ሰራዊት ኤርትራ ካብ ከባቢታት ማእከላይ ትግራይ ይወጽእ ከምዘሎ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሰራዊት ኤርትራ ተቖጻጺርዎ ካብ ዝጸንሐ ከባቢታት ዓድዋን ኣኽሱምን ብበዝሒ ይወጽእ ከምዘሎ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።
ካብ ሎሚ ንጉሆ ጀሚሩ ኣብ ብዙሓት መካይን ዝተጽዓነ ሰራዊት ኤርትራ ብኣንፈት እንዳባገሪማ ብምምጻእ ነታ ከተማ ኣቋሪጹ እናሓለፈ ከምዘርፈደ ሓደ ነባሪ ከተማ ዓድዋ ንቢቢሲ ገሊጹ።
“ካብ ንጉሆ ጀሚሮም፡ ኣብ ብጣዕሚ ብዙሓት መካይን፡ ዓበይቲ ስካንያታት፣ ኣውቶቡሳት፣ ሲኖ፣ ኣይሱዙ፣ ፓትሮላትን (ፒክኣፕ) ተጻዒኖም ክወጽኡ ኣርፊዶም” ኢሉ።
ንብዝሒ እቶም ወታሃደራት “ከም ጻጸ” ክብል ዝገለጸ እቲ ወሃቢ ርእይቶ እተን መካይን ናይ ጥሩምባ ድምጺ የስመዓን እቶም ወታሃደራት እውን ይደርፉን ከምዝነበሩ ተዛሪቡ።
“ባንዴራ ገይሮም እናደረፉ ከምኡ እውን ኣብተን መካይን ዝተፈላለየ ጭርሆታት ለጢፎም ነይሮም። ኤርትራዊ ይምክት ይዕወት’ ዝብል ጭርሖታት ገይሮም ክጎዓዙ ኣርፊዶም” ኢሉ።
ሰራዊት ፌደራል ብወገኑ ንወሰና ወሰን እታ ከተማ ይሕሉ ከምዝነበረ እቶም ነበርቲ ይገልጹ።
ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ብተመሳሳሊ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዝጸዓና መካይን ንኣንፈት ራማ ከምዝኸዳ ዝገልጽ እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ምስክር ዓይኒ፡ እተን ሎሚ ዝሓለፋ መካይን ካብ ሰራዊት ብተወሳኺ ዝተፈላለየ ኣቑት ጽዒነን ምንባረን ገሊጹ።
“ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ንከባቢ ዓዲ በራኽ ካብ 20 ክሳብ 30 ዝኾና መካይን ሓሊፈን። እቲ ናይ ሎሚ ዝተፈለየ ዝገብሮ፡ ሓደ በዝሒ፣ ካልኣይ ኩሉ ነገር ጽዒኖም እዮም። ክንድዚ ዘይትበሎ ጀሪካናት፣ ኣእኻል፣ ተጻዒነን እየን። ከም ጸረ ነፈርቲ ዝበለ ከበድቲ ኣጽዋር እውን ኣብ ኣይሱዙ ተጻዒኑ ሓሊፉ” ኢሉ።
ብመሰረት ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተበጽሐ ውዕል ሰላም፡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ከቢድ ብረት ንመንግስቲ ፌደራል ኣብ ዘረክቡሉ፡ ምውጻእ ሓይልታት ወጻእን ኣባላት መንግስቲ ፌደራል ዘይኮኑ ዕጡቓትን ካብ ትግራይ ይፍጸም።
ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂታት ከበድቲ ኣጽዋር ምርካብ ምጅማሮም ስዒቡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ካብ ከባቢታት ሽረ ምውጻእ ምጅማሮም ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝገለጸ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ግን ዝጋጨዉ ሓበሬታታት እዮም ክስምዑ ጸኒሖም።
ገለ ንሰራዊት ኤርትራ ዘለዎም ደገፍ ዝገልጹ ኤርትራውያን'ውን ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ይወጹ ከምዘለዉ ዘርኢ ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይዝርግሑ ኣለዉ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማ ኣኽሱም ብግዲኦም ሎሚ ካብ ንጉሆ ሰዓት 2፡30 (8፡30) ጀሚሩ ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ሰራዊትን ኣጽዋርን ዝጸዓና መካይን ነታ ከተማ ኣቋሪጸን ንሽረ ገጸን ይኸዳ ከምዘለዋ ገሊጾም።
ነባሪ ከተማ ኣኽሱም ኣቶ በሪሁ ካሕሳይ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ ታንክታትን መዳፍዕን ሓዊሱ ወታሃደራት ዝጸዓና መካይን ብከተማ ክሓልፋ ኣርፊደን ኣለዋ ኢሉ።
“ሐዚ ዝሓልፋ መካይን ይቖጽር ኣለኹ፤ 70 መካይን፣ 12 ታንኪ፣ 4 ዙ-23፣ ቆጺረ ኣለኹ። ይሓልፋ እየን ዘለዋ። ዝተፈላለያ መካይን እየን፤ ሰብ ጽዒነን ኣሑቑት ጽዒነን እየን ዝሓልፋ ዘለዋ። ብኣንፈት ዓድዋ መጺአን ንሽረ ገጽ ይኸዳ ኣለዋ” ኢሉ።
ኣቶ በሪሁ፡ ነበርቲ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ጎደናታት መሊኡ ብምውጻእ ነቲ ዝሓልፍ ሰራዊት ይዕብ ምህላው ተዛሪቡ።
“ጠቕሊሎም ዝወጹ ዘለዉ ይመስሉ፤ ህዝቢ ድማ ተሓጕሱ ጎደናታት መሊኡ ይርእይ ኣሎ።”
ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ ከተማ ኣኽሱም ብተመሳሳሊ ብዙሓት ወታሃደራት ዝጸዓና መካይን ነታ ከተማ ኣቋጸን ይሓልፋ ከምዘለዋ ዝሓበረ ኮይኑ መዳፍዕን ታንክታትን ዝርከቡዎም ከበድቲ ኣጽዋር ተጻዒኖም ከምዝረኣየ ተዛሪቡ።
“ኣብ ተስሓብቲ መካይን ወታሃደራት ብበዝሒ ኣለዉ፤ ኣብ ማእከል ድማ ኣጽዋር ዝጸዓና መካይን ኣለዋ። ዛጊድ 100 ዝኾና መካይን ኣትየን ኣለዋ። ክንድዚ ዝኣክል ቁጽሪ ክንቀሳቐስ ርእይና ኣይንፈልጥን“ ኢሉ።
ኣብቲ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ሓድሕድ ኲናት ኢትዮጵያ፡ ካብ መጀመርታ ጀሚሩ ኣብ ጎኒ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይና ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ክትዋጋእ ዝጸንሐት ኤርትራ ሰራዊታ ዝምታ፣ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ዝርከቡዎም ገበናት ፈጺሙ ተባሂሉ ክኽሰስ ጸኒሑ።
ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ምስ ገበናት ኲናት ክዳረግ ዝኽእል በደላት ከምዝፈጸሙ ይገልጽ። መንግስቲ ኤርትራ ግን ፖሮፓጋንዳዊ ሃልኪን ጸለመን እንተዘይኮይኑ ስራዊቱ ኣብ ገበን ከምዘይተሳተፈ ብተደደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ።
ንነዊሕ እዋን ብዛዕባ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝነበራ ተሳትፎ ዕላዊ መግለጺ ዘይሃበት ኤርትራ፡ ሰራዊታ ጸላእቲ ንዝበሎም ሓይልታት ከምዘዐገሰ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈርቂ ኣብ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዘውጸኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ምዝራቡ ዝዝከር።
መንግስታዊት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ እውን ኣብ ናይ ጥሪ 18 ሕታማ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ንሰራዊት ኢትዮጵያ “ጠቓሚ ሓገዝ” ገይሩ ክትብል ንኢዳ።
ብዛዕባ ምውጻእ ወተሃደራት ኤርትራ ዝምልከት ግና ዝተወሃበ መግለጺ የለን።
ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብኣሻማጋልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ነቲ ንክልተ ዓመት ተኻይዱ ንሞት ኣማኢት ኣሽሓት፥ ምፍንቃል ሚልናዮናትን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን ምኽንያት ዝኾነ ደማዊ ኲናት ደው ኣቢልዎ ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ዝምልከት ዛጊት ዝሃቦ ዕላዊ ሓበሬታ የለን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







