ኤርትራ፡ መንግስቲ ንቅዋም 1997 ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ኤምባሲ ኣመሪካ ተማሕጺኑ

ባንዴራ ኤርትራን ኣመሪካን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም እታ ሃገር ከተግብሮ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ጸዊዑ።

እቲ ኤምባሲ፡ ንሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ "ኤርትራውያን መንግስቶም ክመርጹ ዘኽእሎም [ሃገራዊ] ምርጫ" ንምክያድ "መግስቲ ኤርትራ ንዝኣተዎ ዓለምለኻዊ ውዕላትን ንዜጋታቱ ዝኣተዎ መብጽዓን ከተግብር" ተማሕጺኑ።

ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል፡ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ርእይቶ፡ ብዛዕባ ሓደ ንምትእትታው ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ተሪር ተቓውሞ ዘስምዐ ኣባል ኮንግረስ (ባይቶ) ኣመሪካ ዝተገብረሉ ናይ ጎስጓስ ገንዘባዊ ደገፍ ዝገልጽ ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ ለጢፉ ነይሩ።

"እዚ ምሉእ ብምሉእ ሓቂ እንተኾይኑ. . .ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ንሎቢስት [ሰብ ፍሉይ ረብሓ] ብምሃብ. . .ባህርያዊ ሓደጋ ምምዝባዕ" ከኸትል ከምዝኽእል ኣቶ የማነ ኣሚቱ ነይሩ።

እቲ ብቐጻሊ ነቲ ሚኒስተርን እቲ ንሱ ዝመርሖ ናይ ዜና ትካልን ዝህብዎ ሓበሬታታት ቅልጡፍን ተጻራሪ ግብረመልስን ብምሃብ ዝፍለጥ ኤምባሲ ኣመሪካ ብወገኑ፡ ጉዳይ ገንዘብ ጎስጓስ ምርጫ ኣመሪካ ኣዘራራቢ ምዃኑ ብምእማን፡ "ደሞክራሲ ኣመሪካ ኣብ መስርሕ ዘሎ'ዩ" ክብል ኣብቲ ናይ ሎሚ ጽሑፉ መልሲ ሂብሉ።

"እቲ 'መሰረታዊ ጉዳይ' ግን፡ እቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም ኤርትራ ኣብ ግብሪ ዘይምውዓሉ'ዩ" ክብል እቲ ኤምባሲ ነቒፉ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወቂ ኣብ 2015 ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት እቲ ንምንዳፉ ክልተ ዓመታት ዝወሰደን ኣብ ግንቦት 1997 ድማ "ብቅዋማዊ ባይቶ" ዝጸደቐን ሕገ-መንግስቲ፡ "እቲ ሰነድ ከይተኣወጀ ሞይቱ እዩ" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።

ኣቐዲሙ፡ ኣብ 2014 ኣብ ጽንብል ሃገራዊ መዓልቲ ናጽነት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ንመጻኢ መንግስታዊ ስርዓት፡ መርሓ ፖለቲካዊ ጎደና ዝቕይስ ቅዋም ምንዳፍ ክጅምር ምዃኑ ኣብዚ ኣጋጣሚ'ዚ ክሕብር እፈቱ" ኢሉ።

እንተኾነ ግን፡ ኣብ ዝቐጸለ ቃለ-መሕትቱ፡ ነቲ ናይ ምንዳፍ ስራሕ ዘካይድ "ሓደ ኣካል" ከምዝቖም'ኳ እንተገለጸ፡ ክሳብ ሕጂ ዝተነድፈ ሰነድ የለን።

ኣብታ ኣብ 1993 ብረፈረንደም ናጽነታ ዝኣወጀት ኤርትራ ሃገራዊ ምርጫ ክሳብ ሎሚ ኣይተኻየደን። ዞባዊን ከባብያውን ምርጫታት ግን ክካየዱ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ እታ ሃገር ኣብ 1991 ሓርነታ ብብረታዊ ቃልሲ ካብ እተረጋግጽ ክሳብ ሎሚ ይመርሓ ኣሎ።

እቲ ኣብ 1994 ዝቖመ፡ ፍርቁ ብኣባላት ህዝባዊ ግንባር ዝመልአ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ'ውን እንተኾነ ካብ 2002 ጀሚሩ ብዘይወግዓዊ ኣገባብ ፈሪሱ ይርከብ።

ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ዓለምለኻውያን ተጣበቕቲ መሰላት፡ መንግስቲ ኤርትራ ሰፊሕ ምግሃስ መሰላት ከምዝፍጽም ክኸሱ ጸኒሐም'ዮም። ሰብመዚ ኤርትራ ግን ንዝቐርበሎም ክስታት፡ ንምስሊ ሃገሮም ንምድዋን ዝቐርብ "ውዲት'ዩ" ብምባል'ዮም ዝነጽግዎ።

ኤምባሲ ኣመሪካ፡ "ኤርትራውያን ዜጋታት ዋላ ንፖሊሲ መንግስቲ ዝጻረር ርእይቶ ይሃልዎም፡ ሓሳቦም ክገልጹ ክፍቀደሎም ኣለዎ" ኢሉ።

"ኣባለት ጉጅለ-15 ካልኦት ብዙሓት ኤርትራውያንን ከምዝምስክርዎ፡ ተቓውሞኦም ዝገልጹ ዜጋታት 'ከዳዓት' ተባሂሎም ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይድርበዩ" ብምባል፡ ኩሎም ኤርትራውያን ትዊተር ክጥቀሙን ሓሳቦም ብናጽነት ክገልጹን ክፍቀደሎም ጸዊዑ።

ኣብ መስከረም 2001 ኩለን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ድሕሪ ምዕጻወን፡ ክሳብ ሎሚ ናጻ ፕረስ ኣብታ ሃገር ተኣጊዱ ይርከብ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ላዕለዎት ሰበስልጣን ዝነበሩ ኣባለት ጉጅለ-15 ይኹን፡ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ክሳብ ሎሚ ተሰዊሮም ምህላዎም ይፍለጥ።

ድሕሪ 2018 ዝምድና ኣመሪካን ኤርትራን ተስፋ ፈጢሩ'ኳ እንተነበረ፡ ካብዘን ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ጀሚሩ ግን እናሻሕከረ ይኸይድ ኣሎ።