ቢቢሲ 100 ደቂ ኣንስትዮ፡ “መርዓ ትሕቲ ዕድመ ከብቅዕ ኣለዎ”
ቢቢሲ 100 ደቂ ኣንስትዮ፡ “መርዓ ትሕቲ ዕድመ ከብቅዕ ኣለዎ”
ሰለስተ ካብተን ኣዝየን ጸለውቲ ዝብሃላ ደቂኣንስትዮ ዓለም፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወለዶ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ከብቅዕ ከም ዝደልያ ተዛሪበን።
ሚሸል ኦባማ፡ ኣማል ክሉኒን ሜሊንዳ ፍረንች ጌትስን ዝሓለፈ ዓመት ነቲ ጸገም ንምምካት ኣብ መንጎ እቶም ዝመርሕኦም ትካላት (ፋውንዴሽናት) ምትሕብባር ክህሉ ገይረን እየን።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ንዝቕጽሉ 300 ዓመታት ካብ ሱሩ ምምሓው ከም ዘይክኣል ውድብ ሕቡራት ኣጠንቂቑ ይርከብ።
ቀንዲ ምኽንያት ትሕቲ ዕድመ መርዓ ድኽነት ከም ዝዀነ ዝገልጻ ዘለዋ ቢቢሲ ዘዘራረበን ካብ 100 ጸለውቲ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም፡ “መራሕቲ ዓለም ጠመተ ገይሮም እንተሰሪሖሙሉ ኣብ ሓጺር ግዜ ከብቅዕ ተኽእሎ’ሎ” እየን ዝብላ።
ቀዳመይቲ እመቤት ኣመሪካ ነበር ሚሸል ኦባማ ግን “ጽባሕ ክፍታሕ ዝኽእል ጉዳይ'ዩ” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።



