ላሊበላ፡ ስለምንታይ እዮም ነበርታ ኣብ ድሮ 'ልደት' ፀሊም ተኸዲኖም ዘለዉ?

ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ዝባን ቅዱስ ላሊበላ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ግእዝ፡ እታ ታሪኻዊት ስፍራ ላሊበላ ኣብ ወጥሪ እያ ነይራ።

መናእሰያታ "ንፋኖ ትድግፉ ኢኹም’" ብዝብል ኣብ ኮምቦልቻ ይእሰሩ ነይሮም። ንነብሲ ወከፍ ኩርናዕ እታ ከተማ ዝኸበበ ዕጡቕ ሓይሊ ኣሎ። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ሰራዊት ምክልኻል ከበድቲ ኣጽዋር ተኺሉ ብተጠንቀቕ ይጽበ ነይሩ።

ካብ ቀዳም 24 ጥቅምቲ 2016 ጀሚሩ ኣብ ከባቢ እታ መዲና ደቡብ ወሎ ዝዀነት ላሊበላ ኣብ መንጐ ዕጡቓት ሓይልታት ፋኖን ሰራዊት ምክልኻልን ብኸቢድ ኣጽዋር ዝተሰነየ ውግእ ከምዝተኻየደ ነበርቲ ይዛረቡ።

ላሊበላ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓምለ ኣብ መንጐ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ግጭት ክጅምር ከሎ፡ እቲ ጽልዋ ካብ ዝሓደረን ከባቢታት ሓንቲ እያ።

እታ ከተማ ኣብ መወዳእታ ሓምለ ንመዓልታት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ፋኖ እውን ጸኒሓ።

እንተዀነ 28ን 29ን ጥቅምቲ 2016 ንታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ ጸልማት መዓልታት እየን ነይረን።

እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ዝተኻየደ ውግእ ንመዓልታት ዝቐጸለ ኰይኑ፡ ረቡዕ 28 ጥቅምቲ 2016 ፋኖ ነታ ከተማ ክቈጻጸራ’ኳ እንተኸኣለ ንጽባሒቱ ግን ገዲፉዋ ወጺኡ።

ኣብተን ክልተ መዓልታት ኣብታ ከተማ ዘጋጠመ ፍጻመታት "ግህሰት፡ በደል፡ ቅትለት" ክብሉ መሰኽኽር ዓይኒ ይገልጽዎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብ28 ጥቅምቲ 2016 [ግ] ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት ሸሞንተ (02፡00) ነታ ከተማ ዝተቘጻጸረ ፋኖ፡ ፈተሻ ብምክያድ ንዝረኸቦም ኣስታት 15 ኣባላት ፖሊስን ሚሊሻን ከም ዝቐተለ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቶም ነቲ ውግእ ኣብ ቅድሚት ኰይኖም ይመርሑ ነይሮም ዝተበሃሉ ኣባላት ፖሊስን ምልሻን፡ ዕጡቓት ፋኖ ነታ ከተማ ምስተቘጻጸሩ ኣብ ሓንቲ ካብተን 11 ኣብያተ ክርስቲያናት ላሊበላ - ኣባ ሊባኖስ - ከምኡ’ውን መንበሪ ኣባይቲ ከምዝተዓቖቡ እቶም መሰኻኽር ይዛረቡ።

“እቲ ተዅሲ ምስ ተጀመረ [ዕጡቓት ፋኖ] ናብ ማእከል ከተማ ስለዝኣተዉ እቲ ኲናት እናገደደ ምስ ከደ ድማ ኣብ መወዳእታ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣተዉ። ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ነተን ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈላለየ ክዳውንቲ ብምሃብ ካብ ሞት ኣድሒንወን።

"እቶም ምስ [ወተሃደራዊ] ክዳውንቶም ዝተረኸቡ፡ እንተወሓደ ሸሞንተ ወይ ትሽዓተ ዝዀኑ [ናብ መደበር ፖሊስ] ወሲዶምዎም። ኣብቲ መደበር ፖሊስ ከኣ ብእሱሮም [ቀቲሎምዎም]" ይብል ሓደ ንድሕነቱ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ናይ ዓይኒ ምስክር።

ካልእ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ነባሪ ላሊበላ፡ ካብ ቤተክርስትያን ዝተወስዱ ኣባላት ፖሊስን ሚልሻን እቲ ከባቢ፡ ሓላፊ ፖሊስ ወረዳ ላስታ ሓዊሱ ትሽዓተ ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።

መራሕቲ ሃይማኖትን ሕብረተሰብን እውን እቶም ኣባላት ጸጥታ ካብታ ዝተዓቖቡላ ቤተ ክርስቲያን ተወሲዶም ዝተፈጸመ ቅትለት ከም ዝዅንንዎ ገሊጾም።

"መጺኦም ኣብ ቅድሚ መስቀል ማሕላ ብምፍጻም ምስወሰድዎም ደሓር ግን ስለዝረሸንዎም ንነበርቲ ኣዝዩ ኣቘጢዑ እዩ” ድሕሪ ምባል፡ እቲ ዕጡቕ “ሽፍታ” ብምዃኑን “ስልጠና ብዘይምውሳዱን ዘውቅሶ ነገር ዘሎ ኣይመስለንን” ክብሉ ተዛሪቦም።

ዕጡቓት ፋኖ ኣብቲ ከባቢ ክንቀሳቐሱ ከለዉ፡ "ንሓድሕድና ኣይንጠፋፋእ" ዝብል መጠንቀቕታ ናብ ፖሊስን ሚልሻን ከምዝሃቡ ነበርቲ ጠቒሶም።

ነቶም ኣባላት ጸጥታ ካብ ፋኖ ተደጋጋሚ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ከምዝበጽሖም ዝገለጸ ካልእ ምስክር፡ ብ28 ጥቅምቲ 2016 ዝተቐትሉ ሓይልታት ጸጥታ 15 ከም ዝዀኑ ገሊጹ።

ቢቢሲ ቅድሚ ሕጂ ዘዘራረቦም መራሕቲ ፋኖ ንቕትለት ሹመኛታት መንግስቲ ብዝምልከት ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ከምዝልእኹ ብምሕባር "ቀጥታዊ ኣካል ናይቲ ኲናት ክሳብ ዝኾኑ ግን ካብቶም ዕጥቂ ዝሓዙ ወተሃደራት ኣይንፈልዮምን ኢና" ኢሎም ነይሮም።

ብሓሙስ ናብ 29 ጥቅምቲ 2016 ኣብ ዘውግሕ፡ ዕጡቓት ፋኖ ካብታ ከተማ ምውጽኦም ስዒቡ፡ ነታ ከተማ ዝተቐፃፀረ ሰራዊት ምክልኻል "ብሕነ ምፍዳይ ተደፋፊኡ" ንጹሃት ሰባት ብምቕታል ነበርቲ ይኸስዎ።

ስድራ መወትቲን መሰኻኽርን ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፡ ሰራዊት ምክልኻል ብ29 ጥቅምቲ 2016 ዳግማይ ነታ ከተማ ድሕሪ ምሓዙ፡ ካብ ዘመተ ጀሚሩ ክሳብ ኣብቲ ኲናት ዘይተሳተፉ ንጹሃት ሰባት ምእሳር፣ ምውቃዕን ቅትለትን ፈጺሞም።

በዓል ቤተንን ወደንን ብሰራዊት "ተረሺኖም" ዝብላ ሓንቲ ኣደ፡ ኣብ ልዕሊ ካልእ ኣባል ስድረአን ተመሳሳሊ ዕጫ ከይበጽሕ ብምስጋእ ንማዕከናት ዜና ካብ ምዝራብ ተዓቂበን ኣለዋ።

"እንታይ ክዓብሰለይ" ብምባል ብንብዓት ተሰንየን ዘይምዝራብ ዝመረጻ እተን ኣደ ንማዕከናት ዜና ብምዝራቦም ንዝተቐትሉ ክልተ ሰባት ብምጥቃስ ብሰንኪ ስግኣት ዘይምዝራብ መሪጸን።

ዕጡቓት

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

'ጓለይ ኣቦኣ መዓስ ከምዝመጽእ ትሓተኒ'

ኣብ መዓልታዊ ናይ ጉልበት ስራሕ ተዋፊሩ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣቶ ኣበበ [ስሙ ተቐይሩ] ካብቶም ኣብ ላሊበላ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ዝተቐትሉ ሓደ እዩ።

ንድሕነተን ብምስጋእ ስማ ከይግለጽ ዝሓተተት በዓልቲ ቤት ኣቶ ኣበበ ኣደ ክልተ ቈልዑ እያ።

ንጓል ኣርባዕተ ዓመት ጓሎም ከምጽኣ ዝወጸ በዓል ቤታ ኣብ ኣፍደገ ገዛኡ ብኣባላት ጸጥታ ምስተወሰደ ከምዝተረሸነ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

“ጓሉ ካብቲ ገዛ ወጺኣ ከምጽኣ ምስከደ እዩ ተታሒዙ። ሒዞምዎ ክኸዱ ከለዉ ጓል 4 ዓመት ጓልና ትበኪ ነይራ። ንኻልእ ጐረቤትና እውን ሒዞሞ ከይዶም። ክልቲኦም መዓልታዊ ሸቃሎ እዮም። ንሕና እናበኸና ደድሕሪኦም እናሰዓብና እንታይ ኢኹም ደሊኹም እንተበልናዮም ክሰምዑና ኣይከኣሉን። ዓርቢ ዝርከቡሉ ቦታ ንኸርእዩና ብዝብል ናብቲ ቻይና ካምፕ ብዝብል ዝፍለጥ [መዓስከር ሰራዊት ምክልኻል] ኬድና ግን ድማ ‘ከምዚ ዝበለ ሰብ ኣይንፈልጦን ኢና፤ እሱር እውን የብልናን ኢሎምና” ትብል።

ኣቶ ኣበበን ጐረቤቱን "ተረሺኖም" ኣብቲ ካምፕ ዕምቈት ኣብ ዘይብሉ መቓብር ከምዝተቐበሩ ብሰባት ከምዝተረድአት ትገልጽ።

ኣስከሬን ናይቶም ኣእዳዎም ናብ ድሕሪ ተኣሲሮም ዝተቐትሉ ዝተባህሉ ክልተ ውልቀሰባት ድማ ብቀዳም (1 ሕዳር) ካብ ዝተቐብረሉ ቦታ ተዃዒቱ ንቤተሰቦም ተዋሂቡ።

ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ዳግማይ ቀብሮም ተፈጸመ።

እታ ካብ ኣቦኣ ዝተፈለየት ጓል ኣርባዕተ ዓመት ጓሎም ግን ኣቦኣ ዝምለሰሉ መዓልቲ ኵሉግዜ ምስሓተተት’ያ።

“ንግሆ ንግሆ ትሓትት። 'እንታይ ኣለዎ እቶም ዝወሰድዎ ሰባት እንተዝመልስዎ' ትብል። ዝዀነ መልሲ ኣይህባን። ናብ ስራሕ እዩ ከይዱ እንተበልክዋ’ውን ኣይትኣምነንን እያ። ኵሉ ግዜ ትሓትት። ንሕቶ ቈልዓ ክትምልስ ኣጸጋሚ እዩ” ትብል ኣደኣ።

ካልእ ነባሪ እታ ከተማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ክልተ ናይ ቀረባ ኣዝማዱ ሓዊሱ ዝፈልጦም ኣርባዕተ ሰባት ብሰራዊት ምክልኻል ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ’ሎ።

“ፋኖ ኢኹም፤ ንፋኖ ትድግፉ ኢኹም ብዝብል እዮም ካብ ገዛኦም ተወሲዶም ዝተቐትሉ። ዝተረሸኑ ንጹሃት ኣለዉ። ኣነኳ ዝፈልጦም ኣርባዕተ ንጹሃት ቆልዑ ኣለዉ” ኢሉ።

ካልእ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ነባሪ ላሊበላ፡ ካብ 10 ክሳብ 15 ንጹሃት ሰባት ብሓይልታት ምክልኻል ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ገሊጹ። ኣብቲ ኲናት ዘይተሳተፉ ሰባት ግዳያት ምዃኖም ይዛረብ።

ዕጡቓት ፋኖ ካብታ ከተማ ምስ ወጹ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ዘመተ፣ መግረፍቲን ቅትለትን ከምዝፈጸሙ ነበርቲ ይኸስዎም።

ኣብታ ከተማ ዝርከባ ገለ ንግዳዊ ትካላት ከምዝተዘመታ’ውን እቶም ነበርቲ ይገልጹ።

ፍትሒ? ተሓታትነት?

ስድራ ናይቶም "ብዘይ ምኽንያትን ብዘይ ወዓልዎን" ብሰራዊት ምክልኻል ተቐቲሎም ዝተባህሉ በዓል ኣይተ ኣበበ [ስሙ ተቐይሩ] መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ክፈልጥ ከምዝደልዩ ይዛረቡ።

ነበርቲ ከተማ ላሊበላ’ውን ኣብታ ከተማ ንዝተፈፀመ ግፍዒ ፍትሕን ተሓታትነትን ይጠልቡ ኣለው።

“ተሓታትነት የድሊ። [እዚ] ካብ ሓደ 'መንግስቲ እየ' ዝብል ትጽቢት ዝግበረሉ ተግባር ኣይኮነን። ነቲ ጥፍኣት ዝፈጸሙ ሰባት ብነጻ ኣካል ክምርመሩን እቶም ግዳያት ፍትሒ ክረኽቡን ክርኢ ደስ ይብለኒ" ይብል ሓደ ነባሪ።

ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ላሊበላ ዝተፈጸመ ቅትለትን ግህሰትን ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢስመኮ) ዝሓተተ ኮይኑ፡ ነቲ ጉዳይ "ይከታተሎን ይምርምርን" ከምዘሎ ሓቢሩ።

ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ላሊበላ ዝተፈጸመ ቅትለት ካብ መንግስቲ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ’ውን ኣይሰመረን።

'ላሊበላ ጸሊም ምስተኸደነት እያ ዘላ'

ዕጡቕ ፋኖ ኣብ ዝባን ላሊበላ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ላሊበላ ዓመት ዓመት 29 ታሕሳስ በዓል ልደት ብዝለዓለ ድምቀት’ዩ ዝኽበር። እዚ እዋን እዚ ከኣ እታ ከተማ ንኣጋይሻ ክትቅበል ትሸባሸበሉ እዋን እዩ ነይሩ።

ኮይኑ ግን ላሊባላ ኣብዚ እዋን ነቲ ዘላትሉ ፀሊም ድባብ ምቕያር ከምዘይከኣለት ነበርቲ ይዛረቡ።

ኣብ ላሊበላ ተወሊዶም ዝዓበዩ ሓደ ሃይማኖታዊ ኣቦ፡ ነቲ ብ28ን 29ን ጥቅምቲ 2016 ኣብታ ከተማ ዝተፈጸመ ተግባር "ዘስካሕክሕ" ክብሉ ይገልጽዎ።

"ኩሉ ህዝቢ እዩ ጸሊም ክዳን ተኸዲኑ ኣሎ። ዘዕበዩና፣ ምሳና ዝነበሩ ሰባት፣ ምሳና ዝዓበዩ ኣሕዋትን ኣዕሩኽትናን ክፍለዩና ከለዉ ናይ ምንባር ተስፋ ከም ዘየለ ኢና ርኢና” ክብሉ ነቲ ኩነታት ይገልጽዎ።

ሓዘን ነበርቲ ላሊበላ ነቲ ንበዓል ልደት ዝግበር ምድላዋት ኣህሲስዎ ከምዘሎ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ይሕብሩ።

"እቲ እንጀራ ዝሸይጥ፣ ቆሎ ዝሸይጥ፣ ሆቴል ዘካርይ፣ መራሒ ዑደት ኩሉ ዓመት ዓመት ብተስፋ ዝንቀሳቐሰሉ

እዋን እዩ ነይሩ። ሕዚ ምድላው ዝገብረሉ እዋን እዩ። ግን ከኣ ከምዚ እንተቐጺሉ ኣጋይሽ ምምጽኦም

ዘይምምፅኦም ዘስግእ እዩ" ብምባል ጽርግያታት ከምዝተዓጽዉን እቲ ኩነታት "ዘሕዝን" ከምዝኾነን ተዛሪቡ።

“ነብሰይ ነቲ በዓል ዘብዕሎ ኣይመስለንን። ጽቡቕ ኣይስምዓንን ኣሎ። እቲ በዓል ኣብታ ከተማ ክኽበር እዩ

ዝብል ሓሳብ የብለይን። ሆቴላት እውን ምስ ተዓጸዋ እየን። ቱሪስት ዝበሃል ነገር የለን። ስለዚ እቲ በዓል ክኽበር

እዩ ዝብል እምነት የብለይን። ቀዳማይ ነገር ሰራዊት ምክልኻል ክሳብ ሕጂ ኣብ ርእሲ እታ ከተማ ዕርዲ ሰሪሑ

ከቢብዋ እዩ ዘሎ። ኣብ ኣፍደገ እታ ከተማ ዕርዲ ሒዝካ በዓል ምብዓል ከም ከማይ ኣዝዩ ዝሑል ስምዒት

ይስምዓኒ። ስምዒት እቲ ህዝቢ’ውን ከምኡ እዩ ዝመስለኒ" ኢሉ።

ላሊበላ ንበዓል ልደት በጻሕትን ኣመንትን ብፍሉይ ዝበጽሕዋ ከተማ እያ። መሰረት ቁጠባ እታ ከተማ እውን ቱሪዝም እዩ።

ምምሕዳር ከተማ ላሊበላ ግን፡ "ነቲ በዓል ብድሙቕ ንምብዓል" ምድላዋት ይገብር ከምዘሎ ዝገለጸ ኮይኑ፡ "ነቲበዓል ብሓባር ነብዕሎ" ክብል ናብ ኣጋይሽ ዕድመ ኣቕሪቡ’ሎ።