“ናብ ዝመፃእናሉ ክንምለስ ተገዲድና” ካብ ወለጋ ተመዛቢሎም ኣብ ኣምሓራ ዘዕቖቡ ተመዛበልቲ

ቅድሚ ሕዚ ካብ ወለጋ ዝተመዛበሉ ተመዛበልቲ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ካብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ወለጋ ተመዛቢሎም ኣብ ሰሜንን ደቡብን ወሎ ኣብ ዝርከቡ መዕቖቢ ጣብያታት ዝርከቡ ተመዛበልቲ፡ ካብ መጥቃዕቲ ሃዲምና ናብ ዝመፃእናሉ ከባቢ ክንምለስ ተገዲድና ክብሉ ንቢቢሲ ገሊፆም።

ኣመራርሓ ምክልኻልን ድሉውነትን ሓደጋ እቲ ክልል ብወገኑ፡ ተመዛበልቲ ብኣስገዳድ ክምለሱ ከም ዘይግበርን፡ እቶም ዝምለሱ ሰባት’ውን ሰላማዊ ናብ ዝኾኑ ከባብታት ወለጋ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብ መፅለሊ ተመዛበልቲ ገራዶ፣ ደጋን፣ ጃሪ፣ ኩታበር፣ ሃይቅን ካልኦትን ዝርከቡ ተመዛበልቲ ግና፡ ንደሕንነቶም ውሑስ ናብ ዘይኮነ ከባቢ ክምለሱ ይግደዱ ከም ዘለዉ’ዮም ዝገልፁ።

ንደሕንነቱ ሽሙ ዘይንገልፆ ሓደ ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ዝርከብ ተመዛባሊ፡ “ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ናብ ዝርከቡ ከባብታት ናይ ምምላስ ድሌት ዋላ’ኳ እንተዘይሃለወና፡ ኣብ ሒደት መዓልቲ ናብ ዝነበርናሉ ከም ንምለስ ተነጊሩና።

ሕዚ ኣብቲ ዝመፃእኹምሉ ከባቢ ሰላም ኣሎ፣ ክትኸዱ ኢኹም ተባሂልና። ኣብ ቀፃሊ ሰኑይ (15 ታሕሳስ 2016 ኣ.ግ) ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ከም ንጓዓዝ ተነጊሩና። ክንምለስ ንደልይ ኢና፡ ግና ሰላም የለን። ሰላም ኰይኑ’ዩ ዝብልዎ፡ ሓሰት እዩ። ኣብኡ ካብ ዝተረፉ ወገናትና መዓልታዊ ሓበሬታ ንረክብ ኢና” ይብል።

እቲ ተመዛቢሉ ዝመፅአሉ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ዝርከብ ከባቢ ሰላም ካብ ዝሓርሞ ሰለስተ ዓመት ከም ዝሓለፎ ድማ ይዛረብ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተመዛበልቲ ከም ዝብልዎ፡ ቅድሚ ሕዚ ናብ ዝነበርሉ ከባቢ ዘይምለሱ እንተድኣ ኰይኖም፡ ሕዚ ኣዕቑቦምሉ ካብ ዝርከቡ መፅለሊ ተመዛበልቲ በስገዳድ ክወፅኡ’ዮም።

“ኣብዚ ጥሜት’ዩ። ናብቲ ዝነበርናሉ እንተኸይድና ድማ ሞት’ዩ ዝፅበየና” ዝብሉ እቶም ተመዛበልቲ፡ ኣብቲ ሕዚ ኣዕቑቦምሉ ዝርከቡ መዓስከር፡ ንመወዳእታ ግዘ ረድኤት ዝተውሃቦም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከም ዝኾነ ይዛረቡ።

ካልእ ተመዛባሊ ድማ፡ “ክንደይ ወለድና፣ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ተወዲኦምና፡ ከመይ ገይርና ሰላም ናብ ዘይብሉ ቦታ ንኸይድ?” ኢልና እንተሓተትና፡ ‘ካብ 15 ክሳብ 17 ታሕሳስ ካብዚ መዓስከር እንንተድኣ ዘይወፂእኹም፡ ዝምልከቶ ኣካል መፅዩ ከውፅአኩም’ዩ’ ኢሎምና” ብምባል፡ ምስ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ዝገበርዎ ዘተ ይገልፅ።

ሓላፊ ምክልኻል ሓደጋን ቅድመ መጠንቀቕታ ውሕስና ምግብን ዞባ ደቡብ ወሎ ኣይተ መሓመድ ሰይድ፡ እቶም ነበርቲ ሰላም ናብ ዘለዎም ከባብታት ከም ዝምለሱን ፀቕጢ ዝገበረ ኣካል ከም ዘየለን ይዛረብ።

እቶም ተመዛበልቲ “ኣዕቑቦምሉ ዘለዉ ኣብ ከም ቤት-ትምህርቲ ዝኣመሰሉ መሰረተ ልምዓት እዩ። እዞም መሰረተ ልምዓታት ዝድለዩ እንተኾይኖም ከኣ፡ ተመዛበልቲ ኣብዚ ቦታ ከይቕመጡ ይኽእሉ” ኢሉ።

እቶም ተመዛበልቲ ናብ ዝመፅእሉ ክምለሱ እንተድኣ ዘይደልዩ ኰይኖም ድማ ምኽንያቶም ተፃርዩ ናብ ማሕበረሰብ ክፅንበሩ ከም ዝኽእሉ ሓቢሩ።

ኮምሽነር ኮምሽን ምክልኻል ሓደጋን ፕሮግራም ውሕስና ምግብን ክልል ኣምሓራ ተስፋሁን ባያብል ብወገኑ፡ እቶም ተመዛበልቲ ዝምለስሉ መዓልቲ ከም ዘይተወሰነ ገሊፁ።

“በስገዳድ ምምላስ የለን። እንተኾነ ሕዚ ዝነብርሉ መዓስከር ዘላቕነት ዘለዎ ኣይኰነን። ኮሜቴ ውሑስ ሰላምን መሰረተ ልምዓትን ናብ ዘለዎ ቦታ ከይዱ ምስ ኣረጋገፀ ክምለሱ’ዮም” ኢሉ።

ተመዛበልቲ ናብ ምብራቕ ወለጋ፣ ምዕራብ ወለጋ፣ ሆሮ ጉዱሩ፣ ወለጋን ምዕራብ ሸዋን ንምምላስ ከም ዝተተለመ ድማ ገሊፁ።