ኲናት ትግራይ፡ 'ወግዓዊ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት' ክግበር ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ

ምንጪ ስእሊ, DIRCO SA/Facebook
መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ተሰማሚዖም።
'ክልቲኦም ወገናት ወግዓዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከካይዱ ተሰማሚዖም ኣለዉ' ክብል ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሶጉን ኦባሳንጆ ኣብ ፕሪቶርያ ኣብ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
"ኣብ ባይታ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ዕጡቓት ህወሓት ብረቶም ኣውሪዶም ናብ ማሕበረሰብ ተመሊሶም ንክጣየሱ ተሰማሚዕና" ክብሉ ክልቲኦም ኣብ ዘውጽእዎ ሓበራዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።
"ተጻባኢ ፕሮፓጋንዳ ንምቁራጽ" ተሰማሚዖም ከምዘለዉ'ውን ገሊጾም ኣለዉ።
ነቲ ሓሙስ 3 ሕዳር ካልኣይ ዓመቱ ዝመልእ ኲናት ትግራይ ንምፍታሕ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ቀጥታዊ ዘተ ሰላም ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ክካየድ ምጽንሑ ይፍለጥ።
እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ክካየድ ዝጸንሐ ልዝብ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦባሳንጆ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡህሩ ኬንያታን ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ዶክተር ፑምዚለ ምላምቦ-ንጹካን ክምራሕ ዝጸንሐ'ዩ።
እቲ ጉጅለ ተግበራውነት እቲ ሎሚ ዝፍረም ዘሎ ስምምዕ ንምርግጋጽ ክካታተል ምዃኑ ኣብቲ እቶም ኣዛተይቲን ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተረኽብሉ ጋዜጣዊ መግለጺ ተገሊጹ።
መራሒ ጉጅለ ልኡኽ ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ሕድገታት" ከምዝገበሩ ተዛሪቡ።
እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ክትርጎም ዝተማሕጸነ ጌታቸው፡ እቲ ኩናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘውረዶ ጉድኣት ዓቢ ምዃኑ ኣብሪሁ።
መራሒ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ብወገኑ፡ እቲ ስምምዕ ከምዘሐጎሶ ብምግላጽ ንሕብረት ኣፍሪቃን እቶም ኣሻማገልቲን ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብቲ ናይ ፌርማ ጽንብል ኣብ ዘስምዓቶ ቃል፡ "ኣብዚ ክፍሊ'ዚ እታ ዝለዓለ እፎይታ ዝረኸበት ሰብ ኮይነ ኣለኹ" ክትብል በቲ ስምምዕ ዝተሰምዓ ሓጎስ ገሊጻ።
ስምምዕ ምቀራጽ ተጻብኦታት ብምግባሮም "ንመራሕቲ ክልቲኦም ወገናት እንቋዕ ኣሓጎሰኩም" ድሕሪ ምባል፡ ፕረዚደንት ሲሪል ራማፖዛ ሃገሩ ነቲ ዘተ ሰላም ከተአንግድ ብምፍቃዱ ንኢዳ።
እቲ ጽባሕ ሓሙስ ካልኣይ ዓመቱ ዝመልእ ዘሎ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓልን ጥምየት ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ይፍለጥ።
ብሰንኪ'ቲ ኲናት፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ምቕታሎም ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







