ስለምንታይ ደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ደቂ ኣንስትዮ ሰብሰርሖ ብልሒ ይጥቀሙ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ እዋን፡ ልዕሊ ህቡብ ሰብሰርሖ ብልሒ ቻትጂፒቲ ኣመና ዘዘራርብ ፍርያት ቴክኖሎጂ ዳርጋ የለን ክበሃል ይክኣል።
ቻትጂፒቲ፡ ኣብ ዓለም ልዕሊ 180 ሚልዮን ተጠቀምቲ ኣለውዎ።
ነጋዲት ወርቂ ሃርየት ኬልሳል ግን፡ ቻትጂፒቲ ምስ ምርጫይ ኣይገጠመን ትብል።
ከም ሓንቲ ናይ ምንባብ ጸገም (dyslexic) ዘለዋ ሰብ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኣ ምስ ዓማዊላ ዝህልዋ ርክብ ወይ ኮሙኒኬሽን ጽፈት ንክህልዎ ክሕግዝ ይኽእል’ዩ ኢላ ትግምት፤ ግን ከኣ ኣይትኣምኖን።
ተቐማጢት ኖቲንግሃም፡ ኣብዚ ዓመት ቻትጂፒቲ ፈቲናቶ እኳ እንተነበረት፡ ጌጋታት ክፈጥር ከም ዝተዓዘበቶ’ያ ትዛረብ።
ሓደ ፈተና ሂባቶ።
ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ኣብ ግንቦት ኣብ ዝተፈጸመ ስነ ስርዓት ንግስና ዝነበረ ዘውዲ ድማ ሓቲታቶ።
“ቻትጂፒቲ እንታይ ከም ዝብል ንምዕዛብ፡ ብዛዕባ ኣኽሊል ገለ ሓበሬታ ክነግረኒ ሓቲተዮ። ብዛዕባ ኣብ ንጉሳዊ ኣኽሊላት ዝርከቡ ኣዕናቝ ቅሩብ እፈልጥ እየ። ኣብቲ ዝሃበኒ ሓበሬታ ግን ጌጋታት ከም ዝነበሩ ኣስተብሂለ” ትብል።
ኬልሳል ወሲኻ፡ ሰባት “እቲ ቻትጂፒቲ ዝነግሮም ከም ናጻ ኣተሓሳስባ ምቕባሎም ከምኡ'ውን ምስራቘም (ሓሳብ)” ከም ዘተሓሳስባ ትዛረብ።
ቻትጂፒቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወግዓዊ ከም ዝዀነ ይዝከር። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ብዙሓት ፈትዮምዎ፤ ብዙሓት’ውን ስግኣታት ሓዲርዎም።
ከም ኬልሳል ዝኣመሰላ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ድማ ካብ ደቂ ተባዕትየ ንላዕሊ ቻትጂፒቲ ክጥቀማ ኣይደልያን።
ኣብዚ እዋን 54 ሚእታዊት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ሞያዊ ይዅን ውልቃዊ ህይወቶም ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ክጥቀሙ እንከለው፡ ብዝሒ ተጠቀምቲ ደቂ ኣንስትዮ 35 ሚእታዊት ጥራይ ምዃኑ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይሕብር።
ምኽንያት ናይዚ እንታይ’ዩ? ከተሓሳስበናኸ ይግባእ’ዶ?
ኣሰልጣኒት ንግዲ ሚሸል ሌቫርስ ተቐማጢት ለንደን እያ።
ንሳ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ድምጽን ስብእናን ክትዕቅብ ስለእትደሊ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ሓሳባት ክጽሕፈላ ከም ዘይትጥቀመሉ ትዛረብ።
“ዝፈልጡኒ ሰባት ናብ መርበብ ሓበሬታይ ክኣትው እንከለው፡ እቶም ዝዛረቦም ቃላት ክሰምዑ ከም ዝኽእሉን ብኡንብኡ ኣነ ምዃነይ ክፈልጡ ከም ዝኽእሉን ይነግሩኒ” ትብል።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ሀይሊ ቢስትራም፡ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ብምጥቃም ግዜ ክትቍጥብ ኣይመረጸትን።
ቢስትራም መስራቲት ትካል ምርኻብ መጻምዲ ዝዀነ ቦውስ-ሊዮን ፓርትነርሺፕ ኰይና፡ ዓማዊላ ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ምስ ዘለዎም ካልኦት ሰባት ገጽ ንገጽ ንክራኸቡ ትገብር፤ እዚ ድማ ዝዀነ ኣልጐሪዝም የብሉን።
“ከም ቻትጂፒቲ ዝኣመሰለ ነገር ክንጥቀመሉ እንኽእል ቦታ ኣብቲ ብጥንቃቐ ዝተሰርሐ ፕሮፋይላት ኣባላትና እዩ። እዚ ንምፍጣር ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ክወስድ ይኽእል'ዩ። ንዓይ ግን እቲ መስርሕ ምትላል ኰይኑ'ዩ ዝስምዓኒ” ብምባል እቲ ነዊሕ ግዜን መንፈስን ዝወስድ ኣገባብ ከም እትመርጽ ትገልጽ።
ተቐማጢት ስኮትላንድ ዝዀነት ክኢላ ስትራተጂ ንግዲ ኣሌክሳንድራ ካዋርድ ሰብሰርሖ ብልሒ ዝህበካ ሓሳብ ምጥቃም ዳርጋ “ከቢድ ፎቶሾፕ” እዩ ጥራይ ኢለ እየ ክገልጾ ዝኽእል ትብል።
ብፍላይ ሰባት ብኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ዝተመስርሑ ስእልታት ምጥቃም እናዓበየ ይመጽእ ምህላው ከም ዘስግኣ ትዛረብ።
ሰባት “ቀጢን፡ መንእሰይን ሕጕስን ክመስሉ ዝገብሮም ናይ ገዛእ ርእሶም" ምስልታት ንምፍጣር ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ክጥቀሙ ምርኣይ'ውን የሻቕላ።
በዚ፡ ዓማዊልካ ጥራይ ዘይኰነስ ርእስኻ’ውን ብኣካል ክትፈልጠሉ ናብ ዘይትኽእል ደረጃ ኢና ንኸይድ ዘለና ትብል።
እዚ ኩሉ ካብቲ ቴክኖሎጂ ንምርሓቕ ቅኑዓት ምኽንያታት ክመስሉ እንከለዉ፡ ክኢላ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ጆዲ ኩክ፡ ደቂ ኣንስትዮ ከም ደቂ ተባዕትዮ ነቲ ቴክኖሎጂ ዘይሓቑፋሉ ዝዓሞቐን ሱር ዝሰደደን ምኽንያታት ከም ዘሎ ትዛረብ።
“ዓውድታት [ሳይንስ፡ ቴክኖሎጂ፡ ምህንድስናን ሒሳብን] ብባህሊ ብደቂ ተባዕትዮ ዝዕብለል እዩ ነይሩ" ትብል መስራቲት ናይቲ መራሕቲ ንግዲ ናይ ገዛእ ርእሶም ኤኣይ ክፈጥሩ ዘኽእሎም መተግበሪ ‘Coachvox.ai’ ዝዀነት ጆዲ ኩክ።
ኣብ ብሪጣንያ፡ ኣብ ዓውዲታት ሳይንስ ካብ ዘሎ ሓይሊ ሰብ እተን 24 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ እየን።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ “ደቂ ኣንስትዮ መሳርሒታት ኤኣይ ኣብ ምጥቃም ትሑት ርእሰ ተኣማንነት ክስምዐን ይኽእል'ዩ። ብዙሓት መሳርሒታት ተክኒካዊ ክእለት ዘየድልዮም እኳ እንተዀኑ፡ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ንነብሰን ተክኒካዊ ክእለት ከም ዘለወን እንተዘይቈጺረን፡ ከይፈተናኦ ክተርፋ ይኽእላ እየን” ክትብል ተረድእ።
ወሲኻ፡ “ኤኣይ’ውን ሳይንሳዊ ልቢ ወለድ ኰይኑ ይስምዓካ። ኣብ መራኸቢ ብዙሃንን ባህልን ሳይንሳዊ ልቢ ወለድ ንደቂ ተባዕትዮ ትዅረት ገይሩ’ዩ ኣብ ዕዳጋ ዝቐርብ” ኢላ።
ጆዲ ኩክ፡ ኣብ መጻኢ ዝያዳ ደቂ ኣንስትዮ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ክጥቀማን ኣብቲ ዓውዲ ክሰርሓን ክትርኢ ትደሊ።
“እቲ ኢንዱስትሪ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ብርግጽ ኣብ መንጐ ጾታታት ሰፊሕ ፍልልይ ክንርኢ ኣይንደልን ኢና።”
ይዅን’ምበር፡ ክኢላ ስነኣእምሮ ሊ ቻምበርስ፡ ከም ልሙድ ኣተሓሳስባን ባህርያትን ደቂ ኣንስትዮ ንገለአን ኤኣይ ምቕባል ይድርተን ከይህሉ ይገልጽ።
“ጉድለት ርእሰ ተኣማንነት - ደቂ ኣንስትዮ ሓደ ነገር ምጥቃም ቅድሚ ምጅማረን ልዑል ደረጃ ብቕዓት ክህልወን ይደልያ። ብኣንጻሩ፡ ደቂ ተባዕትዮ ብዙሕ ብቕዓት ዘይብሎም እናሃለው ዝዀነ ነገር ንምጥቃም ሕጕሳት ክዀኑ ይኽእሉ” ይብል።
ደቂ ኣንስትዮ፡ መሳርሒታት ሰብሰርሖ ብልሒ እንተተጠቒመን፡ ዓቕመን ኣብ ሕቶ ምልክት ከይኣቱ ክሰግኣ ከም ዝኽእላ'ውን እቲ ክኢላ የብርህ።
“ደቂ ኣንስትዮ ብቕዓት የብለንን ተባሂለን ክንቀፋ ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ፤ ስለዚ ኣብ ሓደ ፍሉይ ዓውዲ ዘለወን ክእለት ንምግላጽ ዝያዳ መረጋገጺ መንነተን ከጕልሓ ኣለወን። ሰባት ንስኺ ከም ጓል ኣንስተይቲ፡ ኤኣይ ከም እትጥቀሚ እንተፈሊጦም፡ ብቕዕቲ ኣይኰነትን ዝብል መልእኽቲ ከሕልፍ ይኽእል’ዩ ዝብል ስምዒት ክሓድረኪ ይኽእል።
"ደቂ ኣንስትዮ ድሮ ሽመን ጸሊሙ፤ ሓሳባተን ድማ ብደቂ ተባዕትዮ ተወሲዱ እዩ። ስለዚ ሰባት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኤኣይ ከም እትጥቀም እንተፈሊጦም እኹል ብቕዓት የብላን ዝብል ወረ ክነዝሑ ይኽእሉ’ዮም። እዚ ኽኣ፡ ንክእለትካ፡ ብቕዓትካን ክብሪታትካን ዝሃሲ’ዩ” ብምባል የረድእ።
ወይ ድማ፡ ከምቲ ሃሪየት ኬልሳል እትብሎ “ንሓቅነትን ፈጠራ ደቂ ሰባትን ልዑል ዋጋ ኣለኒ።”




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







