ኣብ ቁጽጽር ዕጡቓት ዝርከቡ ከባቢታት ኢትዮጵያ፡ ብሕማም ንፍዮ ተጠቒዖም

ብልቃጥ ክታበት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ነበርቲ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ብሰንኪ ሕጽረት ኣገልግሎት ሕክምና፡ ህጻናት ብሕማም ንፍዮ ይሞቱ ኣለው ኢሎም።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ውልቀሰባት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ግጭት ምንቅስቓስ ካብን ናብን ምትእጕጓሉ እቲ ጸገም ከም ዘጋጠመ ሓቢሮም።

መንግስቲ ፌደራል፡ ቀንዲ ዕርዲ ዕጡቓት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ዝዀኑ ከባቢታት ምዕራብ ኦሮምያ ስጕምቲ ክወስድ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

ሓላፊ ጥዕና እቲ ክልል ኣቶ ደረጀ ኣብደና፡ ኣብቲ ክልል፡ ኣብቶም ብደርቂ ዝተጠቕዑ ከባቢታት ሓዊሱ ለበዳ ሕማም ንፍዮን ዓሶን ከም ዝተኸሰተ ኣረጋጊጹ።

ነቶም ዝተጐድኡ ሰባት ንምብጻሕ ጻዕሪ ይግበር ከምዘሎ’ውን ተዛሪቡ።

"ቅድሚ ሒደት መዓልታት ጥራይ ብሕማም ንፍዮ ዝሞቱ ክልተ ህጻናት ቀቢርና። ሓካይም ካብቲ ከባቢ ወጺኦም’ዮም” ክብል ነባሪ ወረዳ ኮንዳላ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ንፍዮ ኣዝዩ ተላባዒ ኰይኑ ከቢድ ሕማም ከስዕብ ይኽእል። ሓሓሊፉ ቀታሊ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኦሮምያ ዘሎ ሰብኣዊ ኵነታት፡ "ዝተሓላለኸ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ" ብምባል፡ ብሰንኪ ግጭት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ተመዛቢሎም ምህላዎም ጠቒሱ።

‘’ነቲ ዝተጐድአ ህዝቢ ንምሕጋዝ፡ ተበጻሕነት፡ ጸጥታን ገንዘብን በዳህቲ ኰይኖም ይቕጽሉ ኣለው” ክብል ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA) ገሊጹ።