መንግስትን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ዘይተሰማምዕሉ ቀንዲ ነጥቢ እንታይ'ዩ?

ኤምራልድ ሪዞርት

ምንጪ ስእሊ, Emerald Resort and Spa

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን ግንባር ናጽነት ኦሮሞን ዘተ ክካየደሉ ዝቐነየ ኤምራልድ ሪዞርት

ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ኣብ ዛንዚባር ዝተኻየደ ዘተ፡ ክልቲኦም ውድባት ካብ ዘይተሰማምዕሎም ቀንዲ ጉዳያት ሓደ ሓባራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ምምስራት ምዃኑ ተሳተፍቲ ገሊጾም።

ነቲ ንዓመታት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ሰላማዊ መፍትሒ ንምርካብ ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣትሒዙ ንትሽዓተ መዓልታት ዝርርብ ክካየድ ከም ዝቐነየ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ሰሜን ምብራቕ ዛንዚባር ኣብ እትርከብ ኤምራልድ ሪዞርት ክካየድ ዝቐነየ ዘተ፡ ሎሚ ረቡዕ 03 ግንቦት 2023 ከምዝተዛዘመ መንግስቲ ፈደራልን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን በብወገኖም ኣብ ዝወጽእዎ መግለጺ ኣፍሊጦም እዮም።

ስሞም ከይግለጽ ዝሓተቱ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ እቶም ተደራደርቲ ሓባራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ምምስራት ኣብ ዝብል ክሰማምዑ ከም ዘይከኣሉ ሓቢሮም።

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፡ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞን ካልኦት ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ውድባትን ዘጠቓለለ ሓባራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ከም ዝሓተተ እቶም ተሳተፍቲ ገሊጾም።

እዞም ምንጭታት ኣብ ዛንዚባር ንዝርከቡ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ፡ ምቛም ሓባራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ብተደራደርቲ መንግስቲ ፌደራል ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ከም ኣገላልጻ ተሳተፍቲ፡ እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ብቐንዱ ዝቐውም ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባት ምትእምማን ንምዕቃብን እታ ሃገር ነጻን ፍትሓውን መረጻ ከተካይድ ንኽትእልን ናይ ስግግር ሓላፍነት ንምፍጻም እዩ።

ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ቀንዲ ኣብ ዝዀኑ ፖለቲካዊ ጉዳያት ምስምማዕ ኣይተኻእለን ዝብል መግለጺ ክህብ እንከሎ፡ መንግስቲ ፈደራል ብወገኑ፡ ኣብዚ ቀዳማይ መድረኽ ዘተ፡ ኣብ ሓደሓደ ጉዳያት ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ኣይተኻእለ ገሊጹ ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብዚ ጉዳይ፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፣ ነቲ ዝጸንሐ ግጭት ፖለቲካዊ መዕለቢ ንኽርከቦ ዘለዎ ቈራጽነት ገሊጹ'ሎ።

መንግስቲ ፈደራል ብወገኑ፡ ብመሰረት ሕገመንግስቲን ኣብ ግብሪ ክስርሓሎም ዝጸንሐ መምርሒታትን እቲ ግጭት ብስላም ንኽፍታሕ ዘለዎ ጽኑዕ መርገጺ ኣረጋጊጹ'ሎ።

ኣብ መንጐ መንግስትን እቲ ጕጅለን ዝካየድ ቀጻሊ ዝርርብ ኣበይን መዓስን ከም ዝካየድ ዛጊት ኣይተፈልጠን።

እዚ ካብ ክልቲኡ ወገናት ሸሽዱሽተ ልኡኻትን መንጐኛታትን ዝሓቘፈ ዘተ ብሰሉስ 25 ሚያዝያ 2023፡ ኣብታ ርእሰ ምምሕዳር ታንዛንያ ዝዀነት ዛንዚባር ጀሚሩ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ክውዳእን ተሓሲቡ'ኳ እንተነበረ ንተወሳኺ መዓልታት ድሕሪ ምንውሑ ሎሚ ተዛዚሙ'ሎ።

ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምውካል፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ሚኒስተር ፍትሒ ጊዴዎን ጤሞቴዎስን ከም ተላዘብቲ ተረኺቦም ምንባሮም ቢቢሲ ካብ ምንጭታቱ ኣረጋጊጹ።

እቶም ክልተ ልኡኻት ኣባላት ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ንምፍታሕ ንፈደራል መንግስቲ ወኪሎም ምስቲ ምስ ህወሓት ዝተዘራረበ ጉጅለ ልኡኽ ምንባሮም ዝዝከር እዩ።

ብወገን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ኣብ ጆርጅያ ስቴት ዩኒቨርስቲ መምህርን ምሁር ታሪኽን ፕሮፌሰር መሓመድ ሓሰን፡ ሓደ ካብ መስረትቲ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ - ኦነግ፡ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ መሪሕነት ዝነበረን ጣሃ ኣብዲ፡ ከምኡ'ውን ዋና ኣማኻሪ ናይቲ ኣዛዚ ሰራዊት ዝዀነ ጂሬኛ ጉደታ ይርከብዎም።

ሻድሻይ ወርሑ ንዘቝጸረ ስምምዕ ፕሪቶርያ - መንግስትን ህወሓትን ምኽንያት ብምግባር ትማሊ ዝወጽአ መግለጺ ክፍሊ ወጻኢ ኣሜሪካ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተገብረ ዕዉት መስርሕ ሰላም፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሰላም ንምምጻእ በሪ ምኽፋቱ ብምጥቃስ፡ ነቲ ኣብ መንጐ መንግስትን ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞን ተጀሚሩ ንዘሎ ልዝብ ኣድናቘቱ ምግላጹ ይፍለጥ።

ክልቲኦም ወገናት፡ ብዅሉ ተቐባልነት ክህልዎ ኣብ ዝኽእል ስምምዕ ንኽበጽሑ፡ "ብቕኑዕ ልቦና" ክላዘቡ ኣሜሪካ ከምእተተባብዕ'ውን እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ እዩ።