ጠንቂ ‘ቲ ሚልዮናት ዝቐዘፈ ‘ጸሊም ሞት’ ከም ዝተረኽበ ተመራመርቲ ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተመራመርቲ፡ ነቲ ኣብ መበል 14 ክፍለዘመን ኣቢሉ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኤስያን ሰሜን ኣፍሪቃን ዓሰርተታት ሚልዮናት ሰባት ዝቐዘፈ ‘ጸሊም ሞት’ ዘስዓበ ተላጋቢ ሕማም፡ ድሕሪ ልዕሊ 600 ዓመታት መበገሲ እንታይ ምዃኑ ከም ዝረኸቡ ይኣምኑ።
እዚ ኣብ መፋርቕ መበል 14 ክፍለ ዘመን ዘጋጠመ መቕዘፍቲ፡ ኣብ ታሪኽ ወዲ-ሰብ ካብ ዝተራእዩ ክፉኣት ተርእዮታት ሕማም እዩ።
ተመራመርቲ ዓመታት ዝቐጸለ መጽናዕቲ’ኳ እንተካየዱ፡ እቲ ተላባዒ ቀዛፊ ሕማም ካበይ ከም ዝተበገሰ ክፈልጡ ኣይከኣሉን።
ሕጂ ዝወጽእ ዘሎ ትንታነታት ሓድሽ ርኽበት ‘ምበኣር፡ እቲ ሕማም ኣብ ኪርጊስታን፡ ማእከላይ ኤስያ፡ ኣብ 1330ታት ከም ዝተላዕለ ዝሕብር እዩ።
ካብ ዩኒቨርሲቲ ስተርሊንግ ስኮትላንድን፡ ካብ ማክስ ፕላንክ ኢንስቲትዩት ጀርመንን ዩኒቨርሲቲ ቱቢንገንን ዝተዋጽአ ሓደ ጕጅለ መጽናዕቲ፡ ኣብ ጥቓ ቀላይ ኢሲክ ኩል፡ ኪርጊስታን፡ ኣብ ዝርከብ መካነ መቓብር፡ ካብ ኣስናን ጥንታዊ ኣስከሬን ንዝወሰዶ ዲኤንኤ ተንቲኑ።
እቲ ቦታ ዝተመረጸሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኣብ 1338ን 1339ን ዓቢይ መጠነ-ሞት ዝተራእየሉ ከባቢ ብምባሩ እዩ።
ዶክተር ማርያ ስፓይሩ ተመራማሪት ካብ ዩኒቨርሲቲ ቱቢንገን፡ እቲ ጉጅለ ካብ 7 ኣስከሬን ዲኤንኤ ከም ዝኣከበ ትገልጽ።
ብመሰረት ሓበሬታ ዶ/ር ስፓይሩ፡ እቶም ተመራመርቲ ኣስናን ዝተተንተኑሉ ምኽንያት፡ ስኒ ብዙሓት ሰራውር ደም ስለዘለዎምን፡ ካብኣቶም፡ "እቲ ንሞት ብዙሓት ሰባት ከስዕብ ዝኽእል ብደም ዝመሓላለፍ ረኽሲ ናይ ምፍላጥ ልዑል ዕድል ስለዝህብ፡" እዩ።
እቲ ጕጅለ መጽናዕቲ፡ ኣብ ሰለስተ ካብቶም ሸውዓተ፡ ‘የርሲንያ ፔስቲስ’ ዝተባህለ ለበዳ ዘስዓበ ባክተርያ ክረኽቡ ክኢሎም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስተርሊንግ ተመራማሪ ታሪኽ ዶክተር ፊሊፕ ስላቪን፡ ብዛዕባ'ቲ ርኽበት፡ "ዘካየድናዮ መጽናዕቲ፡ እቲ ታሪኸኛ ቀዛፊ ለብዒ መዓስን ኣበይን ከም ዝጀመረ ዘረጋግጽ ኰይኑ፡ ንሓደ ካብቶም ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ዝዓበዩ ግድላት መዕለቢ ዝገብር እዩ፡” ኢሉ።
እዚ መጽናዕቲ ኣብ ኣዝዩ ውሑድ ቍጽሪ ዝተደረተ ብምዃኑ ግን ከም ሕጽረት ይግለጽ።
ዶ/ር ሚካኤል ናፕ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦታጐ ስዊዘርላንድ ብዛዕባዚ ርእይቶኡ ሂቡ’ሎ።
ንሱ ዘይኣባል’ዚ ጕጅለ መጽናዕቲ ኰይኑ፡ ብዛዕባ’ቲ ውጽኢት ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ መጽናዕቲ “ብሓቂ ልዑል ዋጋ ዘለዎ እዩ” ኢሉ ኣኽብሮቱ ብምግላጽ፡ “ካብ ብዝሕ ዝበሉ ኣስከሬናትን ካብ ዝተፈላለየ ቦታታትን ዝውሰድ ቅምሶ ክኸውን እንተዝኽእል፡ ነቲ ውጽኢት ንምንጻር ዝያዳ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡” ክብል ሓሳብ ሂቡ።
እዚ መጽናዕታዊ ስራሕ፡ “መበገሲ ጸሊም ፌራ መበል 14 ክፍለዘመን ማእከላይ ኤስያ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ሓደ ‘Nature’ ዝተባህለ ጆርናል ተሓቲሙ።

ፌራ ‘ቡቦኒክ’ እንታይ እዩ?
እዚ ሕማም ፌራ፡ ቀታሊ ተላባዒ ሕማም ኰይኑ፡ ኣብ ገለ እንስሳታት - ብቐንዱ ኣብ ዓሌት ኣናጹ - ከምኡ'ውን ኣብኣተን ዝጽግዑ ኣቝናጭን ብዝነብሩ ‘የርሲንያ ፔስቲስ’ ብዝተባህሉ ባክተርያ ዝስዕብ እዩ።
‘ቡቦኒክ’ እቲ ዝውቱር ዓይነት ሕማም ፌራ ኰይኑ ንሰባት ከጥቅዕ ዝኽእል እዩ።
እቲ ዝተዋህቦ ስም ካብቲ ዘስዕቦ ምልክታት ማለት - ቃንዛ፡ ሕበጥ ወይ ነድሪ ጽክታት ኣብ ከባቢ ረቃቒቶ፡ ምጥንቧቕ ሱር ዕያገነዳ(ሊምፍ) ፡ ዝኣመሰሉን - ዝመጸ እዩ።
ካብ 2010 ክሳብ 2015፡ ብደረጃ ዓለም 3248 ሰባትበዚ ሕማም ከም ዝተጠቕዑን፡ 584 ከም ዝሞቱን ይፍለጥ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)