ጆ ባይደን ንፈለማ እዋን ናብ ማእከላይ ምብራቕ ክበጽሕ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ስልጣን ዋይት ሃውስ ድሕሪ ምርካቡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ንማእከላይ ምብራቕ ክገይሽ እዩ። ኣብቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሕ መገሽኡ ከኣ ናብ እስራኤል፡ ፍልስጤምን ስዑዲ ዓረብን ክበጽሕ እዩ።
ባይደን ናብ ሓላፍነት ድሕሪ ምምጽኡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣመሪካ ምስ ሰዓብታ ሃገራት ዘለዋ ዝምድናን ርክብን ኣብ ምልክት ሕቶ ካብ ዝኣቱ ጸኒሑ ኣሎ።
ዋይት ሃውስ፡ ናይ እስራኤል ናይ ሰፈራ ፕሮግራም ይነቕፎ እዩ። ፍልስጤማዊያን እውን ብኣመሪካ ልዑል ደገፍ ክግበረሎም ይሓቱ። ኣመሪካ ምስ ስዑዲ ዓረብ ዝነበራ ዝምድና ብምኽንያት ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ዝሒሉ ጸኒሑ’ዩ።
ፕረዚደንት ባይደን ኣብ 2019 ንፕሬዝዳንትነት ክወዳደር እንከሎ፡ ብቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾጊ ብዝተሓሓዝ ንስዑዲ ዓረብ ከምዘየቕርባ ቃል ኣትዩ ነይሩ።
ተወላዲ ስዑዲ ዓረብ ካሾጊ፡ ኣብ ዋሽንግተን ፖስት ዝጽሕፍ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ነይሩ። ካሾጊ ኣብ 2018፡ ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ስዑዲ ጉዳይ መርዕኡ ከሳልጥ ምስ ኣተወ ብጭካነ ከምዝተቐትለ ይፍለጥ።
ናይ ኣሜሪካ ናይ ድሕንነት ትካላት፡ ንቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ልኡል ስዑዲ መሓመድ ቢን ሳልማን “ኣፍቂዱ እዩ” ኣብ ዝብል መደምደምታ እዩ በጺሑ። እቲ ልኡል ግን እቲ ቕትለት “ስርዓት ኣልቦ” ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ስዑዲ ዝፈጸሙዎ’ዩ ክብል ይምልስ።
ልኡል መሓመድ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ጽኑዕ ርክብ ነይሩዎ። ባይደን ናብ ሓላፍነት ድሕሪ ምምጽኡ ግን ዋይት ሃውስ ምስ ስዑዲ ዓረብ ዝነበራ ርክብ ዳግማይ ከምእትኽልሶ ገሊጹ ነይሩ። ይኹን እምበር ባይደን ምስ’ዚ ሕጂ ዋጋ ነዳዲ ምንሃሩ ንስዑዲ ምርሓቓ ግቡእ ኣይኮነን ዝብል እምነት ከምዘሕደረ ይዛረብ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ኣቕርቦት ነዳዲ ክዘራረቡ እዮም ዝብል ግምት ኣሎ። ፕሬዝደንት ባይደን ግን ርክቦም ልዕሊ ነዳዲ ኣብ ጉዳይ ድሕነት ከምዘተኩር ኣጥቢቑ ተዛሪቡ ኣሎ።
እዚ ናይ ሕጂ ርክብ ኣብ መንጎ ባይደንን ልኡል መሓመድን ፊት ንፊት ዝግበር ናይ መጀመርታ ርክብ ክኸውን እዩ።
ይኹን እምበር 13 ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ማሕበራት “ ምብጻሕ ጆ ባይደን ንስዑዲ ነቲ ልኡል ተወሳኺ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንክፍጽም ከበረታትዖ እዩ” ክብሉ ነቲ ርክብ ኮኒኖሞ።
“ምምሕዳር [ባይደን] ምስሊ ልኡል ስዑዲ ካብ ምምሕያሽ ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክሰርሕ ይግባእ” ይብሉ።
ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን፡ ሰብኣዊ መሰልን ስዑድን፡ ንሳ እትድግፎም ሓይልታት መንግስቲ የመንን፡ ብኢራን ዝድገፉ ሓይልታት ሑትን እቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኵናት እውን ከም ዛዕባ ተታሒዙ ኣሎ ኢሉ።
ባይደን ካብ እስራኤል ብቐጥታ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝበርር ናይ መጀመርታ ኣመሪካዊ ፕሬዝዳንት ክኸውን እዩ።
ስዑድን እስራኤልን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኣይነበሮም። ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ናይ በረራ ርክብ ኣይፍቀድን ነይሩ። ልኡል ስዑዲ’ዩ ኣብ ቀረባ ግዜ መገዲ ኣየር እስራኤል ብክሊ ኣየር ስዑዲ ንክሓልፍ ፈቒዱ።
ሕቡራት ኢመሬይት ዓረብ እውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ እስራኤል ዘለዋ ርክብ ተመሓይሽ ኣላ። ብወገን ስዑዲ እውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ይውሰድ ኣሎ። ልዑል ስዑዲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ዘሎ ርክብ ክፍታሕ ከምዝግበኦይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን፡ እቲ ጉዕዞ “ እስራኤል ምስቲ ዞባ ንእትገብሮ ርክብን ምቅርራብን ከተኩር እዩ” ኢሉ።
ባይደን ንማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝገብሮ ርክብ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ናፍታሊ ቤኔት ክዘራረብ እዩ። ቤኔት ኣብ ዌስት ባንክ ንዘሎ ናይ እስራኤል ናይ ሰፈራ መደባት ክሳለጥ ዝድግፍ እዩ። ምምሕዳር ባይደን ግን ነቲ ተግባር ኣጥቢቑ እዩ ዝቃወሞ።
ብመሰረት ዓለማዊ ሕጊ እቲ ናይ ሰፈራ ዓድታት ዘይሕጋዊ ምዃኑ እኳ እንተተገልጸ እስራኤል ግን ኣይትቕበሎን እያ።
ፕረዚደንት ባይደን ብተወሳኺ ምስ ፍልስጤማዊ መዘንኡ ማሕሙድ ዓባስ እውን ኣብ ዌስት ባንክ ክራኸብ እዩ።
ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ባይደን “ ናይ እስራኤልን ፍልስጤምን ግጭት” ናይ ክልቲኤን ሃገራት ፍታሕ ይግበኦ ኣብ ዝብል ኣተሓሳስብኡ ክጽንዕ’ዩ ዝብል ትጽቢት ኣለዎም።
ምስዚ ጎኒ ንጎኒ፡ መንግስቲ ፍልስጤም ልክዕ ከም መንግስቲ እስራኤል ክፍጠርን ክዓብን ዝድገፍ እዩ። ቤኔት ግን “እዚ ፈጺሙ ዘይሕሰብ እዩ” ይብል።
እዚ ናይ ርክብ ጉዕዞ፡ ኣሜሪካ ምስ ፍልስጤማውያን ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ምስተመሓየሸ ድሕሪ ሒደት መዓልታት’ዩ ብወግዒ ተገሊጹ።
እቲ ምምሕዳር ትራምፕ ናብ እየሩሳሌም ዘግዓዞ ኤምባሲ ኣመሪካ ብ2018 ምዕጻው ከም ሓደ ምላሽ እዩ ዝረአ። ፍልስጤማውያን ግን ከም ኤምባሲ ዝቖጽሩዎ ቆንስሎም ዳግማይ ብዘይምኽፋቱ ቅሬታ ኣለዎም።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2017 ንመላእ የሩሳሌም ከም ርእሲ ከተማ እስራኤል ኣፍልጦ ብምሃቡ፡ፍልስጤማውያን ካብ መጠን ንላዕሊ ተቘጢዖም እዮም። እዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ባይደን እውን ጸኒሑ እዩ።
ፍልስጤማውያን፡ ምብራቕ የሩሳሌም ከም ርእሰ ከተማ ናይ መጻኢ ናጻ ሃገሮም ገይሮም እዮም ዝርእይዋ። እስራኤል ግን ንብዘላ የሩሳሌም ፡ እንተላይ ነቲ ብ1967 ኣብ ውግእ ማእከላይ ምብራቕ ዝሓዘቶ ምብራቓዊ ሸነኽ፡ ኣብ ድርድር ዘይኣቱ ርእሰ ከተማኣ ገይራ እያ እትርእዮ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







