ንጓል 12 ዓመት ቈልዓ ዝተመርዓወ ወዲ 63 ዓመት ቀሺ ንብዙሓት ኣቘጢዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
63 ዓመት ዝዕድመኡ ጸላዊ ካህን ንጓል 12 ዓመት ህጻን ብምምርዓው ቍጥዐ ኣለዓዒሉ።
ጋናዊ ካህን ኑሞ ቦርከተይ ላዌህ ትሱሩ ብቐዳም ኣብ ዝተኻየደ ልሙድ ባህላዊ ስርዓት፡ ነታ ቈልዓ ከምዝተመርዓዋ ተፈሊጡ። ሰፊሕ ነቐፌታታት ከኣ ይስማዕ ኣሎ።
መራሕቲ ማሕበረሰብ ሰብ ግን፡ ነቐፌታታት ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፡ ሰባት ንልምዶምን ባህሎምን ከምዘይርድኡሎም ገሊጾም።
ኣብ ጋና ዝተሓተ ዕድመ መርዓ 18 ዓመት ኰይኑ፡ ዝርገሐ መርዓ ህጻናት ይንኪ’ኳ እንተሃለወ ተርእዮታት ግን ይቕጽል ኣሎ።
ዓለምለኻዊ ጐስጓስ ዝገብር ዘይመንግስታዊ ትካል ‘ገርልስ ኖት ብራይድስ’ [‘Girls Not Brides’] ከምዘመልክቶ፡ ኣብታ ሃገር 19 ሚእታዊት ኣዋልድ ዕድመአን 18 ዓመት ቅድሚ ምምላአን ዝምርዓዋ ኰይነን፡ 5 ሚእታዊት ድማ ትሕቲ 15 ዓመተን እየን ዝምርዓዋ።
ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ዝተሳተፉሉ ብቐዳም ዝተኻየደ መርዓ ዘርእዩ ቪድዮታትን ስእልታትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝርግሖም ብዙሓት ጋናውያን ቍጠዐኦም ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።
ኣብቲ ስርዓተ-መርዓ፡ ገለ ደቂ ኣንስትዮ እታ ቈልዓ ንሰብኣያ ዝስሕብ ክዳን ክትክደን ብቋንቋ እቲ ከባቢ ክዛረብኣ ተራእየን።
ከምኡ’ውን ንናይ ሰበይቲ ስራሕ ክትዳሎን ነቲ ብህያብ ዝመጻ ሽቶታት ጾታዊ ድሌት ሰብኣያ ንምዕባይ ክትጥቀመሉን ክመኽርኣ ይስምዓ።
ነቐፍቲ፡ ሰብመዚ ነቲ ሓዳር ከፍርስዎን ነቲ ቀሺ ክምርምሩን ጸዊዖም ኣለዉ።
እታ ጓልን እቲ ካህንን ዝውለዱሎም ማሕበረሰብ ደቀባት ኑንጉዋ ግን፡ እቲ ህዝቢ ኣብቲ ሓዳር ዘስምዖ ተቓውሞ ብምኹናን እቲ ነቐፌታ "ካብ ድንቍርና ዝመጸ'ዩ" ክብሉ ገሊጾም።
መራሒ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ኒ ቦርተይ ኮፊ ፍራንክዋ ዳግማዊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እታ ጓል ከም በዓልቲ ቤት እቲ ካህን እትጻወቶ ተራ "ጽሩይ ትውፊትን ልምድን" ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ።
ወሲኹ ድማ እታ ጓል በዓልቲ ቤት እቲ ካህን ንምዃን ዘኽእላ ስርዓት ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ጀሚራቶ እኳ እንተነበረት፡ እቲ መስርሕ ግን ኣብ ትምህርታ ዕንቅፋት ከምዘይነበሮ ተዛሪቡ።
እታ ቈልዓ ነቲ ሓድሽ ተራ በዓልቲ ቤት ሊቀ ካህናት እትበቅዕ ንጽህቲ ክትኸውን ዘኽእላ ካልኣይ ልምዳዊ ስነ-ስርዓት ክትፍጽም ትጽቢት ይግበር። እቲ ስነ-ስርዓት ንኸም ምውላድ ዝኣመሰሉ ናይ ሓዳር ሓላፍነታት እውን ከም ዘዳልዋ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ሓቢረን።
ሰብመዚ መንግስቲ ጋና ነቲ ኣካታዒ ሓዳር ብዝምልከት ዛጊት ዝበልዎ ነገር የለን።
ሕጊ ጋና ንባህላዊ መርዓ ኣፍልጦ ዝህብ እኳ እንተዀነ፡ ብጉልባብ ባህሊ ወይ ልምዲ ግን መርዓ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ምፍጻም ኣይፈቅድን።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







