ብሄራውያን ውድባት ትግራይ፡ ስለምንታይ’ዮም መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ዝሓቱ?

ሰለስተ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ-ኣብ ኣፈታትሓ ኲናትን ምሕደራን ክልል ትግራይ ኣመልኪቶም ንኹሉ ዝሓቁፍ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት ዝሓትት ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኦም።
‘ህዝብና ንናይ ህወሓት መለኮታዊ ስልጣን ኣይተቓለሰን’ ዝብሉ፡ እዞም ሰለስተ ብሄራውያን ውድባት፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፣ ውድብ ናጽነት ትግራይን ባይቶና ዓባይ ትግራይን እንትዀኑ፡ ህወሓት፡ ብሕጊ ዀነ ብሞራል ንትግራይ ወኪሉ ክዛተ ዀነ ነቲ ክልል ንበይኑ ከመሓድር ግቡእ ከምዘይኰነ ይኸሱ።
ቢቢሲ ትግርኛ፡ ብዛዕባ’ዚ ‘ኣካታዒ ዛዕባ’ ንሓደ ሓደ መራሕቲ እተን ውድባት ኣዘራሪቡዎም ኣሎ።
“ህወሓት፡ ብሓይሊ ካብ ስልጣን ተኣልዩ እዩ”
ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ አሕመድ፡ ካብ ፖለቲካ ማእከል ሃገር ተደፊኡ ኣብ ትግራይ ዝዓስከረ ህወሓት፡ ኣብ’ቲ ክልል ብህዝባዊ መረጻ ስልጣን ተቖጻጺሩ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ብዝተወለዐ ኲናት፡ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ እዋን፡ ብመሻርኽቲ ሰራዊታት ኢትዮዮጵያ፣ ኤርትራን ኣምሓራን፡ ካብ ክልላዊ ስልጣኑ ተኣልዩ፡ መራሕቱ ናብ በረኻ ትግራይ ተደፊኦም። እቲ ክልላዊ ስርዓት ድማ ጠቕሊሉ ፈሪሱ።
ኣብ መንጎኡ፡ ውድብ ብልጽግና፡ ምስ ገለ ካብቶም ኣብቲ ክልላዊ መረጻ ትግራይ ዘይተሳተፉ፡ ክልላዊ ውድባት ተሻሪኹ፡ ግዝያዊ ክልላዊ ምንግስቲ ኣቚሙ ነይሩ። ይኹን እምበር ህዝቢ ትግራይ ነቲ ሓድሽ ምሕደራ ሓንጓፋይ ኢሉ ከምዘይተቐበሎ እዩ ዝዝረብ።
ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ጃምላዊ ቅትለት ሲቪል፣ ዝምታን ዘረፋን፡ ጾታዊ ዓመጽን ሰፊሕ ዕንወት መሰረተ-ልምዓትን ከምዘጋጠመ ይሕብር። ንህወሓት ሓዊሱ ንኩሎም ተጻባእቲ ሓይልታት ከኣ ተሓተትቲ ምዃኖም ይገልጽ።
መንእሰያት ትግራይ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠሞም ግፍዒ ናብ በረኻታት ትግራይ ከይዶም ናብቲ ቃልሲ ተጸንቢሮም፡ መኪቶም።
ሓላፊ ክፍሊ ጉዳያት ወፃኢ፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ሃይሉ ከበደ፡ “ህዝቢ ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ደቁን ሰበይቱን፡ ኣዲኡን ሓፍቱን፡ ግፍዒ ስለዝተፈጸሞ ንልኣላውነቱን ንድሕነቱን ክብል እምበር ንህወሓት ክብል ኣይተቓለሰን” ይብል ነቲ ኩነታት ከረድእ እንከሎ።
ምኽንያቱ ይብል፡ “ብሕጊ ይኹን ብሞራል ህወሓት፡ ብጉልበት ካብ ስልጣን ተኣልዩ እዩ። ኣብ መንጐኡ ካልእ ምምሕዳር’ውን ተተኺሉ ነይሩ። ቃልስና ዝነበረ ምልሰት መንግስትነት ትግራይ እዩ”።
ቅድሚ ኣብ ቀይዲ ምእታዉ ዘዛረብናዮ፡ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶና ዓባይ ትግራይ፡ ክብሮም በርሀ’ውን በዚ ሓሳብ ይስማማዕ። ክብሮም፡ "ህወሓት ፕሮፖጋንዳ እንተዘይኮይኑ ግቡእ ወተሃደራዊ ቅድመ-ምድላው ከይገበረ ንህዝቢ ንሓደጋ ስለዘቃልዐ፡ ኣብ መንጎ ህወሓትን ህዝብን ዝነበረ ውዕል ፈሪሱ እዩ" ይብል።
ኣባል ማእከላይ እዚ፡ ሰራዊት ትግራይ፡ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ እውን ብ29 ግንቦት 2021 ካብ በረኻ ምስ ድምጺ ወያነ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ቅድሚ እቲ ኲናት፡ እኹል ቅድመ ምድላዋት ከምዘይነበረ ተዛሪቡ ነይሩ።
እቶም ብሄራውያን ውድባት እውን ንህወሓት እዮም ተሓታቲ ዝገብሩ።
ምልሰት መንግስትነት ትግራይ ደኣ - ‘ታይ እዩ?
ከም ብሓድሽ ዝተወደቡ ሓይልታት ትግራይ፡ ብ21 ሰነ 2013 ዓ.ም ፡ ንርእሰ ከተማ ትግራይ፡ መቐለ ምስ ተቖጻጸሩ፡ ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገበረሚካኤል፡ እቲ ነባር ክልላዊ ምሕደራ ናብ ቦትኡ ምምላሱ ኣፍሊጡ።
‘ሕጋዊ ምልሰት መንግስትነት ትግራይ’ ክሓቱ ዝጸንሑ ውድባት ተቓውሞ ትግራይ ግን ኣብቲ ሓድሽ መንግስቲ ዝኾነ ቦታን ኣፍልጦን ኣይተዋህቡን።
ኣቦ መንበራት እቶም ሰለስተ ተቓወምቲ ውድባት ዝርከብዎም ብዙሓት ኣባላቶም፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ቃልሲ ተሳቲፎም ከብቅዑ፡ ህወሓት ካብ በረኻ ምስተመልሰ ግን ነቲ ስልጣን ንበይኑ እዩ ብሒቱዎ ክብሉ ከኣ ይኸሱ።
ካብ ሽዑ ጀሚሮም፡ ገሊኦም መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም እንትጽውዑ፡ ካልኦቶም ድማ ጥሙር ባይቶ ክቐውም ሓቲቶም ነይሮም። ካብ ህወሓት ግና ኣወንታዊ ምላሽ ከምዘይረኸቡ ይዛረቡ።
ሃይሉ ከበደ፡ ምልሰት መንግስትነት ትግራይ ማለት፡ በቶም ህዝባዊ ትካላት ኣቢልካ ሓድሽ ኣሳታፊ ዝዀነ ህዝባዊ መንግስቲ ምምስራት ማለት ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
“ህዝባዊ ቃልሲ ኢና ኣካይድና፡ ስለዝዀነ ‘ህዝባዊ መንግስቲ ክምስረት ኣለዎ’ ዝብል እምነት’ዩ ነይሩና” ከኣ ይብል።
ሃይሉ ወሲኹ፡ “ምልሰት መንግስትነት ትግራይ ኢልና ኢና ንቃለስ ነይርና 'ምበር፡ ናይ ህወሓት መንግስቲ ክምለስ፤ በይኑ እንደገና ነቲ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ክደግም ኣይኰነን” ኢሉ።
ላዕለዋይ ኣመራርሕ ውድብ ናጽነት ትግራይ [ውናት]፡ ዶ/ር ደጀን መዝገበ፡ “ሓባራዊ መንግስቲ ክንምስርት ኢና’ሞ ሓቢርና ክንስርሕ ኢና ዝብል ተስፋ ነይሩና” ክብል ኣብ ናይ ቀረባ እዋን መግለጺኡ ሓቢሩ።
ውናት ኣብቲ ኣዘራራቢ መረጻ መንግስቲ ክልል ትግራይ እውን፡ ትግራይ ነጻ ሃገር ክትከውን ኣለዋ ዝብል ርእይቶ ዝነበሮ ብሕታዊ ውድብ እዩ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን፡ ኩሎም እቶም ውድባት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽእዎ ሓበራዊ መግለጺ፡ ንህወሓት ሓዊሱ፡ ህዝባዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ብምሕታት፡ ህወሓት ‘ዘይሕጋዊ’ዩ’ ክብሉ ከሲሶምዎ ኣለዉ።
ኣብ ኣመሪካ ተወካሊ መንግስቲ ትግራይ፡ ኣይተ ዮሃንስ ኣብርሃ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ግን፡ “ቅድም ክብሉ፡ ሕጋዊ ክልላዊ መንግስቲ ናብ ቦትኡ ክምለስ ጻውዒት ክገብሩ ጸኒሖም ሕዚ ተመሊሶም፡ ሕቶ መሰጋገሪ መንግሰቲ ምልዓሎም ከም መስርሕ ልክዕ ኣይመስለንን” ኢሉ።
ብምቕጻል፡ እቲ ዘረባ፡ ካብቲ ‘ጸላእቲ ሓይልታት’ ዝበሎም፡ “ንመንግስቲ ትግራይ ሕጋዊ ኣይኰነን’ ዝብሉዎ ኣበሃህላ ፈልየ ክሪኦ እጽገም እየ” ኢሉ።
ኣፈኛ ህወሓት ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ማሕበራዊ ገጹ፡ ነቶም ተቓወምቲ ‘ሕንቁቓት’ ክብል ስለዝጸወዖም ካብ ብዙሓት ሰባት ሓያል ነቐፌታ በጺሕዎ’ዩ።
ካልኦት ኣብ ደገ ዝርከቡ ‘ሕሉፋት’ ደገፍቲ እቲ ውድብ ድማ፡ ነቶም ተቓወምቲ፡ ‘ንስልጣን ዘቋምቱ ተለኣኣኽቲ ኣብዪ’ ብምባል፡ ስጉምቲ ክውሰዶም ዝጸውዑ ነይሮም።
ክብሮም በርሀ፡ “ደለይቲ ስልጣን’ዮም ዝብሉና። ስልጣን እንተደለና’ውን ሓጢኣት ኣይኰነን። ፖለቲከኛታት ኢና፤ ዘሕፍር የብሉን። ክሓፍሩ ዘለዎም እቶም ብጥቕምን ምጉጅጃልን ንስልጣን ዝበሓትዎ ሰባት እዮም” ኢሉ።
ዛዕባ ልዝብን ሕቶ ውክልናን
እቲ ኲናት ብሰላም ንከብቅዕ፡ ፍሉይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኦሉሴጉን ኦባሳንጆ፡ ናብ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ብተደጋጋሚ ተመላሊሱ እዩ። ሕዚ ብኣመሪካ፣ ኬንያን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝምእዘን ጻዕርታት ልዝብ ይፍተን ከምዘሎ ይዝረብ’ዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ኮሚቴ ከመዘቖመ ኣፍሊጡ ኣሎ። መራሕቲ ህወሓት’ውን፡ ብመንግስቲ ኬንያ ንዝምራሕ ዝርርብ ቅሩባት ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ። ዛጊድ ግን ተደራደርቶም ኣየነጸሩን።
እቲ፡ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ቅልውላው ዘስዐበ ኲናት፡ ብሰላማዊ መገዲ ደዀን መዕልቦ ይርከቦ ይኸውን ዝብል- ተስፋ ዘሎ ዀይኑ፡ ካልኦት ድማ፡ ግዜ መዐደጊ ጥራይ እዩ ዝብል ጥርጣረ ኣለዎም።
ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ተወካሊ መንግስቲ ትግራይ፡ ዮውሃንስ ኣብርሃ፡ “ብኣና ሸነኽ ብዘተ መፍትሒ ክመጽእ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣለና” ብምባል፡ ካብ’ቲ ካልእ ሸነኽ ግን ጥርጣረ ከምዘለዎ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ሃይሉ ከበደ ግና፡ “ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኦሮማይ ፈሪሱ እዩ። ንቐጻሊ ኣንፈት፡ መልዓሊ ነጥቢ ክኸውን ኣይኽእልን። ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ከኽብር ኣይኽእልን፤ ብኡ ተደራዲርና እነዐውቶ ረብሓ’ውን የለን” ይብል።
“ብሱሩ’ውን ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዝኹሉ ውርደት ኣብቂዕኻ፡ ብባህልና’ውን፡ ንእሽቶ ጣዕሳን ሰኸፈትን መድለየ ነይሩ። እዚኦም ግን ብእንትርናን ብትዕቢትን፤ ንሕና ኢና ገበርቲ ሓደግቲ እዮም ዝብሉ ዘለዉ” ብምባል፡ ትግራይ ንምምራሕ ሕጋዊ መሰረት፡ የብሉን" ይብል ሃይሉ።
ካብዚ ብምብጋስ እዩ፡ እቶም ተቓወምቲ ውድባት፡ ህወሓት ናይ ምድራድር ውክልና'ውን የብሉን ዝብልዎ ዘለዉ።

ምንጪ ስእሊ, TPM
ዶ/ር ደጀን [ካብ ውናት] ምኽንያቱ እንተረድእ፡ “በየናይ ሕጊ ሰራዊት ክሃንጽ፡ ዲፕሎማሲ ከካይድ ይኽእል?” ኢሉ ብምሕታት፡ እዚኦም ብመሰረት እቲ ሕገ መንግስቲ፡ ናይ መንግስቲ ፌዴራል ስራሕቲ ምዃኖም ይገልጽ።
“ካብ ሕገ መንግስታዊ ወጻኢ ሓላፍነት ዝተሸከመ መንግስቲ ኣሎ፡ ነዚ ክሰርሕ ዘኽእል ሓላፍነት ዘለዎ ፓርቲ የለን። ንዘልኣለም መጻኢ ዕድል ትግራይ በይኑ ክብሕት ዝተመርጸ ውድብ የለን። ናይ ህወሓት ዳይናስቲ ክምስርት ዝመረጸ ህዝቢ የለን” ክብል ንህወሓት ወቒሱ።
ዮውሃንስ ኣብርሃ፡ “ህወሓት ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ጸኒሑ ንምባል እንተዀይኑ፡ ይርደአኒ እዩ” ዝበለ ዀይኑ፡ በቲ ሕጋዊ መስርሕ መሰረት ግን ዝተመርጸ ውድብ ከምዝዀነ ይዛረብ።
እቶም ተቓወምቲ፡ ኣብ ትግራይ ተንቀሳቒሶም፡ ቀልቢ ህዝቢ ንምስሓብ ዘኽእል ኩነታት ፈጢሮም፡ ህዝቢ ንህወሓት ይኣኽለኩም እንተኢሉ፡ ድሌት ህዝቢ ከምዘኽብር ኣረዲኡ።
እንተዀነ፡ እቶም ተቓወምቲ ውድባት ህዝባዊ ጉባኤታት ከየካይዱ ተኸልኪሎምን፡ ምንቅስቓሶም ተገዲቡ ከምዘሎን ኣመልኪትና ንዘቕረብናሉ ሕቶ፡ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ “ከምኡ ዝተገብረ ግን ኣይመስለንን” ኢሉ።
ሕቶ ሓድሽ ውዕል እንታይ እዩ?
እቶም ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ፡ ምስ ህወሓት ሓቢሮም ዝሰርሕሉ፡ ‘ሓባራዊ መድረኽ ውድባት’ ቆይሙ ከምዝነበረን፡ ገለ ጉዳያት ብሓባር ክዝትዩ ጀሚሮም ከምዝነበሩ ይዝክሩ።
“ፎረም ውድባት መጻወቲ ቆልዑ እዮም ገይሮምዎ” ዝበለ ሃይሉ ከበደ ግን፡ ህወሓት ከድልዮ እንከሎ ጥራይ፡ ከምዝእከቡ፡ ወተሃደራዊ ዓወታት ክርከቡ ከለዉ ድማ ከምዝርሳዕ ይዛረብ።
ጌታቸው ረዳ ግና፡ እቶም ኣመራርሓ ተቓውሞ ምስ ዶ/ር ደብረጽዮን ንልዕሊ 8 ግዜ ከምዝዘተዩ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ጽሒፉ እዩ።
ሃይሉ ከበደ፡ “ድሕሪ ሕዳር፡ ዕጽዋን ክባን ዝበሃል ብልሓቱ ዘይፍለጥ፡ ፖለቲካ ኣቲና። እዚ ናይቲ ውድቀት ኣካል እዩ። ህዝቢ ትግራይ እናጠፍአ እናረገፈ [እዩ ዘሎ]. . ፡ ብሰንኪ ድኽመት ህወሓት፡ ዲፕሎማሲ ክስራሕ ኣይከኣለን። ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዲፕሎማስያዊ መሓዛ ክረክብ ኣይከኣለን” ይብል።
እቶም ውድባት ተቓውሞ ከምዝብልዎ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዝነበረ ኲናት ብደረጃ ሃገር ኰነ ብደረጃ ክልል፡ ሕገ መንግስቲ ፈሪሱ እዩ።
ተወካሊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ዮውሃንስ ግን፡ "እቲ ሕገ መንግስቲ ፈሪሱ እንተኢልና፡ ንሳቶም'ከ በየናይ መስርሕ እዮም ሕጋዊ ተቓወምቲ ኮይኖም?" ክብል ይሓትት።
ክብሮም በርሀ ይቕጽል፡ “ሕገ መንግስታዊ ቅልውላው እዩ ኣጋጢሙ” ይብል፤ ሓድሽ መስርሕ ውዕል ምፍጻም ከምዘድሊ ድማ ይኣምን።
ዶ/ር ደጀን ብወገኑ፡ “ምእንተ ዕላማና ክንብል ሰራዊት ክንሃንጽን ዲፕሎማሲ ክንሰርሕን ግድን ስለዝዀነ፡ እቲ ናይ ሕጊ ክፈተት ክንመልእ፡ ውድባትን ካልኦት ውልቀሰባትን ዝሳተፍሉ፡ ሓበራዊ መድረኽ ክህሉ ይግባእ” ኢሉ።
ህወሓት'ከ እንታይ ይብል?
ወኪል መንግስቲ ትግራይ ኣብ ኣመሪካ፡ ዮሃንስ ኣብርሃ፡ እቲ ሕገ መንግስቲ ተሸርሺሩ ’ምበር ፈሪሱ እዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ንቢቢሲ ይዛረብ።
“ሕገ መንግስቲ ፈሪሱ እዩ እንተ ኢልና፡ ብዘይክኡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ኣብ ደገ ክንንቀሳቐስ ይኸብደና እዩ” ብምባል፡ ናይቶም ተቓወምቲ ሓሳብ ነጺጉ።
“ ኣይከኣልን ኣይበሃልን፡ ግን ነዊሕን ብዙሕን መስዋእቲ ከኽፍለና እዩ” ክብል ድማ ወሲኹ ስግኣቱ ኣረዲኡ።
"ሕዚ መሰጋገሪ መንግስቲ እንተዝምስረት'ከ፡ እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት፡ ከምኡ ካብ ምግባር ዓዲ ክውዕሉ ድዮም?"፡ ኢሉ ብምሕታት፡ እቲ ሓሳብ፡ ፍታሕ ኣየምጽእን ይብል።
ንሱ፡ ጉዳይ ምዕራብ ትግራይ ኰነ ካልኦት ንቕድሚት ዕጫ ህዝቢ ትግራይ ክውስን ዝኽእል ኩነት፡ ነቲ ሕገ መንግስቲ መሰረት ገይርካ ከምዝፍታሕ እዩ ዝዛረብ።
ንሱ ከምኡ ይበል ‘ምበር፡ እቶም ብሓደ ድምጺ ናጽነት ዘሰጉሙ ዘለዉ ብሄራውያን ውድባት ግና፡ “ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ምንባር እዩ ዝመርጽ፡ ምስ ባህጊ ‘ናጽነት’ ህዝብና ኣይሰመረን” ኢሎም እዮም ዝኸስዎ። ‘ሪፈረንደም’ ዝብል ቃል ከኣ መደናገሪ ከምዝዀነን ብተደጋገሚ ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ከምዝሃገረን ይኸሱ።
ነዚ ክሲ ዝነጽግ ዮውሃንስ ኣብርሃ ብወገኑ፡ “ሕርያና ውሳነ ህዝብና እዩ ዝኸውን፡ ህዝብና እንታይ ከምዝደሊ ግን ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይወርድ መድረኽ ክነዳልወሉ ኢና” ኢሉ።
ህወሓት፡ ‘መሰል ዓርሰ-ውሳነ’ ብዝብል ነባር ቅዋሙ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ‘ሕዚ፡ ኣብ ጉዳይ ናጽነት እንታይ እዩ ቅዋሙ’ ዝብል ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ እንትምልስ ግን፡ ውድቡ ኣብ ቀረባ እዋን ሓፈሻዊ ጉባኤ ምስ ኣካየደ፡ ቅዋሙ ከምዝንጽር፡ ኣይተ ዮውሃንስ ተዛሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







