ኢትዮጵያ፡ ሓላፊት ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ካብ መዝነታ ክትወርድ'ያ

ብርቱኳን ሚደቅሳ

ምንጪ ስእሊ, NEBE/FB

ሓላፊት ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ወ/ሮ ብርቱኳን ሚደቅሳ ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ክትወርድ ምዃና ኣፍሊጣ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከምዝገለጸቶ፡ ካብ መወዳእታ ሓምለ (1 ነሓሰ 2015) ጀሚራ ሓላፍነታ ከተረክብ ምዃና ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኣፈኛ ፓርላማ እታ ሃገር ከምዘፍለጠት ጠቒሳ።

ኣብ ታሕሳስ 2018 (2011) ኣካቢት ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኮይና ዝተሸመት ወ/ሮ ብርቱኳን፡ ኣብተን ኣብ ስልጣን ዝጸንሓትለን ለዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብቲ ትካል ለውጥታት ከምዘገበረት ይንገረላ።

ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ፡ ኣብ ሓላፍነት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ሰለስተ ህዝበ-ውሳኔታትን (ረፈረንደም) ሓደ ሃገራዊ መረጻን ከምዝተኻየዱ ኣዘኻኺራ።

"ንዝተዋህቡኒ ሓላፍነታት፡ ሕጋውነት፡ ፍትሓውነትን ቅንዕናን ብዝተኸተለ ኩነታት ንምፍጻም ክጽዕር ጸኒሐ ኣለኹ" ብምባል፡ ጥዕናኣ ብግቡእ ንምሕላው ነዊሕ ዕረፍቲ ስለዘድልያ ካብ መዝነታ ክትወርድ ምውሳና ሓቢራ።

ኣብቲ ተሪፉዋ ዘሎ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ድማ "ዘይተወድኡ ስራሓት ንምዝዛምን፡ ምምሕዳራዊ ምስግጋር ናይ ምፍጻም ሓላፍነትን ዝገብረሉ'ዩ" ኢላ።

ነቲ ፈለማ ዝሓጸያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪን፡ መዝነታ ዘጽደቐላ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ድማ ኣመስጊና።

ዳኛ ቤት ፍርዲ ዝነበረት ወ/ሮ ብርቱኳን፡ ናብ ፖለቲካ ብምእታው ክሳብ ቤትማእሰርቲ ዘምሪሓ ንሞት ተፈሪዳ ምንባራ ይዝከር። ብምሕረት ምስተፈትሐት ድማ ናብ ስደት ኣምሪሓ። ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምድያቡ ኸኣ ናብ ሃገራ ተመሊሳ።