ኣብ ኢትዮጵያ ብጋሻ ውሕጅ ንዝተወስደ ቈልዓ ከድሕን መስበርቲ ዘጋጠሞ ‘ጅግና’

መንእሰይ ኣብዲ ቱፋ

እቲ ፍጻመ፡ ብሰሉስ 26 መስከረም 2023 ዘጋጠመ እዩ።

ኣብ ምብራቓዊ ኢትዮጵያ ሃረርጌ ሒርናባብ ዝተባህለ ከባቢ፡ ንሰለስተ ሰዓታት ብዘይምቍራጽ ዝወረደ ዝናብ ብርቱዕ ውሕጅ ኣስዒቡ።

ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ወዲ 10 ዓመት ቈልዓ፡ ነተን ዝጓስየን ዝነበረ ኣጣል ንምምላስ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ሃንደበት ብውሕጅ ተኸቢቡ።

እዚ ዕልቕልቕ ዝበለ ጋሻ ውሕጅ ኣብቲ ከባቢ ንዝተረኽበ ኣእማንን ዕንጸይትን ተሰኪሙ ይነጉድ ነይሩ።

ብኸቢድ ውሕጅ ተኸቢቡ ክውሰድ ዝቐረበ ጓሳ ዝርኢ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ እውን ብኣውያት ዕንጽራር ገይርዎ።

ኣብቲ እዋን እቲ ዝናብ ቅሩብ እናሃድአ መጺኡ።

እቲ ቦታ ኣብ ጐድኒ እቲ ካብ ሃረር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስድ ቀንዲ- ጽርግያ ስለዝነበረ፡ ነቲ ብውሕጅ ዝተኸበበ ቈልዓ ዝረኣያ መካይን ኣብቲ ቦታ ደው ኢለን ነይረን።

እቲ ቈልዓ ደው ኢሉሉ ዝነበረ ቦታ፡ ብውሕጅ ተኸቢቡ፡ ቀስ ብቐስ ብማይ ይሽፈን ነይሩ።

ክሳብ ሽዑ ስድራ እቲ ወዲ ይዅን ካብቲ ህዝቢ ዝዀነ ነቲ ቈልዓ ንምድሓን ናብቲ ማይ ክኣትዉ ኣይደፈሩን።

መጠን እቲ ዕልቕልቕ ድማ እናወሰኸ፡ ቍመቱ እናበረኸ መጺኡ።

መብዛሕትኡ ድማ ዓይኑ እናረአየ፡ እቲ ውሕጅ ነቲ ቈልዓ ክወስዶ ተስፋ ቀቢጹ ይዕዘብ ነይሩ።

ኣብዚ እዋን እዚ እዩ፡ ሓደ ካብ ሃረር ናብ ኣዲስ ኣበባ እትኸይድ ኣውቶቡስ ተሰቒሉ ዝነበረ መንእሰይ ዘገርም ስጕምቲ ዝወሰደ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብዲ ቱፋ ይበሃል። ኣብ ሰላሌ ምስ ስድራኡ በዓል መስቀል ንምብዓል ናብ ኣዲስ ኣበባ እትኸይድ ኣውቶቡስ ተሰቒሉ።

ኣብ ከተማ ሃረር ብውልቂ ከም ዝሰርሕ ይዛረብ።

"ኣብ ውሽጢ እታ ኣውቶቡስ ደቂሰ ነይረ። ሃንደበት ኣብ ሒርና ምስ በጻሕና ካብ ድቃሰይ ተበራቢረ። ምስ ተበራበርኩ፡ ብውሕጅ ዝተኸበበ ህጻንን፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ደው ኢሉ ዝነበረ ህዝቢ ክበኽዩ ሰሚዐ" ይብል።

“ብመስኮት ንታሕቲ ኣመጣጢረ ጠመትኩ፡ ኣነን እቲ ቘልዓ ድማ ዓይኒ ንዓይኒ ተረኣኢና። እቲ ህጻን ብውሕጅ ክውሰድ ቀሪቡ ኣሎ። ደፊሩ ናብ ውሕጅ ዝኣቱ የለን። ሽዑ ባዕለይ ወሲነ” ይብል ንቢቢሲ።

ኣብዲ ነቲ ብውሕጅ ተኸቢቡ መውጽኢ ስኢኑ ብጭንቂ ዝተወሓጠ ቈልዓ፡ ኵነታት ምስ ረኣየ ነቲ መራሕ መኪና ‘ኣውርደኒ’ ክብሎ’ኳ ግዜ ኣይረኸበን።

“እታ ኣውቶቡስ፡ ጽርግያ ስለዝተዓጻጸወ፡ ቀስ ኢላ እያ ትኸይድ ነይራ። ቀልጢፈ ኣብ ጐነይ ዝነበረ መስኰት መኪና ከፊተ ዘሊለ ናብቲ ውሕጅ ኣትየ።"

ነቲ ብማይ ክወሓጥ ዝቐረበ ንእሽቶ ቈልዓ ምስ ረኣየ ስምዒታቱ ምቍጽጻር ከም ዝሰኣነ ዝዛረብ ኣብዲ፡ ኣብ ጁባኡ ተሌፎን፡ መለለዪ መንነትን ገንዘብን ከም ዘለዎ ክሓስብ 'ውን ግዜ ኣይረኸበን።

ምስ ክዳውንቱ ናብቲ ውሕጅ ዘሊሉ ብምእታው ኣብቲ ቈልዓ በጽሐ።

“ልክዕ ኣብቲ ቘልዓ ምስ በጻሕኩ፡ ሃንደበት መጠን እቲ ውሕጅ ወሰኸ። ድሕሪኡ ንኽልተና ደፊኡ ኣርሓቐና። እቲ ቈልዓ ማይ ከይሰቲ ርእሱ ንላዕሊ ኣንቃዕሪረ፡ ናብ ጐንዲ ክድይብ ፈቲነ" ይብል።

እቲ ውሕጅ ንዕኡን ነቲ ቈልዓ ኣስታት 100 ሜትሮ’ኳ እንተወሰዶም፡ ነቲ ህጻን ብዘይ ዝዀነ መጕዳእቲ ናብ ወሰን ብምውጻእ ህይወቱ ከድሕኖ ክኢሉ።

እቲ ብዓቢ ሓይልን ቅልጣፈን እናተጓዕዘ ዝኸይድ ዝነበረ ጋሻ ውሕጅ፡ ኣእማንን ኣጕናድን ተሰኪሙ ነይሩ።

ድሕሪኡ፡ እቲ ውሕጅ ንኣብዲ ባዕሉ ክወጽእ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ምስ እምንን ዕንጸይትን ኣጋጭይዎ።

በዚ ምኽንያት ድማ ኣብዲ ኣካላዊ መጕዳእቲ ኣጋጢምዎ።

ኣብ እግሩ ትሕቲ ብርኩ ተሰይሩ፤ ኣብ ሕቘኡን ሽምጡን እውን መጕዳእቲ ወሪድዎ።

“እግረይ፡ ኣብ ትሕቲ ብርከይ ተሰይረ፤ ኣብ መንኵበይን ሕቘይን እውን መጕዳእቲ ዓጽሚ ኣጋጢሙኒ። ሕጂ ይሕከም ኣለኹ። እግረይ ሕጂ ትሓይሽ ኣላ። እቲ ኣብ ሕቘይ ዝበጽሐ መጕዳእቲ ግን ከቢድ'ዩ" ይብል።

ኣብዲ

ኣብዲ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ነቲ ህጻን ንምድሓን ብዝወሰዶ ስጕምቲ ዋላ'ኳ እንተተጐድአ፡ ህይወት እቲ ቈልዓ ብምድሓኑ ግን ኣዝዩ ከምዝተሓጐሰ ገሊጹ።

"እቲ ኣገዳሲ ነገር ነቲ ቈልዓ ምድሓን እዩ። ናብቲ ማይ ክኣቱ እንተዘይደፍረ እዚ ቈልዓ ብውሕጅ ምተጸረገ ነይሩ። እቲ ቈልዓ ብህይወት ተሪፉ፤ ኣነ ዋላ እንተ ሞትኩ ጸገም ኣይምሃለወን። ዋላ'ኳ እንተተጐዳእኩ፡ በቲ ዝሰራሕክዎ ስራሕ ኣዝየ ሕጕስ እየ" ይብል።

እቲ ነቲ ህጻን ካብቲ ውሕጅ ዘድሓነ መንእሰይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሕክምና ይግበረሉ ከምዘሎን ብስድራቤት እቲ ህጻን ሓገዝ ይግበረሉ ከምዘሎን ይዝረብ።

ኣቶ ናስር ሂብሮሸ፡ ስድራ ናይቲ ካብቲ ውሕጅ ዝደሓነ ቈልዓ ኰይኖም፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ገዛኦም ንኣብዲ ይከናኸኑ ኣለው።

ንኣብዲ 'ብኣምላኽ ዝተላእከ ልኡኽ' ክብል'ውን ይገልጾ።

ኣቶ ናስር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብዲ ብዝፈጸሞ ጅግንነታዊ ተግባር ህይወት ወዱ ምድሓኑ ኣዝዩ ከምዝተሓጐሰ ገሊጹ።

“ኣብዚ ግዜ’ዚ ከምዚ ዝበለ ሰብ የለን። እቲ ናይቲ ከባቢ ሰብ ደው ኢሉ ክበኪ እንከሎ፡ እዚ መንእሰይ እዩ ነዚ ወደይ ከድሕን ዝወሰነ። ኣብዲ ነቲ ህጻን ከድሕን ካብ እግዚኣብሔር ዝተላእከ ልኡኽ ጌርና ኢና ንርእዮ።”

ኣብዚ እዋን ኣብዲ ናብ ዝሕከመሉ ዘሎ ሆስፒታል እናመላለሱን ኣብ ገዛኦምን ይከናኸንዎ ከምዘለዉ ስድራ እቲ ቈልዓ ይገልጹ።

ኣብዲ፡ ብጅግንነታዊ ተግባሩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መዘራረቢ ኰይኑ ኣሎ።

እንተዀነ ኣብዲ ዝወረዶ መጕዳእቲ ኣዝዩ ከቢድ ብምዃኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብኣርባዕተ ሰባት ተደጊፉ እዩ ዝንቀሳቐስ።

ኣቶ ናስር፡ ኣብዲ ክሳብ ዝሓዊ ኵሉ ዘድሊ ክንክን ከምዝገብሩሉ፡ መሊኡ ምስ ሓወየ ድማ ናይ ጅግና መሰነይታ ክገብሩሉ ምዃኖም ተዛሪቡ።

“ኣብዲ ካብ ጅግና ንላዕሊ ጅግና እዩ። እንተዘይከውን ነይሩ ወድና ምሞተ፤ ኣብዚ ህሞት ኣብዲ ከም በዅሪ ወድና ኢና ንርእዮ ዘለና።"

ኣቶ ናስር፡ ኣብዲ ካብ መጕዳእቲ ንኽሓዊ ብዝሰርሖ ሰናይ ስራሕ፡ ካብ ውሽጢ ሃገርን ካብ ወጻኢን ሰባት ይድግፍዎ ከምዘለዉ ይዛረብ።