ኣመሪካ ንህዝቢ ኤርትራ ሰብኣዊ ረዲኤት ከይትህብ ከምዝተኸልከለት ገሊጻ

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ስቲቨን ዎከር፡

ምንጪ ስእሊ, Erisat

መግለጺ ስእሊ, ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ስቲቨን ዎከር ኣብ ፌስቡክ ንሰብመዚ ኤርትራ ብቐጥታ ክነቅፍ ምጽንሑ ይፍለጥ

ኣመሪካ ሰብኣዊ ረዲኤት ንኤርትራ ከይትህብ ብመንግስቲ ኤርትራ ከምዝተኸልከልት ላዕለዋይ ሓላፊ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ገሊጹ።

ስቲቨን ዎከር፡ ኣብቲ ኣብ ወጻኢ ዝመደበሩ ኤርትራዊ ሳተላይት ተለቪዥን ኤሪሳት ዝተዳለወን ንተራ ናጻ ፕረስ ዝድህስስን ዋዕላ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ 2005 መንግስቲ ኤርትራ ንትካል ዓለምለኻዊ ልምዓት ኣመሪካ (USAID) ኣብ ኤርትራ ከይሰርሕ ድሕሪ ምእጋዱ፡ “ቀጥታዊ” ልምዓታውን ሰብኣውን ደገፍ ንህዝቢ ኤርትራ ክህቡ ከምዘይክኣሉ ተዛሪቡ።

“ዘይቀጥታዊ ደገፍ” ብመንገዲ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ከምዝህቡ ግን እቲ ዲፕሎማሰኛ ጠቒሱ። ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ብመንገዲ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ደገፍ ከምዝህቡ’ውን ተዛሪቡ።

“ርእሰ-ምርኮሳ” ዝብል መትከል ከምዝኽተሉ ዝምጉቱ መራሕቲ ኤርትራ ካብ 2001 ክሳብ 2006 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ሓያሎ ዘይመንግስታውያን ናይ ረዲኤት ትካላት ምስጓጎም ይዝከር።

ሓደ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ኣመሪካ፡ ምስ ኣብ ደገ ዝርከቡ ኤርትራውያን ትካላት ሜድያ ካብ ኣስመራ ቃለመሕትት ከካይድ እዚ ናይ ፈለማ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።

ኣብ ዋዕላ ኤሪሳት ምስታፉ ብዙሕ ነቐፌታ ከምዘስዓበሉ ዝገለጸ ስተቨን ዎከር፡ እቲ ዝወሰዶ ዘይልሙድ ስጉምቲ “ኣመሪካ ንኤርትራዊ ተቓውሞ ከምእትድግፎ ተገይሩ ክርአ የብሉን” ኢሉ። ኤሪሳት ናጻ ማዕከን ዜና ምዃኑን፡ መንግስቲ ዘይቅበሎ ርእይቶ ክህልዎ ጸገም ከምዘይብሉን ድማ ኣነጺሩ።

ንሱ፡ ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ንምብራህ ቅድሚ ሕጂ ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ቃለመሕትት ክገብር ሕቶታት’ኳ እንተቕረበ ከምዝተነጽገ ብምጥቃስ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ንመንግስታዊ ትካላት ሜድያ ሓሳቡ ክህብ ፍቓደኛ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ካብ 2001 ጀሚሩ፡ መንግስቲ ኤርትራ ናጻ ፕረስ ኣጊዱ ምህላዉን፡ ብዙሓት ጋዜጠኛታት፡ እንኮላይ ኣዳላውትን ጋዜጠኛታትን ናይተን ኣብ መስከረም 2001 ዝተዓጽዋ ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታት ኣብ ስዉር ኣብያተማእሰርቲ ቀይዱ ከምዘሎ ይፍለጥ።

“ናጻ ፕረስ እምነ-ኩርናዕ ናይ ጥዕና ዘለዋ፡ ደሞክራስያዊትን ናጻን ሃገር’ዩ” ዝበለ ስቲቨን ዎከር፡ መሰረት ሰባዊ መሰላትን ቁጠባዊ ምዕባለን’ዩ ክብል መጒቱ።

ስቲቨን ዎከር

ምንጪ ስእሊ, Erisat

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ መዳይ ጥዕና፡ ብፍላይ ኣንጻር ዝተፈላለዩ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዘካየዶ ናይ ክታበት ወፍሪታት ዕውት ምንባሩ ብምእማን፡ ልምዓታዊ ምዕባለ ኤርትራ በቲ ዘሎ ዘይደሞክራስያዊ ምሕደራ ተደሪቱ ኣሎ ኢሉ። እቲ ገደብ-ኣልቦ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ገደብ ክግበረሉን ናብ ንቡር (18 ኣዋርሕ) ክምለስን ጸዊዑ’ሎ።

እቲ ብማንዛ ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፈ ላዕለዋይ ኣመሪካዊ ዲፕሎማሰኛ፡ ሃገሩ ኣብ ኤርትራ “ናይ ስርዓት ለውጢ ንምምጻእ ዝዓለመ ፖሊሲ የብላን” ኢሉ። ንደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ዝድግፉ እንተኾይኖም ኣብ ዝቐረበሉ ሕቶ ድማ “መጻኢ ኤርትራ ብህዝቢ ኤርትራ’ዩ ዝውሰን” ክብል ሓጺር መልሲ ሂብሉ።

መራሕቲ ኤርትራ፡ ኣመሪካ ብመንገዲ ናይ ስለያ ትካላታ ይኹን ናይ ወጻኢ ፖሊሲታታ ነቲ ንልዕሊ 31 ዓመታት ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ዝምራሕ ስርዓት ንምዕላው ፈተነታት ከተካይድ ምጽንሓን፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእ ክትፈጥር ከምዝጸንሐት’ዮም ዝኸሱ።

ብዛዕባ ሃለዋት ኣብ ጥቅምቲ 2001 ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ክልተ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፡ እቲ ጉዳይ “ብሰላሕታዊ ዲፕሎማሲ” ምስ ሰብመዚ ኤርትራ ክዘራረብሉ ምጽንሖም ብምጥቃስ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ከምዘይደሊ ኣነጺሩ።

እንተኾነ ግን ንሶም ኮነ፡ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ርእይትኦምን ሃይማኖታዊ እምነቶምን ዝተኣስሩ ኩሎም ናይ ሕልና እሱራት ክፍትሑ ጸዊዑ።

ብዛዕባ ምትእትታው ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ሃገሩ ፍሉይ ልኡኽ ብምምዛዝ ነቲ ግጭት ብሰላማዊ ኣገባብ ፍታሕ ክረኽብሉ ይጽዕሩ ከምዘለዉ ተዛሪቡ። ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ወገናት እንኮላይ ሓይልታት ኤርትራ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ’ውን ጠቒሱ።

ኣመሪካ፡ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተኣሰር ኣብ ልዕሊ ትካላትን ላዕለዎት ሓለፍትን ጸጥታን ቁጠባዊ ትካላት ህግደፍን እገዳታት ኣንቢራ ይትርከብ።

እቲ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ፡ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኲናት ዩክረይን፡ ምስታ ካብኣ ንዝደኸመት ጎረቤት ሃገር ዝወረረትሉ ሩስያ ምውጋና ብምንቃፍ “ዘደንጹ’ዩ” ክብል ገሊጽዎ።

ትካል ኤሪ-ሳት፡ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ብመንገዲ ሳተላይት ናብ ኤርትራ ናይ ተለለቪዢን ራድዮን ፈነወ ዘካይድ ኮይኑ፡ ንሓያሎ ናይ ዩቱብ ቻናላት ከም መድረኽ ኮይኑ ዘገልግል’ዩ።