መንግስቲ ኣብ ኦሮምያ ስለምንታይ እዩ ድሕነት ሰላማውያን ምውሓስ ተጸጊሙ?

ኣደታት ይነብዓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ ዞባ ወለጋ ሆሮ ጉድሩ ዝተመዛበለ፡ ሕጂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ንድሕነቱ ስሙ ክዕቀብ ዝሓተተ ወዲ 37 ዓመት ውልቀ ሰብ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኵነታት ብቓላት ክትገልጾ ከቢድ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካብ ኣባላት ስድራ ቤቱ ሸሞንተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ፍርቆም ቤተሰበይ ሞይቶም፡ እቶም ዝተረፉ ከኣ ተበታቲኖም፡ ኣበይ ከምዘለዉ ኣይፍለጥን’ዩ” ኢሉ።

ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢ ምዕራብ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ዜጋታት ዘውርድዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ እናወሰኸን እናሓየለን ይኸይድ ኣሎ።

እቶም ቢቢሲ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ዘዘራረቦም ነበርቲ ነቲ መጥቃዕቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ‘ፋኖ’ን መንግስቲ ኣሸበርቲ ክብል ዝጽውዖም ኦነግ/ሸኔን ከምዝዀኑ ይዛረቡ።

ዋላ’ኳ እቶም ዕጡቓት ሓይልታት ብዛዕባ እቲ ይውሰድ ኣሎ ዝበሃል መጥቃዕቲ ሓላፍነት እንተዘይተሰከሙ፡ መንግስትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ግን ንዓኣቶም እዮም ዝጥርጥሩ።

ሓለፍቲ ክልል ኦሮሚያ ‘ኦነግ/ሸኔ’ ኮነ ኣኽረርቲ ሓይልታት ኣምሓራ ንፖለቲካዊ ዕላማኦም ክብሉ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት የውርዱ ኣለው ክብሉ ይወቕሱ።

ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ መንጎ መንግስትን ሰራዊት ግንባር ነጻነት ኦሮሞ (ሸኔ) ብዝግበር ብርክት ዝበለ ግጭት ብዙሓት ሰላማውያን ነበርቲ ህይወቶምን ንብረቶምን ስኢኖም ቁሸታቶም ገዲፎም ተሰዲዶም ኣለው።

ኣብ ክልል ኦሮሞ ዘሎ ግጭትን ቅትለት ሰላማውያን ሰባትን ካብ ኣዒንቲ መራኸቢ ብዙሃን ስለዝተኸወለ ማሕበረ ሰብ ዓለም ግቡእ ኣቓልቦ ኣይሃቦን። ግን ስለምንታይ እዩ ከምኡ ኰይኑ? መንግስቲ’ኸ ስለምንታይ ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ንምውሓስ ተጸጊሙ?

ኣቓልቦ ዝሰኣነ ግጭት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ክልል ኦሮምያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ደቡባውን ምዕራባውን ክፍልታት ከቢድ ሽግር እዩ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ንኽሰፍሕ ብምሕላን ኵሎም ኣብ ግዳም ኰይኖም ዝቃወሙ ዝነበሩ ሓይልታት ፖለቲካ ናብ ሃገሮም ኣትዮም ንጥፈታቶም ከካይዱ ፈቒዱ።

ኣብቲ እዋን፡ ንነዊሕ ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይድ ዝነበረ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ (ኦነግ) ከኣ ሓደ ካብቶም ንዓዲ ዝተመልሱ ፖለቲካዊ ጕጅለታት ኰይኑ። ድሕሪ እቲ ንዓዲ ናይ ምእታው ጻውዒት ግን ኦነግ ኣብ ክልተ ተገሚዑ። እቲ ሓደ ወገን ጠበንጃ ኣቐሚጡ ብሰላማዊ መገዲ ክቃለስ እየ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ወገን ግን ዕላማይ ብዕጥቂ ብረት እየ ዝፍጽም ስለዚ ዕጥቀይ ኣየውርድን እየ ኢሉ።

እቲ ጉዳይ ብመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር'ኳ እንተተዘርበሉ ሚድያታት ወጻኢ ግን ኣቓልቦ ኣይሃባኦን ትብል መስራቲት ኣዲስ ስታንዳርድ ጸዳለ ለማ።

ኣብ ዝተፈለላየ ማዕከናት ዜና ዓለም ብምቕራብ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ኵነታት ትንታነ እትህብ ጸዳለ ለማ፡ ጉዳይ ኦሮምያ ግን ብዝተፈላለየ ርእሰ ዜናታት ተቐቢሩ እዩ ትብል። ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኽስተ ውግእ ምዃኑ ትገልጽ።

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ዝተኸስተ ውግእ፡ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ኦነግ/ሸኔን ህወሓትን ኣሸበርቲ ጕጅለታት እዮም ክብል ምእዋጁ ይዝከር። ኦነግ/ሸኔ ኣብ ዝተፈላለየ ግዝያት ኣብ ሰላማዊ ዜጋታት መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ክውቀስ እኳ እንተጸንሐ፡ እቲ ጕጅለ ግን ሓላፍነት ካብ ምውሳድ ተቘጢቡ ኣሎ።

ጸዳለ ከምእትብሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ፖለቲካዊ መድረኽ ክኸፍት፡ እሱራት ክፈትሕ፡ ቁጠባዊ ጽገና ክገብር እንከሎ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ግን ግጭት ይካየድ ነይሩ።

“ዋላ’ኳ ማሕበረ ሰብ ዓለምን መራኸቢ ብዙሃንን ሸለል እንተበልዎ፡ ናይ ኦሮሞ ናይ ናጽነት ሓይሊ፡ ካብ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ተነጺሉ ግጭት ክጅምር እንከሎ ሚድያታት ውሽጢ ሃገር ይጽብጽባ ነይረን።

ብምቕጻል ማሕበረ ሰብ ዓለም፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንሕቶ ህዝቢ ኦሮሞ ምላሽ ከምዝህብ እኳ እንተረኣዮ፡ ኣብ ሰሜን ምስ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ውግእ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ግን፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ጽቡቕ ዜና ኣይነበረን። ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘለው ተወለድቲ ኣምሓራ መጥቃዕቲ ይፍጽም ኣሎ ዝብል ወረ ምስተሰምዐ፡ ፋኖ ዝተባህለ ሓይሊ ምላሽ ከምዝሃበ ክስማዕ ጀሚሩ።

እቶም ተንተንቲ ከምዝብልዎ እቲ ግጭት ዝካየደሉ ቦታ ኣዝዩ ርሑቕ ብምዃኑ፡ ካብ ኣዒንቲ መራኸቢ ብዙሃንን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ንኽስወር ምኽንያት ኰይኑ እዩ።

“ኣብ ደቡብን ምዕራብ ኦሮምያን ዝጀመረ ግጭት ይሰፍሕን ናብ ማእከል ሃገር ይልሕምን ኣሎ። ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን ምቍራጹ ከኣ፡ ሽፋን ሚድያ ንኸይወሃብ ኣስተዋጽኦ ገይሩ እዩ።”

ጉዳይ ድሕነት ዜጋታት

ኣደ ውላዳ ሒዛ ተሪፋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቢቢሲ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜያት መጥቃዕቲ ከጋጥም እንከሎ ዘዘራረቦም ሰላማውያን ሰባት፡ ብሰንኪ መንነቶም ኣደዳ መጥቃዕቲ ከምዝዀኑን ቤት ንብረቶም ገዲፎም ከምዝተፈናቐሉ ይዛረቡ።

ሓደ ካብኣቶም ወዲ 37 ዓመት ነባሪ ሆሮ ጉድሩ፡ መንግስቲ ካብቶም ዕጡቓት ሓይልታት ንዘጋጠሞ መጥቃዕቲ ክከላኸለሉ ከምዘይከኣለ ይዛረብ።

ብፍላይ እቶም ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዝነብሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ብተደጋጋሚ ንዘጋጥሞም መጥቃዕቲ ንሰራዊተ ነጻነት ኦሮሞ ተሓታቲ ብምግባር መንግስቲ ዝግባኦ ሓለዋ ኣይገበረልናን ይብሉ።

ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ብወገኑ፡ “ነቲ መጥቃዕቲ ኣይፈጸምናን፤ ተሓታቲ መንግስቲ እዩ” ዝብል ምላሽ ብምሃብ እቲ ፍጻመ ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረ ይሓቱ።

“እዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ኣብ ክንዲ ግጭት ዝበሃል ኵናት ተባሂሉ ክጽዋዕ ይሓይሽ” ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጄምስ ማዲሰን ኣፍሪቃዎ ታሪኽ ዝምህር ተመራማርን ፕ/ር ኢታና ሃብተ።

እቲ ተመራማሪ ኣብ ዝተፈላለየ ካባቢታት ኦሮሞያ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዜጋታት መጥቃዕቲ ክካየድ እንከሎ መንግስቲ ውሕስነቶም ናይ ምክትታል ሓላፍነቱ ኣይፈጸመን ኢሉ ይኣምን።

እቲ ምሁር፡ መንግስቲ ግጭት ኣብ ዘለዎ ከባቢ ነቲ ኵነታት ናይ ምቍጽጻር ዓቕሚ ኣለዎ። ይዅን እምበር ድሌት ይሃልዎ ኣይሃልዎ ግን ርግጸኛ ኣይኰነን።

ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ግጭት ኣብ ዝካየደሉ ቦታታት ዝነብሩ ነበርቲ ንዘቕርብዎ ቅሬታ ብዝምልከት ካብ ናይቲ ክልል ቤት ጽሕፈት ኮምዩኒኬሽን ይዅን ኮምዩኒኬሽን ፈደራል ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ግዝያት ንዝተኸስቱ ግጭታት ብዝምልከት መርመራ የካይድ እንተሎ ዝሓተትናዮ ኮሚሽነር ዳንኤል በቀለ (ዶ/ር) “ሓበሬታ ንእክብ ኣለና፤ መርመራና ምስ ወዳእና ነቲ ውጽኢት ከነቕርቦ ኢና” ክብል ምላሽ ሂቡ።

ብኻልእ ወገን ዓለማዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ናብቲ ኣከባቢ ብምኻድ ነቲ ጉዳይ ይምርምርዎ እንተልዮም ንኸነጻሪ ንዘዛራረብናዮም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን “ንግዚኡ ርእይቶ ክንህብ ኣይንኽእልን ኢና” ዝብል ምላሽ ሂቦሙና።

ጸዳለ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ካብ ካልኦት ዝሓሸ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ዕድል ኣለዎ ኢላ’ኳ እንተኣመነት፡ “እቲ ትካል ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣዘራራቢ ምዃኑ ነቲ ተበግሶ ጐዲእዎ እዩ” ኢላ ትግምት።

“ዘይሻራዊ ሪፖርት'ኳ እንተውጽኡ እቲ ጉዳይ ኣዘራራቢ ስለዝኸውን፡ እቲ ጉዳይ ንተበግሶኦም ዝተንከፎ ኰይኑ ይስምዓኒ። ከምኡ ክኸውን ዘይግበኦ'ኳ እንተነበረ፡ ኣስተዋጽኦ ግን ኣለዎ” ከኣ ትብል።

እቶም ተንተንቲ፡ ካልኦት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግጭት ኦሮምያ ልክዕ ከም ኲናት ትግራይ ተኸታቲሎም እኳ እንተዘይመርመርዎ፡ ቅድሚ ሽዑ ዝተወሰነ መርመራ ምክያዶም ግን ክርሳዕ ኣይደልዩዎን እዮም።

ንሳቶም ከምዝብልዎ እቲ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ምኽንያት ልክዕ ከም መራኸቢ ብዙሓን ዓለማዊ ማሕበረሰብን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ነቲ ጉዳይ ሸለል ንኽብልዎ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።

እቲ ግጭት ደው ዝብለሉ ዕድል ይህሉ’ዶ ይኸውን?

ፕሮፌሰር ኢታና፤ “እቲ ሕቶ ቅድሚ 2018 እንተዝሕተት ቅልል ዝበለ መልሲ ምሃብኩ ነይረ” ብምባል ሕጂ ግን እቲ ጉዳይ ኣዝዩ ስለዝተሓላለኸ ብቐሊሉ ምላሽ ክትህበሉ ዝከኣል ኣይመስለንን ይብል።

ኣሰናዳኢት ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ ጸዳለ ለማ ብወገና ነቲ ጸገም ፖለቲካዊ ፍታሕ ንኽርከበሉ፡ “መንግስቲ ፍቓደኛ ኣይኰነን” ዝብል ስግኣት ኣለዋ።

ጸዳለ፡ መንግስቲ ንሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኣሸባሪ እዩ ብምባል ኣፍልጦ ምኽልካሉ ነቲ ጉዳይ ከም ቁም ነገር ንኸይርእዮ ዓቢ ተራ ከምዝተጻወተ ትዛረብ።

“ሰልፍታት ኦሮሞን ሓደ ሓደ ፖለቲከኛታትን ኣብ መንግስቲ ስልጣን ተዋሂቡዎም እዩ። ንዕኡ ዝተቓወሙ ካልኦት ሰልፍታት ግን ካብቲ ፖለቲካዊ መድረኽ ተደፊኦም ወጺኦም እዮም።”

መንግስቲ ንሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኣፍልጦ ክህብ ኣይደልን እዩ እትብል ጸዳለ፡ ከምኡ እንተዘይተገይሩ ከኣ ፖለቲካዊ ፍታሕ ኣይመጽእን እዩ ዝብል እምነት ኣለዋ።

ፕሮፌሰር ኢታና ከኣ እቲ ፈለማ ክግበር ዘለዎ እቲ ውግእ ደው ምባል እዩ ይብል። “እቲ ውግእ ደው እንተዘይሉ ዝርርብ ምክያድ ኣይከኣልን እዩ።”

“ድሕነት ህዝቢ ተሓልዩ፡ እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ፡ ሕቶታት ናብ ጠረጴዛ ቀሪቡ ዝርርብ ክግበረሉ ይግባእ።”

ምስዚ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ምክልት ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮምያ ኣወል ኣብዲ እቲ ክልላዊ መንግስቲ ነቲ ዘጋጥም ዘሎ ሽግር ጸጥታ ፍታሕ የናድየሉ ከምዘሎ ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ተዛሪቡ።

ይዅን እምበር ሕጂ እውን እንተዀነ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ስግኣት እዮም ዝነብሩ ዘለው። ኣበየነይቲ ደቒቕ፡ ቤቶምን ንብረቶምን ገዲፎም ክስደዱ ከምዝኽእሉ ኣይፈልጡን እዮም።

ብዙሓት ንብዓቶምን ብኽያቶምን ንፈጣሪ ካብ ምስማዕ ካልእ ምርጫ ዘለዎም ኣይመስልን።