ሰሜን ኮርያ ለበዳ ዘይተፈለጠ ሕማም መዓንጣ ከምዝኣተዋ ኣፍሊጣ

መድሃኒት ዝነጽጉ ሰብ ሞያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰሜን ኮርያ ብኮቪድ እውን ተጠቒዓ እያ ዘላ

ብለበዳ ኮቪድ-19 ተወጢራ ዘላ ሰሜን ኮርያ፡ ለበዳ ዘይተፈለጠ ሕማም መዓንጣ ንምፍታሕ ትጽዕር ከምዘላ ገሊጻ።

መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ-ኡን ውሸባ ክጅመር ኣዚዙ ከምዘሎ ማዕከን ዜና ከይሲኤንኤ ገሊጻ።

እቲ መራሒ ናብቶም ኣብ ከተማ ሄይጁ ብሕማም መዓናጡ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት መድሃኒት ከም ዝለኣኸ እውን ወሲኻ ገሊጻ።

ሰብ ሞያ ጥዕና እቲ ብመልክዕ ለበዳ ዝተኸሰተ ሕማም ታይፎይድ ወይ ኮሌራ ክኸውን ከምዝኽእል ይግምቱ።

ብሚልዮን ዝቝጸሩ ምርመራ ኮቪድ ዘይተገበረሎም ሰባት ምልክታት፡ “ረስኒ” ምርኣዮም ስዒቡ፡ ሰሜን ኮርያ ኣብ ወርሒ ግንበት ህጹጽ እዋን ኣዊጃ።

በቲ ተወሊዑ ዝተባህለ ሕማም መዓንጣ ዛጊድ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ከም ዝተጠቕዑ ዝተገለጸ ነገር የለን።

መራሒ እታ ሃገር ድማ እቲ ለበዳ ንምዕጋት በቲ ሕማም ዝተጠርጠሩ ሰባት ብኣጋ ክውሸቡ ምእዛዙ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣባል ኣብ ጉዳይ ክልቲአን ኮርያታት ዝሰርሕ ደቡብ ኮርያዊ ትካል ዝኾነ ውልቀሰብ፡ ሰብመዚ ሰሜን ኮርያ እቲ ሕማም ኮሌራ ወይ ታይፎይድ ክኸውን ከም ዝኽእል ምሕሳቦም ተዛሪቡ።

እታ ለበዳ ዝተራእየላ ከተማ፡ ኣብታ ቀንዲ ንጥፈታት ሕርሻ ዝካየደላ ግዝኣት እትርከብ ምዃና ድማ ንከቢድ ሕጽረት ምግቢ እታ ሃገር ከየጋድዶ ተሰጊኡ ኣሎ።

ሰሜን ኮርያ ቍጽሪ ሕማም ረስኒ (ፌቨር) ዝተራእዮም ሰባት እተፍልጥ ዘላ ኰይና፡ መመርመሪ ኮቪድ ግን ይብላን። እቲ መንግስቲ ሓቀኛ ቍጽሪ ይህብ ምህላዉ ዝጠራጠሩ'ውን ኣለዉ።

ብሓሙስ ጥራሕ 26,010 ሰባት ሕማም ረስኒ ዘለዎም ሰባት ክትምዝግብ እንከላ፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ቍጽሪ በዚ ሕማም ዝተታሕዙ ሰባት 4.56 ሚልዮን በጺሑ ኣሎ።

ሰብመዚ ሰሜን ኮርያ ቍጽሪ በቲ ሕማም ዝሞቱ ሰባት 73 ከም ዝዀነ'ኳ እንተገለጹ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ግን እቲ ኵነታት ዝኸፍአ ክኸውን ከም ዝኽእል ይሕብር።

እታ ሃገር ድኹም ስርዓት ሕክምና ዘለዋ ኮይና፡ ንህዝባ ዝቐርብ ዓለምለኻዊ ሓገዝ ክታበት ክትነጽግ'ውን ጸኒሓ እያ።