ሽጋራ ዘየትክኹ ሰባት ስለ ምንታይ ብመንሽሮ ሳንቡእ ይጥቅዑ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣቶ ላቀው ገብረስላሰ ኣብ ደብረብርሃን ነባሪ ማሕበር ሓረስቶት ጭራሮ ደብር እዩ። ዕድመኡ ኣብ ስሳታት ከም ዝዀነ ዝዛረብ ኣቶ ላቀው፡ ኣቦ ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን እዩ።
ብዋዛ ዝጀመሮ ሰዓል እናበርትዖ ምስ ከደ ናብ ሆስፒታል ደብረብርሃን ከይዱ። ሰብ ሞያ ሕክምና፤ እቲ ሕማም ዓባይ ሰዓል እዩ ኢሎም ዝኣዘዝሉ መድሃኒት ክወስድ ድማ ጸኒሑ።
እንተዀነ እቲ ሕማም እናበርትዐን እናበኣሰን ከም ዝመጽአ ይዝክር።
“ብተደጋጋሚ መርመራ ገይረ፣ ግን ሕማመይ ክፈልጦ ዝኽእል ሰብ ኣይነበረን። የስዕለኒ . . . ደም ዝተሓወሶ ዓኽታ ይወጽኣኒ” ይብል።
ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ሆስፒታል ደብረብርሃን ዝርከቡ መርመራ ዝገበርሉ ሓካይም ካብ ዓባይ ሰዓል ካልእ ዝተፈለየ ነገር ክህሉ ይኽእል እዩ ኢሎም ኣይሓሰቡን።
ጥዕና ኣቶ ላቀው ግን ዝዀነ ዓይነት ምምሕያሽ ከርኢ ኣይክኣለን። ስለ ዝዀነ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ሆስፒታል ዘውዲቱ ተላኢኹ።
ኣቶ ላቀው ሽጋራ ተትክኽ ዲኻ? ኢልና ክንሓቶ እንከለና “ኣነ ጐይታይ! ሓረስታይ’የ፣ ኣየትክኽን” ዝብል ምላሽ ሂቡና።
እዚ ሕቶ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መጽአ ሰብ ሞያ ሕክምና’ውን ሓቲቶምዎ እዮም።
ኣብቲ ሆስፒታል ኣድላይ መርመራ ምስ ተገበረሉ መንሽሮ ሳንቡእ ከም ዝሓዞ ተረጋጊጹ ናብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ተላኢኹ።
ኣቶ ላቀው፡ ከመይ ኢለ በዚ መንሽሮ ክጥቃዕ ክኢለ ዝብል ሕቶ ግን ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይረኸበሉን።
ክኢላ መንሽሮን ኣብ ዙርያ እዚ ሕማም ዝተፈላለዩ መጽናዕታት ዝገብር ዘሎን ዶክተር ጂልቻ ድሪባ፡ “ብመንሽሮ ንከይትተሓዝ መፍትሒኡ ዘይምውላድ’ዩ ዝብሃል ነገር ኣሎ” ይብል።
ብዙሓት ዓይነታት መንሽሮ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሰብነትና ከም ዝብገሱ ዝዛረብ ዶክተር ጂልቻ፡ መንሽሮ ሳንቡእ’ውን ኣብ ዓለም ካብ መንሽሮ ቈርበት ቀጺሉ ብኻልኣይ ደረጃ ዘጋጥም ከም ዝዀነ ይሕብር።
ኣብ ከባቢ ሰሜን ዋልታ ካብ ጨረር ጸሓይ ብዝብገስ መንሽሮ ቈርበት ብሰፊሑ ይኽሰት። እቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝርከብ መንሽሮ ሳንቡእ ድማ፡ ኣብ ዓለም ቀተልቲ ካብ ዝበሃሉ ዓይነታት መንሽሮ እቲ ሓደ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ዝኽሰት ኣብ ታሽዓይ ደረጃ ዝርከብ ዓይነት መንሽሮ እዩ። ብመንጽር መጠነ ሞት ክርአ እንከሎ ግን ኣብ ሻምናይ ደረጃ ይርከብ።
መንሽሮ ሳንቡእ ካብ መተንፈሲ ኣካልና ዝብገስ ዓይነት መንሽሮ እዩ።
መንቀሊኡ እንታይ እዩ?
ምስ መንሽሮ ሳንቡእ ብዝተሓሓዝ ቀዲሙ ዝለዓል ምትካኽ ሽጋራ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ'ዩ ኸኣ ኣቶ ላቀይ፡ “ሽጋራ ተትክኽ ዲኻ?” ዝብል ሕቶ ቀዲሙ ዝቐረበሉ።
ምስ ምትካኽ ሽጋራ ብዝተሓሓዝ፡ ኣብ ጥቓ ኣትከኽቲ ዝነብሩ ወይ’ውን ምስኦም ዝሰርሑ፡ 'ልኡማት ኣትከኽቲ' [ፓሲቭ ስሞከርስ] ዝበሃሉ ሰባት ኣለው።
እቶም ዘትክኹ ሰባት፡ ጐዳኢ ዝበሃል ትኪ ሽጋራ እዮም ናብ ደገ ዘተንፍሱ። ኣብ መንጐ እዚ ተጠቃዕቲ ዝዀኑ ኣብ ጥቓኦም ዝርከቡ ሰባት ድማ ነዚ ትኪ ናብ ውሽጢ የእትውዎ።
ትካል ጥዕና ዓለም፡ ኵሎም ዓይነታት ሽጋራ ንጥዕና ጐዳእቲ ከም ዝዀኑ ይሕብር።
በዓልቲ ሞያ ቍጽጽር ትንባኾ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣውሮጳ ዝዀነት ኣንጀላ ቺባኑ፡ ዘየትክኹ ሰባት ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ንትኪ ሽጋራ እንተ ተቓሊዖም፡ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ጉረሮኦም ቀሊል ዘይበሃል ጉድኣት ይወርዶም ትብል።
“ካብ ካልኦት ሰባት ንዝመጽእ ትኪ ሽጋራ ዝቃልዑ ሰባት፡ ልዕሊ 700 ኬሚካላት’ዮም ናብ ውሽጦም ዘእትው። ካብ መንጐ ዚኦም እቶም 70 ንመንሽሮ ዝቃልዑ’ዮም። እዞም ሰባት ድማ ብመንሽሮ ሳንቡእ ናይ ምትሓዝ ዕድሎም ልዕሊ 20 ክሳብ 30 ሚእታዊት እዩ” ኢላ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ 65 ሽሕ ዝዀኑ ህጻናት ዓመታዊ ብሰንኪ ሽጋራ ከም ዝሞቱ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዶክተር ጂልቻ’ውን፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዘትክኽ ሰብ እንተሃልዩ ቈልዑን ሰበይትን ንመንሽሮ ሳንቡእ ከም ዝቃልዑ ይዛረብ።
ኣብ ቦታ ስራሕ ድማ፡ መሳርሕትኻ ዘትክኽ እንተዀይኑ፡ ብብዝሒ ኣብ ጥቓኡ ዝርከቡ ሰባት በዚ መንሽሮ ናይ ምትሓዝ ዕድል ኣለዎም።
ካብዚ ወጻኢ፡ ብቐጥታ ምስዚ መንሽሮ ዝተፈላለዩ ከሚካላት ከም ዘለው ዶክተር ጂልቻ ይዛረብ።
“ብፍላይ ኣስቤስቶስ ዝተባህለ ከሚካል ኣሎ፤ ከምኡ’ውን ራደን። እዚኦም ንብዙሕ ዓመታት ክፈታተኑና ዝጸንሑ’ዮም። ሕጂ’ውን ኣለው። ብፍላይ ራደን ቅድሚ ሕጂ ሰባት ከይተረድኦም ንዕደና ይጥቀምሉ ስለ ዝነበሩ ተቓላዕቲ ኰይኖም ጸኒሖም’ዮም፡” ይብል።
ስለዚ፡ ኣብ ዕደናን ህንጸት ኣባይትን ዝሰርሑ ሰባት ነዞም ከሚካላት ተቓላዕቲ ስለ ዝዀኑ፡ ብመንሽሮ ሳንቡእ ናይ ምትሓዝ ዕድሎም ሓፍ ዝበለ እዩ።
እዚ ጥራይ ኣይኰነን፣ ምስ'ዞም ከሚካላት ምትንኻፍ ዘለዎም ሰባት ነዚ መንሽሮ ይቃልዑ እዮም።
ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለዩ ፋብሪካታት ዝርከቡ ከም ሲልካ [silica]፡ ካድሚየም [cadmium]፡ ኣርሰሚክ [Arsenic]፡ ቤንዚደን [benzidine] . . . ብብዝሒ ንመንሽሮ ሳንቡእ ዘቃልዑ ከሚካላት እዮም።
ብተወሳኺ፡ ዘየትክኹ ሰባት ምስ ጄኔቲክ ሚዩቴሽን ብዝተሓሓዝ በዚ መንሽሮ ከም ዝተሓዙ ዝገልጽ እቲ በዓል ሞያ፡ ብተደጋጋሚ ሕማም ሳንቡእ ዘጥቅዖም ሰባት፡ በሰላ ስለ ዝገድፍ ንመንሽሮ ሳንቡእ ከቃልዖም ከም ዝኽእል የረድእ።
ምልክታት መንሽሮ ሳንቡእ
ዶክተር ጂልቻ፡ ብዙሓት በዚ መንሽሮ ሓሚሞም ናብ ሆስፒታል ጥቁን ኣንበሳ ዝመጽኡ ሰባት፡ መድሃኒት ዓባይ ሰዓል ክወስዱ ዝጸንሑ ምዃኖም ገሊጹ።
“እዚ፡ ሕማሞም ዓባይ ሰዓል ዘይኰነ ዓባይ ሰዓል እዩ ተባሂሎም ኣብ ከባቢኦም ክሕከሙ ዝጸንሑ ምዃኖም ዘርኢ’ዩ። ወይ ድማ ከም ኒሞኒያ ዝኣመሰሉ ቀለልቲ ሕማማት’ዮም ተባሂሎም ክሕከሙ ዝጸንሑ’ዮም፡” ኢሉ።
ብቐንዱ፡ መንሽሮ ሳንቡእ ዝሓዞ ሰብ ዘርእዮ ምልክት ሰዓል ኰይኑ፡ ምቁርራጽ ትንፋስ፣ ናይ ምዕፋን ስምዒት እውን ይርኣዮ።
እቲ መንሽሮ ምስ ኣጋጠመ ሰዓል ከም ዘይጅምር ግን ዶክተር ጂልቻ የረድእ። ስለዚ፥
- ምስ ዓኽታ ዝተሓወሰ ወይ’ውን ውጹእ ደም ምትፋእ
- ቃንዛ ኣፍ ልቢ
- ምስኣን ሸውሃት መግቢ፡ ከምኡ’ውን ምንካይ ክብደት ሰብነት
- መንሽሮ ሳንቡእ ደረጃኡ ሓፍ እናበለ ክመጽእ እንከሎ ድማ ድምጺ ምቕያር፣ ምልክት ምጉዕራር ምርኣይ ይጅምር።
መንሽሮ ሳንቡእ፡ ናብ ኣድሪናል ግላንድ፡ ሓንጐልን ዓጽምን ናይ ምዝርጋሕ ተኽእሎ ስለ ዘለዎ፡ ብመጠን እቶም ዝተዘርግሓሎም ክፍሊ ኣካላት ዘርእዮም ምልክታት ምህላዎም ኣይተርፍን።
ከመይ ንከላኸሎ?
ካብቶም ካልኦት ዓይነታት መንሽሮ ብዝተፈለየ፡ መንሽሮ ሳንቡእን ማህጸንን ዘምጽኡ ነገራት ይፍለጡ’ዮም።
ካብዚ ብዝብገስ፡ እዚ ሕማም ንምክልኻል ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት ጠጠው ንኸብሉ ይምከር።
ኣብ ጥቓ ሽጋራ ዘትክኽ ሰብ ዘይምንባር፡ ናብ ፋብሪካታት ይዅን ናብ ኣባይትና እነምጽኦም ከሚካላት ትሕዝቶእም ምፍላጥ’ውን ኣገዳሲ እዩ።
ኣብ ጥቓ ፋብሪካታት ዝነብሩ ሰባት ድማ፡ እቶም ካብቲ ፋብሪካ ዝወጽኡ ፈሰስቲ ንጥዕና ሓደጋ ስለ ዝህልዎም ጥንቃቐ ክገብሩ ከም ዘለዎም ዶክተር ጂልቻ ይገልጽ።
ኣቶ ላቀው ገብረስላሰ፡ ካብ ደብረብርሃን ናብ ኣዲስ ኣበባ እናተመላለሰ ሕክምናዊ ክትትል ይገብር ኣሎ።
“መንሽሮ’ውን ክሕከም ይኽእል’ዩ” ብምባል ጥዕናኡ ምምሕያሽ ምርኣይ ከም ዝጀመረ ሓቢሩ።
ዶክተር ጂልቻ’ውን ሕጂ ብዘሎ ቴክኖሎጂ መንሽሮ ክሓዊ ዝኽእል ሕማም ከም ዝዀነ ይገልጽ።
ኣብ ኢትዮጵያ ግን ሕክምና ዝወሃበሎም ቦታታት፡ ክእለት ሰብ ሞያ፡ ሕጽረት ናውቲ ሕክምናን ቀረብ መድሃኒትን ጠሚቱ ሃጓፍ ከም ዘሎ ይጠቅስ።
ኣብ መጀመርታ ደረጃ ሕክምና መንሽሮ ሳንቡእ ብመጥባሕቲ እቲ መንሽሮ ተቘሪጹ ክወጽእ ብምግባር ምሉእ ብምሉእ ክሓዊ ይኽእል።
መጥባሕቲ ንምግባር ዘይምችእ ኵነታት ምስ ዝህሉ ድማ ሕክምና ጨረርን ኬሞ ቴራፒን ከም ዝወሃብ ዶክተር ጂልቻ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







