነይሩ።

ብርግጽ ኣብ 2008 ኣብ ዝተኻየደ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ኦሎምፒክ ቤጂንግ ዝተረኣየ ክኸውን እንከሎ፡ ቻይና ነቲ ውድድር ክተአንግድ ኣብ ምውሓስ ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ እዩ።

ኣብ 2012 ሕቶ ምትኽኻእ መሪሕነት የካትዕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዳግማይ ተቐልቂሉ፡ ኣብ ፖለቲካ ቻይና ጽልዋ ከምዘለዎ ኣርእዩ።

በዓልቲ ቤቱ ዋንግ የፒንግን ክልተ ደቆምን ዝገደፈ ጂያንግ ዘሚን፡ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝተራእየሉ ኣብ 2019 ኮይኑ፡ ኣብ ጽምብል መበል 70 ዓመት ምምስራት ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና'ዩ ነይሩ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ መበል 20 ጉባኤ ዴሳዊ ፓርቲ ዘይምህላዉ ከም ምልክት ሕማም ጥዕና ተራእዩ።

ኣብተን ናይ መወዳእታ ዓመታቱ፡ ጂያንግ ዘሚን ንብዙሓት መንእሰያት ቻይናውያን ዘጠራጥር ጅግና ኮይኑ።

ብመልክዑ "ሓርጃም" (ኡንቁሮዖብ) ዝብል ሳጓ ሂቦሞ፡ ደገፍቱ ድማ ንነብሶም "ኣምለኽቲ ሓርጃም" ኢሎም ይጽውዑ።

ንዓኣቶም፡ ምልክት ናይቲ ኣብ ቻይና ዝተሓድገ ዘመን ዝያዳ ሊበራላዊ ስርዓት እዩ ነይሩ።