ቻይና፡ ተቓውሞታት ብሓይሊ ፖሊስ ትጭፍልቕ

ፖሊስ ቻይና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ቻይና፡ ኣንጻር ዕጽዋታት ኮቪድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ዝነተጐ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ሰበሰልጣን 'ታ ሃገር ተሪር ስጕምቲ ኣብ ዝወስዱሉ ዘለው ኣብዚ ሕጂ እዋን ብመጠኑ ዛሕቲሉ ይርአ'ሎ።

ጻዕቂ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ዝተዘርግሐ ኰይኑ፡ ገለ ምትእኽኻባት ተቓውሞ ኣብኡ እንከሎ ክብርዕን ተገይሩ እዩ።

ሰባት ሞባይላቶም እናተሓድጕ ተፍትሽ ይግበረሎም ከም ዘሎ ድማ ካብታ ሃግር ዝወጽኡ ዘለው ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ቻይናውያን ግን ተቓውሞኦም ይቕጽሉ ኣለዉ።

ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ኡሩምቂ ምዕራብ ቻይና፡ ኣብ ሓደ ዓቢይ ህንጻ ብዘጋጠመ ባርዕ 10 ሰባት ድሕሪ ምማቶም እዩ፡ እቲ ናዕቢ ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ተጓሃሂሩ።

ነበርቲ፡ ካብቲ ባርዕ ኣምሊጦም ነብሶም ከድሕኑ ዘይከኣሉሉ ምኽንያት፡ ብሰንኪ ዝተነብረ ዕጽዋ ኮሮና ከም ዝዀነ እዩ ብሰፊሕ ዝእመን።

ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ግን ነዚ ክሲ ኣይቅበልዎን።

ከም ሳዕቤን ናይዚ፡ ኣሽሓት ሰባት ናብ ጐደናታት ብምውጻእ ዕጽዋ ኮሮና ከብቅዕ ዝጠልብ ሰልፊታት ኣካይዶም፤ ኣብ ገሊኡ ድማ ፕረዚደንት ዢ ጂንፒን ካብ ስልጣኑ ክወርድ ክጽውዖ ተሰሚዖም።

ብሰኑይ ግን፡ ኣባላት ፖሊስ ንመአከቢ ቦታ ስለዝኸበብዎ እቲ ኣብ በይጂንግ ክግበር ተወጢኑ ዝነበረ ዝተወደበ ሰልፊ ክግበር ኣይተኻእለን።

ኣብ ሻንጋይ ከኣ፡ ፖሊስ ዓበይቲ ሓጹራት ብምትካል ነቲ ምንቅስቓስ ክቈጻጸሮን ሓያሎ ኣድመኛታት ክኣስርን ክኢሉ።

ጕጅለ ኣድመኛታት፡ ዳግማይ ኣብ ጐደናታት ወጺኦም ክስለፉ ከም ዝግባእ ብምግላጽ ብማሕበራዊ መራኸቢ ተሌግራም ክወዳዳቡ ምዃኖም ምስተፈልጠ፡ ሰሉስ ንግሆ ፖሊስ ሰራዊት ብፍላይ ኣብዘን ከተማታት ብብዝሒ ኮለላ ክገብር ተራእዩ።

ሰኑይ ምሸት ኣብ ደቡባዊት ከተማ ሃንዙ ተጀሚሩ ዝነበረ ሰልፊ፡ ሓያሎ ሰባት ብምእሳር ብቕጽበት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ዝወዓለ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ሆንግ ኮንግ ግን፡ ኣድመኛታት ኣብ ማእከል ከተማ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቻይና-ሆንግ ኮንግን ብምትእኽኻብ ነቲ ኣብ ውሽጢ ቻይና ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ዘለዎም ድጋፍ ገሊጾም።

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዓለም፡ ለንደን፡ ፓሪስ ቶክዮን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲታት ቻይና ከምኡ’ውን ኣብ ዩኒቨርሲታት ኣሜሪካን ኣውሮጳን ሓያሎ ሰልፊታት ተቓውሞታት ቀጺሉ’ሎ።

ሓደ ተንታኒ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ቻይና ዝካየድ ዘሎ ሰልፊታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ትንታነ፡ እዚ ኣድማ ቀልጢፉ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝቕህም ኣይኰነን፤ ሰባት ቍጽጽር ክግበረሉ ብዝኽእል ኣገባብ ዘይኰነስ ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት እዮም ተጸዋዊዖም ናብ ጐደናታት ዝወጽኡ ዘለዉ ኢሉ።

ኣብ ሃገራዊ ዩኒቨስሲቲ ሲንጋፖር ዝምህር ፕሮፈሰር ድሪው ቶምፕሰን ግን፡ “ገዚፍ ዓቕሚ ፖሊስ ቻይና ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ፡” ብምባል፡ ቻይና ነዚ ተቓውሞታት ክትቈጻጸር ዘለዋ ዓቕሚ ልዑል ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ቻይና፡ እታ እንኮ ጽኑዕ ፖሊሲ ‘ዜሮ ኮቪድ’ ዘለዋ ዓባይ ቁጠባ ኰይና፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር ንኣሽቱ ለበዳታት ኣብ ዝረኣየሉ እዋን’ውን ፍጹም ከምዘይጻወሩን፡ ጃምላዊ መርመራ፡ ውሸባን ሃንደበታዊ ዕጽዋታትን ከም ዘካይዱ እዩ ዝፍለጥ።

ቻይና ናይ ባዕላ ክታበት ጸረ-ቫይረስ ኮሮና ዘማዕበለት’ኳ እንተዀነት፡ ከምቲ ኣብ ካልእ ቦታታት ዝማዕበለ፣ ንኣብነት ፋይዘርን ሞደርናን ኣድማዒ ከምዘይኰነ እዩ ዝግምገም።

ክልተ ዶዝ ፋይዘር 90% ዓቕሚ ምክልኻል ክህልዎ እንከሎ፡ ቻይናዊ ሲኖቫክ ግን 70% መከላኸሊ ጥራይ’ዩ ዝህብ።

እዚ ኰይኑ’ውን እቲ ክታበት ንብዙሕ ሰብ ኣይተዋህበን። ካብቶም ብኮቪድ ናይ ምማት ተኽእሎኦም ልዑል ዝበሃል ኣረጋውያን’ውን ክታበት ዝተዋህቦም ኣዝዮም ውሑዳት እዮም።

ብተወሳኺ፡ ካብ መልከፍቲ ዝደሓኑ ሰባት ዘለዎም ምምዕባል ተፈጥሮኣዊ ዓቕሚ ምክልኻል ውሑድ እዩ።

ስለዚ እቲ ቫይረስ ባህሪኡ እናቐየረ፡ ካብቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝተቐልቀለሉ ኣዝዩ ብዝቐልጠፈ ክዝርጋሕ ይኽእል ማለት ኰይኑ፡ ካብተን ዕጽዋ ዝሓደጋ ሓያሎ ሃገራት እቲ ቫይረስ ናይ ምእታው ቀጻሊ ሓደጋ ኣሎ።

ብሰንክ’ዚ እዮም ድማ ሰበስልጣን ቻይና፡ ገለ ምልክታት ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ተቐዳዲሞም ዕጽዋ ዘንብሩን፡ እዚ ኣገባብ ኣሰልቺዎም ኣብ ጐደናታት ወጺኦም ምስ ዝቃወሙን ድማ ኣብ ግጭት ዝኣትዉን ዘለዉ።