ኣብ 'ሕቶታት ህዝቢ ኣምሓራ' ዘተኰረ ጉባኤ ይካየድ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, AMHARA COMMUNUCATION
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ድሕሪ ምዝዛሙ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ግጭትታን ዝተፈላለዩ ጸገማት ክርኣዮ ዝጸንሐ ክልል ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና እቲ ክልል፡ "ሕቶታት ህዝቢ መልሲ ንክረኽቡ" ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት ተቓውሞ፡ ወጥሪ፡ ጐንጽን ቅትለት ላዕለዋይ ኣመራርሓ እቲ ሰልፍን ዘጋጠሞ ክንፊ ገዛኢ ሰልፊ እታ ሃገር ዝዀነ ሰልፈ ብልጽግና ኣምሓራ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል ጉባኤ ላዕለዎትን ማእከሎትን ኣመራርሓ ከካይድ ጀሚሩ ኣሎ።
ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ዘረባ ዘስምዐ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ዶክተር ይልቃል ከፍኣለ፡ ኣብቲ ክልል ዘጋጠሙ ቅልውላዋት ካብ ጥቕሞም ንላዕሊ ጸገማት ከም ዝፈጠሩ ብምግላጽ፡ እቲ ህዝቢ ነዞም ኵነታት “ክምርምሮም ይግባእ” ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ካብ መሓውር ጸጥታ እቲ ክልል ወጻእ ዘለው ዕጡቓት ብዝምልከት ብፍላይ ምስቲ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ዳግም ንምውዳብ ፌደራል መንግስቲ ዘውጽኦ መደብን ቅትለት ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሰልፊ ብልጽግና ዝዀነ ኣቶ ግርማ የሺጥላን ብዝተሓሓዝ ህይወት ሰብ ዘጥፍኡ ቅልውላዋት ከም ዘጋጠሙ ይዝከር።
እቲ ርእሰ ምምሕዳር “ዋናኦም ዘይፍለጡ” ዝበሎም ግጭታትን ኣድማታትን፡ እቲ ኣመራርሓ ህዝቢ ኣብ ዘልዕሎም ሕቶታት ትዅረት ገይሩ ንከይሰርሕ ገይሮምዎ እዮም ኢሉ።
“ዝተሓላለኸ ጸገም’ዩ ገጢሙና” ዝበለ ዶክተር ይልቃል፡ እዚ ድማ “በቲ ሰልፊ ኰነ መንግስቲ ፍታሕ ኣብ ዘድልዮ ግዜ በጺሕና ኢና” ብምባል እቶም ኣመራርሓ ካብ ትማሊ ሓሙስ 10 ግንቦት 2015 ዓ.ም [ግእዝ] ጀሚሩ ንተኸታተልቲ መዓልታት ኣብ ዘካይዶ ጉባኤ ኣተኵሮ ከም ዝገብር ሓቢሩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሕቶታት ህዝቢ ኣምሓራ እንታይ ከም ዝዀኑ ዳግም ክፍተሹ ከም ዘድሊ ብምምልካት ኣብቲ ክልል “ዝጸንሑን ቃልሲ ዝተገብረሎምን ሕቶታት ኣለው’ዮም” ኢሉ።
እቶም መልሲ የድልዮም ዝበሎም ድማ “ሕቶ መንነትን ወሰንን፡ ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ፡ ዝንቡዕ ተረኻትን መሰል ተወለድቲ እቲ ብሄር ኣብ ካልኦት ክልላት እታ ሃገር ክሕሎ ምግባርን” እዮም ክብል ጠቒሱ።
እዞም ሕቶታት ብጻዕሪ መንግስትን ህዝብን እቲ ክልል ጥራይ ዝምለሱ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ ተሳትፎ መላእ ህዝቢ ዝሓቱ’ዮም ክብል ዶክተር ይልቃል ተዛሪቡ።
ክልል ኣምሓራ ብፍላይ ምስ ትግራይ ኣብ ዘዋስኑ ከባቢታት ንዓመታት ዝዘለቐ ሕቶ መንነትን ትሕዝቶ መሬትን ከም ዘለውዎ ይፍለጥ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብቲ ክልል ወጻእ ዝነብሩ ዝነበሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዝፍጸሙ ዝነበሩ መጥቃዕታት ተደፊኦም ናብቲ ክልል ከም ዝተመዛበሉ ይግለጽ።
ብልጽግና ኣምሓራ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ኣባላት ከም ዘለውዎ ይግመት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







