ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ድምጺ ተቓወምቲ ውድባት ስለምንታይ ይዳኸም ኣሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ብዝሒ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ልዕሊ ሚእቲ ዝበጽሓሉ እዋን ተራእዩ ነይሩ።
ውድባት ብሕጋዊ መንገዲ ተመዝጊበን ከም ብሄራውን ሃገራውን ውድባት ከምዝነጥፋ ይፍለጥ። በዚ መገዲ ተወዲበን ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሳ ሰልፊታት ብዙሓት እየን።
ብርግጽ ንሓንቲ ሃገር ‘ክንደይ ውድባት የድልያኣ?’ ንዝብል ሕቶ መልሲ ወይ መዐቀኒ ምሃብ ዝከኣል ኣይኰነን።
እንተዀነ ኣብ ኢትዮጵያ ቍጽሪ ውድባት ፖለቲካ ምብዛሑ ርእሱ ዝኸኣለ ኣካታዒ ዛዕባ እዩ።
ከም መጠን ብዝሐን ግን ድልዱላት ኰይነን ኣክንዲ ነቲ ዝውክላኦ ህዝብን ሕብረተሰብን ድምጺ ዝዀና ኣለዋ እናተበሃላ ክዳኸማን ክጠፍአን ይረኣያ።
እተን ኣለዋ ዝበሃላ’ውን ተዳኺመን፤ ኣክንዲ ንህዝባዊ ኣጀንዳ ሒዘን ዝቃለሳ ነንሕድሕደን ዝቆራቘሳ ኰይነን ይርከባ።
ብፍሉጣት ፖለቲከኛታትን ምሁራትን ከይተረፈ ዝተመስረታ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብዙሓት ኣባላትን ደገፍትን ድሕሪ ምፍራየን ፈርከሽከሽ ክብላን ክጠፍኣን ይረኣያ።
ንምዃኑ ናይዚ ምኽንያት እንታይ እዩ? መን እዩ ኸ ተሓታቲ?
ኣብ ፖለቲካ ትግራይን ኢትዮጵያን ካብቶም ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ሓደ ዝዀነ፡ መስራትን ኣባል ማእከላይ ኮሚቴን ሰልፊ ዓረና ትግራይ ኣቶ ገብሩ ኣስራት፡ ኣብታ ሃገር ተቓወምቲ ውድባት ኣብ 1960ታት [ግእዝ] ክቕልቀሉ ከምዝጀመሩ ይዝክር።
"እንተዀነ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ፡ ማለት ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ውድባት ብናጽነት ዝንቀሳቐሳሉ ምቹእ ሃዋህው ረኺበን ኣይፈልጣን። ኢህወደግ ሕብረ-ብሄራዊ [ንብዙሓት ፓርቲታት ዘሳተፈ] ስርዓት ክፈጥር እየ ኢሉ’ኳ እንተተለዓለ ሰልፊ ሓደ ስርዓት ኰይኑ እዩ ቀጺሉ" ይብል።
ዋና ጸሓፊት ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ፖለቲካዊ ውድባት ኢትዮጵያ ራሄል ባፈም (ዶክተር) እውን ነዚ ሓሳብ ዘደልድል ገምጋም ኣለዋ።
"ኢህወደግ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ሕብረሰልፋዊ ስርዓት ከምዝፍጠርን እታ ሃገር ናብ ዲሞክራሲ ከምእትሰጋገር ዘመልክት ኣንፈት ነይሩ። ብተግባር ግን ከምኡ ኣይነበረን። ልዕልና ሓደ ውድብ፣ ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ተራእዩ” ትብል።
ንዶ/ር ራሄል፡ እቲ ዝሓለፈ 50 ዓመት፡ ውድባዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ነጻ ካብ ዘይምዃኑ ብተወሳኺ ብውዲት እውን ዝተኣስረ እዩ። ውድባት ፖለቲካ ክምስረታ ከለዋ ክጠፍኣ ይግበር ከምዝነበረ ትዛረብ።
"እቲ ዘፍጽምዎ ዝነበረ ኣካይዳ ብምድንጋር ይዅን ኣእሚኖም ናብ ሓደ ውድብ ክጥርነፋ ምግባር ወይ ድማ መራሕተን ከም ጸላእቲ ተራእዮም ክጠፍኡ፡ እንተዘይኰይኑ ከኣ ኣደናጊርካ ውሳነን ድምፅን ኣልቦ ክዀና ምግባር ቀንዲ ተጻብኦ ነይሩ” ዝብል ገምጋም ኣለዋ።
እዚ ስልቲ ሎሚ’ውን ኣብ ትሕቲ ስርዓት ብልጽግና ይቕጽል ከምዘሎ እትዛረብ ዶክተር ራሄል፡ እቲ ስርዓት ብኸምዚ ኣገባብ ይቕጽል ካብ ምህላዉ ብተወሳኺ እተን ተቓወምቲ ውድባት እውን ካብቲ ውዲት ክጸርያ ብዘይምኽኣለን ብተደጋጋሚ ናይ ምፍራስ ሓደጋ ከምዘጋጥመን ትገልጽ።
ፖለቲከኛ ኣቶ ገብሩ ኣስራት እውን "ገዛኢ ሰልፊ ነበር ኢህወደግ ኣብ ልዕሊ ውድባት ፖለቲካ እምነት ኣይነበሮን። ብልጽግና’ውን መቐጸልታ ናይዚ እዩ። ንሽሙ ሕብረ-ፓርቲነት ክቕበል እየ እንተበለ’ኳ ውድባት ግን ብናጽነት ክንቀሳቐሳ ኣይከኣላን። ድለላን ምፍርራሕን ኣሎ” ክብል ንሓሳብ እታ ዶክተር የራጕድ።
‘ፖለቲካዊ ዕዳጋ’
ስርዓት ደርግ ካብ ዝፈርስ ንደሓር ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 32 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት ዝተመስረታ ኰይነን ገሊአን ሎሚ’ውን ይቕጽላ ኣለዋ፤ ገሊአን ድማ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ኣብ መገዲ ተሪፈን።
ብፍላይ ኣብ 1990ታት [ግእዝ] እተን ውድባት ፖለቲካ ንመንበር ገዛኢ ውድብ ኢህወደግ ክሳብ ምንቅጥቃጥ ከም ዝበጽሓ ይዝከር።
ኣብ 1997 ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ ነቲ ብኢህወደግ ዝምራሕ መንግስቲ ናብ ስግኣትን ዘይምርግጋእን ዘእተወሉ ኵነታት ነዚ ከም መርኣዪ ምጥቃስ ይከኣል።
ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ሽመለስ ሃይሉ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዩኒቨርስቲ ወሎ መምህር ፖለቲካዊ ሳይንስን ዓለምለኻዊ ርክባትን ኰይኑ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ድማ ሕጹይ ተመራቒ ሳልሳይ ዲግሪ እዩ።
"ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ሕብረሰልፋዊ-ስርዓት ዘድልየሉ ምኽንያት፡ ተቓወምቲ ውድባት ብዘካይዳኦ ውድድር ኣቢልካ ኣብታ ሃገር ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባለ ንምምጻእ ብምሕሳብ እዩ። ምድኻም ምንቅስቓስ ተቓወምቲ ውድባት ነቲ ሕብረተሰብ ኣማራጺታት እዩ ዘስእኖ" ይብል።
ወሲኹ፡ "ተቓወምቲ ውድባት ዘቕርባኦም ሓሳባት ብሕብረተሰብ ተቐባልነት እንተረኺቦም ንመንግስቲ ብምትካእ ፖሊሲታቶም ተግባራዊ ይገብሩ። መንበር እንተዘይረኸቡ እውን ንመሰል እቲ ሕብረተሰብ ደው ይብሉ" ክብል ይገልጽ።
እቲ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ህሉው ኵነታት ምንቅስቓስ ተቓወምቲ ውድባት ከምዝዘሓለ ይኣምን።
ተቓወምቲ ውድባት ዘካይዳኦ ሰላማዊ ቃልሲ፡ ደገፍ ህዝቢ ከም ዝሓትት እትኣምን ዶክተር ራሄል፡ ምስ ህዝቢ ዝህልወን ርክብ ነቲ ምስ መንግስቲ ዝገብራኦ ሰላማዊ ቃልሲ መሰረት ከምዝዀነን ተስምረሉ።
እንተዀነ ኣብ ርእሲ’ቲ ህዝቢ ኣብ ተቓወምቲ ውድባት ዘለዎ እምነት ዝተሓተ ምዃኑ፡ መንግስቲ’ውን ዝያዳ ዘይምትእምማን ክህሉ ከምዝሰርሕ ትዛረብ።
"ኣብ ዝሓለፈ 32 ዓመት ገዛኢ ውድብ ከሰጕሞ ዝጸንሐ ኣካይዳ፡ 'ተቓወምቲ ኣይረብሓን፡ ዝምጥና ኣይኰናን’፤ 'ኣብ ውሽጠን ብቝዕ ሰብ የለን'፤ 'ምስ ተወደባ ሽዑ እየን ዝፈርሳ’ ዝብል እምነት ንኽፍጠር እምበር እናተደጋገፍካ ንሃገር ዝጠቅም ነገር ምምጻእ ኣገዳሲ እዩ ኢሉ ኣይኣምንን እዩ።
እዚ ኣካይዳ ኮነ ኢልካ እዩ ተሰሪሑሉ” ብምባል ነቲ ኣብ መንጐ ውድባት ፖለቲካን ህዝብን ምትእምማን ንኸይፍጠር ዝግበር ጻዕሪ ተብርህ።
ኣቶ ገብሩ ኣስራት ብወገኑ ኣብ ውሽጢ ውድባት እታ ሃገር ፖለቲካዊ ሸቐጥ ከም ዝፍጸም ብምግላጽ "ውድባትን ፖለቲካን ብገንዘብ ዝሽየጡሉን ዝቕየሩሉን ኵነታት እዩ ዘሎ።
ንህዝባዊ ረብሓን መሰልን ዝሕለቓ ሰልፊታት ኣዝየን ውሑዳት እየን። ውድባት ከም ኣቕሓ ዝሽየጣን ናብ መንግስቲ ጽግዐተኛታትን ይዀና ኣለዋ" ክብል የረድእ።
"ንኣብነት ኣብ ትግራይ ውድባት ወይ ቅድመ ውድባት ተባሂለን ዝግለጻ ወይ ንባዕለን ከም ውድባት ዝገልጻ ኣስታት 13 ውዳበታት ኣለዋ።
ካብዚአን እተን ልዕሊ ፍርቂ ብገዛኢ ውድብ ማለት ብህወሓት ወይ ብብልጽግና ካብዚ ሓሊፉ ድማ ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝተፈጠራ እየን፤ ብደረጃ ሃገር እውን ንገዛኢ ሰልፊ ጽግዕተኛ ዝዀና ወይ ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝድገፋ ኣለዋ" ክብል ወሲኹ የረድእ።
ዋና ጸሓፊት ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ፖለቲካዊ ውድባት ኢትዮጵያ ዶክተር ራሄል፡ ኵሉ ናብተን ውድባት ዝመጽእ ሰብ ሃገራዊ ጉዳይ ጉዳዩ ስለዝዀነ ከይከውን ከምዝኽእል ትኣምን።
ከም መጠን ድኻ ሃገር እንተተራእዩ ብዙሕ ዕንቅፋታት ክህሉ ከምዝኽእል ተረድእ’ሞ፡ “ብዙሕ መጥቃዕቲታት ስለዘሎ ካብቶም ዝፍጸሙ መጥቃዕቲ ንምህዳም ናብ ምውዳብ ዝምጽኣሉ ኵነታት ኣሎ። ብዙሓት ፀገማት ስለዘለዉ በዚ መንጽር ኢና ክንሪኦ ዝግባእ። ከም ካልኦት ንዲሞክራሲ ዝለማመዳ ዘለዋ ሃገራት፡ ናጻ ፖለቲካዊ መድረኽ ስለዘየለ እዩ እዞም ጸገማት ዝፍጠሩ ዘለዉ” ትብል።
ምጥፋእ ውድባት ስለምንታይን ብኸመይን?
ቢቢሲ ዘዘራረቦም እዞም ምሁራትን ፖለቲከኛታትን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ዘሎ ምንቅስቓስ ተቓወምቲ ውድባት ከምቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ከምዘይኰነ ብምግላጽ ብዙሕ ተስፋ ዝተገበረለን ውድባት ኣብ ደረጃ ምብትታንን ምጥፋእን ይበጽሓ ምህላወን የመልክቱ።
ኣብ ፖለቲካን ዝሓሸ መጻኢ ዕድልን ኢትዮጵያ ተስፋ ዝግበረለን ውድባት ዝዳኸማሉን ዝጠፍኣሉን ምኽንያት ድማ ብኣውራኡ ኣብ ክልተ ከምዝምቀል ብሓደ ድምጺ ይዛረቡ።
ሓጋዚ ፕሮፌሰር ሽመልስ፡ ነታ ሃገር ዘመሓድር መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ተቓወምቲ ውድባት ዘሕድሮ ጸቕጢ ይጠቅስ።
“እቲ ገዛኢ ሰልፊ ከም ቦርድ መረጻ፡ ኣብያተ ፍርድን ትካላት ጸጥታን ዝኣመሰሉ ትካላት ብዝጥዕሞ መገዲ ገይሩ እዩ ዝውድብ።
ካብዚ ወጻኢ ድማ ዝድግፋኦ 'ሳምሶናይት' (ናይ ሓሶት ፖለቲካዊ ውድባት) ከጣይሻ ይገብር" ዝብል እቲ ፕሮፌሰር እተን ከምዚ ዝበላ ውድባት ከኣ ካብ መንግስቲ ደገፍ ከምዝረኽባ ይዛረብ።
መንግስቲ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ብቝዓት ክዀና ካብ ምግባር ብተወሳኺ፡ ዲሞክራሲ ክዓስል ድልየት ይህልዎ’ዶ ይኸውን? ዝብል ሕቶ ዝቐረበላ ዶክተር ራሄል፡ "እቲ ዝበሃልን ዝግበርን ዝሳነ ከምዘይኰነ" ትገልጽ።
እቲ ቀንዲ ኣካይዳ ፖለቲካዊ ውዲት ምዃኑ ብምምልካት፡ "ብፍላይ ንሃገር ደው ዝብሉ መራሕቲ ውድባት ይእሰሩ፡ ይቕተሉ ወይ ይጠፍኡ።
እቲ ቀንዲ መሳርሒ ድማ ውድባት ፖለቲካ ካብ ህዝቢ ክንጸላ ምግባር እዩ። ህዝቢ ከም መሳርሒኦም እዩ። ህዝቢ ድማ ብፍርሒን ብኔትዎርክ ሓደ ንሓሙሽተን ዝተኣሳሰረ ስለዝዀነ ‘ከምቲ ናቶም ዝበለ ዕጫ እዩ ዝበጽሓኒ’ እናበለ ስቕ ይብል። እዚ ድማ ዓቢ ጉድኣት እዩ" ትብል።
እንተዀነ እቲ ጸገም ካብ መንግስቲ ጥራይ ከምዘይብገስ ብምግላጽ፡ "ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ብወገን ውድባት እውን ዘይምስምማዕ ኣሎ" ክትብል ትነቅፍ። በዚ ኵነታት ድማ ውድባት ብናይ ባዕለን ምድኻምን ምጥፋእን ተሓተትቲ ትገብረን።
ውድባት ፖለቲካ ኣብ ኣካይዳአን ኣብ ሓደ ጉዳይ ብሚዛናዊ ኣገባብ ተሰማሚዕካ ናይ ምውሳን ልምዲ ከምዘየለ ብምሕባር ድማ፡ “ኣክንዲ ምትእምማንን ጸገማት ንምፍታሕን ኣንጻራዊ ዝዀነ ጸቕጢ ናይ ምፍጣር ኣካይዳ እዩ ዝርአ።
እቲ ፈጻሚ ስራሕ ዝደልዮ ነገር ናብ ምውሳንን ንኻልኦት ናብ ዘይምስማዕን ክኸይድ ከሎ ሃጓፋት ይፈጥሩ” ብምባል ገምጋማ ተቐምጥ።
ነጻ መድረኽ እንተዘይሃልዩ ህላወ ውድባት ፖለቲካ ትርጕም ከምዘይብሉ ዘመልክት ኣቶ ገብሩ ኣስራት ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ውድባት ዝፍጠር ፍልልያትን ካብ መንግስቲ ዝመጽእ ጸቕጥን ከም ቀንዲ ምኽንያታት ምጥፋእ ድምጺ ተቓወምቲ ይጠቅስ።
"ተቓወምቲ ውድባት ንገዛኢ ሰልፊ ዝግዝኣሉ ኵነታት ንርኢ ኣለና። ስለዚ እቲ ሓደ ምኽንያት ብልጽግና ይዅን ኣብ ትግራይ ዘሎ ህወሓት ንውድባት ኣፈራሪሖም ወይ ብገንዘብ ደሊሎም ስቕ የብልወን።
ካልኣይ ምኽንያት ድማ ኣብ ውሽጠን ዝፍጠር ናይ ስልጣን ውድድር ዘስዓቦ ዘይምርድዳእ እዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ንሱ ከምዝበሎ፡ ካብ ኣፈጣጥራአን ጀሚርካ ክፍተሽ ከሎ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ሓሳባት ወይ ‘ኣይዲዮሎጂ’ ሒዘን ዝብገሳ ተቓወምቲ ውድባት ኣዝየን ውሑዳት እየን።
ብፍላይ ኣብዚ እዋን ገዛኢ ውድብ ብልጽግና ንመስረትን ላዕለዎት መራሕትን ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ሃገራውያን ውድባት ናብ ስልጣን መንግስቲ ዘምጽኣሉ ዘሎ ኣገባብ፡ "ኮነ ኢልካ ንተቓወምቲ ንምድኻም" ይጥቀመሉ ከምዘሎ ይኣምን።
"ንኢዜማ እንተጠቒስና ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ብብልጽግና ተሸይሙ’ሎ፤ ኣብዚ እዋን ከኣ እቲ ውድብ ተገማሚዑ ይርከብ። ፕሮፌሰር ጴጥሮስ በየነ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ድማ ውድቡ ኣብዚ እዋን የለን።
መራሕቲ እዘን ውድባት ናብ ብልጽግና ኣትዮም ከገልግሉ ምስ ጀመሩ እተን ውድባት ቅሂመን እየን። እዞም መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ኣብታ ሃገር ብዙሕ ጸገማት ኣብ ዝፈጠሩሉ ደው ንዝበሉሉ ዕላማ ድምጺ ክዀኑ ግን ኣይርአን” ክብል ትዕዝብቱ የካፍል።
‘ተቓወምቲ ውድባት ንምንታይ ይበታተኑ ኣለው ትብል?’ ዝብል ሕቶ ዘቕረብናሉ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ሽመለስ፡ ውሽጣውን ግዳማውን ረቛሒታት ኢሉ ክልተ ምኽንያታት ይጠቅስ፤
ውሽጣዊ ዝበሎ ተቓወምቲ ውድባት ዝበሃላ ኣብ ውሽጠን ዲሞክራሲ ዘይብለን ምዃኑ ብምሕባር “መብዛሕትአን ፖሊሲ ፖለቲካዊ አወዳድባን ስትራተጅን የብለንን። ገሊአን ተቓወምቲ ውድባት ብሓደ ሰብ ወይ ብውሑዳት ውልቀሰባት ዝቘማ እየን” ይብል።
‘ናይ ሓባር ጸላኢ እምበር ናይ ሓባር ኣጀንዳ የለን’
ልክዕ ከምቲ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ኢትዮጵያ ብዙሓት ውድባት ተራእየን ዝጠፍኣ፡ ሓደስቲ ዝምስረታ ውድባት እውን ብዙሓት እየን። ብደረጃ ክልልን ሃገርን ዝቕልቀላ ውድባት ኣለዋ።
ፖለቲከኛ ኣቶ ገብሩ ኣስራት ነዚ "ምብትታን" ክብል ብምግላጽ እዚ ፋሕፋሕ ኢልካ ምምጻእ ድማ ድልዱል ወይ ሓያል ተቓዋሚ ንኸይፍጠር ምኽንያት ከምዝዀነ ይገልጽ።
“ስለምንታይ እየን ዝተበታተና? ዝብል ክጽናዕ ዘለዎ ይመስለኒ። ንኣብነት ኣብ ትግራይ ዘሎ ኵነታት እንተጠቒሰ፡ ስለምንታይ እየን ብኸምዚ መንገዲ ዝጫጭሓ ዘለዋ እንተይልና መልሱ ውጽኢት ናይቲ ኣብኡ ዘሎ ፖለቲካዊ ባይታ ዝብል እዩ ዝኸውን።
ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ክትዘራረበሉ ኣብ ዘይትኽእለሉ፡ ሓሳብካ ኣብ ዘይትገልጸሉን ናጽነት ኣብ ዘይብሉን ኵነታት ፍታሕ ንምምጻእ እትወስዶ ስጕምቲ ብኸባቢን ብጕጅለን ምውዳብ እዩ” ክብል የረድእ።
ኣብ ርእሲ’ቲ ገዛኢ ውድብ ብልጽግና ብሰንኪ ዘሕድሮ ጸቕጢ ዝስዕብ ምድኻም፡ እተን ውድባት ብዝተበታተነ ኣገባብ ክኸዳ ምምራጸን እውን ትርጕም ዘለዎ ለውጢ ንምምጻእ ከም ዘጸግመን ወሲኹ ይሕብር።
ሓጋዚ ፕሮፌሰር ሽመልስ ግን፡ ናብ ሓደ እንተተጠርነፋ እውን ነቲ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ንምውዳቕ እየን ዝሓስባ እምበር መራሕተን መንግስቲ ምስ ኰኑ ብኸመይ ከም ዝሰርሑ ወይ ንመንግስትነት እንተዘይተዓዊቶም ብኸመይ ክቕጽሉ ከምዝኽእሉ ብዙሕ ከምዘይሓስቡ እዩ ዝገልጽ።
"ኣብ ኢትዮጵያ ምርጫ ድሕሪ ምክያዱ እየን ተቓወምቲ ሓይልታት ዝፈርሱ" ይብል።
ንኣብነት፡ "ኣብ 1997 ውድባት ግንባር ፈጢረን’ኳ እንተነበራ ብድሕሪኡ ግን ተበታቲነን። ሰልፊ መድረኽ ኣብ ክልተ ምርጫ ድሕሪ ምስታፉ ፈሪሱ።
ሕጂ'ውን ኢዜማ ዝተባህለ ውድብ ድሕሪ መረጻ ተበታቲኑ ኣሎ። ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ናይ ሓባር ጸላኢ እምበር ናይ ሓባር ኣጀንዳ የብለንን። ብሰንኪ ግዳማውን ውሽጣውን ጸቕጢ እየን ዝበታተና" ክብል የረድእ።
ዓቕሚ ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ ንምሕያል ምውዳብን ሕብረት ምፍጣርን ከምዝግባእ ሓሳብ ዘቕርብ ፖለቲከኛ ኣቶ ገብሩ፡ "ኣብዚ እዋን ግን ዝተበታተና ውድባት እየን ተፈጢረን ዘለዋ።
ገለ ካብተን ውድባት ኣብዚ እቶ ዘይበሃል ብዝሒ ኣባላት ዘለወን እየን። ሓሳባተን’ውን እንተዀነ ናብ ካልእ ፓርቲ ክጥርነፍ ዝኽእል እዩ።
ብሓፈሻ ግን ሓሳብ ንዘለዎም ዓበይቲ ውድባት ምቹእ ኵነታት ዝፈጥር ኣካይዳ ቅድሚ ሎሚ ኣይነበረን ሎሚ’ውን የለን” ዝብል እምነት ኣለዎ።
እቲ መፍትሒ እንታይ እዩ?
ዋና ጸሓፊት ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ፖለቲካዊ ውድባት ኢትዮጵያ ዶክተር ራሄል ባፌ፡ ህዝቢ ከም ሃገር መፍትሒ ኣብ ምምጻእ ክመክር ይግባእ ትብል።
"ኣማራጺ ስለዘየለ ናብ ሃገራዊ ምምኽኻር ብምእታው ፖለቲካዊ ውድባት፡ መንግስትን ህዝብን ኣብ ሓባራዊ ፍታሕ ክበጽሑ ብምሕሳብ ይስራሕ እዩ ዘሎ።
ግን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ገዛኢ ውድብ ባዕሉ እዚ ነገር ናብ ባይታ ከይወርድ ክሰርሕ እዩ ዝርአ ዘሎ” ክትብል ትነቅፍ።
ፖለቲካዊ ውድባትን ህዝብን ዝተኸፈለ ዋጋ ከፊሎም ናብቲ ዝሕሰብ ምብጻሕ ዘኽእል ኣካይዳ ብኣጋ ከምዘድሊ ብምግላጽ ድማ፡ "እቲ ኣብ ቅድመና ዘሎ ስራሕ ዋጋ ዘኽፍል እዩ’ሞ ብኡኡ ኣገባብ ኢና ክንከይድ ዘለና ኢለ እሓስብ" ክትብል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓሳብ ተዛሪባ።
ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ሽመልስ እውን ከም መፍትሒ ክልተ ሓሳባት የልዕል። ውድባት ፖለቲካ ኣብ ውሽጢ ውዳበኦምን ፖሊሲታቶምን ባህሊ ዲሞክራሲ ከማዕብሉ ኣለዎም።
ካብዚ ብተወሳኺ ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምቕጻል ሃገራዊ ሓበራዊ ምርድዳእ ክህሉ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዎ።
“ኢትዮጵያዊ መን እዩ ኣብ ዝብል ክሰማምዑ ኣለዎም። ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ቦርድ መረጻ፡ ሓይልታት ጸጥታን ሓባራዊ ሕገ-መንግስትን ክህሉ ኣለዎ" ክብል ሓሳቡ ይዛዝም።
ናይ ሓሳብን ለውጥን ውድባት እምበር፡ 'ናይ ኣክቲቪስታት ስራሕ ዝሰርሓ ውድባት' ክህልዋ ከምዘይብለን ዝገልጽ ፖለቲከኛ ኣቶ ገብሩ ኣስራት ብወገኑ፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ናይ ካልእ ዝዀነ ነገር ንምምንጣል ምጕያይ እምበር ተቐራሪብካ ምስራሕ፡ ምዝታይን ሂብካ ምቕባልን ብዙሕ ልሙድ ከምዘይኰነ ይዛረብ።
“እተን ዘለዋ ውድባት ብብዙሕ መዳይ ክራኸባ ዝኽእላ እየን። መብዛሕትአን ብዕላማአን ናብ ሓደ ክጥርነፋ ይኽእላ እየን። እዚ ግን ኣብ ብዙሓት ዝርአ ኣይኰነን። እናተራብሓ ዝሓድራ እምበር ናብ ሓደ ዝመጽኣ ሰልፊታት ኣይርእን ዘለኹ።
ስለዚ ውድባት ናብ ውህደትን ምቅርራብን ዝመርሕ መንገዲ ክኽተላ ይግባእ። በዚ ሕጂ ዝኸዳኦ ዘለዋ መንገዲ ግን ዓቕምን ሓይልን ዘለዎ ውድብ ክፈጥራ ዝኽእላ ኣይመስለንን" ክብል ይድምድም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







