ሩስያ: ኑክሌራዊ ኣጽዋር ናብ ቤላሩስ ኣጸጊዓ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ስደት እትርከብ መራሒት ተቓዋሚት ቤላሩስ ስቨትላና ቲካኖቭስካያሚስ፡ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ሩስያ ኣብ "ኢድ ዕቡድ ውልቀ መላኺ ቤላሩስ" ምእታዉ ሓደጋ ከምዘለዎ ኣጠንቂቓ።
ቲካኖቭስካያ ኣብ ዋርሶ - ርእሰ ከተማ ፖላንድ - ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ምዕራባውያን ፖለቲከኛታት ድሕሪ ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት ኣብ 1991 ካብ ሩስያ ወጻኢ ንፈለማ እዋን ታክቲካዊ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ክንቀሳቐስ፡ "ስቕ ኢሎም ርእዮም" ክትብል ከሲሳ።
ፕረዚደንት ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ፡ "ሚሳይላትን ቦምባታትን" ናብታ ሃገር ከምዝኣተዉ ድሕሪ ምርግጋጹ እዩ እታ መራሒት ከምኡ ዝበለት።
መራሒ ቤላሩስ ሚስተር ሉካሼንኮ፡ ነዚ ዝገለጸ ምስ ሓደ ሩስያዊ ኣቕራቢ መንግስታዊ ቲቪ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ኣብ ገጠራት ቤላሩስ ኣብ ገለ ቦታታት ወተሃደራዊ መካይን ጽዕነትን መሳርሒታትን ብጥንቃቐ ኣብ ድሕሪት ተቐሚጦም ይረአዩ ነይሮም ድሕሪ ምባሉ እዩ።
እቲ ኣቕራቢ መደብ፡ ንመግለጺኡ ከነጽር ምስ ሓተቶ - ክልቲኦም እናተዋዘዩ ዝዓይነቱ፡ ሚስተር ሉካሸንኮ፡ ፍሽኽ ኢሉ፤ "ኵሉ ኣይኮነን፤ ቀስ ብቐስ ይመጽእ ኣሎ፡" ኢሉ።
ሚስተር ሉካሼንኮ ከም ቀንዲ መሓዛ ሩስያ ዝረአ ኰይኑ፡ ኣብ ለካቲት 2022 ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንዝገበሮ ምሉእ ወራር፡ ቤላሩስ ከም መበገሲት ኰይና ኣገልጊላ።
ሚስተር ሉካሼንኮ፡ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት መሻርኽቲ ዩክረይን ንምፍርራሕ ዝዓለመ ብንጹር ኣብ ዝሃቦ ርእይቶታት፡ ቦምባታት ሩስያ ካብቲ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ናጋሳኪን ሂሮሺማን ዝደርበየቶ ቦምባታት "ብሰለስተ ዕጽፊ ዝሓየለ" ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
ወሲኹ፡ ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ጥራይ ከምዘይሓተቶ ገሊጹ።
"ክምለሱ ሓቲተዮ" ዝበለ ሉካሼንኮ፡ ካብ ግዳማዊ ምጥቃዕ ንምክልኻል ከምዘድልዮም ብምግላጽ - እዚ ድማ ንኹሉ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ዝገብሮ ዓፈና ንምምኽናይ'ውን ዝጥቀመሉ ሓሶት እዩ።
ሚስተር ሉካሼንኮ፡ ካብ 1994 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መራሒ እዩ።
ኣብ 2020 ኣብ ዝተኻየደ ኣካታዒ ምርጫ ኸኣ ከም ዝተዓወተ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብታ ሃገር ሰፊሕ ህዝባዊ ናዕቢ ተላዒሉ ነይሩ። እንተዀነ ሓይልታት ጸጥታ 'ኬጂቢ ቤላሩስ' ብኣረሜናዊ ስጕምቲ ወሲዶም ኣዐጊሶምዎ።
ቤላሩስ ከም ዩክረይንን ካዛኪስታንን፡ ኣብ 1990ታት ካብ ድሕረ-ሶቭየት ሩስያን ምዕራባውያንን ኣምስያ ውሕስነት ጸጥታ ንምርካብ፡ ኣብ 1990ታት ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ገዲፋቶ።
እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ኣጽዋር ሩስያ ከምዝበጽሐ ዝሕብር መርትዖ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ እዚ ነቲ ዝገማጠል ዘሎ ኵነታት ዘመላኽት ይመስል።

ምንጪ ስእሊ, EPA-EFE/REX/SHUTTERSTOCK
ሚስተር ፑቲን ንመጀመርያ ግዜ ኣብ መጋቢት ነቲ ምስግጋር ኣጸዋር ዘፍለጠ ኰይኑ፡ ኣመሪካ ኣብ ኣውሮጳ ተመሳሳሊ ኣጽዋር ከምዘዋፈረት ኣመልኪቱ።
ድሒሩ እቲ ስጕምቲ መኽዘን ቦታታት ምስ ተዳለወ ጥራይ ከም ዝፍጸም'ኳ እንተገለጸ፡ ሕጂ ግን ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ፡ ቤላሩስ "ካብ ኣኽላባት ዓዲ ዝበዝሐ መኽዘን ቦታታት" ከምዘለዋን፡ ሓያሎ ድማ ድሮ ከምዝተሓደሱን ይዛረብ።
ሞስኮ፡ ነቶም ሚሳይላት ክትቈጻጸሮም ምዃና ገሊጻ፡ እዚ ድማ ታክቲካውን፡ ካብ ነዊሕ ርሕቀት ዝኸይድ ስትራተጂያዊ ኣጽዋር ዘይኮነን እዩ።
ሚስተር ሉካሼንኮ፡ "ኣነ ምስ ኣሜሪካ ክዋጋእ መደብ የብለይን፤ ታክቲካዊ ኣጽዋር ግን ጽቡቕ'ዩ። እቲ ሮኬት ድማ 500 ኪሎሜተር ወይ ልዕሊኡ ይጓዓዝ።"
ሚስ ቲካኖቭስካያ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ መንጐ ካብ ሩስያ ይኹን ካብ ቤላሩስ ዝተተኮሰ ሚሳይል ፍልልይ ከምዘይርእያ ብምእማን፡ "እዚ ምውፋር ንሃገራት ኔቶ ዝዀነ ሓድሽ ስግኣት ኣይፈጥርን'ዩ፡ ስለዚ ብዕቱብ ኣይወስድዎን" ኢለን።
ሩስያ፡ ኣብቲ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ካሊኒንግራድ እትርከብ ዞባኣ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ስለዘለዋ፡ ንፖላንድን ሃገራት ባልቲክን ኣብ ቀረባ ርሕቀት ኣእትይወን።
"ቤላሩስ ግን ሃገርና እያ፡ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣይንደልን ኢና" ኢላ እታ መራሒት ተቓወምቲ ወይዘሮ ቲካኖቭስካያ።
"እዚ ናጽነትና ንምዕቃብ ዝወሰድናዮ ናይ መወዳእታ ስጕምቲ'ዩ። ንሳቶም [ምዕራባውያን] ድማ ብዛዕባ'ዚ ስቕ ይብሉ ኣለዉ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







