ክድሕን እናተኻእለ ንስንክልና ዘቃልዕ ምጥዋይ እግሪ

ጠዋይ እግሪ ዘለዎም ህጻናት

ምንጪ ስእሊ, HOPE WALKS-ETHIOPIA

መግለጺ ስእሊ, ምዕፃፍ (ምጥዋይ) እግሪ ኣብ ህፃናት ዘጋጥመሉ ምኽንያት ኣይፍለጥን።

ሄለን* ናይ ጥንሲ ግዜኣ ካብቶም ዝቐደሙ ዘሕለፈቶም እዋናት ጥንሲ ዝተፈለየ ኣይነበረን። ስሩዕ ክትትል ሕክምና ጥንሲ ገይራ'ያ።

ኣብ ሆስፒታል ክኣ ኣቤል* ኢልና እንጽውዖ ወዳ ብሰላም ተገላጊላ። ድሕሪ ወሊድ'ውን ግቡእ ክትትል ሕክምና ገይራ ናብ ገዛኣ ተመሊሳ።

"ኣብ ሕክምና እየ ወሊደ። ዝዀነ ኣካል ምንም ኣይበለንን” ብምባል ዛንታኣ ትጅምር።

ኣብ ገዛኣ ምስ በጽሐት ስድራን ጐረባብትን ብዕልልታ ተቐቢሎማ። ሓድሽ ኣባል ስድራ ስለ ዝመፅአ፡ እቲ ገዛ ብናይ ሓጎስ ሃዋሁ ተመሊኡ።

ሓራስ ሄለን፡ ንውላዳ ነብሱ ንምሕጻብ ተዳልያ፣ ኣይጸገማን። ከተጥብዎ እንከላ ግን ብዝግባእ ኣስተውዒላቶ።

“እግሩ ርእየዮ። ቅድሚ ሕዚ ከምዚ ዝበለ ነገር ርእየ ኣይፈልጥን” ትብል።

“ብዙሕ ነገር ርእየ እየ” ትብል ሄለን እግሪ ወዳ ዝተዓጻጸፈ (ዝተጠወየ) ምዃኑ ግር ኢሉዋ።

“ብጣዕሚ እየ ሰንቢደ። ደጋጊመ እግሩ ክዝርግሖ ፈቲነ፤ ለውጢ የለን” ትብል።

ዝተዓጽፈ እግሪ ብእንግሊዘኛ፡ ‘ክሌፍት ፉት’ ብዝብል ይፍለጥ። እዚ፡ ጸገም ኣዕጽምቲ፡ ጅማውትን ዝኣመሰሉን ኰይኑ፡ ኣብ ግዜ ወሊድ ዝርአ ጸገም'ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዳይሬክተር ሆፕ ዎክስ ኢንተርናሽናልን በዓል ሞያ ፊዚዮቴራፕን እንዳሻው ኣበራ፡ እዚ ጸገም “ብተፈጥሮ ዝመፅእ ኰይኑ፡ እግሪ ናብ ውሽጥን ናብ ታሕትን ዝዓፅፍን ዝጠውን እዩ” ይብል።

ምዕፃፍ (ምጥዋይ) እግሪ ኣብ ህፃናት ዘጋጥመሉ ምኽንያት ግን ኣይፍለጥን።

እቲ በዓል ሞያ፡ “ገገሊኡ ምስ ጥንሲ የተሓሕዞ። ካልኦት ድማ እታ ኣደ ኣብ እዋን ጥንሲ እንተወዲቓ ወይ ድማ መግቢ ወይ ከኒና ብዘይምውሳዳ ከጋጥም ይኽእል እዩ ዝብሉ ኣለዉ። እዚ ግን ጌጋ እዩ" ብምባል መንቀሊኡ ከም ዘይፍለጥ የረድእ።

ወሲኹ፡ ‘‘ካብ ዘርኢ ከይበሃል፡ ካብ ውሉድ ወለዶ ኣይመሓላለፍን። ካብ ትነብረሉ ከባቢ ከይበሃል ድማ እዚ ፀገም ኣብ ሓደ ከባቢ ኣብ ብዙሕ ሰብ ኣየጋጥምን’’ ዝብል ኣቶ እንዳሻው፡ ስለዝዀነ እዩ ድማ መበገሲኡ ዘይፍለጥ ኢሉ።

ምዕፃፍ (ምጥዋይ) እግሪ ኣብ ሓደኡ እግሪ ጥራይ ከጋጥም ይኽእል። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ኣብ ክልቲኡ እግሪ’ዩ ዘጋጥም።

ኣቤል ፀጋማይ እግሩ’ዩ ተጠውዩ። ወላዲቱ ሄለን፡ “የማናይ እግሩ ደሓን’ዩ። እቲ ካልኣይ ግን ልክዕ ኣይኮነን” ትብል።

እዚ ዝተዓፀፈ እግሪ እቲ ህፃን እናዓበየ ክኸይድ እንከሎ ክስጕም ኣየኽእሎን።

በዚ ከኣ፡ ሓደ ሓደ ሰባት እናተፍሓዅ ክኸዱ ይግደዱ።

ጠዋይ እግሪ ዘለዎም ህጻናት

ምንጪ ስእሊ, HOPE WALKS- ETHIOPIA

እዚ፡ ምንቅስቓስ ይድርት፣ ደሓር ድማ ነባሪ ዝዀነ ጸገም መነባብሮ የስዕብ። በዚ ምኽንያት፡ ዘይተደለዩ ማሕበራዊ፡ ስነ-ልቦናውን ቁጠባውን ጸገማት ይፍጠሩ።

ኣቶ እንዳሻው፡ “እዚኦም፡ እግሮም ብንቡርን ልክዕን መገዲ ምስ ዝዓበየ ህጻናት ክተወዳድሮም እንከለኻ ይፍለ እዩ። ምስጓም ይዅን ምጉያይ ይኸብዶም'ዩ፡” ይብል።

ኣብ ሕንጦታት ዘጋጥም ምጥዋይ እግሪ ናይ ኣፈጣጥራ ጸገም ስለ ዝዀነ፡ ዝዀነ ዓይነት ጥንቃቐ ብምግባር ምክልኻል ኣይከኣልን።

ይዅን’ምበር እዚ ጸገም ኣብ ግዜ ጥንሲ ምፍላጥ ይከኣል'ዩ።

ብፍላይ ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት ክትትል ወሊድ ናይቲ ጥንሲ፡ እግሪ ብኣልትራሳውንድ ይርአ’ዩ።

ኣብዚ እዋን ነዚ ጸገም ብምፍላይ ወለዲ ብስነ-ልቦና ድሉዋት ኰይኖም ክፀንሑ ይግበር፤ ዝዀነ ዝወሃብ ሕክምና ግን የለን።

ምጥዋይ እግሪ ከይፍጠር ምክልኻል'ኳ እንተዘይተኻእለ፡ ቈልዑ ምስ ተወለዱ ብዝወሃብ ሕክምና ግን፡ ፍቱን መፍትሒ ምሃብ ይከኣል።

እዚ ጉዳይ፡ ብቕልጡፍ ምስ እትፈልጦ በዓልሞያ ሕክምና ከም ዝተዛረበትሉ እትገልጽ ሄለን፡ “ብጣዕሚ ቀሊል’ዩ፤ ክድሕን ዝኽእል’ዩ ኣይትሰንብዲ ኢሉኒ” ትብል።

ናብ ሕክምና ምስ ከደት ዝረኣየቶ ግን ኣይኣመንትን።

“ናይ ወደይ ጸገም ጥራሕ ይመስለኒ ነይሩ። ካብ ናተይ ብዝገደደ ዝተጐድኡ ብዙሓት ቈልዑ ርእየ። ኣብ ክልቲኡ እግሮም ዝተጎድኡ 'ውን ርእየ፤ ልዕለይ ዝሓዘኑ ሰባት ርእየ፤ ኣነ ንእኦም ርእየ ተጸናኒዐ፤ ግን ከኣ ሓዚነሎም፡” ብምባል ትዝክር።

ንዝተዓጽፈ እግሪ ዝወሃብ ሕክምና

ሄለን ወዳ ከም ዝድሕን ተነጊርዋ፤ ብተመሳሳሊ መገዲ ዝደሓኑ ህጻናት ምርኣያ ድማ ተስፋ ኣስኒቕዋ።

“ፖንሴቲ ሜላ ሕክምና እዩ። ኮንሰርቫቲቭ ዝበሃል ብዘይመጥባሕቲ ዝፍፀም ዓይነት ሕክምና’ዩ። ብመንጽር ወጻኢ ድማ ንዅሉ ተበፃሒ ብዝኾነ መልክዑ ዝቐርብ’ዩ” ይብል ኣቶ እንዳሻው።

እዚ ሕክምና ብጀሶን ጫማን ዝካየድ በዓል ክልተ ደረጃ መስተኻኸሊ ድጋፍ እዩ።

ፈለማ ነቲ ዝተጠወየ እግሪ ቀጥ ብምባል ብጀሶ ይተሓዝ፤ ካብኡ ድማ ጅማት ናይ ምስትኽኻል ሕክምና ይግበር።

እዚ ሕክምና ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸሞንተ ሰሙን ይወሃብ። እቲ ጀሶ ድማ ሰሙናዊ ይቕየር።

ኣብ መወዳእታ ድማ ንእሽተይ ሕክምና ቃንጃ ብምሃብ ይዛዘም። ቀጺሉ ናብ ኣካላዊ ድጋፍ ወይ ናይ ጫማ ሕክምና የምርሕ።

እዚ ናይ ጫማ ሕክምና ብጀሶ ዝተስተኻኸለ እግሪ ‘ንምክልኻልን ንምሕላውን’ ዝወሃብ እዩ።

ብጀሶ ጥራሕ ዝተወሃበ ሕክምና ዘተኣማምን ኣይኮነን።

“እቲ ጸገም ተመሊሱ ክመጽእ ዘለዎ ዕድል ሰፊሕ እዩ” ዝብል ኣቶ እንዳሻው፡ ነዚ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ጫማ ነቲ ዝድሓነ እግሪ ‘ንምሕላውን ንምክልኻልን ይወሃብ” ይብል።

ናይ ጫማ ሕክምና

ምንጪ ስእሊ, HOPE WALKS-ETHIOPIA

መግለጺ ስእሊ, ናይ ጫማ ሕክምና

ኣቤል’ውን ብኸምዚ መገዲ’ዩ ሕክምናኡ ወዲኡ።

“የንፋሑኽ’ዩ ነይሩ፡ ደሓር ወንበር ተደጊፉ ክስጕም ጀሚሩ” ትብል ሄለን።

እዚ ሕክምና ብቕልጡፍ ኣብ ውሽጢ ፈላሞት 15 መዓልታት ክጅመር ከም ዝግባእ ሰብ ሞያ ይምዕዱ።

መዓልታት እንተወሲኹ ግን፡ ውጽኢታውነት እቲ ሕክምና’ውን እናነከየ ይኸይድ።

መጠን ወሊድ ልዑል ኣብ ዝኾነለን ከባቢታት ምጥዋይ እግሪ ከም ዝዛይድ መጽናዕትታት ይሕብሩ። ብደረጃ ዓለም ዓመታዊ ልዕሊ 2 ሽሕ ቈልዑ እግሮም ተዓፂፉ ይውለዱ።

ካብዚኦም እቶም ሰማንያ ሚእታዊት ትሑትን ማእከላይን ኣታዊ ኣብ ዘለወን ሃገራት ዝውለዱ’ዮም።

ምኽንያት ናይዚ ቁጠባ ዘይኮነስ፡ ኣብዘን ሃገራት መጠን ወሊድ ልዑል ብምዃኑ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ካብ ዝውለዱ 800 ቈልዑ፡ ኣብቲ ሓደ እዚ ፀገም ይኽሰት።

ኣብ ኢትዮጵያ በብዓመቱ ኣስታት 5 ሽሕ ቈልዑ እግሮም ተጠውዩ ይውለዱ። እዚ ኣሃዝ ካብ ናይጄርያ ቀፂሉ፡ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ’ዩ።

ቅድምን ድሕርን ሕክምና

ምንጪ ስእሊ, HOPE WALKS-ETHIOPIA

መግለጺ ስእሊ, ቅድምን ድሕርን ሕክምና
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ድማ ብብዝሒ እግሮም ዝተጠወዩ ቈልዑ ምውላድ ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ክልላት እየን።

ምጥዋይ እግሪ ኣብ ዘጋጥመሉ ዝበኽዩ፡ ዝስምብዱን ዝሻቐሉን ሰባት ብዙሓት’ዮም።

ኣቶ እንዳሻው፡ “እዚ ጸገም እንከጋጥም ‘ኣምላኽ እንታይ ገይረዮ’የ? ተረጊመ ድየ’? ዝብሉ ኣለዉ። ንደቈም ዝሓብኡ’ውን ውሑዳት ኣይኮነን። ምስ እምነት ዘዛምድዎ ሰባት እውን ኣለዉ። ብሰንኪ'ዚ ደቈም ናብ ማእከላት ሕክምና ምውሳድ ይፈርሑ። ‘ናብ ሕክምና እንተመፂአ ሰባት ክሓምዩኒን ከውርዩለይ’ዮም’ ዝብል ስግኣት ኣሎ” ይብል።

“ናብ ገዛይ ዝመጽኡ ሰባት ኣብ ወደይ ዘጋጠመ ነገር ክነግሮም ከለኹ ብጣዕሚ’ዮም ዝስምብዱ” እትብል ሄለን፡ “ብፍላይ ጀሶ ምስ ተኣሰረሉ ሰንቢዶም'ዮም ዘሰንብዱኻ። ወይ ክሓቑፍዎ ኢሎም ይርእይዎ እሞ፡ ‘እንታይ ኰይኑ?’ ይብሉ። ምንም እየ ዝብሎም። ሓደ ሓደ ግዜ ከልዕልዎ እንከለዉ ስለ ዝኸብዶም ስፖርት ይሰርሕ ኣሎ እብሎም” ኢላ ።

ኣቶ እንዳሻው፡ ጐኒ ጐኒ ሕክምና፡ ነዚ ኣመለኻኽታ እዚ ንምቕራፍ ግንዛበ ንምፍጣር ይሰርሑ ከም ዘለዉ ይገልፅ።

ሆፕ ዎክስ ዓለምለኸ ትካል ረድኤት ኮይኑ ብቐንዱ ኣብ ምጥዋይ እግሪ ይሰርሕ።

እዚ ኣብ ኣፍሪቃን ኤሽያን ኣድሂቡ ዝሰርሕ ሆፕ ዎክስ፡ ነዚ ጸገም ብቕልጡፍ ብምልላይ ሕክምና ይህብ።

እዚ ጸገም ካብ ስድራ፡ ካብቲ ግዳይን ሃገርን ንምውጋድ ድማ ንዝሓለፉ 13 ዓመታት ሰሪሑ’ዩ።

እዚ ሕክምና ካብ 2009 ክሳብ 2019 [ኣ.ኣ] ኣብ ሆስፒታል ኪዩር ክወሃብ ዝፀንሐ ኮይኑ፡ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ድማ ፍቓድ ኣውጺኡ ይንቀሳቐስ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን ምስ 48 መንግስታዊ ትካላት ጥዕና ምስራሕ ዝጀመረ ሆፕ ዎክስ፡ ኣብ ኵለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ይንቀሳቐስ።

ነተን ትካላት ጥዕና ድማ ብስልጠና፡ ናውቲ ሕክምናን ካልእን ይሕግዝ።

“ሓደ ሓደ ሰባት ድሕሪ ፈላማይ ሕክምና ይጠፍኡ። ንሕና ድልዱላት/ጥዑያት ቈልዑ ክህልው ኢና ንደሊ። ዝመሃሩ፡ ንርእሶም ዝኽእሉን ተረከብቲ ሃገርን ቈልዑ ንምፍጣር ኢና ንሰርሕ” ይብል ኣቶ እንዳሻው።

ኣብዚ እዋን፡ እዚ ኣገልግሎት ሕክምና ኣብ 48 ክሊኒካት ብምሃብ ዝርጋሐኡ ናብ 50 ሚእታዊት ዝደየበ ኰይኑ፡ ኣብ 2030 ድማ ምሉእ ብምሉእ ንምጥፋኡ ዓሊሙ ኣሎ።

ሄለን፡ ወዳ ኣቤል ደው ኢሉ ክኸይድ’ዩ ዝብል ተስፋ ስለ ዘይነበራ፡ “እቲ ጫማ ንድሕሪት ይጐቶ ስለ ዝነበረ፡ ፈሪሐ ነይረ” ትብል።

ሄለን ናብ ሕክምና ቀልጢፋ ብምኻዳ ግን፡ ሕዚ ኣቤል ሕጕስን ጥንኩርን ቈልዓ ኰይኑ ኣሎ፤ ከም ልቡ ይስጕም፡ ከም ልቡ ይጐዪ።