ብኣምሳል ላሊበላ ዝተሃንፃ ኣብያተ ክርስቲያን

ምንጪ ስእሊ, STUART BUTLER
ብዛዕባ እዘን ካብ ከዉሒ ተፈልፊለን ዝተሰርሓ ኣብያተ ክርስቲያናት ላሊበላ ከም እትፈልጡ ኣየጠራጥርን።
ግን ብዛዕባ እተን ብኣምሳል ላሊበላ ዝተሃንጻ ኣብያተ ክርስቲያናት እንታይ ዝኣክል ትፈልጡ?
ካብ ላሊበላ ንደቡብ 60 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ እምባ ግን፡ ሓደ መነኮስን ክልተ ዲያቆናትን ካብ ከውሒ ጸሪቦም፡ ሓደስቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ምህናጽ ተጸሚዶም ኣለዉ።
ቢቢሲ ኣብዘን ዳግማይ ላሊበላ ዝተበሃላ ኣብያተ ክርስቲያናት ዑደት ኣካይዱ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ታሪኻዊ ኣብያተ ክርስትያናት ላሊበላ
ላሊበላ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እትርከብ ከተማ እያ። እዛ ከተማ በተን ንበይነን ዝዓይነተን ብኣኻውሕ ዝተሃንጻ 11 ኣብያተ ክርስትያናት'ያ ትፍለጥ።
እዘን ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ኣጋ-መወዳእታ መበል 12ን 13ን ክፍለ-ዘመናት፡ ብዘመን ንጉስ ላሊበላ ከም ዝተሃነጻ ይፍለጥ።
ኩለን ብመሰረት ቀንዲ መትኩሮኣዊ-ነቝጣ-ክርስትና ኣተኲረን ካብ ከውሒ ተጸሪበን - ምስ መሳዅቶምን ማዕጾኦምን - እየን ተሃኒጸን።
ድሒሩ ቅዱስ ዝብል መዓርግ ዝተዋህቦ ንጉስ ላሊበላ፡ ብትእዛዝ እግዚኣብሔር ነተን ኣብያተ ክርስቲያናት ከም ዝሃነጸን ይንገር።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብያተ ክርስቲያናት ላሊበላ፡ ብዓለምለኻዊ ትካል ትምህርቲ፡ ሳይንስን ባህልን ዩኔስኮ ከም ቅርሲ ዓለም ተመዝጊበን እየን።
ካብ መንጎ እቶም ብዙሓት በጻሕቲ ዝምሰጡሎም ታሪኻውን ሃይማኖታውን ቦታታት ኢትዮጵያ እዮም።
እተን ኣብያተ ክርስቲያናት ካብ ከውሒ ዝተሃንጻሉ ክልተ ምኽንያታት ከም ዘሎ ኣብቲ ከባቢ መራሒ ዑደት ዝዀነ ኣቶ ወርቅየ ደሳለ ኣለሙ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, CHRIS BRADLEY/GETTY
እቲ ሓደ፡ ኣብቲ እዋን ኣብያተ ክርስቲያናት የዕንው ካብ ዝነበሩ 'እስላማውያን ወረርቲ' ንምዕቃብ’ዩ ይብል።
እቲ ካልኣይ ድማ "ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ በዓቲ ቤተልሔም ተወሊዱ ኣብ በዓቲ ጎልጎታ ተቐቢሩ" ዝብል ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንጉስ ላሊበላ ነዘን ህንጻ ከስርሕ ስለዘነቓቕሐ’ዩ ይብል ኣቶ ወርቅየ።
በዚ መንገዲ ዝተሃነጻሉ ምኽንያት ብዘየገድስ፡ ኣብያተ ክርስቲያናት ላሊበላ መስተንክር ቅዲ ህንጻ እየን።
ሓደስቲ ኣብያተ ክርስትያናት ላሊበላ
ብዙሓት ኣብዚ ሕጂ እዋን ከም ኣብያተ ክርስቲያናት ላሊበላ ዝበለ ህንጸት ዳግማይ ክስራሕ ከም ዝከኣል፡ ሓደ መነኮስን ክልተ ዲያቆናትን እናመስከሩ ይርከቡ።
እዚ ድማ ካብ ላሊበላ ንደቡብ 60 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ እምባ እዩ።
እዚ ህንጸት ቅድሚ ዓሰርተ ሰለስተ ዓመት ዝተጀመረ ኰይኑ፡ ኩሉ ስራሕቲ ብኣእዳዎም ዝፍጸም እዩ።
ዛጊድ ካብ ሓደ ከውሒ ዝተፈልፈላ 7 ኣብያተ ክርስቲያናት ሃኒጾም ኣለዉ፤ እቲ ብኣምሳል ላሊበላ ዝካየድ ዘሎ ህንጸት ምስተዛዘመ ድማ ልክዕ ከምተን ቀዳሞት 11 ኣብያተ ክርስቲያናት ክህልዋ እየን።

ምንጪ ስእሊ, STUART BUTLER

ምንጪ ስእሊ, STUART BUTLER
እቶም መነኮስን ባህታዊን ዝዀኑ ኣባ ገብረ መስቀል ተሰማ፡ መብዛሕትኡ ቃለ መሕትት ኣይህቡን።
እንተዀነ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ነተን ኣብያተ ክርስቲያናት ክሃንጹ ዝደረዀም ቀንዲ ምኽንያት፡ እተን ቀዳሞት ኣብያተ ክርስትያናት ላሊበላ ብሓገዝ ናይ ወጻኢ ክኢላታት ዝተሰርሓ ክዀና ኣለወን ዝብል ሓሳብ ጌጋ ምዃኑ ንምርግጋጽ ድሌት ስለዝሓደሮም እዩ።
ኣባ ገብረ መስቀል፡ ኣብቲ ከባቢ ብንጉስ ላሊበላ ዝተጀመረን ዘይተዛዘመን ናይ በዓቲ ቤተክርስትያን ምህላዉ’ውን ምኽንያት ከም ዝዀኖም ይገልጹ።
ዳግማዊ ላሊበላ ብመንጽር ህንጻ፡ ቅርጽን ስነ ህንጻን ምስቲ መበቆላዊ ላሊበላ ኣዝዩ ዝመሳሰል’ዩ።
ሓንቲ ካብተን ሓደስቲ ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ከም መስቀል ዝተቐርጸት እያ።
ይኹን’ምበር እተን ሓደስቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ካብተን ቀዳሞት ብዓቐን ዝነኣሳ እየን። ኣብ ቅደም ሰዓብ እቲ ህንጸት’ውን ፍልልይ ኣሎ።
ውሽጣውን ግዳማውን ናይተን መበቆላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ላሊበላ ኣብ ሓደ እዋን ከም ዝተፈልፈለን ዝተቐርጸን ይእመን። እተን ሓደስቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ግን መጀመርያ ግዳማዊ ክፋለን’ዩ ተፈልፊሉ።

ምንጪ ስእሊ, STUART BUTLER
ኣባ ገብረ መስቀል ንኣስታት ሓደ ዓመት ንበይኖም እዮም ዝሃንጹ ነይሮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ክልተ ዲያቆናት ይሕግዝዎም ኣለዉ።
እንተዀነ ግን፡ ግደ እቶም ዲያቆናት ኣብ መስርሕ ህንጸት ዝተፈጥረ ፍርስራስ ኣብ ምእላይን ምጽራይን ዝተደረተ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ቀንዲ ስራሕ ናይ ኣባ ገብረ መስቀል’ዩ፤ በይኖም እዮም ከውሒ ዝፍልፍሉን ዝቐርጹን።
"ኣባ ገብረ መስቀል ነተን ኣብያተ ክርስቲያናት ክሃንጹ እንከለዉ መግቢ ኣይምገቡን። ሽምዓ፡ ስምዒ ወይ ሰብ-ሰርሖ መብራህቲ’ውን ኣይጥቀሙን" ክብል ሓደ ካብቶም ዲያቆናት ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ኣብ ጸልማት ኰይኖም’ዮም ንውሽጣዊ ክፍሊ እተን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝፍልፍሉን ዝቐርጹን" ይብል።
ከምቲ ኣብ እዋን ንጉስ ላሊበላ ዝነበረ ፋስን ማርተሎን ዝኣመሰሉ ኣናእሽቱ መሳርሕታት ጥራይ ተጠቒሞም እዮም ነቲ ከውሒ ዝሰብሩ። ሕጡብ፡ ሲሚንቶ፡ ዕንጨይቲ ዝኣመሰሉ ነገራት ኣይጥቀሙን። ብተወሳኺ ፕላን ስነ ህንጻ የብሎምን፤ ኩሉ ንጥፈታት ዓቐን ብዓይኖም እዮም ዝፍጽሙ።
"ነዞም ባህላዊ መሳርሕታት ህንጸት ምጥቃም፡ ሰባት ዝያዳ መንፈሳዊ ተወፋይነት ክስምዖም’ ይገብር" ይብሉ እቶም ኣቦ።
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ንህንፀት ኣባ ገብረ መስቀል ኣፍልጦ ብምሃብ እተን ኣብያተ ክርስቲያናት ተቐዲሰን እየን።

ምንጪ ስእሊ, STUART BUTLER

ምንጪ ስእሊ, STUART BUTLER
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሕጂ ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢን ንበጻሕትን ብስሩዕ መንፈሳዊ ኣገልግሎት እናሃባ ይርከባ።
ድኹም ብርሃን ዘለዎ ውሽጣዊ ክፍልታት እተን ኣብያተ ክርስቲያናት እውን ብሃይማኖታዊ ስእልታትን ኣቑሑትን ዝተመልአ እዩ።
ሰባት ነተን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ዝዀነ መዓልቲ ክጉብንዩ ይኽእሉ እዮም።
ኣባ ገብረ መስቀል ህንጸት እተን ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት ወዲኦም’ዮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ ከውሒ ንተወሳኺ ህንጻ ዝውዕል ቦታ ስለዘየለ ካልእ ዝምችእ ቦታ እናደለዩ ይርከቡ።
ኣብቲ ከባቢ እተን ዝተረፋ ኣርባዕተ ኣብያተ ክርስቲያናት ክሃንጹ መደብ ኣለዎም። ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ዓመታት ድማ ምሉእ ህንጸት ክዛዝሙ ይሓስቡ።
ኣብ ዝቕጽሉ ዘመናት ዳግማይ ላሊበላ’ውን ልክዕ ከምቲ ሕጂ ንመበቆላዊ ላሊበላ ዝወሃብ ደረጃን ክብሪን ከም ዝረክብ ተስፋ ኣለዎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







