ኣብ ትግራይ መረጻ ክካየድ ድዩ? መጻኢ ህወሓት ከ? - ብርቱካን ሚደቅሳ

ምንጪ ስእሊ, NEBE/FB
ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ንምዕራፍ፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶሪያ ውዕል ሰላም ከምዝተፈረመ ዝዝከር እዩ።
ሓደ ካብ ዓንቀጻት እቲ ውዕል፡ ቅድሚ ምጅማር እቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ብፍሉይ ዝተገብረ መረጻ ክስረዝን እቲ ዝተመስረተ መንግስቲ እውን “ዘይሕጋዊ” ክኸውን ዝወሰነን እዩ።
ኣብዚ እዋን እቲ ክልል ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕን ጥምረት ዝተፈላለዩ ውድባትን ዝዀነ ግዝያዊ መንግስቲ ነታ ክልል ይመሓደር ኣሎ።
ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ክሳዕ ሓደ ዓመት ዝጸንሕ ዕድመ ዘለዎ ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን ከኣ ሓድሽ መረጻ ክካየድ ተወሲኑ እዩ።
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ እታ ሃገር፡ ኣብታ ኲናት ኣጸልሚትዋ ዝነበረ ክልል ትግራይን፡ መረጻ ኣብ ዘይተኻየደሎም ከባቢታትን፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት 2016 [ግእዝ] መረጻ ንምክያድ መደብ ከም ዘለዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ቦርድ ነዚ ዘፍለጠ፡ ጸብጻብ ኣፈጻጽማ ትሽዓተ ኣዋርሕ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዲሞክራሲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን እዩ።
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ክልል ትግራይ ብ3 ግንቦት 2015 ስራሕ ከም ዝጀመረ’ውን ኣፍሊጡ።
ክኢላታት እቲ ቦርድ ምስ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ፖለቲካዊ መራሕቲን ወከልቲ ሲቪል ማሕበራትን መረጻ ንምክያድ ብዝምልከት ከም ዝተዘራረቡ ይግለጽ።
በዚ መሰረት፡ ኣብ ትግራይ መረጻ መዓስ ክካየድ ይኽእል? ብዛዕባ’ቲ ሕጋዊነተይ ይመለሰለይ ዝብል ሕቶ ህወሓትን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዞባ ወላይታ ዝተኻየደ ረፈረንደምን ካልእን ብዝምልከት ጉዳያት፡ ቢቢሲ ምስ ኣደ መንበር ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ብርቱካን ሚደቅሳ ቃለመሕትት ኣካይዱ ኣሎ።
ቢቢሲ፤ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ክልል ትግራይ ዝርከብዎም ብሰንኪ ጸጥታዊ ጸገማት መረጻ ዘይተኻየደሎም ከባቢታት መረጻ ንምክያድ ትሸባሸቡ ከም ዘለኹም ገሊጽኩም ነይርኩም። ንኣብነት ኣብ ክልል ትግራይ መረጻ ንምክያድ እንታይ ዓይነት ምድላዋት ይግበር ኣሎ?
ብርቱካን፤ ንክልል ትግራይ ብዝምልከት ክሳዕ ሕጂ ዝገበርናዮ ምድላው መባእታዊ ገምጋም እዩ።
ኣብ ባይታ መረጻ ንምክያድ ዘኽእሉ ኵነታትን ምድላዋትን ኣለው’ዶ? ተመዛበልቲ ዜጋታት ናብ መረበቶም ተመሊሶም ድዮም? ኵነታት ሰላም ከመይ ኣሎ? ኵነታት ሲቪል ማሕበራትን ውድባትን ከመይ ይመስል ዝብል ዝግምግም ጕጅለ ልኢኽና ኣለና።
እቲ ጕጅለ፡ ንሕና ጥራይ ዘይኰነስ መሻርኽቲ ኣካላት እውን ዝተሳተፉሉ ትዕዝብቲ ገይሩ ነይሩ።
መብዛሕትኡ እቲ ዝኣከብናዮ ሓበሬታ፡ መረጻ ቀልጢፍካ ንምክያድ ተኽእሎ ከም ዘየለ ዘርኢ እዩ።
ኵነታት ግን ክመሓየሽ ከም ዝኽእል ተስፋ ንገብር። ነዚ ካብ መሰረቱ ክንከታተሎ ኢና እዩ።
ይዅን እምበር ብመንጽር ትሕዝቶ ካብ መንግስቲ ፀገም ከጋጥመና እዩ ኢልና ኣይንኣምንን። ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዝነበረ መስርሕ፡ መረጻ ንምውዳብ ዘድሊ ግዜ ከም ቀንዲ ወይ ቀዳምነት ዝወሃቦ ዕማም ክውሰድ ይግባእ።
ዜጋታት ሓሳባቶም ብናጽነት ክገልጹ፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ኣብ ርጕእ ሃዋሁ ክነብሩ ኣለዎም።
ኵነታት ጸጥታ ውሑስ ክኸውን ኣለዎ። ውድባት ከም ኣማራጺ ንምቕራብ ዘለወን ድልውነት እውን ከምኡ። ብመንጽር ውድባት ብዙሕ ምንቅስቓስ ርኢና ኢና።
ኣብ መስርሕ ምዝገባ ዝነበሩ፡ እቲ መስርሕ ዝተቛረጾም፡ ነዚ መስርሕ ይዛዝሙ ኣለዉ። ሓደሽቲ ውድባት እውን ካባና ፍቓድ ወሲዶም ይውደቡ ኣለው። እዚ መስርሕ ኣብ ሓጺር ግዜ ክዛዘም እዩ ኢልና ንኣምን። ሲቪል ማሕበራት’ውን ዳግማይ ክውደባ ይጽዕራ ኣለዋ።
እንተዀነ፡ መብዛሕትአን ሲቪል ማሕበራት ብሰንኪ ህሉው ኵነታተን ኣቓልቦአን ናብ ጉዳይ መረጻ ክገብራ ከምዝተጸገማ ሓቢረን እየን።

ምንጪ ስእሊ, NEBE/FB
ቢቢሲ፤ ኣጸጋሚ ዝዀነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? ዘይእኹል መሰረተ ልምዓት ድዩ ወይስ ፖለቲካዊ ሃዋህው?
ብርቱካን፤ [ሲቪል ማሕበራት] መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኵነታት ተመዛበልቲ ኣብ መረጻ ከተኩራ ዘኽእለን ዕድል ከም ዘይፈጠረ እየን ዝሕብራ። ብዙሓት ተመዛበልቲ ከም ዘለዉሉን ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት ብዙሓት ከም ዝዀኑን ይገልጻ።
ብተወሳኺ ሲቪል ማሕበራት ኣብ ከቢድ ኵነታት ከም ዘለዋ ብምምልካት ነብሰን ተወዲበን ምስ ህዝቢ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ዘተ ንምክያድ ግዜ ከም ዘድልየን ሕቶታት የልዕላ እየን።
ቢቢሲ፤ ቅድሚ ኣዋርሕ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ግዝያዊ ምምሕዳር ቈይሙ ኣሎ። እቲ ስምምዕ፡ እዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ክሳዕ ሓደ ዓመት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ይድንግግ። ኣብ ውሽጢ እዚ ገደብ ግዜ መረጻ ምክያድ ኣይክእልን ማለት ድዩ?
ብርቱካን፤ ኣብ ናይ መወዳእታ መደምደምታ ኣይበጻሕናን። ድሮ እቲ ምድላው ንዋት ኣካይድና ኢና። ብመንጽር ሓፈሻዊ መረጻ፡ ሎጂስቲክስ፡ ሕትመት ወዘተ ብዙሕ ከቢድ ኣይኰነን። እቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ ጉዳይ ተመዛበልትን ጸጥታን ኣብ ትግራይ እንተተመሓይሹ ናብ ምድላውን ኣፈጻጽማን መረጻ ክንምለስ ኢና።
ኣብ ቀረባ እዋን ክንገብሮ እንኽእል ኵነታት ክህሉ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ቦርድ መረጻ፡ ቅድሚ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ግዜኡ ምዝዛሙ መረጻ ክካየድ ኣይክእልን ኣብ ዝብል መደምደምታ ኣይበጽሐን። እቶም መሰረታውያን መስርሓት እናተቐየሩ ምስ ከዱ ክንከታተሎም ኢና ማለት እዩ።
ቢቢሲ፤ ህሉው ኵነታት ትግራይ መረጻ ንምክያድ ከመይ ገምጊምኩምዎ? መረጻ ከተካይዱ ዘኽእለኩም ኵነታት ንምፍጣር ከ እንታይ ይግበር ኣሎ?
ብርቱካን፤ ንሕና [ቦርድ መረጻ] ክንገብሮ ዘለና ምድላዋት ኢና ንፍጽም ዘለና። ቤት ጽሕፈትና ብብቕዓት ክንውድቦ ኣለና። ምስዚ ኣባላት ቤት ጽሕፈት ቦርድ መረጻ ትግራይ ኣብታ ረፈረንደም ዝተኻየደላ ዞባ ወላይታ መጺኦም ተመኵሮ ክረኽቡ ጌርናዮም ኣለና። ብወገንና ዘድሊ ዕማማት ንሰርሕ ኣለና።
ቢቢሲ፤ ካብ ትግራይ ከይወጻእና ህወሓት ሕጋዊነቱ ኣፍልጦ ክወሃቦን ዝተወርሰ ንብረቱ ክምለስን ዘቕረቦ ሕቶ ብቦርድ መረጻ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ከም ግብረ መልሲ፡ ህወሓት፡ ውሳነ ቦርድ መረጻ ቅቡል ከም ዘይኰነ ገሊጹ ነይሩ። ድሕሪ’ዚ እንታይ እዩ ክስዕብ?
ብርቲካን፤ ዳግማይ ክንምዝገብ ኣይንደልን ዝብል ብጽሑፍ ዝበጽሓና ይዅን ንቦርድ መረጻ ዝተገለጸ ነገር የለን። ብመሰረት ውሳነና ነቲ ክማላእዎን ክምዝገብዎን ዘለዎም ወግዓውነት [ረቛሒታት] ክኽተሉ ተስፋ ንገብር። ወይ ድማ ብውሳነና እንተዘይዓጊቦም ናብ ቤት ፍርዲ እውን ክኸዱ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ ካልእ ኣማራጺ እዩ። ብወገንና ዝተገልጸ ነገር ስለዘየለ እቲ መስርሕ ክንከታተሎ ኢና።
ቢቢሲ፤ ኣብ ቀረባ እዋን፡ 12 ሰነ 2015 ዝተኻየደ ረፈረንደም ዞባ ወላይታ፡ ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ ተኻይዱ፤ እቲ ምኽንያት እንታይ እዩ?
ብርቱካን፤ ቅድሚ ሕጂ 29 ጥሪ 2015 ዝተኻየደ ምዝገባ መረጽትን ውጽኢት ረፈረንደምን ዞባ ወላይታ ዝተሰረዘሉን ዳግመ ረፈረንደም ክካየድ ዝተወሰነሉን ቀንዲ ምኽንያት፡ ብፍላይ መስርሕ ምዝገባ መረጽቲ ብዝምልከት ከቢድ ጥሕሰት ሕጊ ከም ዝነበረ እቲ ቦርድ ስለዘረጋገጸ እዩ።
እቲ ውጽኢትን ሓበሬታን ሓቅነት ንምቕባል ኣጸጋሚ ስለዝነበረ፡ እቲ ረፈረንደም ዳግም ክካየድ ተወሲኑ። እዚ ጥሕሰት ብፍላይ ድማ ምስ ምትላል ምዝገባ መረጽቲ፡ ኣጠቓቕማ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ኣጠቓቕማ ናይ ሓሶት ሰነዳትን ዝተኣሳሰሩ፡ ነቲ ረፈረንደም ንኽድገም ምኽንያት ኰይኖም እዮም።
ቢቢሲ፤ ዳግማይ ኣብ ዝተኻየደ ረፈረንደም ከ?
ብርቱካን፤ እቲ መስርሕ ረፈረንደም፡ ምዝገባ መረጽትን ምድማጽን፡ ብዘይ ዝዀነ ርኡይ ጸገም ብሰላማዊን ብስርዓትን ተዛዚሙ እዩ። ብድሕሪኡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ነቝጣ መስርሕ ምፍላጥ ግዝያዊ ውጽኢት ተዛዚሙ ኣሎ።
ውጽኢትን ድምጺ ወረቓቕትን ካብ 12 ማእከላት ቦርድ መረጻ ናይ ምምጻእ ስራሕ ከም ዝተዛዘመ ተገሊጹ ኣሎ። ብሓፈሻ እቲ መስርሕ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዘጋጠመና መስርሕን ውጽኢትን ብመሰረቱ ክጸሉ ዝኽእልን ከቢድን ጸገም ኣየጋጠሞን።
ቢቢሲ፤ ካብ ህዝቢ ወላይታ ኣብ ክልል ደቡብ ክንጸንሕ ንደሊ ኢና ዝብሉ ኣለዉ። መንግስቲ ግን ሓድሽ ክልል ክምስርት ከምዝደሊ፡ ሰልፊ ብልጽግና ድማ ኣንፈት ከም ዘቐመጠን ሓድሽ ክልል ክምስርት ከም ዝደሊን ገሊጹ’ዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ መስርሕ ብመንግስቲ ዝውሰን እዩ ዝብል እምነት ዘለዎም ሰባት ኣለዉ። ብዛዕባ እዚ እንታይ ትብሊ?
ብርቱካን፤ ምስዚ ርእይቶ ኣይሰማማዕን እየ። ስርዓት ረፈረንደምን ኣተገባብራኡን ልዑል ዋጋ ንህቦ ኢና። እቲ መስርሕ ትርጕም ኣለዎ ኢልና ስለንኣምን እዩ ጻዕሪን ዋጋን ንህቦ ዘለና። ሓላፍነትና ምርግጋጽ ከም ቦርድ መረጻ ሓላፍነትና ስለዝዀነ እዩ።
ዜጋታት ድሌታቶም ብዘይ ጽልዋ ክገልጹ ምኽኣሎም፡ ተዓዘብቲ ምህላዎም፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ንሕጋውነት መረጻ ዘረጋግጹ ኣገባባትን ተመሓይሾም እዮም።
ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ዝካየድ ዘሎ ረፈረንደም ወላይታ ምክያዱ ንባዕሉ፡ ቦርድ መረጻ ነቲ መስርሕ ክቈጻጸሮ፡ ልክዕነቱ ከረጋግጽ፡ ጌጋ ኰይኑ ኣብ ዝተረኽበሉ እዋን ብጭብጢ ከረጋግጽ ዓቕሙ ከም ዘመሓየሸ ዘርኢ እዩ።
እቶም ጸገማት ዳግማይ ከይፍጠሩ ሓደስቲ ኣገባባት ኣተኣታቲና ኣለና። ከምቲ ኣብቲ ካልኣይ ረፈረንደም ዝረኣናዮ እቲ ኣገባብ ውጽኢታዊ ነይሩ ክበሃል ይኽእል’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







