'ምምሕያሽ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ' ንምንታይ ኣዘራራቢ ኰይኑ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግ ስልጣን ዝሓዘ ኢህወደግ፡ ንኢትዮጵያ ካብቲ ንዘመናት ክትምርሓሉ ዝነበረት ኣሃዳዊ ኣቃውማ ብዝተፈልየ መንገዲ ዘመሓድር ፈደራላዊ ሕገ-መንግስቲ ኣጽዲቝ።
እቲ ሓድሽ ሕገ-መንግስቲ ብፍላይ ን'ብዙሕነት' ዘንጸባርቕ እዩ ተባሂሉ ዝንገረሉ'ኳ እንተዀነ፡ ንገለ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት ዘግለለን ኣብ ፍልልያት ዘተኮረን ተባሂሉ'ውን ይንቀፍ።
እዚ ፈደራላዊ ሕገ-መንግስቲ ኣብ 1987፡ ከምኡ'ውን 1997 [ግእዝ] ክልተ ምምሕያሻት ከምዝተገበረሉ መረዳእታታት ይሕብሩ።
እቲ ቀዳማይ መመሓየሺ ዓንቀጽ 98 ኰይኑ፡ ብዛዕባ ስርዓተ ግብሪ ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ መመሓየሺ ድማ ብዛዕባ ቈጸራ ህዝቢ ዝምልከት ዓንቀጽ 103 እዩ።
እዚ ኣብዚ እዋን ኣብ ግብሪ ዘሎ ሕገ-መንግስቲ ቅድሚ ምጽዳቝ፡ ካብ ቀበሌ ክሳብ ወረዳ ንክልተ ዓመት ህዝባዊ ዘተን ዋዕላን ከምዝተኻየደሉ ይንገር።
ብተወሳኺ ምሁራት እታ ሃገር መጽናዕቲ ከምዝገበሩሉን፡ ሓደጋ ምብትታን ዘወገደ ተባሂሉ'ኳ እንተተዘረበሉ፡ ብፍላይ ነቶም ንኢትዮጵያውነት ማለት ሓንቲ ኢትዮጵያ ብምባል ንናይ ብሄር ፖለቲካ ዘይድግፉ ፖለቲከኛታት ቦታ ዘይህብ እዩ ብምባል ዝነቕፉ ኣለው።
እዚ መሰረታዊ ለውጢ ከይገበረ ንኽልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ሕገ-መንግስቲ፡ ንዝቐርቡሉ ቅሬታታትን ነቐፌታን መሰረት ብምግባር ጽገና ክግበር ዝሓተቱ ኣካላት ኣለዉ።
ኣብዚ ሕገ-መንግስቲ ካብ ዝርከቡ ዓንቀጻት ገሊኦም ኣብዛ ሎሚ ዘላ ኢትዮጵያ ዝተቐየሩ ነገራት ከምዘለዉ’ውን ይጠቕሱ።
ከም ኣብነት እቲ ሕገ-መንግስቲ ንትሽዓተ ክልላት ጥራይ ኣፍልጦ ዝህብ'ኳ እንተዀነ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ግን ኣብታ ሃገር ክልተ ሓደሽቲ ክልላት ተፈጢረን፣ ሳልሳይ ክልል ንምምስራት ዘኽእል ረፈረንደም'ውን ድሮ ከምዝተኻየደን ይሕብሩ።
ከምኡ’ውን ብወገን መንግስቲ ሓሙሽተ ቋንቋታት ሃገራዊ ናይ ስራሕ ቋንቋታት ንምግባር ድሌት ከምዘሎ ይግለጽ።
ነቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ካብ ዝተፈላለዩ ምሁራትን ፖለቲከኛታትን ዝለዓሉ ሕቶታት ምምሕያሽ ሕገ-መንግስቲ መልሲ ንምሃብ ብዝብል ብፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ዝምራሕ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ፖሊሲ ኢትዮጵያ መጽናዕቲ ኣካይዱ’ሎ።
ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ ዕላዊ ምስተገበረ እውን ነቐፌታ ዘቕረቡን ናይ ደገፍ ርእቶኦም ዝሃቡን ኣካላት ኣለው።
ንምዃኑ እቲ መጽናዕቲ ብኸመይ እዩ ተኻይዱ? ክሳብ ክንደይ ንዅሉ ዝሓቁፍ እዩ? ናይ መን ድልየት እዩ ዘንጸባርቕ? ንምንታይ ኣካታዒ ኰይኑ ኣብ ዝብሉን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ንኽልተ ምሁራትን ፖለቲከኛታትን ሓቲትናዮም ኣለና።
ኣብ ምምሕያሽ ሕገ-መንግስቲ በዓል መን ተሳቲፎም?
ብኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ፖሊሲ መጽናዕቲ ዝተገበረሉ እዚ ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽ ብፍላይ ምስ ጕጅላዊ መሰላት ዝተኣሳሰሩ ርእሰ ጉዳያት ኣብ ዝተወሰኑ ዓንቀጻት ዘተኮረ እዩ።
ኣብ መእተዊ እቲ ሕገ-መንግስቲ፡ “ንሕና ብሄር ብሄረሰባት” ዝብል ኣገላልጻ፤ ኣብ ዓንቀጽ 8 "ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ልኡላውያን ወነንቲ ስልጣን እዮም" ዝብል፤ ጉዳይ ሃገራዊ ባንዴራ፤ ፈደራላዊ ቋንቋ ስራሕ፤ ኣወዳድባ ክልላትን መሰል ርእሰ ውሳነ ኣህዛብን ‘ክሳብ ምንጻል’ ዝብል ዓንቀጽ 39 ዳግም ክርአ ሓሳብ ኣቕሪቡ’ሎ።
ከምኡ እውን ሕገ-መንግስታዊ ጉዳይ ዘይኮነ ብሄር ተኮር ፖለቲካዊ ውድባት ዝምልከት ርእሰ-ጉዳይ ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሓቝፈ እዩ።
ኣካታዒ ጉዳይ ኣዲስ ኣበባ እውን ኣካል እቲ መጽናዕቲ ምዃኑ ይዝረብ።
እዚ ንኽልተ ዓመት ከምዝተኻየደ ዝዝረበሉ መጽናዕቲ፡ እታ ሃገር ኣብ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ምክያዱን ኣብ ጥቅምቲ 2015 [ግእዝ] ከምዝተዛዘመን የመልክት።
ክልል ትግራይ ኣብቲ መጽናዕቲ ከምዘይኣተወት'ኳ እንተተገልጸ፡ እታ ኣባል ፈደረሽን ንዝዀነት ክልል ዘየጠቓለለ መመሓየሺ ሓሳብ ከመይ ከምዘተዓርቕ ግን ኣይነጸረን።
ኣብተን ዝተረፋ ክልላት ግን ኣብ 41 ዝተመረጸ [“ራንደም ሳምፕሊን” - ሃንደበት ዝተወሰዱ ናሙናታት] ብሄራት ዳህሳስ ከምዝገበረ ይሕብር።
እቲ መጽናዕቲ ክልተ ኣገባባት መጽናዕቲ ዝተጠቐመ ኰይኑ ብድምር ን1123 ሰባት መሕትት [Questionaire] ከምዝተዓደሎምን ምስ ዝተመረጹ ሰባት ድማ ብውልቅን ብጕጅለን ቃለ መሕትት ከምዝተገበረሎምን ይገልጽ።
መብዛሕትኦም [80 ሚእታዊት] ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት ብዛዕባ እቲ ሕገ-መንግስቲ “ርድኢት ኣለና” ከምዝበሉ የረድእ።

ምምሕያሽ ሕገ-መንግስቲ ኣብዚ እዋን ንምንታይ?
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ፖለቲካዊ ሳይንስን ኣቦ መንበር ውድብ ፖለቲካ ኦፌኮን ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ከምኡ’ውን ኣብቲ ዩኒቨርስቲ መምህር ፈደራሊዝም ዝዀነ ዶክተር ሲሳይ መንግስቴን ኣብ ጉዳይ ምምሕያሽ ሕገ-መንግስቲ ብዙሕ ተቓውሞ የብሎምን።
ክልቲኦም ምሁራት ግን ኣብቲ ኣካይዳ፡ ትሕዝቶን ግዜን ተመሳሳሊ መርገጺ የብሎምን።
ዶክተር ሲሳይ መንግስቴ፡ እቲ ሕገ-መንግስቲ ንምምሕያሽ "እዚ እዋን ትኽክለኛ ግዜ እዩ" ዝብል እምነት ኣለዎ።
"ምኽንያቱ ምንጪ ብዙሕ ጸገማት እቲ ሕገ-መንግስቲ ስለዝዀነ" ክብል'ውን የረድእ።
ኣስዒቡ፡ “ኣብቲ ሕገ-መንግስቲ ብዙሓት ኣካታዕቲ ድንጋገታት ኣለዉ። ንምፍልላይ ኣፍደገ ዝኸፍቱን ንሓድነት ዘዳኽሙን ድንጋገታት ኣለዉ። ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ብተግባር ዝረኣናዮ ድማ ንሱ እዩ። እቲ ሕገ-መንግስቲ ምሉእ ብምሉእ እንተተኸሊሱ ወይ እንተተመሓይሹ ብዙሓት ካብቶም ጸገማት ክፍትሑ እዮም። ብድሕሪኡ ባህሊ ዲሞክራሲ፡ ምርድዳእን ምዝርራብን ክምዕብል ኣለዎ" ይብል።
ፕሮፌሰር መርራ ኣብቲ ሕገ-መንግስቲ ምምሕያሽ ዝብል ሓሳብ'ኳ እንተዘይተቓወሙ፡ እቲ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ጉዳይ ግን ህንጸት ሓበራዊ ምርድዳእን ዲሞክራስያዊ ስርዓትን እዩ” ክብሉ የቐምጡ።
ፕሮፌሰር መረራ ከምዝብልዎ፡ እቲ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ሃገራዊ ምርድዳእ ምስተበጽሐ ክቕየር ይኽእል እዩ።
ነቶም ፕሮፌሰር፡ እቲ ምምሕያሽ ንባዕሉ ውጽኢት ናይቲ መንፈስ ምርድዳእ እምበር መበገሲ ክኸውን ኣይክእልን። ኣብ ሓባራዊ ሃገራዊ ጉዳያት ምርድዳእ ክቕድም ኣለዎ ዝብል መርገጺ እውን ኣለዎም።
“ሕገ-መንግስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ቁርኣን ኣይኰነን። ክቕየር ይኽእል እዩ። ይዅን’ምበር ንሽግራት ሃገር ዝፈትሕ ድዩ ወይስ ዝያዳ ጸገም ዘስዕብ ዝብል ክርአ ኣለዎ” ይብሉ።
ነታ ሃገር ዘመሓድር ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና ሕገ-መንግስቲ ኣብ ምቕያር ልዑል ግደ ኣለዎ ዝብል እምነት ዘለዎም ፕሮፌሰር መርራ፡ "ሕጂ'ውን ንፖለቲካ እታ ሃገር ሓደ ውድብ ጥራይ ተቘጻጺርዎ ኣብ ዘዝርከበሉ ኵነታት፡ ሕገ-መንግስቲ ምቕያር ነታ ሃገር ብዙሕ ዋጋ ከኽፍላ ይኽእል'ዩ" ዝብል ስክፍታ ኣለዎ።
እቲ ሕሳብ ምምሕያሽ ንምንታይ ኣካታዒ ኰይኑ?
ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ወጺኣ ቁጠባውን ፖለቲካውን ምርግጋእ ክትፈጥር ኣብ እትጽዕረሉ ኵነታት'ኳ እንተሃለወት ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ግን ግጭታት ቀጺሎም ኣለዉ።
ኣብ ትግራይ እውን እንተዀነ ሕጂ'ውን ዘይተፈትሑ ጉዳያት ኣለው።
"በቲ ሕጂ ዘሎ ህልው ኵነታት ኣብ ኢትዮጵያ ምርግጋእ የለን" ይብሉ ፕሮፌሰር መረራ።
"ሕገ-መንግስቲ ክቕየር እንተዀይኑ መሰል ብሄረሰባትን ዶባት ክልላትን ንምፍራስ ምፍታን ከም ኣብታ ሃገር ሓዊ ምውላዕ ከይከውን" ክብሉ የጠንቅቝ።
ዶክተር ሲሳይ፡ "ሓደን ቀንዲን ኣካታዒ ዝዀነሉ ምኽንያት እቲ ሕገ-መንግስቲ ናይቶም ተዓወትቲ ስለዝዀነ እዩ። ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብ ወይ ኣብቲ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም ተሳዓርቲ ዝተቘጸሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ከይሳተፉ ተኸልኪሎም ነይሮም። ካልኣይ፡ ብሄር ተኮር ፖለቲካዊ ውዳበታት እዮም ተዓወትቲ ኰይኖም። በዚ ምኽንያት ኵሉ ነገር ኣብ ዜግነት ወይ ቋንቋ ዝተመርኮሰ እዩ ነይሩ። በዚ መንገዲ ሃገራዊ ዝዀኑ ውድባት ፖለቲካ ወይ ሃገራዊ ዝዀነ ኣረኣእያ ዝነበሮም ፖለቲከኛታት ተገሊሎም” ይብል።
ፕሮፌሰር መረራ ብወገኖም፡ ሓደ 'ሃገር ዝመርሕ ውድብ' ነቲ ሕገ-መንግስቲ ክቕይሮ እንተፈቲኑ ግን፡ ነቲ ዝጸንሐ ጸገም ከጋድዶ ከምዝኽእል ይምጕቱ።
"ፖለቲካዊ ኵነታት እታ ሃገር ናብ ሓደ ምርድዳእ ዝፈጥር ኵነታት ከየብጻሕካ ነቲ ምርድዳእ ዝሓትት ሕገ-መንግስቲ ምቕያር ጸገም ከስዕብ ይኽእል'ዩ። ንዝመጽእ ጸገማት ድማ እቲ ሃገር ዘመሓድር ውድብ ተሓታቲ ይኸውን” በሃላይ እዮም።
እቶም ምምሕያሻት ድልየት መን የንጸባርቝ?
ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት እቲ ሕገ-መንግስቲ ግብራዊ ካብ ዝኸውን ጀሚሩ ንዶክተር ሲሳይ ዝርከቦም ገለ ልሂቃን በታንን ንሓድነት ሃገር ዘዳኽምን እዩ ዝብል መርገጺ ከንጸባርቝ ይረኣዩ።
ሲሳይ መንግስቴ (ዶ/ር) ግዜ ከይወሰድካ እቲ ሕገ-መንግስቲ ክቕየር ኣለዎ ካብ ዝብሉ ሓደ እዩ።
“ ‘ነዓና ኣይንውክለናን’ ኢሎም ብፍላይ ህዝቢ ኣምሓራን ውሁድ ኢትዮጵያውያን ዝበሃሉ ካብ ዝተፈላለዩ ብሄራት ዝተወለዱን ‘ካብዚ ኢና ካብ እከለ ኢና’ ንምባል ዝጽገሙን፡ ንነብሶም ‘ኢትዮጵያውያን’ ክብሉ ዝገልጹ፡ በዚ ሕገ-መንግስቲ ኣፍልጦ ኣይተወሃቦምን። ኣብ ዝዀነ ማሕበራዊ ይዅን ፖለቲካዊ ኵነታት ናይ ምስታፍ መሰሎም ክኽበር ኣይተገበረን” ይብል።
ይዅን'ምበር ፕሮፌሰር መረራ "ልሂቃን ኣምሓራ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት እቲ ሕገ-መንግስቲ ክቕየር ይሓቱ ነይሮም። ብልሂቃን ኣምሓራ ዝተመስረታ ውድባት እውን ነቲ ሕጂ ዘሎ ሕገ-መንግስቲ ይጸልኣኦ እየን” ብምባል ነቲ ሓሳብ እንተደገፉ’ኳ፡ በዚ መንገዲ ንምምሕያሹ ግን ኣይድግፋን።
ዶክተር ሲሳይ ግን "ልዕሊ ኵሉ ንፍልልያት እምበር ንሓድነት ኣቓልቦ ዘይህብ ሕገ-መንግስቲ እዩ። ሉኣላዊ ስልጣን ንብሄር ብሄረሰባት እዩ ተዋሂቡ። ‘ንሕና ብሄር ብሄረሰባት” እምበር ‘ ንሕና ህዝብታት ኢትዮጵያ’ ኢሉ ናብ ሓደ ከተኣሳስረና ዝኽእል ነገር የብሉን" ክብል ይሙጕት።
'እቲ መጽናዕቲ፡ ጸገማት ምእካብ ሓበሬታ ኣለዎ'
ጸገማት ምእካብ ሓበሬታን መረዳእታን ከምዘሎ ዝጠቐሱ ፕሮፌሰር መረራ፡ ኣብ ተኣማንነቱ ሕቶታት ከምዘልዕልን ብግቡእ ከምዘይተኻየደን ይዛረቡ።
"ኣዝዩ ዝገረመኒ ነገር እንተሃልዩ፡ 120 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ሃገር፡ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰባት ኣዘራሪብና እዮም ዝብሉ። 80 ሚእታዊት ድማ ኣብ ከተማ እዮም ኣዘራሪቦም። ዝበዝሑ ሰባት [85%] ኣብ ገጠር ከምዝርከቡ እናፈለጡ፡ ከምዚ ዝበለ ዓብይ ጌጋ ፈጺሞም ኣለዉ" ይብሉ ኣገባባዊ ጸገም ከምዘሎ ብምግላጽ።
“እንተዀነ ናበይ ከይዶም ከምዝሓተቱ ኣይፍለጥን። ንኣብነት ናብ ክልል ኦሮምያ ናበይ ከባቢ እዮም ከይዶም? ፖለቲካዊ ጸወታ እዩ ዝመስል" ብምባል ድማ ነቲ መጽናዕቲ ይነቕፉ።
ዶ/ር ሲሳይ ብወገኑ፡ "ኣወዳድባ ክልላት ኣብ ቋንቋን ብሄርን ዝተመስረተ እምበር ኣብ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ወይ ምምሕዳራዊ ፍትሒ፡ ርእሰ ምሕደራዊ ዓቕሚ፡ ሃብቲ ተፈጥሮ፡ ዓቕሚ ሰብ፡ ብዝሒ ሰብን ስፍሓት መሬትን ከም መዐቀኒ ኣይወሰደን" ክብል ይነቅፍ።
"ስለዚ፡ ሓደ ቋንቋ ዝዛረብ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓቢይ ክልል ክጥርነፍ ተገይሩ እዩ። ካልእ "ንእሽቶ ክልል ድማ ተፈጢሩ። እዚ ከም ሓደ ካብቶም ጸገማት ክውሰድ ይኽእል'ዩ" ክብል እቲ ኣወዳድባ ክልላት ንጆኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ መሰረት ዝገበረ ክኸውን ኣለዎ ንዝብል ምኽረ-ሓሳብ እቲ መጽናዕቲ ይድግፍ።
"እቲ መጽናዕቲ ብቋንቋ ዝተወደባ ክልላት ክፈርሳ ከምዘለወን እዩ ዝሕብር" ዝብሉ ዶክተር መረራ፡ ብፍላይ ክልላት ትግራይን ኦሮሚያን ክፈርሳ ክጕስጉሱ ምጽንሖም ይዛረቡ።
እቲ መጽናዕቲ ብክኢላታት ተኻይዱ'ኳ እንተተባህለ፡ ኮነ ኢሎም ናብቲ ዝደልይዎ ውጽኢት ከዛዙ ከምዝገበሩ ብምግላጽ ይንቕፉ። ኣክንዲ ኣብ ገጠር ናብ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ከተማታት ናብ ዝነብር ህዝቢ ትዅረት ምግባሮም ድማ ከም ኣብነት ይጠቕሱ።
“ንኣብነት ሲዳማ ብዙሕ ህይወት ሰባት ምስጠፍአ እዩ ሎሚ ብኽንደይ መከራ ክልል ኰይና ዘላ። ስለዚ ሕጂ ሓደ ተወላዲ ሲዳማ፡ 'ክልለይ ትፍረስ’ ዝብል ሓሳብ ከቕርብ ዘይሕሰብ እዩ። ኣብ ክልል ዓፋር’ውን ‘ክልልና ትፍረስ’ ዝብል መልሲ ዝሃቡ ኣለዉ ይብል። እዚ ንምእማኑ ዘጸግም ነገር እዩ" ክብሉ ይቃወሙ።
ቢቢሲ ብዛዕባ ምእካብ መረዳእታን ካልኦት ምስቲ መጽናዕቲ ዝተሓሓዙ ጉዳያትን ዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ ነቲ መጽናዕቲ ብላዕለዋይነት መሪሖም ዝተበሃሉ ኣካላት ተደጋጋሚ ፈተነታት እንተገበረ’ውን ኣይሰመረን።

እቲ ምምሕያሽ መሰረት ሕገ-መንግስቲ ክቕይሮ ድዩ?
ዓንቀጽ 39 ኣብ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ኣካታዕቲ ዓንቀጻት ሓደ እዩ።
እቲ ኣብ ሕገ-መንግስታዊ ምምሕያሽ ዘድሃበ መጽናዕቲ'ውን ነዚ ዓንቀጽን ኣቃውማ ክልላትን ብዝምልከት ዝዳህሰሰ ኰይኑ’ሎ።
እቲ መጽናዕቲ፡ ብፍላይ ኣብ ኣምሓራን ዓፋርን መልሲ ካብ ዝሃቡ እቶም ዝበዝሑ እዚ ዓንቀጽ [ብፍላይ ርእሰ ምሕደራ ክሳብ ምንጻል ዝብል] ክቕየር ከም ዝደልዩ ዘመልክት ኰይኑ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን ዘለዉ መልሲ ዝሃቡ ድማ “እዚ ዓንቀጽ ክትንከፍ የብሉን” ከምዝበሉ ይሕብር።
ዶክተር ሲሳይ፡ "ዓንቀጽ 39 ንኡስ ቍጽሪ 1 ክትዕዘብ ከለኻ፡ ሃገር ንምምስራት ኣዝዩ ቀሊል መገዲ ዝመረጸሉ፡ ብሄር ብሄረሰባት ብዘይ ቅድመ ኵነት ምንጻል ከም ዝኽእሉ ‘ብሄር ብሄረሰባት’ ክበሃሉ ምኽኣሎም ጥራሕ ከም እኹል ምኽንያት ተወሲዱ ዝተቓነየሉ ኵነታት ኣሎ። ካልእ ብዙሕ ተመሳሳሊ ነገራት ከነልዕል ንኽእል ኢና፡ በዚ ምኽንያት ኣካታዒ ዝዀነ ይመስለኒ” ክብል ንምስራዝ እቲ ዓንቀጽ ይድግፍ።
ፕሮፌሰር መረራ በዚ ሓሳብ ኣይሰማምዑን።
“ብዙሓት ሰባት ነዚ ዓንቀጽ ከም መሰል ምንጻል ጥራይ እዮም ዝርእይዎ። ግን ንመሰል ብሄራት'ውን ዝምልከት እዩ። ብተወሳኺ ድማ ኣብታ ሃገር እንታይ ዓይነት ፈደራሊዝም ክህሉ ከም ዘለዎ የርኢ። ኦሮሞ፡ ሶማል፡ ዓፋርን ካልኦት ብሄር ብሄረሰባትን ዝገበርዎ ናይ 50 ዓመት ቃልሲ ነቲ ሎሚ ዘሎ ዶብ መሰረት ኰይኑ’ሎ። ስለዚ ዶብ ምፍራስ ኣብታ ሃገር ሓዊ ምውላዕ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብሉ።
እዚ መጽናዕቲ ተግባራዊ እንተዀይኑ ድማ እቲ ሕገ-መንግስቲ ብመሰረቱ ይብሕጐግ ኣሎ ዝብል እምነት ኣለዎም።
"ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብዚ ጉዳያት መሰረት ዝገበረ ምምሕያሽ ሕገ-መንግስቲ ክግበር እንተደልዩ ህዝበ-ውሳነ ክገብር ይኽእል እዩ። እቲ ሕጂ ዘሎ ኣብ መንነት ዝተመስረተ ፈደራሊዝም ብቐሊሉ ዝቕየር ኣይኰነን። ምኽንያቱ ንፈደራሊዝም ምፍራስ ንሃገር ከዕንዋ ይኽእል እዩ” ክብሉ ስግኣቶም የቐምጡ።
"ካብ ቀደሙ’ውን ኣብ ማዕርነት ዝተመስረተት ኣይነበረትን" ዝብል መርገጺ ዘለዎም ፕሮፌሰር መረራ፡ ቅድሚ ለውጢ ሕገ-መንግስቲ ክፍጸም ዘለዎ ሃገራዊ ምርድዳእ ምፍጣር ክኸውን ከም ዘለዎ ብጽኑዕ የተሓሳስቡ።
ዶክተር ሲሳይ መንግስቴ ግን ንዓንቀጽ 47 ንኡስ ቍጽሪ 2 ከምኡ’ውን ዓንቀጽ 39 ብምጥቃስ ብዙሓት ክልላትን ሃገራትን ክፍጠራ ክገብር ከምዝኽእል ይኣምን።
"ኣብ ህሉው ኵነታት ኢትዮጵያ 76 ወይ 77 ብሄር ብሄረሰባት ብቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኣፍልጦ ተዋሂብዎም ኣሎ። ስለዚ እዚኦም ኵሎም ክልል ናይ ምምስራት ሕገ-መንግስታዊ መሰል ኣለዎም። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ክንሓስብ ንኽእል ኢና" ክብል እዚ ኣብ ግምት ክኣቱ ከም ዘለዎ ይምጉት።
እቲ ሕገ-መንግስቲ ብዛዕባ ምምሕያሽ እንታይ ይብል?
ፈደራላዊ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓንቀጽ 105፡ ብዛዕባ ምምሕያሽ ሕገ-መንግስቲ ከምዚ ይብል፤
"ኵሎም ኣብ ምዕራፍ ሰለስተ ናይዚ ሕገ-መንግስቲ ዝተዘርዘሩ መሰላትን ናጽነትን እዚ ዓንቀጽ፡ ከምኡ'ውን ዓንቀጽ 104 ክመሓየሹ ዝኽእሉ በዞም ዝስዕቡ መንገድታት ጥራይ'ዮም። ሀ/ ኵለን ኣብያተ ምኽሪ ክልላት ነቲ ዝቐረበ እማመ ብኣብዝሓ ድምጺ ምስ ኣጽደቓኦ፤ ለ/ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፈደራል ነቲ ዝቐረበ እማመ ብኽልተ ሲሶ ድምጺ እንተ ኣጽዲቕዎ፤ ሐ/ ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ድማ ነቲ እማመ ብኽልተ ሲሶ ድምጺ እንተ ኣጽዲቕዎ እዩ።”
ንዓንቀጽ 39 ከምኡውን መብዛሕትኦም እቶም ምምሕያሻት ክግበረሎም ዝተሓሰቡ ርእሰ-ጉዳያት፡ ኣብ ምዕራፍ ሰለስተ ከም ዝርከቡ ምስትብሃል የድሊ።
እቶም ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ሰባት ብመሰረት እቲ ሕገ-መንግስቲ ዘፍቅዶ ምምሕያሽ ይሓይሽ እንተበሉ’ኳ፡ ኣብ መዛዘሚ ግን ኢ-መደበኛ ብዝበልዎ መንገዲ ክመሓየሽ ከምዘለዎ ሓሳብ ኣቕሪቦም ኣለዉ።
ዶክተር ሲሳይ እውን በዚ ይሰማማዕ።
“እቲ ናይ ምምሕያሽ ዓንቀጽ ንባዕሉ ኣብ ዓንቀጽ 105 ዝሰፈረ ነገር ቀያዲ እዩ። ብፍጹም እዚ ሕገ-መንግስቲ ንከይመሓየሽ፡ ንኸይክለስ፡ ከይሰፍሕን ከይቅየርን ዝኽልክል እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ሕገ-መንግስቲ ህይወት ዘለዎ ሰነድ እዩ ዝበሃል” ክብል ሓደስቲ ጉዳያት እውን ከካትት ይሓትት።
ፕሮፌሰር መረራ ብወገኖም፡ "መንግስቲ ኣብ ቅዋም ብዘሎ ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ሓሊፉ ዘይሕገመንግስታዊ ብዝዀነ መንገዲ እውን ክቕይሮ ይደሊ ኣሎ። እተን ሕጂ ዘለዋ ክልላት ዓሰርተ ክልተ እየን። ኵለን ድማ ኣብዞም ጉዳያት ክሰማምዓ ኣለወን። ነዚ እየ ድማ ነቲ ቅዋም ንምቕያር ሓበራዊ ምርድዳእ ክህሉ ኣለዎ ዝብል ዘለኹ፡" ይብሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







