ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ ዘበገሶ ፕሮጀክት ዝለዓል ዘሎ ቅሬታ እንታይ እዩ?

ቀላይ

ምንጪ ስእሊ, AMHARA COMM

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት "ገበታ ለሸገር"፡ "ገበታ ለሃገር"ን "ገበታ ለትውልድ" [መኣዲ ንኣዲስ ኣበባ፡ ንሃገርን ንትውልድን] ብዝብል ዝፍለጡ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ከምጀመረን የካይድ ከምዘሎን ይፍለጥ።

በዚ ንሱ ዘበገሶ ውጥን ከኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላትን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ንበጻሕቲ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ኣብ ዝበሃሉ ከባቢታት ህንፀት መዘናግዒ ቦታታት ይስርሑ ኣለዉ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ክልተ ቦታታት እውን ኣብ ትሕቲ እዞም ፕሮጀክትታት ክህነጹ ዝተመረጹ እዮም።

እቲ ቀዳማይ ኣብ ትሕቲ ‘ገበታ ለሃገር’ ተኻቲቱ ዘሎ ድማ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ቀላይ ጣና ዝህነጽ ፕሮጀክት ጎርጎራ እዩ።

እዚ ኣብ ዞባ ማእከል ጎንደር ወረዳ ምዕራብ ደንብያ ዝህነጽ ዘሎ ፕሮጀክት ናብ ምዝዛም ገጹ ምቕራቡ መንግስቲ ከምዘፍለጠ ይዝከር።

ካልእ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝስራሕን ኣብ ትሕቲ ‘ገበታ ለትውልድ’ ዝጥርነፍን ድማ ፕሮጀክት ሎጎ ሃይቅ ዝብል መፀውዒ ተዋሂብዎ ኣሎ።

ፕሮጀክት ሎጎ ሃይቅ ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ተሁለደሬ ካብ ከተማ ሃይቅ ኣስታት ሰለስተ ኪሎ ሜትር ርሒቑ ዝስራሕ ኮይኑ ኣብ 13.6 ሄክታር መሬት ከምዝዓርፍ ከንቲባ እታ ከተማ ኣቶ ከድር መሓመድ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ንሱ ከም ዝበሎ እዚ ኣብ ገምገም ሎጎ ሃይቅ ዝህነጽ ፕሮጀክት ንምጅማር ምድላው እናተገበረ እዩ።

በዚ ፕሮጀክት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ካብ መሬቶም ዝለዓሉ ሓረስቶት ዞባ ደቡብ ወሎ ከባቢ ሎጎ ሃይቅ ግን "ካሕሳ ከይተኸፈለን ጥርዓንና ከይተሰምዐን መሬትና ይሕረስ ኣሎ" ክብሉ ንቢቢሲ ይዛረቡ።

ምምሕዳር ከተማ ሃይቅ ንህንጸት እዚ ፕሮጀክት ዝውዕል "ናጻ መሬት" ናይ ምድላው ሓላፍነት ከምዝተውሃቦ ዝሓበረ እቲ ከንቲባ፡ ብሰንኪ እቲ ፕሮጀክት ንዝመዛበሉ ሓረስቶት ካሕሳ ንምኽፋል መፅናዕቲ ይግበር ስለዝነበረ ህንጸቱ ዛጊድ ከምዘይተጀመረ ኣብሪሁ።

ብተወሳኺ ነዚ ብፈደራል መንግስቲ ዝህነፅ ፕሮጀክት ዝውዕል መሬት ንምርካብ ብዝብል ካብ ነባር ትሕዝቶኦም ዝለዓሉ ውልቀሰባት ካሕሳ ናይ ምኽፋል ሓላፍነት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እቲ ክልል ከምዝወደቐ እቲ ከንቲባ ተዛሪቡ።

ቀላይ

ምንጪ ስእሊ, AMHARA COMM

ነቶም ሓረስቶት ቀዋሚ ካሕሳ ምሃብ ኣገዳሲ ስለዝዀነ መፅናዕቲ ተኻይዱ እቲ በጀት ከምዝጸደቐ ወሲኹ ሓቢሩ።

ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ብ13 ታሕሳስ 2016 [ግ] ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ነይሩ ነቲ በጀት ዘጽደቖ።

ኣብቲ ኣኼባ ዝፀደቐ ናይ ካሕሳ በጀት ድማ ኣስታት 235 ሚልዮን ብር ምዃኑ ሓላፊ ቢሮ ምሕደራ መሬት ክልል ኣምሓራ ኣቶ ሲሳይ ዳምጤ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ በጀት ብሰንኪ እቲ ፕሮጀክት ካብቲ ከባቢ ንዝልዓሉ 231 ሓረስቶትን ሎጃትን ዝተሓዝ እዩ።

ኣቶ ሲሳይ ከምዝበሎ እቶም ሓረስቶት ካሕሳ ገንዘብ እምበር ተተካኢ መሬት ኣይወሃቦምን። እቲ ካሕሳ ኣብ ዝሕሰበሉ እዋን ከኣ ካብ ስፍሓት መሬት ሓረስቶት ብተወሳኺ ካብቲ መሬት ክኣትው ዝኽእል ምህርቲ እውን ኣብ ግምት ከምዝኣትው ኣረዲኡ።

ጥርዓን ሓረስቶት እንታይ እዩ?

ሰበስልጣን እቲ ዞባ ከምዚ እኳ እንተበሉ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰለስተ ሓረስቶትን ክልተ ወነንቲ ሎጅን ግን እቲ መጠን ገንዘብ "ንእሽቶ" ከም ዝኾነ ይገልጹ።

ብፍላይ እቶም ሓረስቶት ኣብ መሬቶም ንዝፈረየ ምህርቲ ዝተገመተ ባጀት ምስ ዋጋ እቲ ፍርያት ዝመጣጠን ኣይኮነን ይብሉ።

ኣብ ከባቢ 550 ትርብዒት ሜትሮ መሬት ኣቮካዶ ከምዘመልመዐ ዝዛረብ ሓደ ሓረስታይ ነቲ ኣብ መሬቱ ንዘሎ ፍረታት ዝኽፈል መጠን ካሕሳ 926 ሽሕ ብር ከምዝተገመተሉ ሓቢሩ።

“ነዚ ኣቮካዶ ከልምዕ ከለኹ ብዙሕ መስዋእቲ ከፊለ እየ። ንዕኡ ዘልማዕኩሉ እዋን ኣብ ካልእ ስራሕ እንተዘውዕሎ ነይረ፡ 900 ሽሕ ብር ዘይኮነስ [ዝያዳ] ገንዘብ ምረኸብኩ" ብምባል በቲ ዝተወሰነሉ ካሕሳ ሕጉስ ከምዘይኮነ ገሊጹ።

ኣብ መፃኢ በዚ ገንዘብ እንታይ ክገብር ከምዝኽእል ርግጸኛታት ከምዘይኮነ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ካልእ ኣብ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ትርብዒት ሜትሮ መሬት ጣፍን ኣሕምልትን ዘፍሪ ሓረስታይ እውን ተመሳሳሊ ሓሳብ ኣልዒሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቶም ሓረስቶት ብዛዕባ ዝተዋህቦም መጠን ካሕሳ "ናይ ጥርዓን ዕድል" ከይረኸቡ ትማሊ ዓርቢ መሬቶም "ብቡልዶዘር ክሕረስ" ከምዝጀመረ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ጥርዓን ሓረስቶት ሕቶ ዘቕረበሉ ከንቲባ ከተማ ሃይቅ ኣቶ ከድር እቲ ንካሕሳ ዝጸደቐ ገንዘብ ክሳብ ሕጂ ናብቶም ሓረስቶት ከምዘይተሰጋገረ ኣረጋጊጹ’ሎ።

ነቲ ጉዳይ ብዝምልከት ብቢቢሲ ዝተሓተተ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር "ምስ ናይ ገበታ ፕሮጀክትታተይ ዘወተሓሓዝ ጉዳይ መሬት ንክልላት እዩ ዝምልከቶም" ዝብል መልሲ ሂቡ’ሎ።

ቀላይ

ምንጪ ስእሊ, AMHARA COMM

ከንቲባ ከተማ ሃይቅ ብወገኑ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ነቲ ዝፀደቐ ገንዘብ ናብ ምምሕዳር ከተማ ኣሰጋጊሩ ከምዘሎን ሓረስቶት ነቲ ገንዘብ ናብ ዝመረፅዎ ባንኪ ኣታዊ ከምዝግበረሎምን ገሊጹ።

ንህንፀት እቲ ፕሮጀክት ዝውዕላ ማሽናት ናብቲ ከባቢ ይኣትዋ ከምዘለዋ ብምርግጋጽ ድማ "መሬትና ይሕረስ ኣሎ" ንዝብል ጥርዓን ሓረስቶት ነጺግዎ።

“[እቲ ማሽን ዝመጸአ] ንመኽዘንን ሓለዋን ዝኸውን ቦታታት ንምህናጽ እምበር ብወግዓዊ መንገዲ ናብ ስራሕ ንምእታው ኣይኮነን። እቲ ማሽን ሎሚ [ዓርቢ] ዝኣተወሉ ምኽንያት ገለ ናይ ምድላው ስራሕ ንምስራሕ እዩ" ኢሉ።

ሓረስቶት ካብ ትማሊ ዓርቢ ጀሚሮም ብዛዕባ ዝተመደበሎም ናይ ካሕሳ ገንዘብ ጥርዓኖም ከቕርቡ ከምዝጀመሩ ብምጥቃስ ድማ እቲ ምምሕዳሩ ነዚ ጥርዓን ንምቕባል ዘጣየሾ ቤት ፅሕፈት ነቲ ጉዳይ ከምዝምርምሮ ተዛሪቡ