ካብ ሓደገኛ ህቦብላ ዝተረፈ ህጻን 4 ወርሒ ኣጥብያ ዝዓንገለት ፖሊስ

ምንጪ ስእሊ, SSC
ኦቲስ ዝብል ስም ዝተዋህቦ ሓደ ካብ ሓደገኛታት ህቦብላ፡ ብ 25 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ኣካፑልኮ - ሜክሲኮ ዕንወት ድሕሪ ምውራዱ፡ ልቢ ብዙሓት ዝተንከፈ ተረኽቦ ኣጋጢሙ።
ኣሪዝበት ዲዮኒስዮ ኣምብሮስዮ ዝተባህለት ኣባል ፖሊስ መክሲኮ፡ ድሕሪ'ቲ ሓደጋ ስርሓት ምድሓን ህይወት ተካይድ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ሓደ ህጻን ብርሑቕ ክበኪ ሰምዐት።
እታ ጓል 33 ዓመትን ኣደ ክልተ ቈልዑን ዝዀነት ፖሊስ፡ ነቲ ብኽያት ዝመጸሉ ኣንፈት ብዕቱብ ሰሚዓ ኣሰሩ ክትምርምር ወሰነት።
ሽዑ እያ እምበኣር ምስታ ህጹጽ ሓገዝ ትደሊ ዝነበረት ኣደ ወዲ ኣርባዕተ ወርሒ ህጻን ዝተራኸበት።
እታ ኣደ፡ እቲ ዝበኪ ዝነበረ ወዳ ንልዕሊ ክልተ መዓልቲ ዝዀነ መግቢ ከም ዘይለኸፈን ብጥሜት ይበኪ ከምዘሎን ነገረታ።
"ኣነ ጡብ ስለ ዘጥቡ፡ ፍቓደኛ እንተዀና ከጥብዎ ከም ዝኽእል ነጊረያ" ክትብል እታ ፖሊስ ንመርበብ ሓበሬታ ኤን+ ሜክሲኮ ተዛሪባ።
እታ ፖሊስ፡ ናይ ድሕነት ክዳውንታን መሳርሒታታን ኣራጊፋ ነቲ ዝጠመየ ህጻን ከተጥብዎ ጀመረት፤ ብኡ ንብኡ ድማ ምብካይ ኣቋረጸ።
"ጽቡቕ ስምዒት'ዩ! ህጻን'ዩ፡ ከም ኣደታት ብሓቂ ዝጐድኣና ሓደ ነገር ህጻን ኣብ ከምዚ ኵነታት ወዲቝ ምርኣይ'ዩ" ትብል ፖሊስ ዲዮኒስዮ።
እዚ ተግባር፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ብሰክረታርያ ድሕነት ዜጋታት ከተማ ሜክሲኮ ዝተወስደን ዝተዘርግሐን ስእሊ ኰይኑ፡ ጉጅለታት ህይወት ኣድሕን ናብ ኣካፑልኮ ዝለኣኽዎ እዩ።
እቲ ስእሊ፡ ሗብ እዋን ትራጀዲ እቲ ህቦብላ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ዓሚቝ ስምዒት ፈጢሩ እዩ።
ዝወረደ ዕንወት
መዘናግዒት ከተማ ኣካፑልኮን ከባቢኣን ብሰንኪ ‘ቲ ኦቲስ ዝተባህለ ህቦብላ፡ ዛጊት ብውሕዱ 45 ሰባት ምማቶምን 47 ድማ ደሃዮም ምጥፋኦምን፡ ብ31 ጥቅምቲ ዝተዘርግሐ ወግዓዊ ኣሃዛት የመልክት፤ እቲ ዕንወት ናይቲ ሓደጋ ግን ክንዮ’ዚ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።
እዚ ኣብ ደረጃ ሓሙሽተ ህቦብላ ዝምደብ ኦቲስ ዝብል ስም ዝተዋህቦ ህቦብላ፡ ብ25 ጥቅምቲ ከምዘጋጠመ ይፍለጥ።
እዚ ካብ 12 ሰዓታት ኣብ ዝውሕድ ግዜ ኣብ ዝለዓለ ሓይሉ ዝበጽሕ ባህሪያዊ ክስተት፡ ካብ ትሮፒካዊ ማዕበል ብቕጽበት ናብ ህቦብላ ደረጃ ሓሙሽተ ዝምዕብል፡ ሓደ ካብ ሓያላት ህቦብላታት ሰለማዊ ውቅያኖስ እዩ።
ብሰንኪቲ ሓደጋ፡ ኣማኢት ሰባት መሰረታዊ ኣገልግሎት ስኢኖም ምስ ድራ’ኦምን ፈተውቶምን ክራኸቡ ከምዘይከኣሉ ክግለጽ እንከሎ፡ እቲ ኵነታት ኣብዚ እዋን ቀስ ብቐስ ናብ ንቡር ይምለስ ኣሎ።
ኣባላት ሲቪላውን ወተሃደራውን ጕጅለታት ድሕነት፡ ኣብ ጽርግያታት ናይታ ሓደ ሚልዮን ነበርቲ ዘለዋ ናይ በጻሕቲ ከተማ ቀረባት ኤሌክትሪክን ማይን ናብ ንቡር ንምምላስን ንጥፈታት ጽሬትን የካይዱ ኣለዉ።
ኣብዚ እዋን ህጹጽ ሓደጋ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ሓገዛት ንምግባር ዝመጹ ሰባት፡ ዝተፈላለየ ሰብኣዊ ንጥፈታት ኣብ ዘካይዱሉ እዋን፡ ገለ ነበርቲ ኣካፑልኮ ዝሞቱ ቤተሰቦምን ኣሰሮም ዘይተረኽበ ድማ ኣብ ምድላይ ተጸሚዶም ከምዘለዉ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም ኣመና ሓደገኛታት ህቦብላ
ስነ-ፍልጠተኛታት፡ ኣብ ስርዓት ከባቢ ኣየር ለውጢ ይኽሰት ምህላዉ ከምዘተሓሳሰቦም ብምግላጽ የጠንቅቝ።
ተመራመርቲ፡ ህቦብላ ኦቲስ፡ 12 ሰዓታት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ካብ ትሮፒካዊ ማዕበል ናብ ምድብ ሓሙሽተ ህቦብላ ክሰጋገር ምኽኣሉ ኣገራሚ ዘይንቡር ተርእዮ ምዃኑ ገሊጾም።
ኣብ ኣውቶኖማስ ዩኒቨርሲቲ መክሲኮ ዳይረክተር ኢንስቲትዩት ስነፍልጠት ህዋን ዝዀነ ጆርጅ ዛቫላ፡ ኣብ ሚያሚ ዝመደበሩ ሃገራዊ ማእከል ህቦብላ ኣመሪካ ይዅን ካልኦት ትካላት ዘቕረብዎ ትንበያታት ከምዘይሰርሐ ኣፍሊጡ።
እቲ ክኢላ፡ ኣብ መጻኢ ህቦብላታት ብማእከላይ ገምጋም ዝያዳ ጽዑቓት ክኾኑን ዝያዳ ጻዕቂ ዝናብ ክፈጥሩ ከምዝኽእሉን ኣጠንቂቑ።
ተመራመርቲ ነቲ ዘይንቡር ተርእዮ ሜትሮሎጂ ንምግላጽ ክጽዕሩ እንከለዉ፡ ዛቫላ ግን ገለ ካብቶም ንሃንደበታዊ ምሕያል ህቦብላ ኦቲስ ዝጸለዉ ረቛሕቲ፡ ልዑል ሙቐት ኣብ ገጽ ባሕሪ፡ ኣብ ውቅያኖስ ዝተዓቝረ ልዑል መጠን ሙቐት፡ ፍሉይ ኵነታት ንፋሳትን ደረጃታት ጠሊን ምዃኖም ኣጕሊሑ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







