መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ሰላም ከስፍኑ ይኽእሉ 'ዶ?
![ፕረዚደንት ፑቲን[ጸጋም] ፕረዚደንት ራማፎሳ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/0772/live/1777ffb0-0cdd-11ee-9e94-25f17ea6acca.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሸውዓተ መራሕቲ ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ መላእ ኣህጉር ንዝነበረ ደረጃ መነባብሮ ብኸቢድ ዝጸለወ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ናብ ርእሰከተማ ኪየቭ ኣትዮም።
እቲ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ግብጺ፡ ሴኔጋል፡ ኮንጎ ብራዛቪል፡ ኮሞሮስ፡ ዛምብያን ዩጋንዳን ዝተዋጽአ ጉጅለ፡ ትማሊ ዓርቢ ምስ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ክራኸብ እንከሎ፡ ሎሚ ቀዳም ከኣ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ክራኸብ ትጽቢት ይግበር።
እንተኾነ ግና እቲ ተበግሶ፡ ኪየቭ ነቲ ብዙሕ ዝተዘረበሉ መልሰ መጥቃዕቲ ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን ይውሰድ ብምህላዉ፡ እዚ ናይ ምብጻሕ ግዘ ኣሰካፊ ይመስል።
እምበኣር እዚ ተልእኾ እንታይ ውጽኢት ክህልዎ ይኽእል?
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎሳ ነተን ኣቐዲመን ተመሳሳሊ ተበግሶታት ዝወሰዳ ቻይና፣ ቱርኪን ጳጳስ ፍራንሲስን ብምስዓብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነቲ ሓሳብ ከቕርብ ከሎ፡ መዓዝ ከምዝግበር ኣየነጸረን።
ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዲፕሎማሰኛ ነበርን ተንታኒ ስግኣትን ኪንግስለይ ማኩበላ፡ “ስትራተጂካዊ ድፍኢት ናይዚ ምትእትታው እንታይ እዩ? መራሕቲ ኣፍሪቃ ንረኣዩለይ ድዮም ዝገብርዎ ዘለው?” ክብል ይሓትት።
መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብቲ ግጭት ጸግዒ ካብ ምሓዝ እልይ ምባል ኣብ ዝመረጻሉን፡ ብዙሓት እቲ ጉዳይ ኣብ መንጎ ሩስያን ምዕራብን ዝተፈጥረ ግጥም ከምዝኾነ ጌሮም ኣብ ዝርእዩሉን ዘለው ኩነት፡ እቲ ተልእኾ ሃንደበት ዝቦቐለ ዘይተለምደ ጐስጓስ እዩ።
ካብታ ኣህጉር ወጻኢ ፈተነታት ዲፕሎማስያዊ ምትእትታው ምግባር’ውን፡ ሳሕቲ ዝርአ እኳ እንተኾነ ኣፍሪቃ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዓለምለኻውያን ትካላትን ዝዓበየ ድምጺ ክህልዋ ኣብ እትጠልበሉ ዘላ እዋን፡ “ብእወንታ ዝርአ ምዕባለ” ምዃኑ፡ ዓለምለኻዊ ዳይሬክተር ‘ክራይሲስ ግሩፕ’ ይገልጽ።
ነቲ ባይታ ዘጣጥሐ ሓላፊ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ሰላምን ልምዓትን ዘተኩር ትካል ብራዛቪል ፋውንዴሽን፡ ጀን-ይቨስ ኦሊቭየር ኰይኑ ርእይቶኡ ኣካፊሉ ኔሩ።
ሚስተር ኦሊቭየር፡ እቲ መዓልታት ብዕሊ ካብ ዝግለጽ ንደሓር ርእይቶታት ካብ ምሃብ እኳ እንተተቖጠበ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ዝተዘርግሐ ቃለ-መሕትታት፡ እቲ ዕላማ ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ዘይኰነ፡ ኣብቶም ነቲ ወተሃደራዊ ኵነታት ብቐጥታ ዘይጸልው ጉዳያት ዝርርብ ንምጅማርን ካብኡ ንምብጋስን ምዃኑ እዩ ሓቢሩ።
ሓደ ካብኣቶም ተኽእሎታት ምልውዋጥ ምሩኻት ኲናት ሩስያን ዩክረይንን እዩ።
ካልእ ንኣፍሪቃ ዝምልከቱ፡ ከም እኽልን ድዅዕን ዝኣመሰሉ ጉዳያት መፍትሒ ንምርካብ እዩ።
እቲ ኲናት ንሰደድ እኽሊ ዩክረይንን ድዅዒ ሩስያን ኣዝዩ ብምድራቱ፡ ኣብ ዙርያ ዓለም ኣብ ውሕስነት ምግቢ ጸቕጢ ፈጢሩ እዩ። ኣፍሪቃ ከኣ በዚ ኣዝያ ተሃስያ እያ።
መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ሩስያ ነቲ ዩክረይን ብጸሊም ባሕሪ እኽሊ ክትልእኽ ዘኽእል ተኣፋፊ ስምምዕ ክተናውሖ፡ ንፑቲን ከእምንዎ ክፍትኑ ምዃኖም ሚስተር ኦሊቭየር ሓቢሩ።
ዩክረይን’ውን ሩስያ ብቐሊሉ ድዅዒ ክትሰድድ ምእንቲ ክትኽእል ነቲ ዘሎ ቀይድታት እተፍኵሰሉ መገዲ ክትእልሽ ክምሕጸኑ እዮም። ኣብዚ እዋን ብዙሕ ድዅዒ ሩስያ ኣብ ወደባት ተዓጊቱ ይርከብ።
እንተኾነ፡ እቶም መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት “ተጨባጢ ስምምዕ” ንምምጻእ ክፍትኑ ምዃኖም ሚስተር ሙቲጋ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጸቕጢ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ኣፍሪቃ
እቲ ጉጅለ፡ ኣርባዕተ ፕረዚደንታት፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ግብጺ፣ ወኪል ኮንጎብራዛቪለን ናይቲ ብኮቪድ ተለኺፉ ዘሎ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቬኒ ወኪልን ዝሓዘ እዩ።
እዚኦም ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ኣፍሪቃ ዝተዋጽኡ ኰይኖም ኣብቲ ግጭት ዝተፈላለየ መርገጺ ኣለዎም።
ደቡብ ኣፍሪቃን ዩጋንዳን ናብ ሩስያ ዝዛዘዋ ክኾና እንከለዋ፡ ዛምብያን ኮሞሮስን ናብ ምዕራብ ዝቐረባ እየን። ግብጺ፡ ሴነጋልን ኮንጎ ብራዛቪልን ድማ፡ ዘይሻራዊ መርገጺ ኣለወን።
ኣብዚ ቀረባ እዋናት ዝተርኣየ ምዕባለታት ግና፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ተበግሶ ትጸልዎ ዘላ የምስል።
መንግስቲ ራማፎሳ፡ ንኲናት ሩስያ ይሕግዝ ኣሎ ብዝብል ካብ ኣሜሪካ ዝመጾ ዘሎ ጸቕጢ ይውስኽ ኣሎ። ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ሞስኮ ኣጽዋር ምልኣኻ’ውን እኳ እንተተኸሰሰት፡ ሓሶት ምዃኑ እያ ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግቲ ባይደን ንውጽኢት ወግዓዊ ምርመራ ፕሪቶርያ ይጽበ እኳ እንተሃለወ፡ ዘይሻራዊ ጉጅለ ኣባላት ፓርላማ ኣሜሪካ ግና ኣብ ልዕሊ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ኣገደስቲ ንግዳዊ ረብሓታት ዳግመ ግምት ብምግባር፡ መቕጻዕታዊ ስጉምቲ ክውሰድ ይጠልቡ።
ዳይሬክተር ትካል ትንተና ፖለቲካ ቻታም ሃውስ ኣሌክስ ቫይንስ፡ ኣሜሪካውያን ከምቲ ኣብ ምጅማር እቲ ኲናት ዝነበረ፡ ኣፍሪቃ ኣብቲ ኲናት ሓዲኡ ጸግዒ ክትሕዝ ኣይኰነን ዝደልዩ ዘለው ይብል።
ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ማእከላይ መርገጺ ሒዘን እየን ቀጺለን። እዚ ምስቲ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ዝነበረ ዝመሳሰልን ንሞስኮ ከም ምሕጋዝ ዘይርአን እዩ።
ኣሜሪካ ኣብዚ እዋን ጸግዒ ከም ዘይሓዛ ብንጹር ከርእያ እያ ትደሊ ብምባል፡ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝግበር ዘሎ ጸቕጢ መርኣያ ናይዚ ምዃኑ ሚስተር ቫይንስ የረድእ።
እቲ ተበግሶ ቅርጺ ክሕዝ ተራ ፕረዚደንት ራማፎሳ ቀንዲ እዩ ኔሩ። ንሱ ንፑቲንን ንዘለንስክን ከምኡ’ውን ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብስልኪ ኣዘራሪቡ እዩ።
ዋላ’ኳ ሩስያ ኰነት ዩክረይን ንዝርርብ ድለየታት እንተዘየርኣያ፡ ክልቲአን ነቲ ምብጻሕ ይደልይኦ እየን።
ሞስኮ ነቲ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለወን ጽልዋ ንምሕያል ዝገብርኦ ተበግሶታት ንምብዳህ ዝተፈላለየ ጻዕርታት ክተካይድ ጸኒሓ ኣላ። ኣብ ዝቕጽል ወርሒ’ውን ኣብ ሴንት ፒተርስበርግ ዋዕላ ሩስያ ኣፍሪቃ ክተካይድ እያ።
ዩክረይን’ውን ካብ ፈለማ ኣብ ኣፍሪቃ ዲፕሎማስያዊ ፈተነታት ጌራ እያ። ኣብ ቀረባ እዋን ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኣ ናብታ ኣህጉር ብምልኣኽ፡ ጉዳያ ክተረድእ ፈቲና እያ። ስለዚ ነዚ መገሻ’ውን ነዚ ዕላማ ክትጥቀመሉ እትኽእል ካልእ ኣጋጣሚ እዩ።
ዩክሬናውያን “ነቶም ኣፍሪቃውያን ሸምገልቲ ኣብ ኣኼባ ሩስያ ኣፍሪቃ ከይሳተፉ ከእምንዎም ክፍትኑ ይኽእሉ እዮም” ይብል ዶክተር ማኩቤላ።
ንሱ ወሲኹ “ሩስያውያን ከም ዘይተነጸሉ ከርእዩ ክደልዩ እዮም። እቲ ድሌታቶም ግና፡ ተጻራሪ ብምዃኑ እቶም መራሕቲ ኣፍሪቃ ናብ ሴንት ፒተርስበርግ ኣብ ምኻድን ምትራፍን ክቕርቀሩ እዮም” ይብል።
ተንተንቲ፡ እቲ ኣኼባ መርኣያ ዝምድና ኣፍሪቃን ሩስያን ምዃኑ እኳ እንተገለጹ፡ መርኣያ መርገጺ ኣይኮነን ይብሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







