'ንምሉእ ትግባረ ውዕል ፕሪቶርያ ዕቱብ ምክትታል የድሊ' - ኣሜሪካ

ኣንቶኒ ብሊንከን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, አንቶኒ ብሊንከን

ኣሜሪካ፡ ነቲ ኣብ ፕሪቶሪያ ደቡብ ኣፍሪቃ ብ 2 ሕዳር 2022 ዝተበጽሐ ስምምዕ መንግስቲ ፈደራልን መራሕቲ ህወሓትን ሻድሻይ ወርሑ ንምዝካር፡ ብመገዲ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ መግለጺ ኣውጺኣ።

እቲ መግለጺ፡ ኣድማዒ ዝዀነ መሰርሕ ምፍታሕ ዕጥቂን ምስኡ ዝዛመዱ ስርሓትን ንኽፍጸሙ ዕቱብ ምክትታል ንኽግበር ተወሰኽቲ ተቘጻጸርቲ ክዋፈሩ ከም ዝግባእን፣ ነቲ ስምምዕ ጠቒሱ ብምልኣት ክትግበሩ ይግባእ ዝበሎም ነጥብታት ኣመልኪቱ።

በዚ መስረት፡ ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ምርግጋጽን ውጽኢታዊ ዝዀነ መስርሕ ምፍታሕ ዕጥቂ ምክያድን፡ ከምኡ'ውን ዕጡቓት ምጥያስን ናብ ሕብረተሰቦም ዝምለሱሉ መስርሕ ዝከታተል ተቘጻጻሪ ኣካል ክዋፈርን፡ ስምምዕ ዝተበጽሓሎም ነጥብታት መዕለቢ ክግበረሎምን ኣሜሪካ ሓቲታ።

ምስዚ ኣተሓሒዙ እቲ መግለጺ፡ ወተሃደራት ኤርትራን ካብ ሰራዊት መንግስቲ ፈደራል ወጻኢ ዝዀኑ ሓይልታትን ካብ ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝወጽኡ ምግባር፡ ከምኡ'ውን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፈጸሙን ኣብ ከምኡ ዝበለ ተግባራት ዝተሳተፉን ወገናት ተሓተትቲ ምግባር ዘጠቓልል፡ ቅቡል መሰጋገሪ ፍትሒ ምርግጋጽ፡ ንሰላም ሰሜን ኢትዮጵያ ወሳኒ ምዕራፍ ምዃኑ፡ እቲ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣዘካኺሩ።

እቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ዘይኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ወጻኢን ካብ ትግራይ ክወጽኡን፣ ሓይልታት ትግራይ ድማ ዕጥቂ ክፈትሑን ዘገድድ ምዃኑ ይፍለጥ።

ንሽድሻይ ወርሒ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝዘከረ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ሓያለ እወታዊ ምዕባለታት ከምዝተራእዩ ኸኣ ኣፍልጦ ሂቡ።

ብሰንኪ'ቲ ኲናት፡ ኣብ ትግራይ ተቛሪጹ ዝነበረ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ከም ዝጅምር ምግባር፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይገደብ ክቐርብ ምኽኣሉ፡ ሓይልታት ህወሓት ከበድቲ ኣጽዋር ምፍታሖም፡ ምፍታሕ እሱራት፡ ኵሉ ዝሓቘፈ መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ ምጅማሩ፡ ከምኡ'ውን ምቛም ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝኣመሰሉ ስርሓት ተጠቒሶም ኣለዉ።

እዚ እናዀነ ግን፡ ትካል መግቢ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ከቕርቦ ዝጸንሐ ሓገዝ፡ ብሰንኪ ዝተራእየ ስርቅን ምጥፍፋእን ንግዚኡ ከም ዘቋረጸ ይፍለጥ።

መግለጺ ክፍሊ ወጻኢ ኣሜሪካ ወሲኹ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተገብረ ዕዉት መስርሕ ሰላም፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሰላም ንምምጻእ በሪ ምኽፋቱ ብምጥቃስ፡ ነቲ ኣብ መንጐ መንግስትን ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞን ተጀሚሩ ዘሎ ልዝብ ኣድናቘቱ ገሊጹ።

ክልቲኦም ወገናት፡ ብዅሉ ተቐባልነት ክህልዎ ኣብ ዝኽእል ስምምዕ ንኽበጽሑ፡ "ብቕኑዕ ልቦና" ክላዘቡ ኣሜሪካ ከምእተተባብዕ እቲ መግለጺ የመልክት።

እቲ ኣብ ትግራይ ተባሪዑ፡ ናብ ጐረባብቲ ክልላታት ዝለሓመ ደማዊ ውግእ ደው ንምባል፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ብ 2 ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶሪያ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝተኸተመ ይዝከር።

እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝተበጽሐ ስምምዕ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተኻየደን ኣሜሪካ ብተዓዛብነት ዝተሳተፈቶ'ኳ እንተዀነ፡ ኣሜሪካ ወሳኒ ተራ ከም ዝተጻወተት እዩ ዝእመን።

እቲ ውግእ ካብ ዝተወልዓሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ እቲ ኵነታት ሰላማዊ ፍታሕ ንኽረክብ ኣሜሪካ ፍሉይ ልኡኽ መዚዛ ብቐረባ ክትሰርሕ ከምዝጸንሐት ይፍለጥ።