ኢትዮጵያ፡ ንበዓልቲ ቤቱ ኣብ ብልዕታ ዘቃጸለ ሰብኣይ ጽኑዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሃረርጌ ሓደ ውልቀሰብ ምስ በዓልቲ ቤቱ ብዝተፈጠረ ምስሕሓብ፡ ኮነ ኢሉ ናይ መፍረ ኣካላታ ብሓዊ ኣቃጺሉ ብዝብል ክሲ ጽኑዕ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ።
እዚ ጸብጻብ ንኣንበብቲ ክርብሽ ይኽእል እዩ።
ቢቢሲ ንስነኣእምሮኣውን ማሕበራውን ድሕነት እታ ግዳይን ስድራኣን ክብል ስም እታ ግዳይን በዓል ቤታን ከምኡ'ውን ኣበይ ከም እትነብር ብዝርዝር ክጠቅስ ኣይመረጸን።
"እቲ ተኸሳሲ ኣደ ክልተ ደቍ ንዝዀነት በዓልቲ ቤቱ ብልዕታ ብምንዳድ ጭካነ ዝመልኦ ተግባር ፈጺሙ" ክብል መርማሪ ፖሊስ እቲ ከባቢ፡ ሳጅን ኣሕመድ ሱፍያን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ ተግባር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 4 ሓምለ 2015 [ግእዝ] እዩ ተፈጺሙ። እቲ ውልቀሰብ ነቲ መጥቃዕቲ ክፍጽም ምኽንያት ዝገበሮ ድማ "ምስ በዓልቲ ቤቱ 'ምሳይ ደቅሲ፡ ኣይድቅስን' ብዝብል ምጭቕጫቘም" ከምዝዀነ ጸብጻብ ፖሊስ ይሕብር።
ከም ውጽኢቱ ድማ ተኸሳሲ ንበዓልቲ ቤቱ ኣብ ብልዕታ፡ ክፋል ሰለፋን ሕቘኣን ሓዊ ብምንዳድ ኣብ ልዕለኣ ከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደ ነቲ ጉዳይ ዝከታተል መርማሪ ፖሊስ ገሊጹ።
“ኣብ ከባቢ ገጠራት ኣብ ገዛኻ ዕንጸይቲ ምንዳድን እቲ ሓዊ ደጒልካ ምጽናሕን ልሙድ ተግባር እዩ። ስለዚ ተኸሳሲ’ውን እቲ ክትዕ ምስ ተላዕለ ሓዊ ዝነበሮ ዕንጸይቲ ኣልዒሉ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ኣካላታ ኣንዲድዋ" ይብል ሳጅን ኣሕመድ።
እቲ ገበን ካብ ዝፍጸም ድሕሪ ቅሩብ ሰዓታት ከኣ እቲ ንበዓልቲ ቤቱ ብኸቢድ ዘቝሰለ ወዲ 21 ዓመት ውልቀሰብ ብፖሊስ እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ መርመራ ተኻይዱ። ጉዳዩ ከኣ ኣብ ቤት ፍርዲ እቲ ከባቢ ክረአ ጸኒሑ።
ተኸሳሲ ዝፈጸሞ ገበን ብሰብኣውን ሕክምናውን መርትዖታት ምስተረጋገጸ፡ ቤት ፍርዲ እቲ ወረዳ ብዕለት 28 ጥቅምቲ 2016 [ግ] ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ብሓሙሽተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ጽኑዕ ማእሰርቲ ክቕጻዕ ተፈሪዱ።
እቲ ውልቀሰብ ዝፈጸሞ ተግባር ኣብ ልዕሊ በዓልቲ ቤቱ ከቢድ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጉድኣት ዘውረደን ክብርታት እቲ ሕብረተሰብ ዝጥሕስን ብምዃኑ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተበየነ ፍርዲ ንኻልኦት ዘምህር እዩ ክብል ነቲ ጉዳይ ዝተኸታተለ መርማሪ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ እታ ብሰብኣያ ብዝተፈጸማ መጥቃዕቲ ጉዳኣት ዝወረዳ ሰበይቲ’ውን ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ሕክምናዊ ደገፍን ክትትልን ስለዝተገበረላ ኣብዚ እዋን ኣብ ጥዕናኣ ምምሕያሽ ከምዘርኣየት ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







