ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ነበርቲ ብውሕጅ ክመዛበሉ ምዃኖም ተሰጊኡ፡ ኣብ ኤርትራኸ?

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዘጋጠመ ዕልቕልቕ ህይወት ሰብን ጉድኣት ንብረትን ኣስዒቡ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Disaster and Risk Commision

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዘጋጠመ ዕልቕልቕ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣስዒቡ እዩ

ትካል ሜትሮሎጂ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ናይ 2016 (ግእዝ) ወቕቲ ኣዝመራ፡ ልዕሊ እቲ ልሙድ ብርቱዕ ዝናብ ክህሉ ምዃኑ ኣጠንቂቑ'ሎ።

ምክትል ዳይሬክተር ትንበያ ሜትሮሎጂን ቅድመ መጠንቀቕታን ዶክተር ኣሳምነው ተሾመ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ኣብ ገለ ከባብታት ኢትዮጵያ ካብ ንቡር ወፃኢ፡ ከቢድ ዝናብ ይዘንብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

"ኣብ 65 ከባቢታት ሃገርና ክሳብ ሎሚ ካብ 30 ክሳብ 113 ሚ.ሜ ዝበጽሕ ብርቱዕ ዝናብ ተመዝጊቡ'ሎ። ኣብቲ ተደጋጋሚ ዝናብ ዝዘንበሉ እዋን፡ ዓቕሚ ምሽካም ሓመድ ናይቲ ውሕጅ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ክጎድል ይኽእል። እዚ ኩነታት ብቐሊሉ ናብ ሃንደበታዊ ውሕጅ ክቕየር ልዑል ተኽእሎ ኣሎ"።

ማእከል ሓበሬታ ክሊማ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ፡ ኬንያ፣ ደቡባውን ምብራቓውን ኢትዮጰያ፣ ከምኡ'ውን ሰሜናዊ-ምዕራብ ሶማልያ ካብ 200 ሚሜ መጠን ዝናብ ከምዝረክብ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤርትራ'ውን ተመሳሳሊ ኩነታት ከምዝኽሰት ትንበያ ናይቲ ትካል የመልክት።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዘጋጠመ ዕልቕልቕ ህይወት ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት ኣስዒቡ እዩ።

ዛጊድ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣርባዕተ ሰባት፡ ኣብ ክልል ማእከላዊ ኢትዮጵያ ዞባ ሓላባ ድማ ሓሙሽተ ሰባት ብውሕጅ ተወሲዶም ከምዝሞቱ ምምሕዳራተን ኣረጋጊፆም ኣለዉ።

ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA)፡ ብሓፈሻ ኣስታት 1.9 ሚልዮን ሰባት ንውሕጅ ተቓላዕቲ ምዃኖም እዩ ዝገልፅ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብታ ሃገር ትሽዓተ ክልላት፡ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ማእኸላይ ኢትዮጵያ፣ ሲዳማ፣ ደቡብ ኦሮምያ፣ ሶማሊ፣ ኣምሓራ፣ ዓፋር፣ ድሬዳዋና ሃረርን ንውሕጅ ተቓላዕቲ ምዃነን እቲ ትካል የመልክት።

ኮሚሽን ምሕደራ ሓደጋ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት እዘን ክልላት ብዘጋጠመ ዕልቕልቕ ሓደ ሚልዮን ሰባት ክመዛበሉ ከምዝኽእሉ ይግመት።

ካብ መንጎአን፡ ክልል ሶማሊ ነቲ ሓደጋ እዝዩ ዝተቓለዐ ከባቢ ምዃኑ ይግለፅ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኦቻ፡ ካብቶም ኣብ ክልል ሶማሊ ንውሕጅ ተቓላዕቲ ተባሂሎም ዝሕሰቡ 1.2 ሚልዮን ሰባት፡ እቶም 773 ሽሕ ክመዛበሉ ከምዝኽእሉ ይግመት።

ኣብ ኦሮሚያ ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ጉጂ፣ ቦረና፣ ኣርሲናን ባሌን ኣስታት 421 ሽሕ ሰባት ነቲ ሃደጋ ተቓላዕቲ ምዃኖም ተለልዮም ኣለዉ፤ ካብዚኦም 104 ሽሕ ሰባት ክመዛበሉ ከምዝኽእሉ እዩ ዝግለፅ።

ኣብ ደቡብ ድማ፡ 145 ሚልዮን ሰባት ንውሕጅ ተቓላዕቲ ክኾኑ ምዃኖም ይግመት።

እንተኾነ እቲ ኮሚሽን፡ ክሳብ ሕጂ በቲ ሓደጋታት ክንደይ ሰባት ከምዝሞቱ ዝተረጋገፀ እሙን ሓበሬታ ከምዘይብሉ ገሊጹ።

ብመንግስቲ "ዝኸፍአ ብርኪ" ተባሂሉ ክግለጽ ዝኽእል ቁጽሪ ከምዘየለ ብምግላጽ፡ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ሰባት ንሓንቲ መዓልቲ ክመዛበሉ ከምዝኽእሉ ይኣምን።

ሓደ ካብቶም ሰለስተ ወቕትታት ኢትዮጵያ ኮይኑ ንኣዋርሕ ዝጸንሕ ወቕቲ ኣዝመራ፡ ንደቡባዊ ፍርቂ እታ ሃገር ቀንዲ ወቕቲ ዝናብ እዩ።

ኣብቲ ካብ ወርሒ ለካቲት ክሳብ ግንቦት ዝሽፍን ወቕቲ ዝናብ፡ ንክልል ሶማሊን ደቡባዊ ክፋላት እታ ሃገርን 55 ሚእታዊት ዝናብ ይረኽባ።

ወቕቲ ኣዝመራ፡ ኣብ ምብራቕን ደቡብን ትግራይ፣ ዞባታት ሰሜንን ደቡብን ወሎ፣ ክልላት ምሓራን ኦሮሚያን [ሰሜን ሽዋ] ፣ ከምኡ እውን ንኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ከም ካልኣይ ወቕቲ ዝናብ ይቑፀር።

ኣብ ኤርትራ ድማ፡ ብፍላይ ኣብ ምበራቓዊ ጐላጉል ስሩዕ ክረመቲ ዝሃርመሉ ወቕቲ ኰይኑ፡ ፅጋብ ባሕሪ ኣብ 'ዝጎስዐሉ' ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ዝናብ ይወርድ።

ብሰንኪ ተርእዮ ኩነታት ኣየር ኤል ኒኖ (ልዕሊ መጠን ምውዓይ ምብራቓውን ማእከላይን ፓስፊክ ውቅያኖስ)፡ እቶም ወቕቲ ኣዝመራ፡ ከም ቀንዲን ካልኣይን ምንጪ ዝናብ ዝኾኖም ክፋላት ኢትዮጵያንኤርትራን ብርቱዕ ዝናብ ከጋጥሞም ከምዝኽእል ይግመት።

ድሮ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ዘይንቡር መጠን ዝናብ፡ ኣብ ኬንያን ታንዛንያን ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባትን ንብረትን ከቢድ ዕንወት ኣውሪዱ ምህላዉ ይፍለጥ።