ኣብ ቢንቶ ተደርብዩ ንዝተረኽበ ዕሸል 'ኣጥብያ ዘድሓነት' ፖሊስ እንታይ ትብል?

ምንጪ ስእሊ, SOCIAL MEDIA
ቅድሚ ሓደ ሰሙን እዩ - 18 ግንቦት 2023 እዩ።
ኣብ ከተማ ድሬዳዋ፡ 09 ቀበሌ ገራዳ ኣብ ዝበሃል ከባቢ እዩ፣ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቢንቶ ዘይተለምደ ድምጺ ተሰሚዑ።
ነባሪት እቲ ከባቢ ዝዀነት ሓንቲ ሰበይቲ ነቲ ድምጺ ተኸታቲላ ናብቲ ቢንቶ ተጸጊዓ፤ ወይዘሮ ፋጡማ በቲ ዝሰምዓቶ ድምጺን ከምኡ'ውን በቲ ዝረኣየቶን ነገር ኣዝያ ሰንቢዳ።
ድምጺ ሓደ ዕሸል'ዩ ነይሩ፤ አብ ትሕቲ'ቲ ድልድል ብጨርቂ ተጠቕሊሉ ዝተደርበየ ወዲ ሓደ ወርሒ ዕሸል።
ወይዘሮ ፋጡማ ነቲ ዕሸል ኣልዒላ ናብ ገዛኣ ከም ዝወሰደቶ ፖሊስ ናይቲ ከባቢ ይገልጽ።
እንተዀነ ንዕኡ ዝኸውን ገለ መግቢ ኣይነበራን፤ ስለዚ እቲ ዕሸል ጾሙ ክሓድር ከም ዝተገደደ'ያ ትሕብር።
ንጽባሒቱ ነቲ ተደርቢዮ ዝረኸበቶ ዕሸል ሒዛ ናብቲ ኣብ ቀረባኣ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ከይዳ።
ኣብቲ መደበር ፖሊስ ምስ በጽሐት፡ ተሓጋጋዚት ሳጅን ቤተልሄም ምትኩ ተቐቢላታ። ንሳ፡ ኣብ ክፍሊ ፖሊስ ድሬዳዋ፡ መሬት ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ መርማሪት እያ።
እቲ ዕሸል ተደርብዩ ከም ዝተረኽበን ብዘይ ዝዀነ መግቢ ከም ዝሓደረ ዝሰምዐት ተሓጋጋዚት ሳጅን ቤተልሄም፡ ኣዝያ ከም ዝተረበሸት ንቢቢሲ ሓቢራ።
"ተደርብዩ ከም ዝተረኸበ ምስ ነገረትኒ፡ ውሽጠይ ተረቢሹ። መግቢ ከይተመገበ ስለ ዝጸንሐ ድኽምክም ኢሉ ነይሩ። መግቢ ክወሃቦ ምስ ሓተትኩ፡ እታ ዘምጽኣቶ ሰበይቲ ዋላ ሓንቲ መግቢ ከም ዘይብላን ጡብ ከይጠበወ ከም ዝሓደርን ነጊራትኒ፡" ኢላ።
ተሓጋጋዚት ሳጅን ቤተልሄም ኣብቲ እዋን፡ "እዚ ህጻን ዓይነይ እናረኣየ ክመውት የብሉን” ከም ዝበለት ትዛረብ።
“ኣደነተይ ድማ ከጥብዎ ደሪኹኒ” ክትብል ዝወሰደቶ ስጕምቲ ገሊጻ።
እቲ ዕሸል ጡብ ኣደ ምስ ረኸበ ነፍሱ ምልስ ከም ዝበለት’ውን ሓቢራ።
እዚ ስጕምቲ፡ ህይወት እቲ ዕሸል "ህይወት ከምዘድሓ" ፖሊስ ድሬዳዋ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ኣብ ትሕቲ ድልድል ተደርብዩ ዝተረኽበ ዕሸል፡ ኣብ ዝሓሸ ኵነታት ጥዕና ከም ዝርከብ’ውን ሓቢሩ።
ተሓጋጋዚት ሳጅን ቤተልሄም፡ እተጥብዎ ወዲ ክልተ ዓመት ቈልዓ ከም ዘለዋን ነቲ ተደርብዩ ዝተረኽበ ዕሸል ክተጥብዎ ከም ዝኸኣለትን ትገልጽ።
ፖሊስ ድሬዳዋ ነዚ ሓበሬታ ኣብ ፌስቡክ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ተሓጋጋዚት ሳጅን ቤተልሄም ምትኩ ናእዳ ይውሕዘላ ኣሎ።
ብዙሓት ሰዓብቲ ገጽ ፌስቡክ ፖሊስ ድሬዳዋ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ሰብኣውነት እቲ ኣባል ፖሊስ ንኢዶም።
ገለ ካብቶም ርእይቶታት፡ ‘ብሓላፍነት ናይ ምግልጋል ኣብነት እያ’፡ ‘ህይወት ዕሸል ምድሓን ጅግንነት እዩ’ ከምኡ’ውን ‘ኣፍልጦን ሽልማትን ይግብኣ’ ዝብሉ ይርከብዎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







