ብሄራውያን ውድባት ትግራይ፡ ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ዘተ ሰላም እንታይ ኢሎም?

ሓይልታት ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, YASUYOSHI CHIBA

ውድብ ናጽነት ትግራይ [ውናት] እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ሞንጐ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት “ብመትከል” ከም ዝቕበሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ሰልፊ ትማሊ ሓደ ሕዳር 2015 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ብፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ህዝቢ ትግራይ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝኸፍሎ ዘሎ ዋጋ ኣብ ግምት ብምእታው "ነቲ ዝበሃል ዘሎ ሰላም" ዝለዓለ ትርጉም ከም ዝህቦ ጠቒሱ።

ይኹን’ምበር፡ “ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ከምኡ'ውን እቲ ብተስፋ ዝግለፅ ዘሎ ነባሪ ሰላም የረጋግፅ እዩ ዝብል እምነት ኣይብልናን” ይብል እቲ ሰልፊ።

እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ ህይወትን ንብረትን ሲቪላውያን ዝለዓለ ህልቂት ከም ዘብጽሐ ዘዘኻኸረ ዓሲንባ ዴሞክራሲያዊ ፓርዲ [ዓዴፓ] ብወገኑ፡ እቲ ደማዊ ኲናት ብዕርቀ ሰላም ጥራይ እዩ ዝፍታሕ ብምባል፡ ነቲ ስምምዕ ከም ዝቕበሎ ኣፍሊጡ።

“ኣብቲ ዘተ ሰላም ዝግበር ስምምዕ ረብሓ ህዝቢ ከይተሸራረፈ ክፍጸምን ካልኣይ ናብ ኲናት ብዘየምልስ ኣገባብ ንኽሳለጥን ጥንቃቐ ክግበር” ኣለዎ ክብል ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ኲናት፡ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ብዘተ ሰላም መዕልቦ ንክረክብ ዝተፈላለየ ጻዕርታት ክገብር ከም ዝጸንሐ ዝገልጽ ሰልፊ ዓዴፓ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን እቲ ኲናት “ብዘተ ሰላም መፍትሒ ረኺቡ ንኽውዳእ ዝኸድዎ ክያዶ” ከም ዝንእድ ሓቢሩ።

“እቲ ዘተ ሰላም ብቑልጡፍ ናብ ባይታ ወሪዱ ተግባራዊ ኰይኑ ስቓይ ህዝቢ ትግራይን ካልኦት ኣሕዋት ህዝብታትን ንከብቅዕን ዘላቒ ሰላም ንከምጽእን ንተግባራውነት እቲ ዘተ ሰላም ኩሉ ደላዪ ሰላምን ፍትሕን እጃሙ ከበርክትን ኣበርቲዑ ክሰርሕን” ድማ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ብክልተ ሕዳር 2022 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ]፡ ወከልቲ ዝርርብ ሰላም ማእከላይ መንግስትን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶሪያ ድሕሪ ዘካየዱዎ ልዝብ፡ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበር፣ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ክፈትሑን ኣብቲ ክልል መረጻ ክሳብ ዝካየድ ናይ ስግግር መንግስቲ ክምስረትን ዝብሉ ጠለባት ዝርከቡዎ ስምምዕ ሰላም ከቲሞም’ዮም።

እቲ ስምምዕ ካብ ዝፍረም ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ድማ፡ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኦም ወገናት መስርሕ ትግባረኡ ኣብ ዝምልከት ልዝብ ክጅምሩ ንዝተበጽሐ ምርድዳእ መሰረት ብምግባር፡ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን ኣብ ናይሮቢ ክዘራረቡ ቀንዮም ኣለው።

እዚ፡ “ረብሓናን ሕቶናን ዘየረጋግጽን ዘይምልስን ስምምዕ” ግን ከም ኣማራጺ ዘይብሉ ሕሱም ኣማራጺ “ብመትከል” ክቕበሎ’የ ዝብል ሰልፊ ናጽነት ትግራይ፡ “ረብሓናን ብሄራዊ ዕላማ ቃልስናን ካብ ሓደጋ ዘናግፍ ምምሕያሽ ክግበረሉ" ኣለዎ ኢሉ።

መራሒ ልኡኽ ጉጅለ ልኡኽ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው፡ ብሰሉስ ኣብ ዝዘርርሖ ሓበሬታ፡ “ፍጡር ክጻወሮ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ዝተሳቐየ ህዝብና ንምድሓን ዝሕተት ዘበለ ክንገብር ኢና” ኢሉ።

“ህዝብና ካብ ኩሉ ንላዕሊ ሰላም’ዩ ዝደሊ። ንህዝብና ዝኣተናዮ መብጽዓ ከነተግብር ዲና ዝብል ግዜ ክምልሶ’ዩ” ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብቲ ስምምዕ ዝገበርዎ ሕድገታት “ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ” ምዃኑ ሓቢሩ እዩ።

ቅልውላው ትግራይ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ካብ ፖለቲካ ማእከል ሃገር ተደፊኡ ኣብ ትግራይ ዝዓስከረ ገዛኢ ሰልፊ ህወሓት፡ ኣብ’ቲ ክልል ብህዝባዊ መረጻ ስልጣን ከም ዝተቖጻጸረ ይዝከር።

እንተዀነ፡ ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ብዝተወለዐ ኲናት፡ ብልፍንቲ ሰራዊታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ኣምሓራን፡ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ካብ ክልላዊ ስልጣኑ ተኣልዩ።

በዚ መራሕቲ እቲ ሰልፊ ናብ በረኻ ትግራይ ተደፊኦም። እቲ ክልላዊ ምምሕዳር ድማ ጠቕሊሉ ፈሪሱ።

ኣብ መንጎኡ፡ ውድብ ብልጽግና፡ ምስ ገለ ካብቶም ኣብቲ ክልላዊ መረጻ ትግራይ ዘይተሳተፉ፡ ክልላዊ ውድባት ተሻሪኹ፡ ግዝያዊ ክልላዊ ምንግስቲ ኣቚሙ ነይሩ።

ይኹን እምበር ህዝቢ ትግራይ ነቲ ሓድሽ ምሕደራ ሓንጓፋይ ኢሉ ከም ዘይተቐበሎ እዩ ዝዝረብ።

ከም ብሓድሽ ዝተወደቡ ሓይልታት ትግራይ፡ ብ21 ሰነ 2013 ዓ.ም ፡ ንርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ምስ ተቖጻጸሩ፡ እቲ ነባር ክልላዊ ምሕደራ ናብ ቦትኡ ምምላሱ ይፍለጥ።

እቶም ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ፡ ምስ ህወሓት ሓቢሮም ዝሰርሕሉ፡ ‘ሓባራዊ መድረኽ ውድባት’ ቆይሙ ከም ዝነበረን፡ ገለ ጉዳያት ብሓባር ክዝትዩ ጀሚሮም ከም ዝነበሩ ይዝክር።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ እቲ ንክልተ ዓመት ዝቐፀለ ደማዊ ኵናት ብሰላም መዕለቢ ንኽረክብ፡ ዘተ ከም ዘካይዱ ካብ ዝንገር ኣትሒዙ ዝተፈላለየ ሃገራዊ ውድባት ትግራይ ኣብቲ ዘተ ክሳተፉ ከም ዘለዎም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

ይኹን እምበር ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ዝጸንሐን ኣብ ኬንያ ዝካየድ ዘሎ ዘተን ንትግራይ ወኪሎም ዝቐረቡ መራሕቲ ትግራይ ጥራይ ምዃኖም ይፍለጥ።