ቻይና ክብረወሰን ዝሓዘ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮቪድ ኣመዝጊባ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ቻይና ኮሮናቫይረስ ንምውጋድ ተሪር ስጉምትታት እኳ እንተወሰደት፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ዝለዓለ ቁጽሪ መዓልታዊ መልከፍቲ ኮቪድ ኣመዝጊባ ኣላ።
ርእሰ ከተማ ቤጂንግን ደቡባዊ ማእከል ንግዲ ጉዋንዝሆን ሓዊሱ ሓያሎ ዓበይቲ ከተማታት ለበዳ ኮሮናቫይረስ የጋጥመን ኣሎ።
ትማሊ ረቡዕ ዝተመዝገበ መልከፍቲ 31,527 ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝተመዝገበ ዝለዓለ ቁጽሪ 28 ሽሕ እዩ ነይሩ።
እቲ ቁጽሪ ን1.4 ቢልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ንእሽቶ'ኳ እንተኾነ፡ እቲ ለበዳ ካብ ዝጅምር ብወግዒ ልዕሊ 5,200 ሰባት ሞይቶም እዮም።
እዚ ድማ ኣብ ቻይና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሚልዮን ሰለስተ ሞት ይኸውን ኣሎ። ኣብ ኣሜሪካ ካብ ሓደ ሚልዮን 3,000፣ ኣብ ብሪጣንያ ድማ ካብ ሓደ ሚልዮን 2,400 ከምዝሞቱ ይግለጽ።
ቻይና ዜሮ ኮቪድ ብዝብል ዝተግበረቶ ፖሊሲ ህይወት ሰባት ከምዘድሓነ ንጹር’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ቁጠባን ህይወት ተራ ህዝብን ግን ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ።
እታ ሃገር ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ንገለ ካብቲ ገደባት ቁሩብ ኣዝሊቓቶ ነይራ።
ንናይ ቀረባ ርክብ ዘለዎም ሰባት ኣብ መንግስታዊ መሳለጥያ ዝግበር ምውሻብ ካብ 7 መዓልታት ናብ ሓሙሽተ መዓልትን ኣብ ገዛ ድማ ናብ ሰለስተ መዓልቲ ቀኒሳቶ። ካልኣይ ደረጃ ርክባት ምምዝጋብ ደው ዘበለት ክኸውን እንከሎ እዚ ድማ ብዙሓት ሰባት ምውሻብ ከይግደዱ ኣኽኢሉ።
ሰበስልጣን ብተወሳኺ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት እታ ዝዓበየት ከተማ ሻንጋይ ዝተጻወረቶ ዓይነት ሓፈሻዊ ዕጽዋ ከይትግበር ጻዕሪ ገይሮም እዮም።
ኣብ ቤጂንግ ዝተሓደሰ ወሰኽ ቁጽሪ መልከፍቲ፡ ከምኡ’ውን ድሕሪ ኣዋርሕ ንመጀመርታ ግዜ ብኮሮናቫይረስ ሞት ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ግን፡ ሰበስልጣን ድሮ ኣብ ሓያሎ ኣውራጃታት ገለ ገደባት ተግባራዊ ብምግባር፡ ድኳናት፡ ኣብያተ ትምህርትን ቤት መግብታትን ተዓጽዮም ኣለዉ።
ማእከላይ ከተማ ዠንግዝሆው እውን ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ን6 ሚልዮን ነበርታ ተሪር ዕጽዋ ክትእውጅ ምዃና ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም።
እዚ ድማ ኣብ ፎክስኮን ዝተበሃለ ሓደ ሰፊሕ ኢንዱስትርያዊ ትካል ኣፍራዪ ኣይፎን ዝተኻየደ ዓመጽ ተቓውሞታት ስዒቡ'ዩ። እቲ ትካል ኣብ ስርዓታት ክፍሊት "ቴክኒካዊ ጌጋ" ብምፍጣሩ ይቕሬታ ሓቲቱ’ሎ።
ካልኦት ዛንታታት ስቓይን ተስፋ ምቑራጽን ኣብ ኢንተርነት ተዘርጊሖም ቂምታ ህዝቢ ኣበጊሶም እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ዠንግዝሆው ሓንቲ ህጻን ክግበረላ ዝግባእ ሕክምናዊ ክንክን ብሰንኪ እገዳታት ኮቪድ ስለዝተደናጐየ ከምዝሞተት ዝገልጽ ጸብጻብ ዓቢ ቁጥዐ ኣስዒቡ እዩ።
ቻይና ገና መስርሕ ምጥፋእ ኮቪድ ብጃምላዊ መርመራን ሕግታት ዕጽዋን ትከታተል ዘላ ናይ መወዳእታ ዓባይ ኢኮኖሚ ኮይና። ኣብ 31 ኣውራጃታት ቫይረስ ኮሮና ይምዝገብ ኣሎ።
ሓደ ክፋል ናይቲ ምኽንያት፡ ደረጃ ክታበት ካብ ካልኦት ምዕቡላት ሃገራት ዝወሓደ ስለዝኾነን፡ ካብቶም ልዕሊ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ፍርቂ ጥራይ ቀዳማይ ክታበት ጥራይ ስለዝተኸተቡን እዩ።
ቻይና፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ትሰርሖ ክታበት ውጽኢታዊ ከምዘይኮነ መርትዖታት እኳ እንተሃለወ፡ ክታበት ካብ ወጻኢ ክተእቱ ግን ኣይፈቐደትን።
ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግ፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ብዙሕ ኣረጋውያን ህዝቢ ንምሕላው ጽኑዕ ምግታእ ከምዘድሊ ይምጉት።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ፕሮፌሰር ልምዓት ቻይና ዊልያም ሃርስት ኣብ ቀረባ እዋን ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ዕጽዋታት ለበዳ ኮቪድ ከይላባዕ ይከላኸል እዩ" ኢሉ ነይሩ። "ግን ንምእማኑ ዘጸግም ጽኑዕ ማሕበራዊ ምቁጽጻር'ውን የስዕብ’ዩ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







