ኣብ ኣሜሪካ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብቂዑ’ዩ - ጆ ባይደን

ፕረዚደንት ጆ ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ሕጂ’ውን ቍጽሪ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት እናወሰኸ እንከሎ፡ እቲ ለበዳ ኣብ ኣሜሪካ ኣብቂዑ’ዩ ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት፡ “ሕጂ’ውን ጸገም’ኳ እንተሃለወ” እቲ ኵነታት ግን ቅልጡፍ ምዕባለ የርኢ እዩ ዘሎ ክብል ተዛሪቡ።

መረዳእታታት ከም ዘመልክትዎ፡ ኣብታ ሃገር መዓልታዊ ልዕሊ 400 ሰባት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ይሞቱ ኣለው።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ እዚ ለበዳ "ይቐርብ ኣሎ" ክብል ገሊጹ ነይሩ።

ባይደን ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ምስ ሲቢኤስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ኣሜሪካ ነቲ ቫይረስ ንምቍጽጻር፡ “ብዙሓት ስራሕቲ” ትሰርሕ’ያ ዘላ ዝበለ ኰይኑ፡ ሕጂ “ዋላ ሓደ ማስክ ኣይገብርን። ኵሉ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ዘሎ ይመስል . . . ይቕየር ዘሎ ይመስለኒ” ኢሉ።

ይዅን’ምበር፡ ሰብ መዚ እታ ሃገር ብሰኑይ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ርእይቶ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ፖሊሲ ዝተገብረ ለውጢ ምህላው ዘመልክት ኣይኰነን ብምባል፡ ኮቪድ-19 ሓደጋ ጥዕና ማሕበረሰብ ምዃኑ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ንምልዓል መደብ ከም ዘየለ ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ሰብ መዚ ኣሜሪካ እቲ ካብ ወርሒ ጥሪ 2020 ጀሚሩ ዝተደንገገ ኣዋጅ ጥዕና ሕብረተሰብ ኣናዊሖምዎ’ዮም።

ክሳብ ሕጂ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኣሜሪካውያን ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ሞይቶም’ዮም።

ጸብጻባት ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ፡ ብማእከላይ ገምጋም መዓልታዊ ልዕሊ 400 ሰባት ይሞቱ ምህላዎምን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሞት ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ሰባት ከም ዝተመዝገበን የመልክቱ።

እዚ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021 ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ፡ ኣብቲ ግዜ ልዕሊ 23 ሽሕ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ጥራይ ይሞቱ ነይሮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣስታት 65 ሚእታዊት ህዝቢ እታ ሃገር ምሉእ ንምሉእ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከም ዝወሰደ ይግመት።

ብሰኑይ፡ ሓላፊ ትካል ኣለርጅን ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ እቲ ኵነታት ምምሕያሽ የርኢ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ሕጂ’ውን መዓልታዊ ዘጋጥም ዘሎ ሞት “ክትቕበሎ ዘይትኽእል ዝለዓለ” ሞት እዩ ክብል ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ካልኦት ዓሌታት ኮቪድ-19 ክመጽኡ ከም ዝኽእሉ’ውን ኣጠንቂቑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ዓለም “እቲ ለበዳ ከብቅዕ ንምግባር ከምዚ ሕጂ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ በጺሓ ኣይትፈልጥን” ኢሉ ነይሩ።

ይዅን’ምበር፡ “ኣብኡ ኣይበጻሕናን፤ ግን ዝርአ ነገር ኣሎ” ኢሉ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 6.5 ሚልዮን ሰባት ሞይቶም’ዮም። ኣሜሪካ እታ ዝለዓለ መጠን ሞት ዘመዝገበት ሃገር ኰይና፡ ህንድን ብራዚልን ይስዕባኣ።