ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ልዕሊ 5 ሽሕ ግጭት ኣጋጢሙ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
መንቀልን ባህርያትን ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠሙ ጐንጺታት ዝዳህሰሰ ሓደ መጽናዕቲ፡ ኣብታ ሃገር ካብ 2010 ክሳብ 2015 [ግእዝ] እቶም ዝኸበዱ ጐንጺታት ዝተኸሰቱሎም ዓመታት ከም ዝዀኑ ሓቢሩ።
ካብ ትግራይ ወጻእ ኣብ ዘለዋ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተኻየደ እዚ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዝሓለፉ 22 ዓመታት ዝተኸሰቱ ጐንጺታት ብምጽናዕ ኣብቶም ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ዘጋጠሙ ትኹረት ዝገበረ ምዃኑ መራሒ እቲ መጽናዕቲ ዶክተር ደሳለኝ ኣምሳሉ ተዛሪቡ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣተሓባባሪ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ኢትዮጵያ ዝዀነ ዶክተር ደሳለኝ ኣምሳሉ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዘጋጠሙ ጐንጺታት ከም ዝወሰኹ ይገልጽ።
እዚ ኣብ ዝተወደቡ ፖለቲካዊ ግጭታት ዘድሃበን ሓደ ዓመትን መንፈቕን ዝወሰደን መጽናዕቲ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት 5 ሽሕን 300 ግጭት ከም ዘጋጠሙ ኣመልኪቱ።
ካብ 1992 ክሳብ 2015 [ግእዝ] ኣብ ዘለዉ ዓመታት ካብ ዝተራእዩ፡ እቶም 58 ሚእታዊት ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዘጋጠሙ እዮም ተባሂሉ።
እዞም ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብታ ሃገር ዘጋጠሙ ጐንጺታት ጠንቂ ሞት ብዙሓት ሰባትን ዕንወት ንብረትን ኰይኖም ቀጺሎም ኣለዉ።
እዚ ኣሃዝ ንሓሙሽተ ዓመታት እንተተመቒሉ፡ ብገምጋም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 1 ሽሕን 60 ግጭታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ድማ ልዕሊ 80 ግጭታት ኣጋጢሞም።
ግጭታት ስለምንታይ ወሲኾም?
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብታ ሃገር ግጭት ዘይተኸሰተሎም ክልላት'ኳ እንተዘይሃለዉ፡ ብዝሓነት ሃይማኖት፣ ብሄርን ሃፍትን ኣብ ዘለዎም ከባብታት ተደጋጋሚ ግጭታት ኣጋጢሞም’ዮም።
ይዅን’ምበር ካብ 2010 ንደሓር፡ መልክዓት እቶም ግጭታት እናተቐየሩ፡ ኣብ መንጐ ዝተወደቡ ሓይልታት ሰፋሕቲ ግጭታት ከም ዝተፈጸሙ ዶክተር ደሳለኝ የረድእ።
“ድሕሪ 2010 ዘጋጠሙ ጐንፅታት፡ መንግስቲ ፈደራል ምስ ሓይልታት ጸጥታ ክልላት ወይ ብብርኪ ክልል ምስ ዝተወደቡ ዕጡቓት ጕጅለታት ዝዋግኡሎም፤ ብስሩዕ ዝተወደቡን ሰፋሕትን ግጭታት’ዮም። ስለዚ ግጭት ኣብ ውሱን ከባቢታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት እዩ ዘሎ” ይብል።
ቀንዲ ባህሪ እዞም ግጭታት ፖለቲካዊ ሕቶታትን ድሌታትን እዩ ይብል እቲ ተማራማሪ።
“ስርዓት መንግስትና፡ ፓወር (ስልጣን) ዝተወደበሉ መንገድን ስልጣን ዝትግበረሉን’ዩ” ብምባል፡ ሕገ-መንግስቲ፡ ፖለቲካዊ ውድብን ቍጠባዊ ምኽንያታትን የልዕል።
ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ንምንታይ ግጭት ወሲኹ ንዝብል ድማ፡ ልሕሉሕ ፖለቲካዊ ስርዓትን መሓውር መንግስቲ ኢዱ ምንዋሕን ከም ኣብነት ይጥቀስ።
“እቲ ስርዓት ኢድ ምእታውን ሓይልን ይደሊ። መንግስቲ ልሕሉሕ ምስ ዝኸውን ግጭት ይኽሰት። ሰላም እንተሰፊኑ ንዅሉ ኣካል፡ ብፍላይ ድማ ንኣካላት መንግስትን ልሂቓንን ማዕረ ጠቓሚ ከይከውን ይኽእል። ስለዚ ኣብ መሓውር መንግስቲ ኰይኖም ሰላም ዝዘርጉ፡ ዓንቀፍቲ ሰላም ዝበሃሉ ግደኦም ንሱ’ዩ” ብምባል፡ እቲ ፀገም ምስ ‘ፖለቲካዊ ኣቃውማ’ ዝተሓሓዝ’ዩ ይብል።
2013/2014 ኣብታ ሃገር ደማዊ ዓመታት’ዮም ነይሮም። እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ካብ ዘጋጠሙ ግጭታት 35 ሚእታዊት ብፅሒት ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፡ ኵናት ትግራይ እቲ ዝዓበየ ከም ዝዀነ እቲ ተማራማሪ የረድእ።
እዚ ኵናት፡ ካብ 2010 ክሳብ 2015 ኣብ ዘለዉ ሓሙሽተ ዓመታት ካብ ዝተኸሰቱ ግጭታት ዝዓበየ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ካብ ዝነበሩ ግጭታት፡ እዚ ኵናት 44 ሚእታዊት ብፅሒት ይሕዝ ኢሉ።
ካብ ኵናት ትግራይ ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዝተፈፀሙ መጥቃዕትታት ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘ ክከውን እንከሎ፡ ተቓውሞ ድማ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ይርከብ።
ካብ ኵለን ክልላት እታ ሃገር ድማ፡ ኦሮሚያ ልዑል ግጭት ዝኽሰተሉ ክልል ኰይኑ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ንፁሃት መጥቃዕቲ ከም ዝፍፀም እቲ መጽናዕቲ ይሕብር። ትግራይን ኣምሓራን ድማ፡ ካብ ኦሮሚያ ቀፂለን ማእከላት ግጭት ኰይነን ይብል።
ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዘሎ ብዝሒ ግጭታት ተዋሳእቲ ዝዀኑ ኣካላት ክውስኹ እንከለዉ፡ ኣብዚ “መንግስታውያን ዘይኰኑ” 38 ጕጅለታት ኢድ ከም ዘለዎም ይፍለጥ።
ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ዝቐዘፈ ደማዊ ኵናት ትግራይ ብሰላማዊ መንገዲ መዕለቢ’ኳ እንተረኸበ፡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ እታ ሃገር ናብ ካልእ ውግእ ኣትያ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጐ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኦሮሚያ ኣብ መንጐ ሰራዊት እታ ሃገርን ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞን ውግእ ይካየድ ኣሎ።
ዶክተር ደሳለኝ፡ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ግጭታት ዘላቒ ፍታሕ እንተ ዘይተናድዩሎም፡ ህልቂት ንጹሃት ሰባት ከም ዘስዕቡ ስግኣቱ ይዛረብ።
“እቶም ግጭታት ማሕበረሰባዊ እናኾኑ፡ እቲ ማሕበረሰብ ባዕሉ ተዋጋኣይ ዝኾነሉ ኵነት’ዩ ዘሎ። ስለዚ እዚ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ኢትዮጵያ ግጭታት ተቐያየርቲ ስለዝዀኑ፡ ብትኽክል ከምዚ ክኾኑ’ዮም ኢልካ ምግማት ዋላ’ኳ እንተዘይተኽኣለ፡ እቲ ዘሻቕለናን ዝገደደ ክመፅእ’ዩ ኢልና እንሰግኦ ግን፡ ህልቂት ንፁሃት’ዩ” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ከም መፍትሒ…
እቲ መጽናዕቲ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ግጭታት ንምፍታሕ፡ ህጹጽ መፍትሒ ስጕምቲን ልዝብን ክውሰድ ከም ዝግባእ ገሊፁ ኣሎ።
ኣብታ ሃገር ዘሎ ፀገም መሓውራዊ’ዩ ዝብል ዶክተር ደሳለኝ፡ “ምምሕያሽ ሕገ-መንግስቲ፣ ምስትኽኻል መሰል ውልቀን ጉጅለን፡ ውሑዳን ናይ ተናፀልን ሓባራውን ስልጣን ክረኽቡ ምኽኣል፡ ምምሕያሽ ስርዓት መረጻ ምምስራት ሕገ-መንግስታዊ ቤት-ፍርዲ፣ ውጥጣት ዶብ ምፍታሕ፡ ኣሉታዊ ተሳትፎ መንግስቲ ኣብ ግጭታት ምቍጽጻር፡ ሓባራዊ ታሪኻዊ ርድኢት ምፍጣር፡ ምጣነ ሃፍታዊ ተረባሕነት ምርግጋፅ” ዝኣመሰሉ መፍትሕታት ክውሰዱ ኣለዎም ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







