መልካሙ ፍራውንዶርፍ፡ ካብ ሊቨርፑል ናብ ሃኖቨር 96 ዝተዛወረ ትውልደ-ኢትዮጵያዊ ኣከፋፋሊ መን እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ካብቶም ንፈለማ እዋን ኣብ ኣካዳሚ ጀርገን ክሎፕ ዝተረኣዩ ተጻወትቲ ዝዀነ መልካሙ ፍራውንዶርፍ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰነ ካብ ሊቨርፑል ናብ ሃኖቨር 96 ተዘዋዊሩ ኣሎ።
መልካሙ ኣብ 2020 ካብ ሆፈንሃይም ናብ ሊቨርፑል ድሕሪ ምጽንባሩ ምስታ ክለብ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ኣሕሊፉ’ዩ።
እዚ ወዲ 20 ዓመት ኣከፋፋሊ፡ ተስፋ ዘለዎ መንእሰይ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ከምዝዀነ ይግለጽ።
ምስ ሊቨርፑል ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ብዙሕ ናህሪን ዘይሕለል ናይ ስራሕ ስነ-ምግባርን ከምዘለዎ ኣመስኪሩ እዩ።
ናብ ሊቨርፑል ካብ ዝተጸንበረሉ እዋን ኣትሒዙ ብዓብላሊ መልክዑ ምስ ኣካዳሚ እታ ክለብ’ዩ ክጻወት ጸኒሑ።
ምስ ቀዳመይቲ ጋንታ ሊቨርፑል እውን ኣብ ክልተ ጸወታታት ተሳቲፉ ብቕዓቱ ኣርእዩ እዩ። ፈለማ ኣብ ጥሪ 2022 ኣብ ኤፍ.ኤ ካፕ፡ ድሕሪኡ ድማ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሊግ ካፕ ተጻዊቱ።
ሕጂ ድማ ኣብ ቡንደስሊጋ ምስ ክለብ ሃኖቨር 96፡ ፈለማ ከም ኣካል ናይቲ ትሕቲ 23 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣወዳድባ ክጽንበር እዩ። ብቕዓቱ እንተኣመስኪሩ ድማ ናብ ላዕለዎት ዲቪዥን ንኽድይብ ዕድል ኣለዎ።
ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ኣወዳድባ ትሕቲ 23 ዓመት እታ ክለብ ናብ 3ይ ዲቪዥን ደይባ ትርከብ።
ዳይረክተር ስፖርት ሃኖቨር ማርከስ ማን፡ መልካሙ ብሉጽ ዓቕሙ ኣብ ምርኣይ “እንተተዓዊቱ. . .ናብ ላዕሊ [ላዕለዋይ ዲቪዥን] ንኽድይብ ማዕጾ ክፉት እዩ” ኢሉ።
መልካሙ ካብቶም ኣብዚ ክራማት ካብ ሊቨርፑል ዝፋነዉ ጆኤል ማቲፕን ቲያጎ ኣልካንታራን ዝርከብዎም ሸሞንተ ምሩቓት ኣካዳሚ እዩ።
ነቲ ዝውውር ስዒቡ "ኣብ ሞያይ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ኣብ ዝኣትወሉ ዘለኹ እዋን፡ ኣብ ኣካዳሚ ሊቨርፑል ዘሕለፍክወን ኣርባዕተ ብሉጻት ዓመታት ዘመስግነሉ መዓልቲ'ዩ" ክብል ኣብ ኢንስታግራም ጽሒፉ።
"ፍሉይ ምስጋናይ ድማ ንኣሰልጠንተይ፡ ከምኡ'ውን ንኹሎም ደቂ ጋንታይ'ዩ. . . ኣብ ግጥማት ፍሉይ ዝገበሩና ደገፍቲ፡ የቐንየለይ!" ኢሉ።
"ካብ ሊቨርፑል ምውጻእ ዝኸበደኒ፡ ነቶም ኣአንገድቲ ስድራይ ክሰናበት ምግዳደይ'ዩ፡ ብርግጽ ንስኻትኩም ንዓይ ካብ ወለዲ ንላዕሊ ስድራቤት ኢኹም።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጉዕዞ ኩዕሶ ዕግሪ
ኣብ 12 ጥሪ 2004 ኣብ ከምባታ ኢትዮጵያ ዝተወልደ መልካሙ ቤንጃሚን ዳኒኤል ፍራውንዶርፍ፡ ብዜግነት ጀርመናዊ’ኳ እንተዀነ ምስ ሃገራዊ ጋንታታት ጀርመንን ኢትዮጵያን ንኽጻወት ግን ብቑዕ እዩ።
ጉዕዞ ኩዕሶ እግሪ መልካሙ ኣብ ሆፈንሃይም ክጅምር እንከሎ፡ ዕድሚኡ 10 ዓመት ጥራይ እዩ ነይረ።
ናብ ኣካዳሚ መንእሰያት እታ ክለብ ድሕሪ ምጽንባሩ ኣብ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዓመታት ከም ተጻዋታይ ንዕብየቱ ጽኑዕ መሰረት ኣንቢሩ።
ካብ ደረጃ ትሕቲ 15 ዓመት ጀሚሩ ንጀርመን ወኪሉ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ መንእሰያት ዓለምለኻዊ ጸወታታት ተሳቲፉ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንዝተፈላለዩ ሃገራውያን ጋንታታት መንእሰያት ጀርመን 15 ግዜ ተጻዊቱ፡ ክእለቱ ዝያዳ ኣሐይሉ ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድራት ናይ ምስታፍ ዕድል ረኺቡ።
ኣብ ትሕቲ 16 ዓመት ሓለቓ ጋንታ ኰይኑ ድሕሪ ምጽዋቱ ናብ መሳርዕ ትሕቲ 18 ዓመት ደይቡ።
ኣብ ሓጋይ 2020 ድማ ናብታ ብሃብታም ታሪኻን ሓያል መደብ ምዕባለ መንእሰያትን እትፍለጥ ክለብ ሊቨርፑል ተጸንቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መለስ ፍራውንዶርፍ ዝተበሃለ የማናይ ተኸላኻላይ ሓዉ ምስ ሆፈንሃይም እናተጻወተ ዝርከብ መልካሙ፡ ናብ ሊቨርፑል ምስ ተጸንበረ ኣብ 2020-21 ንፈለማ ግዜ ኣብ ትሕቲ 18 ዓመት ጸወታታት ተሳቲፉ።
ኣብ ፍርቂ ፍጻመን ፍጻመን ዋንጫ መንእሰያት ኤፍኤን እውን ኣበርኪቱ እዩ።
ኣብ ጥሪ 2022 ኣብ ሳልሳይ ዙርያ ኤፍኤ ካፕ ኣንጻር ሽሩስበርይ ታውን ኣብ ኣንፊልድ ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ተቐይሩ ኣትዩ ምስ ቀዳመይቲ ጋንታ ናይ ምጽዋት ዕድል ረኺቡ።
ብድሕሪ’ዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሊግ ካፕ ኣንጻር ደርቢ ካውንቲ ተጻዊቱ።
ኣብዚ ጸወታ መልካሙ ዝያዳ ዝደመቐ ተጻዋታይ ነይሩ። ናህሩ ኣብ ቀዳማይ እብረ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንድሕሪት እናተመልሰ ኣብ ምክልኻል ጽልዋ ኣሕዲሩ’ዩ። ኩዕሶ ብምሓዝ ናብ ኣጥቃዕቲ ናይ ምሕላፍ ዓቕሙ ድማ ብውጽኢታዊ መንገዲ ሃትሪክ ኣሲስት (ንሸቶ ዝዀን ሰለስተ ኩዕሶታት) ከበርክት ኣኽኢልዎ’ዩ።
ኣብ 2021-22 ውን ናይ መጀመርታ ጸወታኡ ኣብ ትሕቲ 23 ዓመት ብምክያድ ኣብ ኵሉ ውድድራት 9 ሸቶታት ከመዝግብ ክኢሉ።
ኣብ 2022-23 ምስ ትሕቲ 21 ዕድመ ተጻዊቱ፤ ጋንታኡ ኣብ ፕሪምየር ሊግ 2 ካልኣይ ደረጃ ክትሕዝ ከላ፡ ስሩዕ ጀማሪ ተጻዋታይ ነይሩ። ኣብ ትሕቲ 19 ዓመት ሻምፕዮንሺፕ ዩሮፓ እውን ዝተሳተፈ ኰይኑ፡ ኣንጻር ሬንጀርስን ኤፍ ሲ ፖርቶን ሸቶታት ኣመዝጊቡ እዩ።
ይኹን’ምበር መልካሙ ኣብ ናይ መወዳእታ ዓመተ ስፖርት ብሰንኪ መስበርቲ ብዙሕ ተሳትፎ ክገብር ኣይከኣለን። ብድሕሪኡ ድማ ኣብዚ ክራማት ብናጻ ዝውውር ንሃኖቨር 96 ፈሪሙ ኣሎ።
መልካሙ፡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ናብ ጀርመን ተመሊሱ፡ ምስ ሓዳስ ክለቡ ዓቕሙ ከረጋግጽ ዕድል ብምርካቡ ከምዝተሓጎሰ ይዛረብ።
ኣንጻር ላዕለዎት ጋንታታት ምጽዋት ዝጀመረ እዚ ኣከፋፋሊ፡ ቡንደስሊጋ ዓቕሙ ንምርኣይን ሞያኡ ንኽስጉም ዝሕግዝን ጽቡቕ ዕድል እዩ ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መጻኢ መልካሙ እንታይ ይመስል?
መልካሙ ምስ ሓዳስ ጋንትኡ ኣብ ዝወሃሃደሉ ዘሎ እዋን፡ ትኹረት ምዕባለኡን ኣበርክቶኡን ምስ ትሕቲ 23 ዓመት ጋንታ ሃኖቨር 96 ክኸውን እዩ።
ንከም በዓል መልካሙ ዝኣመሰሉ መንእሰያት ተጻወትቲ፡ ናብ ሓዳስ ክለብን ምስግጋር በዳሂ ክኸውን ይኽእል'ዩ። እንተዀነ ግን እዚ ኵነታት ንዕብየትን ምምሕያሽን ዳግማይ ዕድል'ውን ዝህብ እዩ።
ኣብ ሊቨርፑል ዝረኸቦ ተመኩሮን ዓለምለኻዊ ዕድላትን ኣብዚ ሓድሽ ምዕራፍ ሂወቱ ኣብ ዝጓዓዘሉ ዘሎ እዋን ከምዝጠቕሞ ኣየጠራጥርን። ኣብ ሃኖቨር 96 ሞያኡ ኣብ ምምዕባልን ዓቕሙ ኣብ ምጥቃምን ወሳኒ ክኸውን እዩ።
ኣብ ሓዳስ ክለቡ ዓቕሙ ዘርእየሉ ዕድላት ስለዝረክብ ድማ ኣብ መጻኢ ድማ ናብ ላዕለዎት ጋንታ ናይ ምድያብ ተኽእሎ ኣለዎ።
መልካሙ፡ ሕጂ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ’ዩ ዝኣቱ ዘሎ።
እንተዀነ ግን መጀመርታ ኣብ ሆፈንሃይም፡ ድሒሩ ኣብ ሊቨርፑል ዝረኸቦ ክቡር ተመኩሮ፡ ከምኡ'ውን ምስ ሃገራዊ ጋንታ ጀርመን ዝነበሮ ዓለምለኻዊ ጻንሖት ነዚ ሓድሽ ብድሆ ብጽቡቕ ከምዘዳለዎ ምዝራብ ይካኣል’ዩ።
ምስ ጋንታ ትሕቲ 23 ዓመት ሃኖቨር 96 ናብ ሜዳ ኣብ ዝኣትወሉ እዋን፡ ነዚ ዕድል ብኸመይ ከምዝጥቀመሉን ከም ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዕቤቱ ብኸመይ ከምዝቕጽልን ንምርኣይ ኵለን ኣዒንቲ ናብ ተውህቦ እዚ መንእሰይ ክጥምታ እየን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







