ሓደ ዕላማ ዘተ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ንክወፅእ ምዃኑ ኣሜሪካ ገሊፃ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሜሪካ ሓደ ካብቶም ዕላማታት እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ልዝብ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንክወፅእ ምዃኑ ገሊጻ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስ ትማሊ ሰኑይ 01 ሕዳር 2022 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ተጻባእቲ ወገናት ዘካይድዎ ዘለዉ ዘተ ሰላም ኣርባዕተ ጉዳያት ንምዕዋት ዝዓለመ ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ዕላማታት እቲ ዘተ፡ እቲ ኵናት ብቕልጡፍ ከብቅዕ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ነቶም ዘድልዮም ክበጽሕ ምግባር፣ ድሕንነት ሰላማውያን ሰባት ንምርግጋፅ ተወሳኺ ስጉምትታት ምውሳድን፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኽወፅእን ምዃኑ እቲ መግለፂ ይጠቅስ።
ኔድ ፕራይስ ኣብ መግለጺኡ፡ ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ‘ተሳታፍን ተዓዛብን’ ኰይኑ ከምዝቕጽል’ውን ሓቢሩ።
ንሱ ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ዘተ ክልቲኦም ሓይልታት ፍልልያቶም ኣጽቢቦም፡ ኣብተን ኣርባዕተ ሸቶታት እወንታዊ ለውጢ ንምምጻእ ዕድል ክህቦም ኣሜሪካ ተስፋ ከምዘለዋ ገሊጹ።
ውድብ ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ)፣ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኣሜሪካን ከም ተዓዘብቲ ይሳተፉ ምህላዎም ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።
ዛጊድ ግና ኣጀንዳ ናይቲ ዕፁው ኣኼባታት ኣብ ምንታይ ደረጃ ከም ዝበፅሐ ዝፍለጥ ነገር የለን።
እንተኾነ፡ ኣብ መዛዘሚ እቲ ብብዙሕ ዘይተመለሱ ሕቶታት ዝተኸበበ ልዝብ፡ ሓበራዊ መግለፂ ክወሃብ ትፅቢት ይግበር።
እቲ ዘተ ሰላም ትማሊ ሰንበት 30 ጥቅምቲ ክዛዘም ትፅቢት ተገይሩ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ዝተመደበሉ ግዘ ስለዘይተዛዘመ ግና ክሳብ ረቡዕ ከምዝቕጽል ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ኔድ ፕራይስ፡ እቲ ዝርርብ ኣብ ዝተመደበሉ ግዘ ክዛዘም ዘይምኽኣሉ፡ መንግስቲ ፌደራልን ትግራይን፡"ረቂቅ" መርገጺ ሒዞም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዘምርሑ ዘመልክት እዩ ኢሉ።
እንተኾነ፡ መንግስቲ ፌደራልን ትግራይን ነቲ ዘተ ምቕጻሎም "ንምዝታይ ዘለዎም ድልውነቶም ዘርእይ’ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
"ኮፍ ኢሎም ተዛትዮም ፍልልያቶም ዘጽብብሉ ኽኸውን ተስፋ ንገብር" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኲናት ዳግማይ ምልዓሉ ስዒቡ፡ ኣሜሪካ ተኹሲ ደው ክብልን ናብ ልዝብ ሰላም ከምርሑን ክትጽውዕ ጸኒሓ እያ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ንክልተ ዓመታት ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ንምቁራጽ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ዕዉት ክኸውን ትጽቢት ይግበር።
ብሰንኪ’ቲ ንክልተ ዓመት ዝቐፀለ ደማዊ ኲናት፡ ትግራይ፡ ሰላም ርሒቝዋ፣ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝፀሩ ነበርታ ረጊፎም፣ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ተመዛቢሎም፣ ንሕልና ዝኸብዱን ንሰማዒ ዘሰንብዱን ግፍዕታት ተፈፂሞምዋ እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







