ላሚነ ያማል፡ ሰለስተ ሃገራት ዝመናጠላሉ ዘለዋ ኮኸብ ተጻዋታይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ጀርመን ብዘርኣዮ ብቕዓት ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ንዓለም ዘገረመ ወዲ 16 ዓመት መንእሰይ፡ ካብ ኢኳቶጊንያዊት ኣደን ካብ ሞሮካዊ ኣቦን እኳ እንተተወለደ ምስ ስጳኛ’ዩ ዝጻወት ዘሎ።
ኣብ ባርሴሎና ተወሊዱ ዝዓበየ ያማል ኣብ ኣካዳሚ ላ ማስያ ድማ ክጻወት ጸኒሑ።
ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኡኳቶርያል ጊኒ፡ ቬናንስዮ ቶማስ ንዶንግ ሚቻ፡ ንቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ዋላ’ኳ ላሚነ ምስ ኢኳቶርያል ጊኒ እንተዘይተጻወተ፡ ኣብ ልብና ሒዝናዮ ኢና ዘለና፡ ንኹዕሶ እግሪ ሃገርና ከማሕይሽ እዩ ኢልና ነተስፉ” ኢሉ።
ንዶንግ ሚቻ ወሲኹ፡ "ኣብ ልዕሊ'ቲ ምስ ጋንታ ባርሴሎና ዘሕለፎ ብሉጽ ዓመተ ስፖርት፡ ኣብ ኤውሮጳ ዘርኣዮ ዘይተለምደ ብቕዓት ነስተማቕሮ ኣለና። ዘርኢ ሓረግና ኣለዎ፡ እዚ ድማ ሃገርና መቦቆል ንፉዓት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ምዃንና ዘርኢ'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ንእሽቶ ዕድሜኡ ዝተዝሓሓለ ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳዊት ሃገር ከነቓቕሕ ሓላፍነት ዝተሸከመ ያማል፡ ኣንጻር ፈረንሳ ብዘመዝገባ ዘደንቕ ሸቶ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጸወታታት ኣንጻር ክሮኤሽያ፣ ጆርጅያን ጀርመንን ድማ ናይ ሓጋዛይ ግደ ብምጽዋት ኩሉ መዳያዊ ዓቕሙ ኣርእዩ።
ሎሚ ቀዳም 17 ዓመቱ ዝደፍን ዘሎ ያማል፡ ጽባሕ ምስ ኢንግሊዝ ኣብ ዝካየድ ግጥም ናይ ፍጻመ ጸወታ ዝጻወት ኮይኑ እዚ ድማ ኣብ ኤውሮጳ ወይ ዋንጫ ዓለም ኣብ ናይ ፍጻመ ጸወታ ዝተሳተፈ ብዕድመ እቲ ዝነኣሰ ተጻዋታይ ክኸውን ኢዩ።
ፔለ ኣብ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ዝተጻወተ ዝነኣሰ ተጻዋታይ ኢዩ። ኣብ 1958 ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ብራዚል ንሽወደን 5ብ2 ኣብ ዝሰዓረትሉ ግጥም፡ ክልተ ሸቶታት ከመዝግብ ከሎ፡ ወዲ 17 ዓመትን 249 መዓልታትን እዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
'መቦቆሉ ኣይረሰዐን ዘሎ'።
ኢኳቶርያል ጊኒ ኣብ ክልተ ዝተኸፋፈለት ሃገር ኮይና፡ ርእሰ ከተማ ማላቦ ኣብ ሓደ ካብ ደሴታዊ ከባቢታታ ክትርከብ እንከላ፡ ካልአይቲ ዝዓበየት ከተማ ድማ ባታ ኮይና ኣዶ ያማል ዝተወለደትሉ ዓዲ እዩ።
ኣዶ ያማል ድሕሪ ግዜ ናብ ስፐይን ብስደት ኣቕኒዓ ከም መተኣናገዲት ኮይና ትሰርሓሉ ኣብ ዝነበረት ግዜ፡ ምስ ኣቦ ወዳ ያማል ተራኺባ ቅሩብ እንተይጸንሐት ድማ ተፋቲሓ።
ኣዲኡን ዓባዩን ኣብ ባርሴሎና ክነብራ እንከለዋ፡ ዝተረፉ ስድራቤት ኣደ ያማል ግን ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ይርከቡ።
ኢኳቶርያል ጊኒ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዋንጫ ኣፍሪቃ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዝበጽሐት ሃገር ኢያ።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢኳቶርያል ጊኒ ነታ ኣብዚ እዋን’ዚ ብፊፋ መበል 89 ደረጃ ትስራዕ ዘላ ጋንታ፡ ያማል ኣካል ናይታ ሃገራዊት ጋንታ ክገብር ፈቲኑ ነይሩ።
ንዶንግ ሚቻ፡ "ኣብ 2021 ምስ ስድራቤት ያማል ርክብ ጌርና ኔርና፡ እንተኾነ ያማል ምስ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ስጳኛ ብዙሕ ርሕቐት’ዩ ተጓዒዙ ጸኒሑ”ክብል ገሊጹ።
"ግን ፈቲንና ኢና፡ ምኽንያቱ ኣነ ብኣጋጣሚ ቀንዲ መሓዛ ስድራቤቱ እየ። ብፍላይ ድማ ምስ ኣቦሓጎኡ ጽቡቕ ምቕርራብ ስለዘለና ኩሎም ስድራቤቱ ብዛዕባ እቲ ቆልዓ ኩሉሻዕ እዮም ዘዋግዑ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ንሱ ኣስዒቡ “ብድሕሬና ሞሮካውያን'ውን ክረኽብዎ ጽዒሮም ነይሮም። እንተኾነ ስጳኛውያን ስዒሮምና።"
ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ሞሮኮ ፋውዚ ለክጃ፡ እቲ መንእሰይ ምስ ስጳኛ ክጻወት ዘለዎ ጽኑዕ ድሌት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዝሓለፈ ዓመት ንያማል ንምውሳድ ዝገበርዎ ፈተነታት ብኸመይ ብስዕረት ከምዝተዛዘመ ገሊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ልቢ ያማል ዝረሓቓ ኣይኮናን።
ምኽንያቱ ባንዴራ ኢኳቶርያል ጊኒን ሞሮኮን ኣብ ታኬታ ጫማኡ ተወቒጥወን ይጻወት ስለዘሎ።
ንዶንግ ሚቻ ወሲኹ፡ “ዋላ’ኳ ምስ ስጳኛ ይጻወት እንተሃለወ፡ ንኢኳቶጊንያዊ መቦቆሉ ከምዘይርስዖ’ዩ ዘመላኽት” ኢሉ።
"ተውህቦኡ፡ ከምኡ'ውን መቦቆሉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓደ መዓልቲ ከም በዓል ላሚነ ዝኣመሰሉ ተጻወትቲ ኣብዚ ክህልዉና ይኽእሉ ኢዮም" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







